ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/11 ገጽ 3
  • ዕግበት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕግበት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ዕግበት ‘ምስጢር ትፈልጥዶ፧’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዕግበት ርኸብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መሓዙትካ ብጥበብ ምረጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/11 ገጽ 3

ዕግበት ኪርከብ ይከኣል ድዩ፧

“ዕግበት ንድኻታት የሀብትሞም፣ ቅሬታ ንሃብታማት የድክዮም።” —በንጃሚን ፍራንክሊን።

ከምዚ እዛ ምስላ እትብሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ዕግበት ከም ሸቐጥ ኪዕደግ ከም ዘይከኣል ተረዲኦም እዮም። ኣብዛ ዝያዳ ጥሪት፡ ዝበለጸ ዝና፡ ወይ ህይወት ካልኦት ንኽትምነ እተተባብዕ ዓለም፡ ዕግበት ወይ ውሽጣዊ ሓጐስ ብቐሊሉ ዘይርከብ እንተ ዀነ ኣየገርምን እዩ። ገለ ኻብዚ ዚስዕብ ነጥብታት ጸልዩካዶ ይፈልጥ፧

• መዋዓዋዕቲ፡ ዝያዳ ንብረት እንተ ዓዲግካ፡ ከም እትዓግብ ገይሮም ይህድዱኻ።

• ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጥም ውድድር፡ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ኣወዳዲርካ ንኽትልክዕ የተባብዓካ።

• ሰባት ነቲ እትገብረሎም ነገራት ኣየማስዉሉን።

• መሓዙትካ በቲ ዘለዎም ነገራት የቕንኡኻ።

• ብዛዕባ ህይወት ዘሎካ መሰረታዊ ሕቶታት ኣይምለሰልካን።

እዚ ዅሉ ብድሆታት እናኣጋጠመ ኽነሱ፡ ዕግበት ኪርከብ ይከኣልዶ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ዕግበት ወይ “ይአኽለኒ ምባል” ገሊጹ እዩ። ኣብ ገሊኡ እዋን ሕልፍን ትርፍን፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ስእነት ኣጋጢምዎ እዩ። ፈተውቱ ኺንእድዎ ኸለዉ፡ ካልኦት ግን ኣናሽዮምዎ እዮም። ኰይኑ ግን፡ “በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ” ኢሉ እዩ።—ፊልጲ 4:11, 12።

ዕግበት ነቶም ንምርካቡ ስጕምቲ ዘይወስዱ ሰባት ኣይርከበሎምን እዩ፣ ክንመሃሮ ኸም እንኽእል ግን፡ ጳውሎስ ገሊጹ እዩ። ሕጂ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ፡ ዕግበት ንምርካብ ዜኽእል ሓሙሽተ ረቛሒታት እስከ ንርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ