መጽሔታት ክንዕድል ከለና እንታይ ከም እንብል
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ከምቲ ኣብዚ ናይ ጥንቲ ሕጊ ዘሎ: ኣብ መብዛሕትኡ ባህልታት ኣረጋውያን ብኽብሪ ዝተሓዙሉ እዋን ነይሩ እዩ። [ዘሌዋውያን 19:32 ኣንብብ] ሎሚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዘሎዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ኣምላኽ ንኣረጋውያን ብኸመይ ከም ዚሓልየሎምን ንሕናውን ብኸመይ ክንሓልየሎም ከም እንኽእልን ትገልጽ።”
Awake! June
“ግብረ-ሽበራ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዘይኰነ: ሎሚ ግን ዳርጋ ንዅሉ ሰብ ዚትንክፍ ዓለምለኻዊ ተርእዮ ዀይኑ ኣሎ። ከምዚ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ ግብረ-ሽበራ መዓስ ከም ዜብቅዕን ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሰላም ኣብ ምድሪ ብኸመይ ከም ዜምጽእን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።” ሚክያስ 4:4 ኣንብብ።
ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ
“ጸገማት እናሃለወ ኽነሱ: ሕጉሳት ክንከውን እንኽእልዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ ነዚ ሎሚ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ዘሎ ሽግራት ብዓወት ክንዋጽኣሉ ብዛዕባ ዚሕግዘና መምርሒ ትገልጽ። ብዛዕባ እቲ ኼበርትዓና ዚኽእል ናይ ሓቂ ተስፋ እውን ትዛረብ።” ራእይ 21:3, 4 ኣንብብ።
Awake! June
“ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት: መጠንቀቕታ ናይ ምስማዕ ኣድላይነት ዜጕልሕ ምዃኑስ ኣይትሰማማዕንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነቲ ኻብቶም ካብ ህቦብላ ካትሪና ዝደሓኑ ሰባት እንረኽቦ ትምህርቲ ትገልጽ። ብዛዕባ ሎሚ ዅልና ኸነቕልበሉ ዘሎና መጠንቀቕታ እውን ትጠቅስ።” ነታ ኣብ ገጽ 14 እትጅምር ዓንቀጽ ኣርእዮ።