ኣቱም ክርስትያን ስድራ ቤታት፡ ‘ንቕሑ’
“ንንቃሕን ንጠንቀቕን።”—1 ተሰ. 5:6።
1, 2. ሓንቲ ስድራ ቤት ብመንፈስ ንቕሕቲ ኽትከውን እንተ ዀይና፡ እንታይ እዩ ዜድሊ፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ “እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ኪጽሕፈሎም ከሎ፡ “ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጸኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ” በሎም።—ዮኤ. 2:31፣ 1 ተሰ. 5:4-6።
2 ጳውሎስ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝሃቦም ምኽሪ፡ ነዞም ኣብዚ “ዘመን መወዳእታ” እንነብር ክርስትያናት እውን ዚምልከት እዩ። (ዳን. 12:4) መወዳእታ እዚ እኩይ ስርዓት እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ ሰይጣን ንብዙሓት ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኻብ ኣምላኽ ንኼርሕቖም ቈሪጹ ተላዒሉ ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ ጳውሎስ ብመንፈስ ንቑሓት ክንከውን ዝሃበና ማዕዳ፡ ኣብ ልብና ምሕዳርና ጥበባዊ እዩ። ሓንቲ ክርስትያን ስድራ ቤት ንቕሕቲ ኽትከውን እንተ ዀይና፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ስድራ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነቱ ኺስከም ኣለዎ። እሞ ደኣ ስድራ ቤታት ‘ንቑሓት’ ንኪዀና፡ ሰብኡትን ኣንስትን ውሉዳትን እንታይ እጃም ኬበርክቱ ይኽእሉ፧
ኣቱም ሰብኡት፡ ነቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ምሰልዎ
3. ብመሰረት 1 ጢሞቴዎስ 5:8፡ ሰብኣይ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዘለዎ ሓላፍነት እንታይ የጠቓልል፧
3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ርእሲ ሰበይቲ . . . ሰብኣይ . . . ከም ዝዀነ” ይገልጽ እዩ። (1 ቈረ. 11:3) ሰብኣይ ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን ዘለዎ ሓላፍነት እንታይ የጠቓልል፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ንሓደ መዳይ ርእስነት ኪገልጽ ከሎ፡ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ይብል። (1 ጢሞ. 5:8) እወ፡ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ብስጋ ዜድሊ ዘበለ ኼማልእ ኣለዎ። ስድራ ቤቱ ብመንፈስ ንቕሕቲ ንኽትከውን ኪሕግዛ እንተ ደልዩ ግን፡ ዓንጋሊ ጥራይ ምዃን እኹል ኣይኰነን። ንስድራ ቤቱ ብመንፈስ ኪሃንጻ፡ ማለት ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ንኼደልድሉ ኺሕግዞም ኣለዎ። (ምሳ. 24:3, 4) ብኸመይ ከምኡ ኺገብር ይኽእል፧
4. ሓደ ሰብኣይ ንስድራ ቤቱ ብመንፈስ ንኺሃንጻ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧
4 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ስለ ዚብል፡ ሓደ ብዓል ሓዳር ነቲ የሱስ ኣብ ጉባኤ ዘለዎ ርእስነት ብኸመይ ከም ዚጥቀመሉ ኺምርምሮን ኪቐድሖን ኣለዎ። (ኤፌ. 5:23) የሱስ ነቲ ምስ ሰዓብቱ ዝነበሮ ርክብ ብኸመይ ከም ዝገለጾ እሞ ንርአ። (ዮሃንስ 10:14, 15 ኣንብብ።) ሓደ ንስድራ ቤቱ ብመንፈስ ኪሃንጻ ዝደለየ ሰብኣይ፡ ዕዉት ንኪኸውን እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ ነቲ የሱስ ከም “ሕያዋይ ጓሳ” መጠን ዝበሎን ዝገበሮን ዘበለ ኣጽኒዑ፡ ‘ኣስኣሰሩ ኺስዕብ’ ኣለዎ።—1 ጴጥ. 2:21።
5. እቲ ሕያዋይ ጓሳ ብዛዕባ ክርስትያናዊት ጉባኤ እንታይ ፍልጠት እዩ ዘለዎ፧
5 ኣብ መንጎ ጓሳን ኣባጊዕን ዘሎ ርክብ፡ ኣብ ፍልጠትን እምነትን እተመስረተ እዩ። ጓሳ ብዛዕባ ኣባጊዑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ ኣባጊዕ እውን ንጓሳአን ይፈልጣኦን ይኣምናኦን እየን። ንድምጹ ኣለልየን ይእዘዛኦ እየን። የሱስ፡ “ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን” በለ። ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብላዕለ ላዕሊ ጥራይ ኣይኰነን ዚፈልጣ። እታ ኣብዚ “እፈልጠን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ን“ውልቃውን ዓሚቝን ፍልጠት” ተመልክት። እወ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኣባጊዑ በብውልቂ ይፈልጠን እዩ። በብውልቂ እንታይ ከም ዜድልየንን እንታይ ድኽመት ከም ዘለወንን እንታይ ብርታዐ ኸም ዘለወንን ይፈልጥ እዩ። እዚ ኣርኣያና እዚ ብዛዕባ ኣባጊዑ ዘይፈልጦ ነገር የብሉን። እተን ኣባጊዕ እውን ንጓሳአን ኣጸቢቐን ይፈልጣኦን ብመሪሕነቱ ይተኣማመናን እየን።
6. ሰብኡት ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ብኸመይ ኪመስልዎ ይኽእሉ፧
6 ሓደ ሰብኣይ ንርእስነቱ ኸም ናይ ክርስቶስ ገይሩ ምእንቲ ኺጥቀመሉ፡ ንርእሱ ኸም ጓሳ፡ ነቶም ዚኣልዮም ስድራኡ ድማ ከም ኣባጊዕ ገይሩ ኺሓስብ ኣለዎ። ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ዓሚቝ ፍልጠት ምእንቲ ኺህልዎ፡ ኪጽዕር ኣለዎ። ግናኸ ብሓቂዶ ኸምዚ ዓይነት ፍልጠት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፧ ምስ ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጥ፡ ዜተሓሳስቦም ጕዳይ ዚሰምዖም፡ ንንጥፈታት ስድራ ቤቱ ዚመርሕ፡ ንኣምልኾ ስድራ ቤትን ንኣኼባን ንኣገልግሎት ወፍርን ንመዘናግዕን ብዚምልከት ከኣ ጽቡቕ ውሳነ ዚውስን እንተ ዀይኑ፡ እወ ኸምኡ ዓይነት ፍልጠት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ስድራ ቤቱ ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት ተመርኲሱ ዚመርሕ እንተ ዀይኑ፡ ኣባላት ስድራ ቤቱ ኣብ ርእስነቱ ብቐሊሉ ኺተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤቱ ብሓድነት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምቕጻሎም እውን፡ ንዕኡ ዕግበት የምጽኣሉ እዩ።
7, 8. ሰብኣይ ኣብነት እቲ ሕያዋይ ጓሳ ብምስዓብ፡ ብኸመይ ንስድራ ቤቱ ፍቕሪ ኼርእዮም ይኽእል፧
7 ንፉዕ ጓሳ ንኣባጊዑ ይፈትወን እዩ። ብዛዕባ ህይወትን ኣገልግሎትን የሱስ ኣብ ወንጌላት ከነጽንዕ ከለና፡ በቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘርኣዮም ፍቕሪ ልብና ይትንከፍ እዩ። የሱስ፡ ‘ነፍሱ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ እዩ።’ ሰብኡት እውን ኣብነቱ ብምስዓብ፡ ንስድራ ቤቶም ፍቕሪ ኼርእዩ ኣለዎም። ስምረት ኣምላኽ ዚደሊ ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ኣብ ክንዲ ዚዕብልላ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ” ገይሩ እዩ ዜፍቅራ። (ኤፌ. 5:25) ክብሪ ዚግብኣ ብምዃና እውን፡ ብለውሃትን ብሓልዮትን እዩ ዚዛረባ።—1 ጴጥ. 3:7።
8 ርእሲ ስድራ ቤት ንውሉዳቱ ኼሰልጥን ከሎ፡ ስርዓታት ኣምላኽ ብጽኑዕ ዚድግፍ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ንውሉዳቱ ኸም ዚፈትዎም እውን ኬርእዮም ኣለዎ። ኣድላዪ ኪኸውን ከሎ፡ ብፍቕሪ ኺግስጾም ኣለዎ። ገሊኦም ውሉዳት ንኺርድኦም፡ ካብ ካልኦት ዝነውሐ ግዜ እዩ ዚወስደሎም። ስለዚ፡ ኣቦ ዝያዳ ዓቕሊ ኺገብር ኣለዎ። ሰብኡት ወትሩ ኣብነት የሱስ ዚስዕቡ እንተ ዀይኖም፡ ቤቶም ሰላምን ህድኣትን ይሰፍና። እታ ስድራ ቤት ድማ፡ ከምቲ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ዝዘመሮ ዓይነት መንፈሳዊ በረኸት ትረክብ።—መዝሙር 23:1-6 ኣንብብ።
9. ክርስትያን ሰብኡት ከም ኖህ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ ነቲ ሓላፍነት እቲ ንኺስከሙኸ እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧
9 ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኖህ፡ ኣብ መወዳእታ እታ ብግዜኡ ዝነበረት ዓለም እዩ ዚነብር ነይሩ። የሆዋ ግን፡ “ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ . . . ንኖህ . . . ሳምናይ ርእሱ ሐለዎ።” (2 ጴጥ. 2:5) ኖህ ንስድራ ቤቱ፡ ካብ ማይ ኣይሂ ንኺድሕኑ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ነበሮ። ክርስትያን ርእስታት ስድራ ቤት እውን፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እዮም ዘለዉ። (ማቴ. 24:37) እምበኣር፡ ነቲ እቲ “ሕያዋይ ጓሳ” ዝሓደጎ ኣብነት ኣጽኒዖም፡ ንኺመስልዎ ኺጽዕሩ ኣለዎም!
ኣትን ኣንስቲ፡ ‘ቤትክን ህነጻ’
10. ሰበይቲ ንሰብኣያ ትእዘዞ ኺበሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
10 ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌ. 5:22, 23) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ዝተሓታ ኸም ዝዀና ዚእምት ኣይኰነን። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ቅድሚ ምፍጣሩ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” ኢሉ እዩ። (ዘፍ. 2:18) እቲ ንሰበይቲ ኸም “እትበቅዕ ደጋፊት” መጠን እተዋህባ ግደ፡ ማለት እቲ ንሰብኣያ ኣብ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነቱ ብምድጋፍ እትዓዮ ዕዮ፡ ብርግጽ ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ።
11. ኣብነታዊት ሰበይቲ ‘ቤታ እትሃንጽ’ ብኸመይ እያ፧
11 ኣብነታዊት ሰበይቲ፡ ንጥቕሚ ቤታ እያ እትዓዪ። (ምሳሌ 14:1 ኣንብብ።) ለባም ሰበይቲ፡ ከምታ ንርእስነት ኣኽብሮት ዘይተርኢ ዓሻ ሰበይቲ ዘይኰነትስ፡ ንርእስነት ዓሚቝ ኣኽብሮት ኣለዋ። ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናይ ዘይምእዛዝን ብርእስኻ ናይ ምምራሕን መንፈስ ኣይተንጸባርቕን እያ፣ የግዳስ፡ ንብዓል ቤታ ትግዝኦ እያ። (ኤፌ. 2:2) ዓሻ ሰበይቲ ንሰብኣያ ተቈናጽቦ እያ፣ ለባም ሰበይቲ ግን፡ ነቲ ደቃን ካልኦትን ንሰብኣያ ዝነበሮም ኣኽብሮት ከም ዚዓዝዝ እያ እትገብር። ለባም ሰበይቲ፡ ምስ ሰብኣያ ኛኽ ብምባል ወይ ብምምጓት፡ ንርእስነቱ ኣይተነኣእሶን እያ። ብዘይካዚ፡ ሰበይቲ ኣብ ቍጠባ እውን እጃም ኣለዋ። ዓሻ ሰበይቲ ነቲ ብኽንደይ ጻዕሪ እተረኽበ ገንዘብ ስድራ ቤታ ትዘሩ እያ። ንሰብኣያ እትድግፍ ሰበይቲ ግን፡ ከምኡ ኣይትገብርን እያ። የግዳስ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ምስ ሰብኣያ ተሓባቢራ እያ እትዓዪ። ኣብ ኵሉ ተግባራታ፡ ለባምን መካወኒትን እያ። ንሰብኣያ ሕላፍ ሰዓት ኪሰርሕ ጸቕጢ ኣይትገብረሉን እያ።
12. ሰበይቲ፡ ስድራ ቤታ ‘ንቑሓት’ ኪዀኑ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
12 ኣብነታዊት ሰበይቲ ንደቃ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኣብ ምምሃር ንሰብኣያ ስለ እትሕግዞ፡ ስድራ ቤታ ‘ንቑሓት’ ኪዀኑ ኣበርክቶ ትገብር እያ። (ምሳ. 1:8) ነቲ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤታ ብንጥፈት ትድግፍ እያ። ብተወሳኺ፡ ሰብኣያ ንደቆም ምኽርን ተግሳጽን ኪህቦም ከሎ፡ ንሰብኣያ ትድግፎ እያ። እዚኣስ ካብታ ብኣካላውን ብመንፈሳውን መዳይ ዚሳቐዩ ደቂ ዘለዉዋ፡ ምስ ሰብኣያ ዘይትተሓባበር ሰበይቲ ኽሳዕ ክንደይ እተፈልየት ኰን እያ!
13. ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ኪሳተፍ ከሎ፡ ክትድግፎ ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧
13 ንሰብኣያ እትድግፍ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብንጥፈት እጃሙ ኼበርክት ከሎ እንታይ እዩ ዚስምዓ፧ ኣዝያ እያ እትሕጐስ። ሰብኣያ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ሽማግለ፡ ወይ ኣባል ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ፡ ወይ ኣባል ከባብያዊ ኮሚተ ህንጸት ኪኸውን ከሎ፡ በቲ ሰብኣያ ዚረኽቦ ፍሉይ መሰል ትሕጐስ እያ። ብቓላትን ብተግባራትን ንሰብኣያ ኽትድግፍ ከላ፡ ጥቕሚ ርእሳ ትስውእ እያ። ይኹን እምበር፡ ሰብኣያ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ምክፋሉ፡ ኣባላት ስድራ ቤታ ብምሉኦም ብመንፈሳዊ ንቑሓት ንኪዀኑ ኸም ዚሕግዝ ተስተብህል እያ።
14. (ሀ) ንሓንቲ ደጋፊት ሰበይቲ እንታይ ኪኸብዳ ይኽእል፧ ነዚኸ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ (ለ) ሰበይቲ፡ ኵሎም ስድራ ቤታ ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧
14 ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ዘይትሰማምዓሉ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ እታ ሰበይቲ ንሰብኣያ ምድጋፍ ኪኸብዳ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተ ዀነ፡ “ለዋህን ህዱእን መንፈስ” ተርኢ፡ ውሳኔኡ ንምትግባር እውን ምስኡ ትተሓባበር እያ። (1 ጴጥ. 3:4) ንፍዕቲ ሰበይቲ፡ ነቲ ኸም ብዓል ሳራ፡ ሩት፡ ኣቢጋይል፡ ማርያም ኣደ የሱስ ዝኣመሰላ ብግዜ ጥንቲ ዝነበራ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ኣንስቲ ዝሓደጋኦ ሰናይ ኣብነት ትስዕብ እያ። (1 ጴጥ. 3:5, 6) ነተን ሎሚ ዘለዋ “ብቕድስና ዚነብራ” ኣንስቲ እውን ትመስለን እያ። (ቲቶ. 2:3, 4፡ ትርጕም 1990) ኣብነታዊት ሰበይቲ ንሰብኣያ ፍቕርን ኣኽብሮትን ስለ እተርእዮ፡ ሓዳራ ጽቡቕ፡ ስድራ ቤታ እውን ሕጉስ ምእንቲ ኪኸውን ብዙሕ ኣበርክቶ ትገብር እያ። ቤታ ደስታን ቅሳነትን ዝሰፈኖ እዩ። ንሰብኣያ እትድግፍ ሰበይቲ፡ ብዋጋ እትሽነን ኣይኰነትን።—ምሳ. 18:22።
ኣቱም ውሉዳት፡ ‘ኣብቲ ዘይርአ ጠምቱ’
15. ውሉዳት፡ ስድራ ቤቶም ‘ንቕሕቲ’ ምእንቲ ኽትከውን፡ ምስ ወለዶም ብኸመይ ኪተሓባበሩ ይኽእሉ፧
15 ኣቱም ውሉዳት፡ ስድራ ቤትኩም ብመንፈስ ‘ንቕሕቲ’ ምእንቲ ኽትከውን፡ ምስ ወለድኹም ብኸመይ ክትተሓባበሩ ትኽእሉ፧ የሆዋ ኣዳልዩልኩም ብዛዕባ ዘሎ ዓስቢ ሕሰቡ። ወለድኹም፡ ካብ ቍልዕነትኩም ኣትሒዞም፡ ኣብ ገነት ንዚህሉ ህይወት ዜርኢ ስእልታት የርእዩኹም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እናዓበኹም ምስ ከድኩም ከኣ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስን ብክርስትያናዊ ጽሑፋትን ተጠቒሞም፡ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት እንታይ ከም ዚመስል ኣብ ኣእምሮኹም ንኽትስእልዎ ሓጊዞምኹም ኪዀኑ ኣለዎም። እምበኣር፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምስ እተተኵሩን ህይወትኩም ብእኡ ምስ ዚምራሕን፡ ‘ንቑሓት’ ክትኰኑ ኢኹም።
16, 17. ውሉዳት ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ንኺዕወቱ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
16 ነቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:24 ዚርከብ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት ኣብ ልብኹም ኣሕድርዎ። (ኣንብብ።) ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም፡ ንኽትዕወቱ ቘሪጽኩም ጕየዩ። ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽትረኽቡ ዚሕግዘኩም መገዲ ሕረዩ። ብዙሓት ውሉዳት፡ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ስለ ዝሰዓቡ፡ ኣዒንቶም ኣብቲ ዓስቢ ኣየተኰራን። እዝስ ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን እዩ! ሃብቲ ኣብ ምድላብ እንተ ኣተኲርኩም፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ብገንዘብ ኪዕደግ ዚኽእል ነገራት፡ ነባሪ ኣይኰነን። እምበኣር፡ ኣብቲ “ዘይርኤ” ጠምቱ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “እቲ ዘይርኤ . . . ንዘለኣለም እዩ።”—2 ቈረ. 4:18።
17 “እቲ ዘይርኤ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንበረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ዜጠቓልል እዩ። ኣብ ህይወትኩም፡ ነዚ በረኸት እዚ ኽትረኽቡ ዜኽእለኩም መደብ ግበሩ። ንህይወትኩም፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ምስ እትጥቀሙላ ኢኹም ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረኽቡ እትኽእሉ። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምግልጋል፡ ናይ ሓጺርን ናይ ነዊሕን እዋን ሸቶታት ንኸተውጽኡ ኣጋጣሚ ይኸፍተልኩም እዩ።a ክትበጽሕዎ እትኽእሉ መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእኩም፡ ዓስቢ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ኣእምሮኹም ብምሓዝ፡ ንየሆዋ ንኸተገልግልዎ ኺሕግዘኩም እዩ።—1 ዮሃ. 2:17።
18, 19. ሓደ ውሉድ፡ ንሓቂ ናቱ ገይርዋ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ኺፈልጥ ይኽእል፧
18 ኣቱም ውሉዳት፡ ኣብ መገዲ ህይወት እትስጕምዋ ቐዳመይቲ ስጕሚ፡ ንሓቂ ናትኩም ምግባር እዩ። እሞኸ ንሓቂ ናትኩም ጌርኩምዋ ዲኹም፧ ንርእስኹም ከምዚ ኢልኩም ሕተቱ፦ ‘መንፈሳዊ ሰብ ድየ፡ ወይስ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዘሎኒ ተሳትፎ ኣብ ወለደይ እዩ ዚምርኰስ፧ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ባህርያት አማዕብል ድየ፧ ምስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ዚተሓሓዝ ንጥፈታት ብስሩዕ ንኽካፈል እጽዕር ድየ፡ ማለት ኣዘውቲረ እጽልን አጽንዕን ኣብ ኣኼባታት እእከብን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ እካፈልን ድየ፧ ምስ ኣምላኽ ንዘሎኒ ብሕታዊ ርክብ ብምምዕባል፡ ብዝያዳ እቐርቦ ድየ፧’—ያእ. 4:8።
19 ብዛዕባ ሙሴ እሞ ሕሰቡ። ሙሴ ኣብ ትሕቲ ባህሊ ጓኖት እኳ እንተ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ኣብ ክንዲ ዚበሃል፡ ኣምላኺ የሆዋ ኺበሃል ሓረየ። (እብራውያን 11:24-27 ኣንብብ።) ኣቱም ክርስትያን ውሉዳት፡ ንስኻትኩም እውን ንየሆዋ ብተኣማንነት ንኸተገልግልዎ ቘራጽነት ግበሩ። ከምኡ ምስ እትገብሩ፡ ናይ ሓቂ ሓጐስን ብሉጽ ናብራን “ናይ ሓቂ ህይወት” ናይ ምርካብ ተስፋን ኪህልወኩም እዩ።—1 ጢሞ. 6:19።
20. ኣብ ናይ ህይወት ቅድድም፡ ዓስቢ ዚረክብ መን እዩ፧
20 ጥንቲ ኣብ ዝነበረ ቕድድም፡ ሓደ ተቐዳዳማይ ጥራይ እዩ ዚዕወት ነይሩ። ናይ ህይወት ቅድድም ግን ከምኡ ኣይኰነን። ኣምላኽ፡ “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” እዩ ዚፈቱ። (1 ጢሞ. 2:3, 4) ቅድሜኻ ብዙሓት ሰባት ጕያኦም ብዓወት ወዲኦም እዮም፣ ብዙሓት ካልኦት እውን ኣብ ጐድንኻ ይጐይዩ ኣለዉ። (እብ. 12:1, 2) እቶም ዘይተሓለሉ ዘበሉ ድማ፡ ዓስቦም ይረኽቡ እዮም። እምበኣር፡ ንኽትዕወት ቈራጽነት ግበር።
21. ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧
21 “እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ምምጻኣ ዘይተርፍ እዩ። (ሚል. 4:5) ንክርስትያን ስድራ ቤታት ግን ድንገት ክትኰኖም የብላን። ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓላፍነቶም ኪጾሩ ኣለዎም። ብመንፈስ ንቑሕ ንኽትከውንን ምስ ኣምላኽ ንዘሎካ ርክብ ንኸተደልድልን፡ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ክትገብር ትኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንመንፈሳውነት ምሉእ ስድራ ቤት ኪጸሉ ዚኽእል ሰለስተ ረቛሒ ኽንምርምር ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2010፡ ኣብ ገጽ 12-16፡ ከምኡውን ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2004፡ ኣብ ገጽ 21-23 ርአ።
እንታይ ተማሂርካ፧
• ክርስትያን ስድራ ቤታት ‘ንቑሓት’ ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
• ሰብኣይ ነቲ ሕያዋይ ጓሳ ኺመስሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
• ሰበይቲ ንሰብኣያ ንምድጋፍ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
• ውሉዳት፡ ስድራ ቤቶም ብመንፈስ ንቕሕቲ ምእንቲ ኽትከውን፡ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]
ንሰብኣያ እትድግፍ ሰበይቲ፡ ብዋጋ እትሽነን ኣይኰነትን