ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/12 ገጽ 4
  • ንየሱስ ክርስቶስ ምዝካር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሱስ ክርስቶስ ምዝካር
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ክርስትያናት፡ በዓል ልደት የብዕሉ ድዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/12 ገጽ 4

ንየሱስ ክርስቶስ ምዝካር

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።” —ሉቃስ 22:19።

ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት።

ገሊኦም ሰባት በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት ንየሱስ ንምዝካር ምዃኑ ይገልጹ።

ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዚዝውተር ህቡብ ሙዚቃን ሓያሎ ልምድታትን፡ ምስ የሱስ ክርስቶስ ዋላ ሓንቲ ዜራኽብ የብሉን። በዓል ልደት ዜብዕሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ብየሱስ ኣይኣምኑን እዮም። ገሊኣቶም እሞ ኸኣ፡ የሱስ ብህይወት ከም ዝነበረውን እንተ ዀነ፡ ኣይኣምኑን እዮም። ኵሎም እቶም ኣብ ንግዲ እተዋፈሩ ሰባት ከኣ፡ ነቲ እዋን እቲ ንየሱስ ንምዝካር ዘይኰነስ፡ ኣቕሑ ንምውዕዋዕ እዮም ዚጥቀሙሉ።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

‘ወዲ ሰብ፡ ህይወቱ በጃ ብዙሓት ኪህብ መጸ።’ (ማርቆስ 10:45) የሱስ ነተን ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሰን ዘለዋ ቓላት እተዛረበን፡ ኣብ እዋን ልደቱ ዘይኰነስ፡ ቀቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ሞቱ ንምዝካር ሕጽር ዝበለ በዓል ንኺግበር ዚሕብር መምርሒ ሃበ። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ንሰዓብቱ ልደቱ ዘይኰነስ፡ ሞቱ ኺዝክሩ መምርሒ ዝሃቦም ስለምንታይ እዩ፧ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኺረኽቡ መገዲ ስለ ዚኸፍተሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:23) ስለዚ ኸኣ እዮም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞቱ፡ ከም ምስኪን ሕጻን ዘይኰነስ፡ ከም “መድሓን ዓለም” ገይሮም በብዓመቱ ዚዝክርዎ።—ዮሃንስ 4:42።

“ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” (1 ጴጥሮስ 2:21) ንየሱስ ምእንቲ ኸተኽብሮን ክትዝክሮን፡ ነቲ ዝሓደጎ ፍጹም ኣብነቱ ኸተጽንዖ ይግባእ። ንርሕራሐኡን ንትዕግስቱን ነቲ ቕኑዕ ዘበለ ንምግባር ዘርኣዮ ትብዓትን ኣስተንትነሉ። ኣብ ህይወትካ ንዕኡ እትመስለሉ ኣጋጣሚታት እውን ድለ።

“መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ።” (ራእይ 11:15) ንየሱስ ክርስቶስ ክትዝክሮ ኸለኻ፡ ሕጂ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ሕሰብ። የሱስ ኣብ ሰማይ ንጉስ ኰይኑ ይገዝእ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባኡ፡ “ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኒ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን” ምዃኑ ይንበ። (ኢሳይያስ 11:4) እዚ ዚማርኽ ባህርያት እዚ፡ ባህርያት ሓደ ኣብ ሕቝፊ ኣዲኡ ዘሎ ሕጻን ዘይኰነስ፡ ባህርያት ሓደ ብርቱዕ ገዛኢ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ