ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w10 1/9 ገጽ 30-31
  • ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥፍኣት ሶዶምን ጎሞራን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ብተኣምር ኣሕወየ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንሰማዕቱ ኣገረመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • የሱስ ንዘጋጠሞ ፈተና ተቓወመ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
w10 1/9 ገጽ 30-31

ንመንእሰያት

ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ የልቦን

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ቀንዲ ገጸ-ባህርያት፦ ቆርኔሌዎስ፡ ጴጥሮስ

ጽማቝ፦ ጴጥሮስ ነቲ ኻብ ኣህዛብ ዝነበረ ቆርኔሌዎስ ስለ ዝሰበኸሉ፡ ነቲ ዘየዳሉ ኣምላኽ መሰሎ።

➊ ነቲ ፍጻመ መርምሮ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:1-35, 44-48።

ቆርኔሌዎስ ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ግለጽ።

․․․․․

ኣብቲ ኻብ ቍጽሪ 3 ኽሳብ 6 ዚርከብ፡ ቆርኔሌዎስ ምስቲ መልኣኽ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እንታይ ስምዒታት እተንጸባረቐ ይመስለካ፧

․․․․․

ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 7ን 8ን ተኣሚቱ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ቆርኔሌዎስን ገላዉኡን እንታይ ዝርርብ እተገብረ ይመስለካ፧

․․․․․

➋ ዝያዳ ምርምር ግበር።

እቲ ኻብ ቍጽሪ 10 ኽሳብ 16 ተገሊጹ ዘሎ ጴጥሮስ ዝረኣዮ ራእይ ውጽኢታዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣፋፍኖት፦ ከምቲ ኣብ ቍጽሪ 14 እተሓበረ፡ ጴጥሮስ ኣይሁዳዊ ምንባሩ ኣብ ግምት ኣእቱ።)

․․․․․

ኣብ ቍጽሪ 25 ንቆርኔሌዎስ እንታይ ባህርይ ኢኻ እትርእየሉ፧ እታ ባህርይ እቲኣ ኣብ መብዛሕትኦም ከም ናቱ ዓይነት ስልጣን ዝነበሮም ሰባት ዘይትርከብ ዝነበረትከ ስለምንታይ እያ፧ (ኣፋፍኖት፦ ቍጽሪ 1 ርአ።)

․․․․․

በቲ ኽትረኽቦ እትኽእል ንምርምር ዚሕግዝ ናውቲ ጌርካ፡ ቆርኔሌዎስ ክንደይ ዚኣኽሉ ሰብኡት ዚርከብዎ ኢጣልያዊ ጭፍራ ይእዝዝ ምንባሩ ኽትረክብ ጽዓር።

․․․․․

ቆርኔሌዎስ እምነቱ ናብ ክርስትና ምቕያሩ ብፍላይ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

․․․․․

➌ ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ውጽኢታዊ ኣጠቓቕማ ምሳሌታት።

․․․․․

ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ።

․․․․․

ንስኻ እውን ኣድልዎ ኸም ዘይብልካ ብኸመይ ከም እተርኢ።

․․․․․

➍ ካብዚ ጸብጻብ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኻልእ ጽሑፋት ንምርካብ፡ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓቶም፡ ወይ ኣብ www.watchtower.org ከተንብብ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ