ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/12 ገጽ 11
  • ትፈልጥዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትፈልጥዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሩሳሌም—“ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ክርስትና ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣስፋሕፍሐ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • “ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ክቡራት ሰባት ብትብዓት ይምስክር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/12 ገጽ 11

ትፈልጥዶ፧

ኣብ በዓል ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ኣይሁድ፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዅሎም ህዝቢ” ድዮም ናብ የሩሳሌም መጺኦም፧

ብጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ሰባት ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዚርከብ ጐደና እናተዛራረቡ ኸለዉ

ኣብ በዓል ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ.፡ ብህዝቢ ዝመልአ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ጐደና

ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11 ዚርከብ ጸብጻብ፡ ፊሎ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብ ጰንጠቈስጠ 33 ድ.ክ. ብዙሕ ህዝቢ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸም ዝነበረ ጽሒፉ እዩ።

ፊሎ ብዛዕባ እቶም ናብ የሩሳሌም ዚመጹ ተጓዓዝቲ፡ “ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ኵለን በዓላት ንምክፋል፡ ካብ ብዙሓት ከተማታት፡ ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ካብ ሰሜንን ካብ ደቡብን፡ ገሊኦም ብባሕሪ ገሊኦም ድማ ብምድሪ ይመጹ እዮም” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ካብታ ንሄሮድስ እቲ ዓብዪ ወዲ ወዱ ዝዀነ ኣግሪጳ እቲ ቐዳማይ ናብ ሮማዊ ሃጸይ ዝነበረ ካሊጉላ ዝሰደዳ ደብዳብ እውን ጠቒሱ እዩ። ኣብታ ደብዳብ፡ ኣግሪጳ ብዛዕባ የሩሳሌም “እታ ቕድስቲ ኸተማ . . . በብግዜኡ ናብተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ሃገራት፡ ሰፋሮ ስለ እትሰድድ፡ ርእሲ ኸተማ ሃገረ ይሁዳ ጥራይ ዘይኰነትሲ፡ ርእሲ ኸተማ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት እውን እያ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።

ኣግሪጳ ነተን ኣይሁድ ሰፊሮምለን ዝነበሩ ኸባቢታት ዘርዚሩ እዩ፣ ገለ ኻባታተን እተን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዚርከባ መሶጶታምያን ሰሜን ኣፍሪቃን ንእሽቶ እስያን ግሪኽን ደሴታት መዲተራነያንን ይጥቀሳ። ዮኣኺም የረሚያስ ዝስሙ ምሁር፡ “እዚ ዝርዝር እዚ፡ ናብ የሩሳሌም ብዛዕባ ዚግበር ዝነበረ ጕዕዞ ብንጹር እኳ እንተ ዘይሓበረ፡ ኵሎም በጽሕታት ኣይሁድ ኣብ በዓላት ኪካፍሉ ግዲ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓሳብ ኣብኡ ተኣሚቱ ኣሎ” ኢሉ እዩ።—ዘዳግም 16:16።

እቶም በዓል ኣይሁድ ኬብዕሉ ናብ የሩሳሌም ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ኣበይ ይሓድሩ ነይሮም፧

ኣብ የሩሳሌም እተረኽበ ዝዓነወ መሕጸቢ ጋብላ

ኣብ የሩሳሌም እተረኽበ ዝዓነወ መሕጸቢ ጋብላ

ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዓመት ሰለስተ በዓል ይብዓል ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ፋስጋን ጰንጠቈስጠን በዓል ዳስን እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብዘን በዓላት ንምክፋል ካብ ብምልእታ ምድሪ እስራኤልን ካብተን ኣይሁድ ዚነብሩለን ዝነበሩ ሃገራትን ናብ የሩሳሌም ይጓዓዙ ነይሮም እዮም። (ሉቃስ 2:41, 42፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:1, 5-11) እዞም ኵሎም ሰባት ከኣ ዝሓድሩሉ ቦታ የድልዮም ነይሩ እዩ።

ገሊኦም ምስ ፈተውቶም፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ መዕረፍ ኣጋይሽ ይሓድሩ ነይሮም። ብዙሓት ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ወይ ኣብ ዙርያኣ ኣብ ድንኳን ይሓድሩ ነይሮም። የሱስ ኣብተን ኣብ የሩሳሌም ዝጸንሓለን ናይ መወዳእታ መዓልታት፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ የሩሳሌም እትርከብ ከተማ ቢታንያ እዩ ሓዲሩ።—ማቴዎስ 21:17።

ኣብ ጥቓ ቤተ መቕደስ መሕጽቢ ጋብላታት ዘለዎ ብዙሕ ህንጻታት ተረኺቡ እዩ። እዚ ህንጻታት እዚ እቶም በዓል ኬብዕሉ ዚመጹ ዝነበሩ ሰባት ኪሓድሩሉን ናብ ቤት መቕደስ ቅድሚ ምእታዎም ኪሕጸቡሉን እተዳለወ መዕረፍ ኣጋይሽ ከም ዝዀነ ይግመት። ኣብ ሓንቲ ኻብተን ህንጻታት ኣብ እተረኽበ ጽሑፍ፡ ቴዎዶቶስ ዝስሙ ካህንን መራሒ እታ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረት ምኵራብን “ቶራህ ንምንባብ . . . ኪኸውን ኢሉ ነዚ ምኵራብ ሰሪሕዎ። ንእተሸገሩ ኣጋይሽ ኪኸውን ኢሉ እውን ነዚ መዕረፍ ኣጋይሽን ክፍልታትን መትሓዝታት ማይን ሰሪሑ” ይብል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ