ክርስትያናዊ ህይወት
ኣቱም መንእሰያት፡ የሆዋ ናይ ቀረባ ዓርክኹም ድዩ፧
ዓርክኻ እንታይ ባህርያት ኪህልዎ ኢኻ እትደሊ፧ ተኣማንነትን ለውሃትን ልግስን ኣኽቢርካ እትርእዮ ባህርያት ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ዅለን እዘን ባህርያት ኣለዋኦ። (ዘጸ 34:6፣ ግብ 14:17) ናብኡ ኽትጽሊ ኸለኻ ይሰምዓካ እዩ። ሓገዝ ኣብ ዜድልየካ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይሕግዘካ እዩ። (መዝ 18:19, 35) ንጌጋኻ ይሓድገልካ እዩ። (1ዮሃ 1:9) የሆዋ ኸመይ ዝበለ ተፈታዊ ዓርኪ ዀን እዩ!
ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ቃሉ ብምንባብ ብዛዕባኡ ተምሃር። ብእኡ ተኣመን። (መዝ 62:8፣ 142:2) ነቲ ኸም ወዱ፡ መንግስቱ፡ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ተስፋታቱ ዝኣመሰለ ንየሆዋ ዜገድሶ ነገራት ኣኽቢርካ ርኣዮ። ብዛዕባኡ ንኻልኦት ንገር። (ዘዳ 32:3) ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ዕርክነት እንተ ኣማዕቢልካ፡ ንሱ እውን ንዘለኣለም ዓርክኻ ኪኸውን እዩ።—መዝ 73:25, 26, 28።
ነታ ኣቱም መንእሰያት—“የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ንወፈያን ንጥምቀትን ክትዳሎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋት፡ ንየሆዋ ኸተገልግሎ ኺሕግዙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ኣገልግሎት ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧
ምስ የሆዋ ዘለኣለማዊ ዕርክነት ኪህልወካ ይኽእል እዩ!
ኣብ ምንታይ መዳያት ኣገልግሎት ክትካፋል ትኽእል፧
ብዛዕባ የሆዋ እትፈትዎ እንታይ እዩ፧