ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ | ኣብ ኣገልግሎት ሓጐስካ ወስኽ
ናውቲ ምርምር ብምጥቃም
የሆዋ ብኽእለት ምእንቲ ኽንምህር፡ ቪድዮታት፡ ትራክትታት፡ መጽሔታት፡ ብሮሹራት፡ መጻሕፍቲ፡ ነቲ ቐንዲ ንዋት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ሂቡና እዩ። (2ጢሞ 3:16) ብዘይካዚ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ ጌርና ምእንቲ ኽንገልጾ ዚሕግዘና ናውቲ ምርምር ሂቡና እዩ። እዚ ድማ ዋችታዎር ላብረርን JW Library® ኣፕሊኬሽንን ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛን መሐበሪ ምርመር ናይ የሆዋ መሰኻኽርን የጠቓልል።
ብናውቲ ምርመር ጌርካ መንፈሳዊ ሃብቲ ንምርካብ ክትኵዕት ከለኻ፡ በቲ እትረኽቦ ብዙሕ ሓበሬታታት ክትሕጐስ ኢኻ። ንተምሃሮኻ ነዚ ናውቲ እዚ ብኸመይ ከም ዚጥቀምሉ ኣሰልጥኖም። ንሳቶም እውን ንሕቶታቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ብምርካቦም ኪሕጐሱ እዮም።
ነታ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ተሓጐስ—ሓገዝ የሆዋ ተቐበል—ናውቲ ምርምር ብምጥቃም ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ጀድ ንፍጥረት ዚምልከት ዘይተቐበለቶ እንታይ እዩ ነይሩ፧
ኒታ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር ሓበሬታ ኻበይ እያ ረኺባ፧
መንፈሳዊ ሃብቲ ምርካብን ምክፋልን ሓጐስ የምጽኣልና
ንጀድ ዚኸውን ጽቡቕ ሓበሬታ ዝመረጸት ብኸመይ እያ፧
ኒታ ንናውቲ ምርምርና ምጥቃማ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩላ፧