ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 124
  • ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ዝርርብ ብኸመይ ትጅምር
  • ናይ ምዝርራብ ክእለትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንምሃብ ዝርርብ ብኸመይ ከም እትጅምር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተገዳስነት
    ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ምስ ሰብ ሕዉስ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧
    ንቕሑ!—2000
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 124
ሓደ መንእሰይ ወዲ ኣብ እዋን ምሳሕ ምስ እተወሰኑ መማህርቱ የዕልል።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ዝርርብ ብኸመይ ትጅምር፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ስለ ዜጸግሞምን ስለ ዜጨንቖምን ተክስት ምጽሓፍ ከም ዚቐልሎም ይዛረቡ።

“ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ከለኻ ነቲ እትዛረቦ ኽትእርሞ ወይ ክትድምስሶ ስለ ዘይትኽእል ጸቕጢ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።”—ኣና።

“ተክስት ምጽሓፍ ኣቐዲሙ ኸም እተቐድሐ መደብ እዩ፣ ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ግና ብቐጥታ ኸም ዚመሓላለፍ ፈነወ እዩ። ምስ ሰብ ክዘራረብ ከለኹ፡ ‘ተጠንቀቕ ከይትጋገ!’ ዚብል እዩ ናብ ኣእምሮይ ዚመጸኒ።”—ጂን።

ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ዝርርብ ክእለት ኬድልየካ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ንምጥራይ፡ ስራሕ ንምርካብን ንምዕቃቡን፡ ከምኡ እውን ፍቕራዊ ርክብ ንምጅማር ድሉው ኣብ እትዀነሉ እዋን እዚ ኽእለት እዚ ኼድልየካ እዩ።

እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ሓፋር እውን እንተ ዀንካ ኸይተጨነቕካ ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ኣምፑል።

ምኽሪ፦ ከይጋገ ኢልካ ኣይትፍራህ። ናይ ዝርርብ ክእለት ምምዕባል ብሽክለታ ምስ ምልምማድ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ፈለማ፡ እናወደቕካ እናተንሳእካ ኢኻ እትለማመዳ፣ ደሓር ግና ክትመልካ ትጅምር። ናይ ዝርርብ ክእለት እውን ከምኡ እዩ።

“ሓድሓደ ግዜ ጌጋ እንተ ተዛሪብና ንሓፍር ኢና። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ እተዋረድካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ።”—ኒል።

ዝርርብ ብኸመይ ትጅምር

  • ሕቶታት ሕተት። ንሰባት ዜገድሶም ኣርእስቲ ሕሰብ፡ ብእኡ ተጠቒምካ ድማ ዝርርብ ጀምር። ንኣብነት፦

    “ዕረፍቲ ኸመይ ነይሩ፧”

    “እዚኣ ሓሪፍ ወብሳይት እያ፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢኻያ ትፈልጥ፧”

    “ብዛዕባ . . .  ሰሚዕካዶ፧”

    ወይ ከኣ ምስቲ ሰብ ዘለኩም ናይ ሓባር ነገር ሕሰብ። ንኣብነት፡ መማህርቲ ወይ መሳርሕቲ ዲኹም፧ እምበኣር፡ ኣብዚ ተመስሪትካ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

    ክልተ መንእሰያት ምሳሕ እናበልዑ የዕልሉ። ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ስእላዊ መግለጺ ብዛዕባ ዅዕሶ እግሪ ኸም ዚዛረቡ የርኢ።

    “ርእይቶ ሰባት ክትሰምዓሉ እትደሊ ሕቶታት ሕተት።”—ማሪትዛ።

    ኣምፑል።

    ምኽሪ፦ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓይነት ሕቶታት፡ ጽቡቕ መጀመሪ ዝርርብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዚክኣል እንተ ዀይኑ፡ መልሱ ‘እወ’ ወይ ‘ኣይፋልን’ ጥራይ ዘይኰነ ሕቶታት ሕተት። ንኣብነት፡ “ነታ ፊልም ፈቲኻያዶ፧” ኣብ ክንዲ እትብል፡ “ነየናይ ክፋል እታ ፊልም ፈቲኻዮ፧” ኢልካ እንተ ሓቲትካ ጽቡቕ ምላሽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

    ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ፦ ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ እናሓተትካ ኸም መርማሪ ኣይትኹን። ብዘይካዚ፡ ዜሰክፎም ሕቶታት ኣይትሕተት። ንኣብነት፡ ከም “ኣዝዩ ዜፍርሃካ ነገር እንታይ እዩ፧” ወይ “ስለምንታይ ኢኻ ወትሩ ሰማያዊ ኽዳን እትኽደን፧” ዝኣመሰለ ሕቶታት ኬሸቝርሮም ይኽእል እዩ። ብፍላይ እታ ኻልአይቲ ሕቶ ትነቕፎም ዘለኻ ኸተምስል ትኽእል እያ።

    ሕቶ ኽትሓትት ከለኻ ኸም መርማሪ ምእንቲ ኸይትመስል ብዛዕባ ዝሓተትካዮ ሕቶ እቲ ሰብ ቅድሚ ምምላሱ ወይ ድሕሪ ምምላሱ ርእይቶ ሃብ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከም ቃለ መጠይቕ ዘይኰነስ፡ ከም ዕላል ግበሮ።

    ሓደ መንእሰይ ናይ ፖሊስ ኽዳን ተኸዲኑ ተጸዊጉ ይጽሕፍ። ኣብ ስግርኡ ዘሎ ወዲ ሰምቢዱ ገጹ በርበረ ይመስል።

    እቲ እትሓትቶ ሕቶታት ከም መርማሪ የምስለካ ድዩ፧

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓሳባት ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣ ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ።”—ምሳሌ 20:5።

  • ንፉዕ ሰማዒ ኹን። ምስ ሰባት እትገብሮ ዝርርብ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ዝያዳ ሰማዒ እምበር፡ ተዛራቢ ኣይትኹን።

    “ብዛዕባ እቲ ዘዘራርቦ ዘለኹ ሰብ ሓደ ሓድሽ ነገር ክፈልጥ እጽዕር እየ። ኣብ ዚቕጽል ሕቶ ምእንቲ ኽሓትቶ ነቲ ዝነገረኒ ነገር ክዝክሮ እጽዕር እየ።”—ታማራ።

    ኣምፑል።

    ምኽሪ፦ ኣብ መንጎ ዕላል እንተ ጠፊኡካ፡ ኣይትረበሽ። ነቲ ዘለኻዮ ኸባቢ ኣስተብህለሉ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣብ ስራሕ፡ ወይ ኣብ ሓደ ምትእኽኻብ ዲኻ ዘለኻ፧ እቲ ዘለኻዮ ቦታ ዕላል ንኽትጅምር መበገሲ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ንመሳርሕትኻ፡ “ኻብ ርሑቕ ዲኻ እትመጽእ፧” ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ።

    ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ፦ ቀጺልካ ብዛዕባ እትብሎ ኣይትጨነቕ። ጽን በሃሊ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ንሱ ዝበሎ ተበጊስካ ዝርርብ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ኹን።’—ያእቆብ 1:19።

  • ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። ብዛዕባ እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ዝያዳ ትግደስ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ዕላል ክትፈትዎ ኢኻ።

    ክልተ መንእሰያት ኣዋልድ ኣብ ደገ ኣብ ዘሎ መንበር ኮፍ ኢለን ዓይኒ ንዓይኒ ይጠማመታ። እታ ሓንቲ ኽትዛረብ ከላ እታ ሓንቲ ብኣቓልቦ ትሰምዓ።

    “እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ብሓቂ ኸም እትግደሰሉ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ዕላልኩም ኣብ መንጎ እኳ እንተ ተቛረጸ፡ እቲ ዝርርብ ዜሐጕስ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”—ማሪ።

    ኣምፑል።

    ምኽሪ፦ ነቲ ሰብ ብቕንዕና ንኣዶ፡ ድሕሪኡ፡ ሕቶ ሕተቶ። ንኣብነት፡ “ጽብቕቲ ጁባ፣ ካበይ ዓዲግካያ፧” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።

    ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ፦ ዜሰክፍ ሕቶ ኣይትሕተት። ንኣብነት፡ “ጽብቕቲ ጁባ፣ ክንደይ ዓዲግካ፧” እንተ ኢልካዮ ደስ ከይብሎ ይኽእል እዩ።

    ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4።

ንዝርርብካ ብኸመይ ክትድምድሞ ትኽእል፧ ነዚ ብዚምልከት ጆርዳን ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ነቲ ዕላልካ ብኣወንታዊ መገዲ ዛዝሞ። ‘ጥዑም ኣዕሊልና፡’ ወይ ‘ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልካ’ እንተ ኢልካዮ ኣብ ዚቕጽል ምስ ተራኸብኩም ብቐሊሉ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።”

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

  • ቤተል።

    “ምስ ሰባት ብኸመይ ዝርርብ ከም እትጅምር ምልምማድ፡ ሓድሽ ቋንቋ ምስ ምምሃር ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ፈለማ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ግና ከተመሓይሽ ትኽእል ኢኻ።”—ቤተል።

  • ኣይዛክ።

    “እቲ ሰብ ኪዛረብ ከሎ ጽን ኢልካ ስምዓዮ ናብኡ እውን ጠምት።። ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ ድማ ርእስኻ ነቕንቕ፣ ፍሽኽ እውን በል። ሰባት ትሰምዖም ከም ዘለኻ ምስ ዚርእዩ ባህ እዩ ዚብሎም።”—ኣይዛክ።

  • ካት።

    “ምስ ሰባት ክዘራረብ ከለኹ እጭነቕ ነይረ እየ። ሕጂ እውን ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ይስምዓኒ እዩ። ኣብ ናይ ርእሰይ ጭንቀት ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ ኣብቲ ሰብ ናይ ሓቂ ተገዳስነት እንተ ኣርእየ ግና ፍኹስ እዩ ዚብለኒ።”—ኬት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ