ጽቡቕ ልማድ ኣማዕብል: ብዙሕ በረኸት ድማ ዕጸድ
1. መንፈሳዊ ልማድካ ኽትምርምር ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1 ፈለማ ክርስትያን ምስ ኰንካ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣገልግሎት ወፍሪ: ከምኡውን ጸሎት ዜጠቓልል ጥዑይ መንፈሳዊ ልማድ ንኺህልወካ ኣበርቲዕካ ትጽዕር ኔርካ ኽትከውን ኣሎካ። የሆዋ ንጻዕርታትካ ስለ ዝባረኾ ድማ ብመንፈስ ዓቢኻ ኢኻ። ሕጂ ግን ምናልባት ካብ እትጥመቕ ገለ ዓመታት ሓሊፉ ይኸውን። ክርስትያን ክትከውን ከለኻ ዘጥረኻዮ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ዓቂብካዮዶ ኣለኻ፧
2. ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ንጥቀም፧
2 ልማድካ መርምር:- መዓልታዊ ቓል ኣምላኽ ናይ ምንባብ ልማድ ኣሎካዶ፧ ከምዚ ምግባር ብዙሕ በረኸት እዩ ዜምጽእ። (እያ. 1:8፣ መዝ. 1:2, 3) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ነፍሲ ወከፍ ንጉስ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ቕዳሕ እቲ ሕጊ “ዅሉ መዓልቲ ህይወቱ” ኼንብቦ ነበሮ። እንታይ ረብሓኸ ነበሮ፧ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ንየማን ኰነ ንጸጋም ምእንቲ ኸይዘብል: ትሑት ልቢ የማዕብልን ፍርሃት የሆዋ ይመሃርን ነበረ። (ዘዳ. 17:18-20) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዛ እክይትን ብልሽውትን ዓለም መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ክንከውን ይሕግዘና። ንኣገልግሎት ዝያዳ ዕጡቓት ክንከውን እውን ይድግፈና።—ፊል. 2:15፣ 2 ጢሞ. 3:17
3. ኣዘውቲርና ኣብ ኣኼባታት ብምእካብና እንታይ በረኸት ኢና እንዓጽድ፧
3 የሱስ ናብቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ምይይጥ ዚግበረሉ ዝነበረ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ናይ ምኻድ ልማድ ነበሮ። (ሉቃ. 4:16) እዚ ድማ ነቲ ኼጋጥሞ ዝነበሮ ፈተናታት ንኺዋጽኣሉ ኸም ዝሓገዞ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንሕና እውን በቲ ብናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣቢሉ እተዋህበና መንፈሳዊ መምርሒታትን ‘ምጽንናዕን’ ተበራቲዕና ኢና። (ሮሜ 1:12) ምስ ኣሕዋትና ሓቢርና ምእካብ: ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዜጋጥመና ጸገማት ንኽንጽመም ይሕግዘና። (እብ. 10:24, 25) ኣኼባታት ስሩዕ ኴንካ ትእከብዶ ኣሎኻ፧
4. ኣብ ሰሰሙን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ምክፋል ብኸመይ ይጠቕመና፧
4 እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ: እቶም ሃዋርያት “ኣብ ቤተ መቕደስን ኣብ በቤትን” ነቲ ብስራት ይእውጁ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚሕብረና። (ግብ. 5:42) መዓልቲ መዓልቲ ኽንሰብኽ ዘይንኽእል እንተ ደኣ ዄንና: ኣብ ሰሰሙን ኣብ ገለ መዳይ ኣገልግሎት ምክፋል ልማድና ኽንገብሮ ንኽእልዶ፧ ከምዚ ብምግባር: ኣብ ኣጠቓቕማ ቓል ኣምላኽ ክኢላታት ክንከውንን ንኻልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብምክፋልና ዜተባብዕ ተመክሮታት ክንረክብን ኢና።
5. ወትሩ ናብ የሆዋ ምጽላይ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
5 ነብዪ ዳንኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ “ዅሉ ጊዜ” ስለ ዘገልገሎ ብዙሕ ተባሪኹ እዩ። እዚ ነቲ ኣዘውቲርካ ናይ ምጽላይ ልማዱ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። (ዳን. 6:10, 16, 20) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ልባዊ ጸሎት ብምግባር ናብ የሆዋ ንቐርብ እንተ ደኣ ዄንና: መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ ኪባርኸና እዩ። (ሉቃ. 11:9-13) ብተወሳኺ: የሆዋ ናባና ብምቕራብ እውን ንጸሎትና ይምልሰሉ፣ እዚ ድማ ምስኡ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ዜኽእል ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። (መዝ. 25:14፣ ያእ. 4:8) እዝስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ዓስቢ ዀን እዩ! ሃየ እምበኣር: ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ንምምዕባል ተጊህና ንዕየ: ብዙሕ በረኸት ድማ ንዕጸድ።