ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ነሓሰ ገጽ 3
  • ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ግዜ ኣሕልፍ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ግዜ ኣሕልፍ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮኣስ ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ንየሆዋ ሓደጎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንንግስነት ኣዕቈበ
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • ንየሆዋ ኽንፈርሆ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • የሆዋ፡ ተባዕ ስጕምቲ ይባርኽ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ነሓሰ ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ግዜ ኣሕልፍ

ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ግዜ ኸነሕልፍ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ኣዕሩኽና ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድሩልና ይኽእሉ እዮም። (ምሳ 13:20) ንኣብነት፡ ንጉስ ዮኣስ ምስ ካህን የሆያዳ ግዜ የሕልፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ይገብር ነበረ።” (2ዜና 24:2) ድሕሪ ሞት የሆያዳ ግና ዮኣስ ብሰንኪ ሕማቕ ዕርክነት ንየሆዋ ሓደጎ።—2ዜና 24:17-19።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ “ዓብዪ ቤት፡” ንኣባላት ጉባኤ ድማ ምስ “ኣቕሑ” ኣመሳሲልዎም ኣሎ። ንየሆዋ ዜጕሂ ነገራት ካብ ዚገብር ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ዋላ እውን ኣባል ስድራ ቤትና ዀነ ኣባል ጉባኤ፡ ካብኡ እንተ ርሒቕና “ንኽብሪ ዚኸውን ኣቕሓ” ዄንና ኽንቅጽል ንኽእል ኢና። (2ጢሞ 2:20, 21) ስለዚ፡ ምስቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ንዕኡ ኸነገልግሎ ዜተባብዑናን ሰባት ንተዓራረኽ።

ነታ ካብ ሕማቕ ዕርክነት ርሓቕ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ከይተፈለጠና ምስቶም ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድሩልና ዚኽእሉ ሰባት፡ ግዜ ኸነሕልፍ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ኣብቲ ድራማዊ ቪድዮ፡ ሰለስተ ክርስትያናት ካብ ሕማቕ ዕርክነት ኪርሕቑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

  • ኣዕሩኽካ ብጥበብ ክትመርጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣየናይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ፧

ጆን ንዓመዊሉ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ወይኒ ይቐድሓሎም፣ ክሪስቲን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይርኢ፣ ጀይደን ኣብ ኦንላይን ይጻወት፣ ጆን ምስ ስድራ ቤቱ፡ ክሪስቲንን ጀይደንን ኣብ ኣኼባ ጉባኤ

“ንኽብሪ ዚኸውን ኣቕሓ” ድየ፧—2ጢሞ 2:21

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ