‘ብዛዕባ ለውሃትን ፍቕርን ኢዮም ዝዛረቡ’
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደዳ ጽዑቕ ወፍሪ ጸለመ ኰይኖም ኣለዉ። እቶም ተጻረርቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኸካፍእዎም ኢሎም ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ዘይኰነን ግጉይ ሓበሬታታትን ተጠቒሞም ኢዮም። ኣብ መጀመርታ 1999 ኣብ ምሉእ ፈረንሳ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር 12 ሚልዮን ቅዳሓት ናይታ ህዝቢ ፈረንሳ: ትታለሉ ኣለኹም! ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ትራክት ዓዲሎም ኢዮም። ኣብዛ ትራክት እዚኣ ነቲ ብዛዕብኦም እተዋህበ ናይ ጸለመ መግለጺ ኰኒኖሞ ኢዮም።
ደድሕሪ እቲ ወፈራ ሒደት መዓልትታት ጸኒሑ: እቲ ናይ ሕክምና ዶክተር ዝዀነን ኣባል ባይቶ ዝነበረን ሚስተር ዣን ቦኖም ናብ ሓንቲ ኣብቲ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ቅልዕቲ ደብዳበ ሰደደ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ቤተይ ይመጹ ኢዮም። ብዛዕባ ለውሃትን ዓለምለኻዊ ፍቕርን ንኸዘራርቡኒ ኢዮም ዝመጹ። . . . ኣየገድዱን ኢዮም። ብልኡም መንፈስ ኢዮም ዝዛረቡ: ንዘሎኒ ጥርጣረ ድማ ብሕያውነት ይሰምዑኒ ኢዮም።”
ሚስተር ቦኖም ብዛዕባ መንፈሳውነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ:- “ናታቶም [ካብ ሕብረተሰብ] ፍሉያት ምዃን ጕድኣት ኣየምጽእን ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ገለ ፖለቲከኛታት [ካብ ሕብረተሰብ] ፍሉያት ምዃኖም ንሰላም ዜጋታትን ንስኒት ሕብረተሰብን ኣብ ስግኣት ዘእቱ ኢዩ።”