ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w06 1/7 ገጽ 31
  • እምነታ ንኻልኦት ኣተባብዐት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እምነታ ንኻልኦት ኣተባብዐት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንነዊሕ ግዜ እተገብረ ምንዳይ ዓስቢ ረኸበ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ካብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተላእከት ደብዳበ “ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ረኺበ ኣይፈልጥን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
w06 1/7 ገጽ 31

እምነታ ንኻልኦት ኣተባብዐት

ሲልቭያ ኣብ ታሕሳስ 1992 ክትውለድ ከላ ምሉእ ጥዕና ዝነበራ ጓል እያ ትመስል ነይራ። ጓል ክልተ ዓመት ምስ ኰነት ግን ሲስቲክ ፋይብሮሲስ ዚበሃል ኣብ መተንፈስን ምሕቃቕ ምግብን እናገደደ ዚኸይድ ከቢድ ጸገማት ዜስዕብ ሕማም ከም ዘለዋ ተፈልጠ። ነዚ ሕማም እዚ ንምጻሩ መዓልታዊ 36 ከኒና ትውሕጥ: ንምስትንፋስ ዚሕግዝ መሳርሒ ትጥቀም: ከምኡውን ኣካላዊ ሕክምና ይግበረላ። ሳናቡኣ ኻብቲ ግቡእ ዓቕሚ: 25 ሚእታዊት ጥራይ ስለ ዚሕዝ: ካብ ገዛ ኽትወጽእ ከላ እውን ከይተረፈ ኻብኣ ዘይፍለ መትሓዚ ኦክስጅን ኪህሉ ኣለዎ።

ኣዲኣ ተሬሳ ኸምዚ በለት:- “ሲልቭያ ነዚ ሕማም እዚ ብኸመይ ከም እትጾሮ ግን ኣዝዩ ዜገርም እዩ። ሳላ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘለዋ ፍልጠት: ድልድልቲ እምነት ኣላታ። እዛ እምነት እዚኣ ድማ ነቲ ዜጋጥማ ጓህን ጸገማትን ንኽትዋጽኣሉ ትሕግዛ። ኵሉ ግዜ ነታ የሆዋ እተመባጽዓ ኵሎም ዝሓመሙ ሰባት ዚሓውዩላ ሓዳስ ዓለም እያ እትዝክር።” (ራእይ 21:4) ሓድሓደ ግዜ ስድራቤታ ተስፋ ኪቘርጹ ኸለዉ: እቲ ኣብ ገጽ ሲልቭያ ዚንበብ ዜተኣማምን ፍሽኽታኣ የተባብዖም። ንወለዳን ነሕዋታን ድማ “ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህልወና ህይወት ነዚ ሕጂ ዜጋጥመና ዘሎ ዅሉ መከራ ኺትክኦ እዩ” ትብሎም።

ሲልቭያ ወትሩ ብስራት ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ተካፍል እያ: እቶም እተዘራርቦም ሰባት ድማ ኣብ ገጻ ሓጐስን ፍስሃን ከም ዚንበብ የስተብህሉ እዮም። ኣብቲ ንሳ እውን እትእከበሉ ኣብ ደሴታት ካናሪ ዚርከብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ነቲ እትህቦ ሓሳብ ከምኡውን ነቲ ኣብ ጉባኤ እትገብሮ ተሳትፎ ኣዝዮም እዮም ዜማስዉሉ። ሲልቭያ ዅሉ ግዜ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብምጽናሕ ምስ ክርስትያን ኣሕዋታን ኣሓታን ምዕላል ደስ እዩ ዜብላ። እቲ ምቕሉልን ሓጐስ ዝመልኦን ባህርያታ ዅሎም እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዘለዉ ኸም ዚፈትውዋ ገበሮም።

ኣቦኣ ኣንቶኒዮ ኸምዚ በለ:- “ሲልቭያ ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ እያ እትምህረና: ንሱ ድማ ጸገም የጋጥመና ብዘየገድስ: ህይወት ንባዕላ ውህበት ኣምላኽ ስለ ዝዀነት ከነማስወላ ኣሎና።” ልክዕ ከም ሲልቭያ: ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ማለት መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ነቲ “ኻብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ [“ሕሙም እየ:” ትርጕም 1990] ኣይብልን” ዚበሃለሉ ግዜ ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ።—ኢሳይያስ 33:24

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ኣዲኣ ነቲ መትሓዝ ኦክስጅን ሒዛትላ: ሲልቭያ ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ንኻልኦት ከተካፍል ከላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ