ንግዜና ዝኸውን ኣብነታዊ መጠንቀቕታ ንኽንስዕብ እተዋህበና ልባዊ ምሕጽንታ
ኵላትና ነቲ ዎርኒን ኤግዛምፕልስ ፎር ኣዋር ደይ (ንግዜና ዝኸውን ኣብነታዊ መጠንቀቕታ ) ኣብ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) እተዋህበ ትምህርትታት ኣብ ልብና ምስ እነሕድሮ: ንጽህናና ንምሕላው ዝገበርናዮ ቘራጽነት ከነደልድሎ ንኽእል ኢና። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ቕድሚ ምርኣይካ ዘሁልቍ ምዕራፍ 25 ከምኡውን እንተ ኽኢልካ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) 2ይ ጥራዝ: ገጽ 419: ሕጡብ ጽሑፍ 3-5 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት መልስ:- ሞኣባውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም: የሆዋ ንሙሴ ምሳታቶም ንኸይዋጋእ ዝኣዘዞኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዘዳ. 2:9) በላዓም ብሞኣባውያን ገይሩ ንህዝቢ እስራኤል ከጥፍኦም ውዲት ዝኣለመ ብኸመይ ኢዩ፧ ብዙሓት እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቀቅድሚ ምእታዎም ኣብ ዘጋጠሞም ወሳኒ ፈተና ኸም ዝወደቑ ክንርስዕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧—1 ቈረ. 10:11, 12
ነታ ዎርኒን ኤግዛምፕልስ ዘርእስታ ቪድዮ ኽትሪኣ ኸሎኻ: ኣብዚ ግዜና እሙናት ንኽንከውንን ሞገስ ኣምላኽ ንኽንረክብን ነዚ ዝስዕብ ብዕቱብ ክንሓስበሉ ዘሎና ኣርባዕተ መዳይ ህይወትና ነስተንትነሉ። (1) ኣረኣእያ:- ገሊኣቶም እስራኤላውያን ኣብ የሆዋን ኣብቲ ዝገበረሎም ምድላዋትን ሕማቕ ኣረኣእያ ዘሕደሩ ብኸመይ ኢዮም፧ ብኣንጻሩኸ ንሕና እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ንኽህልወና ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧ (2) ዕርክነት:- የሆዋ ንእስራኤላውያን ምስ ሞኣባውያን ክመሓዘዉ ዘይደለዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዘጸ. 34:12፣ ምሳ. 13:20) ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (3) ስነ-ምግባር:- ሕማቕ ዕርክነት 23,000 ንዝዀኑ እስራኤላውያን ኣብ ምንታይ ከቢድ ሓጢኣት ኢዩ ኣውዲቕዎም፧ (1 ቈረ. 10:8) ኣብዚ ግዜና ገሊኣቶም ህዝቢ ኣምላኽ ጾታዊ ርኽሰት ንኽፍጽሙ ዘስድዖም እንታይ ኢዩ: ንሕና ግን ገዛእ ርእስና ኽንከላኸል ንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (4) ኣምልኾ:- እስራኤላውያን ንንጽህና ኣምልኾኦም ብዝምልከት ብኸመይ ኢዮም ተፈቲኖም፧ ሎሚ ዘለዉ ገሊኣቶም ኣሕዋትከ ኣብ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ኢዮም ክወድቁ ዝኽእሉ: ነዚ ግን ብኸመይ ከነርሕቖ ንኽእል፧—ቈሎ. 3:5
ኣብቲ ድራማ ያሚን ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ብምሕላው እተባረኸ ብኸመይ ኢዩ፧ ኣመሓዳሪ ኣካል በዛ ቪድዮ እዚኣ ኣቢሉ ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ልባዊ ምሕጽንታ ኢዩ ኣቕሪቡ፧ ርእሲ ስድራቤት እንተደኣ ዄንካ: ኣባላት ስድራቤትካ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ብተደጋጋሚ ኽርእይዋ ጥበባዊ ዝኸውን ስለምንታይ ይመስለካ፧