ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ግንቦት ገጽ 32
  • ልብኻ ኣዳሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልብኻ ኣዳሉ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ልቢ ኣጥሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተምሃሮና ኺዳለዉ ንምሃሮም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ንፉዕ መምህር ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ድሉው ብዝዀነ ልቢ ንየሆዋ ምድላዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ግንቦት ገጽ 32

ምኽሪ መጽናዕቲ

ልብኻ ኣዳሉ

መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ ሓሳባት የሆዋ ንልብና ወይ ንውሽጣዊ ስብእናና ኺጸልዎ ንደሊ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ እዝራ ሰናይ ኣብነት ሓዲጉ ኣሎ። ብዛዕባኡ፡ “ሕጊ የሆዋ ንምምርማር . . . ልቡ ኣዳለወ” ዚብል ነንብብ። (እዝ. 7:10) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ልብና ኸነዳሉ እንኽእል፧

ጸሊ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ ጸሊ። ነቲ እትምሃሮ ምእንቲ ኽትርድኦን ምእንቲ ኽትትግብሮን፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን።—መዝ. 119:18, 34።

ትሑት ኩን። ኣምላኽ ንዕቡያትን ብርእሶም ንዚምክሑን ሰባት ሓቂ ኣይገልጸሎምን እዩ። (ሉቃ. 10:21) ስለዚ፡ ምርምር እትገብረሉ ዕላማ፡ ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢልካ ኪኸውን የብሉን። ኣተሓሳስባኻ ምስ ናይ ኣምላኽ ኣብ ዘይሳነየሉ መዳያት፡ ብትሕትና ኣተሓሳስባኻ ቐይር።

መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ ስማዕ። ሙዚቃ ንልብና ኺዛረቦ፡ ንኣምልኾ እውን ኬዳልወና ይኽእል እዩ። መጽናዕቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ መዝሙር መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ሰሚዕካ፡ ልብኻ ኺዳሎ ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ