ንኽንሰብኽ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧
1. ፍቕሪ ምስ ኣገልግሎትና እንታይ ርክብ ኣለዋ፧
1 ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ሎሚ ኽንዓይዮ ኻብ እንኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ዝዓዘዘ ትርጕም ዘለዎ ዕዮ እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ምዕያይና፡ ነተን ንየሆዋን ንብጻይናን ከነፍቅር እተዋህባና ኽልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ከም እንሕልወን የርኢ። (ማር. 12:29-31) ፍቕሪ፡ ቀናኣት ኣገልገልቲ ንኽንከውን ትድርኸና እያ።—1 ዮሃ. 5:3።
2. ስብከትና ንየሆዋ ኸም እነፍቅሮ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
2 ፍቕሪ ንየሆዋ፦ እታ ነቲ ኽቡር ፈታዊና ዝዀነ የሆዋ ዘላትና ፍቕሪ፡ ኣብ ክንዳኡ ንኽንዛረብ ትድርኸና እያ። ሰይጣን ንየሆዋ ንኣስታት 6,000 ዓመት ኬካፍኦ ጸኒሑ እዩ። (2 ቈረ. 4:3, 4) ስለዚ ድማ እዮም ሰባት፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ብሃልሃልታ ሓዊ ኸም ዜሳቕዮም፡ ምስጢራዊ ስላሴ ኸም ዝዀነ፡ ከምኡውን ብዛዕባ ደቂ ሰብ ግዲ ኸም ዘይብሉ ገይሮም ዚኣምኑ። ሓያሎ ኻልኦት እውን ኣምላኽ ከም ዘየለ ይኣምኑ። ሰባት ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦና እቲ ሓቂ ኺፈልጡ ንህንጠ ኢና። እቲ መሰኻኽር ኣምላኽ ንኽንከውን እንገብሮ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕሪ፡ ንየሆዋ የሐጕሶ፡ ንሰይጣን ግና የበሳጭዎ እዩ።—ምሳ. 27:11፣ እብ. 13:15, 16።
3. ኣገልግሎትና ንብጻይና ኸም እነፍቅር ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
3 ፍቕሪ ንብጻይና፦ ንሓደ ሰብ ክንምስክረሉ ኸለና፡ ከም እነፍቅሮ ኢና እነርኢ። ኣብዘን ጽንኩራት መዓልትታት፡ ሰባት ብስራት ኪሰምዑ ብሓቂ የድልዮም እዩ። ሓያሎ ሰባት ምስቶም “የማኖም ካብ ጸጋሞም ኪፈልዩ ዘይኽእሉ” ብግዜ ዮናስ ዝነበሩ ሰብ ነነዌ ይመሳሰሉ እዮም። (ዮና. 4:11) ኣብ ኣገልግሎት፡ ሰባት ብኸመይ ባህ ዜብልን ዜሐጕስን ህይወት ኪነብሩ ከም ዚኽእሉ ንምህር ኢና። (ኢሳ. 48:17-19) ተስፋ ኸም ዚህልዎም እውን ንገብር ኢና። (ሮሜ 15:4) ነቲ እተመሃርዎ ሰሚዖም ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒሎምዎ ድማ ‘ኪድሕኑ’ እዮም።—ሮሜ 10:13, 14።
4. የሆዋ እንታይ እዩ ፈጺሙ ዘይርስዕ፧
4 ንፉዓት ቈልዑ ንወለዶም ኣብ ምዱብ ግዜያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ እዮም ዜፍቅርዎም። ብተመሳሳሊ፡ ንኣምላኽን ንብጻይናን ሓያል ፍቕሪ እንተ ኣልያትና፡ ኣብ ምዱብ እዋናት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ወትሩ ንኽንሰብኽ ዜኽእለና ኣጋጣሚታት ንኸነናዲ ኽትድርኸና እያ። እወ፡ ከየቋረጽና ኽንሰብኽ ኢና። (ግብ. 5:42) የሆዋ ነዛ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ፍቕሪ ፈጺሙ ኣይርስዓን እዩ።—እብ. 6:10።