ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/2 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንቓል የሆዋ መርምሮ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ብሓጐስ ምእንቲ ኽንጻወር፡ የሆዋ ብኸመይ ይሕግዘና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣታ እሙን መጋቢ፡ ድሉው ኩን!
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ነቲ ዘይርአ ከም እትርእይዎ ዄንኩም ጽንዑ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/2 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኢሳይያስ 30:20 “ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ [“ነቲ ዓብዪ መምህርካ:” NW ] ኽርእያ እየን” ብምባል ንየሆዋ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዘሎ ገይራ እናገለጸት ክነሳ: ኢሳይያስ 30:21 ቃል የሆዋ ካብ “ድሕሬኻ” ኸም ዝመጽእ ገይራ እትገልጽ ስለምንታይ እያ፧

ኢሳይያስ 30:20, 21 ከምዚ ትብል:- “ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ [“ነቲ ዓብዪ መምህርካ:” NW ] ኺርእያ እየን እምበር: ደጊምሲ መምህራንካ [“እቲ ዓብዪ መምህርካ:” NW ] ኣይኪስወሩን እዮም። ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም: ኣእዛንካ: እዚኣ እያ እታ መገዲ: ብእኣ ተመላለሱ: ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።”

ነዛ ጥቕሲ ቓል ብቓሉ እንተ ወሲድናያ: እቲ ኣንባቢ ነቲ ዓብዪ መምህር ማለት ንየሆዋ ኣብ ቅድሚኡ ይርእዮ: ድምጹ ግን ካብ ድሕሪኡ ይሰምዕ። ይኹን እምበር: እዚ ቓላት እዚ ምሳልያዊ እዩ: ስለዚ ድማ ብምሳልያዊ መገዲ ኽንርድኦ ይግባእ።

ኣብ ቍጽሪ 20 ዘሎ ምሳልያዊ ኣዘራርባ: ካብ ጐይታኡ መምርሒ ብምቕባል ንኸገልግሎ ተዳልዩ ዘሎ ጊልያ እዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዝስእለልካ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ጊልያ ነቲ ጐይታኡ ዝደልዮ ንኽፈልጥ ኣተኲሩ ዝከታተሎ: ሎሚውን ህዝቢ የሆዋ ነቲ ኣምላኾም ብምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ በብግዜኡ ዝህቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታት ኣዒንቶም ተኺሎም ይከታተሉ እዮም። (መዝሙር 123:1, 2) እወ: ነቲ የሆዋ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ዝገልጾ መምርሒኡ ነቒሖም እዮም ዝስዕቡዎ።​—⁠ማቴዎስ 24:45-47

እቶም ገላዉ ብድሕሪኦም ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ኽበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ ኣብ ድሕሪኦም ዝሰምዕዎ ድምጺ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ እተዛረቦ ማለት ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓሉ በቲ ‘እሙን መጋቢ’ ኣቢሉ ኸነጽሮ ኸሎ እዩ ዘመልክት ክበሃል ይከኣል። (ሉቃስ 12:42) ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ወይ ‘እሙን መጋቢ’ ዘዳልዎ ጽሑፋት ገይሮም ንመጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ብምጽናዕን ስርዓታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን እዮም ቃሉ ዝሰምዕዎ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ እቲ ዓብዪ መምህርና ዝህቦ መምርሒታት ብምክትታልን ነቲ ቕድሚ ሓያሎ ዘመናት እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ብምጽናዕን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ቅድሚኦም ይርእይዎ ኸምኡውን ብድሕሪኦም ቃሉ ይሰምዕዎ ክበሃል ይከኣል እዩ።​—⁠ሮሜ 15:4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ