ክርስትያናዊ ህይወት
“ፍቕሪ . . . ኣይትንፋሕን”
ፍቕሪ፡ ትሑታት ክንከውን ትሕግዘና። (1ቈረ 13:4) ንኣሕዋትና ምስ እነፍቅሮም፡ ንርእስና ኻብኦም ኣብሊጽና ኣይንርእያን ኢና። የግዳስ፡ ኣብቲ ጽቡቕ ጐድኖም ከነተኵር ንጽዕር፡ ብኽእለትና ኸኣ ንሕግዞም ኢና። (ፊል 2:3, 4) ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣዕዚዝና ነርኢ እንተ ዄንና፡ የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ዝያዳ ኺጥቀመልና ይኽእል እዩ።
ነታ ፍቕሪ እንታይ ምዃና ዘክር—ኣይትንፋሕን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣቤሴሎም እንታይ ውህበታት እዩ ነይርዎ፧
ንውህበቱ ብዘይግቡእ እተጠቕመሉ ብኸመይ እዩ፧
ብትዕቢት ከይንንፋሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ገላ 5:26