ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/06 ገጽ 1
  • ቀዳምነት እትህቦ ነገር እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቀዳምነት እትህቦ ነገር እንታይ እዩ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ካብዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • መዘናግዒኻ ጠቓሚ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ኼርሕቐካ ኣይትፍቀድ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 10/06 ገጽ 1

ቀዳምነት እትህቦ ነገር እንታይ እዩ፧

1 ነዛ ሕቶ እዚኣ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧ ርግጽ እዩ ዅልና ንመንግስቲ ኣምላኽ ኢና ቐዳምነት ክንህብ እንደሊ። (ማቴ. 6:33) እንተዀነ ግን ንገዛእ ርእስና: “እቲ ዝገብሮ ምርጫታት: ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ከም ዝሰርዕ ዘርኢ ድዩ፧” ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ: “ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ እዩ ዜተባብዓና። (2 ቈረ. 13:5) ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንህብ ከም ዘሎና ንምርግጋጽ ብኸመይ ርእስና ኽንምርምር ንኽእል፧

2 ግዜና:- ንግዜና ኣብ ምንታይ ከም እነሕልፎ ብምምርማር ክንጅምር ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 5:15, 16) ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ንምስታፍ: ተለቪዥን ኣብ ምርኣይ: ኢንተርነት ኣብ ምጥቃም ወይ ባህ ዚብለና ነገራት ኣብ ምግባር ክንደይ ዚኸውን ግዜ ነሕልፍ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም እነሕልፍ ኣብ ወረቐት ጽሒፍና ምስቲ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት እነሕልፎ ግዜ እንተ ነወዳድሮ: ኣዝዩ ምገረመና ነይሩ። ነቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ሓዲግና ምሾት ዘለዎ ናብራ ንምንባር ነዊሕ ሰዓታት ንሰርሕ ዲና፧ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ኽንዘናጋዕ ኢልና ብምጋሽ ክንደይ ግዜ ኢና ኻብ ኣኼባታት ወይ ኣገልግሎት እነብኵር፧

3 ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ምስራዕ:- መብዛሕትና ነቲ ኽንገብሮ እንደሊ ዅሉ ነገራት ንምግባር ዚኸውን እኹል ግዜ የብልናን። ስለዚ: መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳም: ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ክንግምግምን ነቲ “ዚሓይሽ” ነገር ቀዳምነት ክንህቦን የድልየና። (ፊል. 1:10) እዚ ቓል ኣምላኽ ምጽናዕ: ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍ: ንስድራቤትካ ምሕላይ: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ የጠቓልል። (መዝ. 1:1, 2፣ ሮሜ. 10:13, 14፣ 1 ጢሞ. 5:8፣ እብ. 10:24, 25) እተወሰነ ምውስዋስ ኣካላትን ጥዑይ መዘናግዕን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ንጥፈታት ምግባር ጠቓሚ እዩ። (ማር. 6:31፣ 1 ጢሞ. 4:8) እንተዀነ ግን: እዚ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት እዚ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ካብ ምሃብ ኪዓግተና የብሉን።

4 ሓደ መንእሰይ ሓው: ዓለማዊ ስራሕ ንምርካብ ኢሉ ዝለዓለ ትምህርቲ ንምምሃር ኣብ ክንዲ ዚጓየ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኬቐድም ደለየ። ካልእ ቋንቋ ተማሂሩ ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልይሉ ቦታ ገዓዘ። “ኣዝዩ ባህ ዜብል ግዜ እየ ዘሕልፍ ዘለኹ። ኣገልግሎት ኣዝዩ እዩ ዜሐጕስ! ኵሎም መንእሰያት ነዚ ዚመስል ነገር ኪገብሩ እሞ ኸምዚ ንዓይ ዝስምዓኒ ዘሎ ኺስምዖም እምነ። ብዘሎና ዅሉ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ዚበልጽ ነገር የልቦን” በለ። እወ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ምሃብ ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽኣልና። ልዕሊ ዅሉ ግን: ከምዚ ምግባር ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ የሐጕሶ።—እብ. 6:10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ