ኣገልግሎትና—መግለጺ ሓቀኛ ፍቕሪ
1 ነተን ክልተ ዓበይቲ ትእዛዛት ከም እንእዘዝ ብኣገልግሎትና ገይርና ኢና እነርኢ። (ማቴ. 22:37-39) እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ብዛዕብኡ ንኽንዛረብ ይድርኸና። እቲ ንጐረባብትና ዘሎና ፍቕሪ: ከማና ንየሆዋ ምእንቲ ከፍቅርዎን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ክረኽብሉ ኣብ ዝኽእሉ ደረጃ ምእንቲ ኽበጽሑን: ፍቓድን ዕላማን ኣምላኽ ዝገልጽ ፍልጠት ንኽደልዩ ከነተባብዖም የለዓዕለና። ስለዚ ድማ ብኣገልግሎትና ገይርና ስም የሆዋ ነኽብር: ነቲ ብዋጋ ዘይሽነን ተስፋ እታ መንግስቲ ድማ ንብጾትና ነካፍሎም። እወ: ኣገልግሎትና ንኣምላኽን ሰብን ሓቀኛ ፍቕሪ ከም ዘሎና ዝሕብር መግለጺ ኢዩ።
2 ፍቕርና ኵሉ ናይ ኣገልግሎት መዳይ ተጠቒምና ንዅሎም ዓይነት ሰባት ክንዛረቦም ይድርኸና። (1 ቈረ. 9:21-23) ንመረድኢ:- ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ጥቓ ሓደ ናይ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ካህን ኮፍ በለ። እቲ ሽማግለ ሒደት ሕቶታት ብሜላ ብምሕታት ነቲ ካህን ከም ዝዛረብ ገበሮ: ድሕርዚ ድማ ነቲ ምይይጥ ናብታ መንግስቲ ገጹ ኣምርሖ። እቲ ካህን ካብታ ነፋሪት ክወርድ ከሎ: ካብ መጻሕፍትና ክልተ ተቐበለ። እቲ ሽማግለ ንብጻዩ ዘርኣዮ ሓቀኛ ፍቕሪ ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ውጽኢት ኰን ኢዩ ዘምጽአ!
3 ሓቀኛ ፍቕሪ ንኽንሰብኽ ትድርኸና ኢያ:- እቶም ኣብቲ ናይ ሓጋዝን ናይ ምሉእ ግዜን ዕዮ ፓይነር ዝካፈሉ ሰባት ብርግጽ ንኣምላኽን ንብጾቶምን ሓቀኛ ፍቕሪ ኢዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ፓይነራት ንኻልኦት ብመንፈስ ንምሕጋዝ ግዜኦምን ሓይሎምን ብቐጻሊ ይስውኡ ኣለዉ። ከምኡ ንኽገብሩ ዝድርኾም እንታይ ኢዩ፧ ሓንቲ ፓይነር ከምዚ በለት:- “ፍቕሪ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምዃኑ እፈልጥ ኢየ። ስለዚ ፍቕሪ እንተ ዘይህልወኒ ነይሩ: ይትረፍዶ ከም ፓይነር መጠን ክዕወትሲ ኣብ ሓቂ ፈጺመ ኣይምሃለኹን ነይረ። ፍቕሪ ብሰባት ንኽግደስ: ዘድልዮም ነገራት ንኽሓሊ ይድርኸኒ: ነቶም ነዚ ፍቕሪ እዚ ዝምልሽሉ ሰባት ድማ አማስዎም ኢየ።” የሱስ ንሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኣርእይዎም ኢዩ። ሓደ ግዜ ንሱን እቶም ዝደኸሙ ደቀ መዛሙርቱን ‘ሓንሳእ ክዓርፉ’ ናብ ሓደ ቦታ እናኸዱ ከለዉ: እቶም ጭፍራ ሰባት ቀዲሞምዎም ኣብቲ ቦታ መጹ። የሱስ እንታይ ገበረ፧ “ደንገጸሎም:” ‘ብዙሕ [ምእንቲ] ክምህሮም’ ብሕታዊ ድሌታቱ ገደፈ።—ማር. 6:30-34
4 ሰባት ነቲ እንነግሮም ብስራት ምስ ዝነጽግዎ እውን ከይተረፈ: ድሕነት ክረኽቡ ምእንቲ ክንሕግዞም ብፍቕሪ ተለዓዒልና ዝከኣለና ዘበለ ከም ዝገበርና ብምፍላጥና: ውሽጣዊ ሓጐስ ይስምዓና። ኵላትና ኣብ መወዳእታ ብክርስቶስ ክንፍረድ ከለና: ‘ኣገልግሎትና መሊእና’ ሓቀኛ ፍቕሪ ብምርኣይና ኣዚና ክንሕጐስ ኢና።—2 ጢሞ. 4:5