ነቲ መልእኽቲ ብግቡእ ኣመሓላልፎ!
1 ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን እተዋህበና መዝነት ክንፍጽም እንተደኣ ዄንና: ንኻልኦት ሰባት ፍልጠትና ኸነመሓላልፈሎም ኣሎና። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ይኹን እምበር: ዋላ ንፈተውትኻ እውን ሓሳብካ ምምሕልላፍ ከቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንዘይንፈልጦም ሰባት ብስራት ንኸነብጽሓሎም ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧
2 ከም ጓና ዘይኰነስ ከም ፈታዊ ገይሮም ከም ዝርእዩኻ ግበር:- ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት እሞ ኣእትዋ። ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ገሊኣቶም ሰባት ንዘይፈልጥዎ ሰብ ክጥርጥሩን ክፈርሁን ሓቆም ኢዮም። እዚ ነቲ እነመሓላልፈሎም መልእኽቲ ኽዓግቶ ይኽእል ኢዩ። እቶም ሰባት ኣብ መጀመርታ ዘለዎም ፍርሂ ንኸጥፍኡ ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧ ቅድሚ ሓንቲ ቓል ምዝራብና: ሓደ ኻብቲ ሓሳብና እነመሓላልፈሉ መገዲ ኣደብ ዘለዎ ትርኢትና ኢዩ። ጽቡቕን ምዕሩግን ኣከዳድና ነቲ ፍርሂ ንምውጋድ ይሕግዝ ኢዩ።—1 ጢሞ. 2:9, 10
3 ካልእ ሓሳብካ ንምምሕልላፍ ዝሕግዝ ከኣ ዘይትኸብዶምን ምቕሉልን ምዃን ኢዩ። እዚ ድማ ፍዅስ ንኽብሎምን ነቲ እትብሎ ብዝያዳ ንኽሰምዑኻን ይሕግዝ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ምድላው ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። እቲ እንብሎ ነገር ኣብ ኣእምሮና እንተ ነጺሩልና: ብዙሕ ኣይንጭነቕን ኢና። ህድእ ዝበልና ምዃንና ድማ ካልኦት ንመልእኽትና ንኽሰምዕዎ ኽስሕቦም ይኽእል ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ሓንቲ ናብ ቤታ ዝመጸታ ናይ የሆዋ ምስክር ከምዚ በለት:- “ብዛዕባኣ ዝዝክሮ ነገር እንተደኣ ሃልዩ: ፍሽኽታኣ ውሽጣዊ ሰላም ከም ዘለዋ ዘርኢ ምንባሩ ኢዩ። ስለዚ ተገዳስነት ኣሕደርኩ።” እዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ንምስማዕ ኣጋጣሚ ኸፈተላ።
4 ዝስሕብ ባህርያት:- ንኻልኦት ካብ ልብና ኽንግደሰሎም ኣሎና። (ፊል. 2:4) ሓደ ኻብቲ ኸምዚ እንገብረሉ መገዲ ነቲ ዝርርብ ብዘይምዕብላል ኢዩ። ከመይሲ ሓሳብካ ኸተመሓላልፍ እንተ ዄንካ: ነቲ ኻልእ ሰብ ዝብሎ እውን ክትሰምዕ ኣሎካ። ነቶም ሰማዕትና ሓሳቦም ንኽገልጹ ምስ እንሓቶም እሞ ጽን ኢልና ምስ እንሰምዖም: ብዛዕብኦም ከም እንግደስ ይርድኦም ኢዩ። ስለዚ እቶም እትረኽቦም ሰባት ክዛረቡ ኸለዉ ህውኽ ኢልካ ነቲ እተዳለኻሉ ኣቀራርባ ኣይትጀምር። ዘንእዶም ነጥቢ እንተ ሃልዩ ካብ ልቢ ንኣዶም: ካብቲ ዝዛረብዎ ሓሳባት ተበጊስካ ኸኣ መልእኽትኻ ኣቕርበሎም። ኣብቲ ዘረባኦም ዘጨንቖም ነገር እንተ ገሊጾምልካ: መእተዊኻ ምስቲ ጕዳይ ከም ዝሰማማዕ ግበሮ።
5 ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምልውዋጥ ትሕትና ኣዝያ ሓጋዚት ባህሪ ኢያ። (ምሳ. 11:2፣ ግብ. 20:19) ሰባት ናብ የሱስ እተሳሕቡ ‘ለዋህን ልቡ ትሑትን’ ስለ ዝነበረ ኢዩ። (ማቴ. 11:29) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ካብ ካልኦት እበልጽ ኢየ ዝብል ኣረኣእያ እንተ ሃልዩካ: ሰባት ኣይቀርቡኻን ኢዮም። ስለዚ እታ ሓቂ ኸም ዘላትና ርግጸኛታት እኳ እንተ ዀንና: ንዓና ጥራይ ክሰምዑና ኸም እንደሊ ዀንና ምቕራቦም ግን ጥበባዊ ኣይኰነን።
6 እቲ ውልቀ-ሰብ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ እምነታት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሓሳባት እንተ ሃበ: ናይ ግድንዶ ኽንእርሞ ኣሎና ኢዩ፧ ይውዓል ይሕደር እዚ ዘይተርፍ ኢዩ: ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ ግን ከምዚ ኽንገብር የብልናን። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ንኽቕበሎ ዝያዳ ዘጸግሞ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንጋርና: በቲ ዘሰማምዓና ነጥብታት እንተ ተዘራረብና ዝሓሸ ኢዩ። እዚ ኸአ ትዕግስትን ጥበብን ዝሓትት ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣርዮስፋጎስ ዝነበሩ ፈረድቲ ኽምስክረሎም ከሎ ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ።—ግብ. 17:18, 22-31
7 ልዕሊ ዅሉ ድማ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ሓሳባትና ብግቡእ ንኸነመሓላልፍ ትሕግዘና ኢያ። ልክዕ ከም የሱስ ነቶም “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ክንድንግጸሎም ኣሎና። (ማቴ. 9:36) እዚ ኸኣ እቲ ብስራት ንኸነብጽሓሎምን ብመገዲ ህይወት ክመላለሱ ንኽንሕግዞምን ይድርኸና ኢዩ። እነብጽሖ መልእኽቲ: መልእኽቲ ፍቕሪ ኢዩ: እምበኣር ብፍቕራዊ መገዲ ነብጽሓዮ። ከምዚ ምስ እንገብር: ነቶም መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ኣብ ኣድማስ መወዳድርቲ ዘይብሎም የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ክንመስሎም ኢና።