ብኸመይ ብዓቕሊ ከም እትጽበ ትፈልጥዶ ኢኻ፧
ሰባት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣብ ምጽባይ ከም ዘሕልፉ ክትግምት ትኽእልዶ፧ ኣብ ኣብያተ-መሸጣ ወይ ኣብ መዐደል ነዳዲ ሪጋ ተሰሪዖም ይጽበዩ። ኣብ ኣብያተ-ብልዒ ዝኣዘዝዎ መግቢ ክሳዕ ዝቕረበሎም ይጽበዩ። ኣብ ኣብያተ-ሕክምና ይጽበዩ። ኣውቶቡስ: ባቡር ይጽበዩ። እወ: ኣብ ህይወት ሓደ ሰብ ዘደንጹ ንውሓት ዘለዎ ግዜ: እተፈላለየ ነገር ንኽፍጸም ኣብ ምጽባይ ይሓልፍ። ብመሰረት ሓደ ገምጋም: ጀርመናውያን ጥራይ ብተሽከርከርቲ ኣብ ዝመልአ መገዲ ንምሕላፍ ኣብ ምጽባይ 4.7 ቢልዮን ሰዓታት ኣብ ዓመት የሕልፉ! ናይ 7,000 ዝዀኑ ሰባት ዕምሪ ክድመር ከሎ ማዕረ እዚ ግዜ እዚ ከም ዝመጽእ ሓደ ሰብ ጸብጺቡ ኣሎ።
ትጽቢት ኣዝዩ ዘባሳጩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኵሉ ነገር ክትዓምም ግዜ ዝኣክል ኣይመስልን ኢዩ: ‘ሕጂ እዝን እትን እገብር ምሃለኹ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ኸኣ ንምጽባይ ብሓቂ በዳሂ ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ኣለክሳንደር ሮዝ እተባህለ ደራሲ ሓደ እዋን “ፍርቂ ናይቲ ኣብ ናብራ ዘጋጥም ምረት: ኣብ ምጽባይ ኢዩ ዘሎ” ብምባል ገሊጹ ነይሩ ኢዩ።
ቤንጃሚን ፍራንክሊን ዝበሃል ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን: ምጽባይ ብዙሕ ገንዘብ ከባኽን ከም ዝኽእል እውን ተገንዚቡ ነይሩ ኢዩ። ልዕሊ 250 ዓመታት ይገብር “ግዜ ገንዘብ ኢዩ” ብምባል ገሊጹ ነይሩ ኢዩ። ኣብያተ-ዕዮ ኣብ እዋን ስራሕ ዘየድሊ ምድንጓያት ከም ዘይህሉ ዝገብር መገድታት ዘናድያ እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ ኢየን። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ምህርቲ ምፍራይ ማለት ልዑል መኽሰብ ምርካብ ማለት ኢዩ። እተን ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት እውን እንተዀና ንዓማዊል ምሕጓስ ነቲ ኣብ ምጽባይ ዝሓልፍ ግዜ ከም ዝንኪ ምግባሩ ዘጠቓልል ምዃኑ ስለ ዝፈልጣ: ከም እምበቲቶ: ኣብ ውሽጢ ማኪናኻ ከሎኻ ዝወሃብ ናይ ባንክ ኣገልግሎትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ኣገልግሎት ከማልኣ ይጽዕራ ኢየን።
ዕምርና ኢዩ ዝባኽን
እቲ ናይ መበል 19 ዘመን ኣመሪካዊ ገጣሚ ራልፍ ዋልዶ ኢመርሰን ሓደ እዋን ከምዚ ዝስዕብ ብምባል መረርኡ ገለጸ:- “ካብ ዕምሪ ሰብ ኣየ ክንደይ ዝኣክል ኰን ኢዩ ኣብ ምጽባይ ዝባኽን!” ኣብዚ ቐረባ እዋን እውን ከይተረፈ ላንስ ማሮው እተባህለ ደራሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምጽባይ ዘሎ ናይ ምስልካይን ምዕልባጥን ስምዒት ኣማሪሩ ኢዩ። ሽዑ ግን ዝያዳ መረርኡ ዝገለጸ ብዛዕባ “ምጽባይ ዘስዕቦ ረቂቕ ሕሰም” ኢዩ። እዚ ሕሰም እዚ እንታይ ኢዩ፧ “እቲ ናይ ሓደ ሰብ ኣዝዩ ክቡር ሃብቲ ማለት ግዜ: ገለ ክፋል ዕድመ: ክምለሰሉ ብዘይክእል መገዲ ይስረቕ ከም ዘሎ ብምፍላጥ ዝስምዓካ ስምዒት ኢዩ።” እዚ ዘሕዝን ሓቂ ኢዩ። እቲ ኣብ ምጽባይ ዝሓልፍ ግዜ ኣኺልዎ ጠፊኡ ማለት ኢዩ።
ህይወት ኣዝዩ ሓጺር ነይሩ እንተ ዘይከውን: ምጽባይ ብዙሕ ዘሻቕል ጕዳይ ኣይምዀነን ነይሩ። ህይወት ግን ሓጺር ኢዩ። ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ሓደ ካብቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ መዝሙር “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ: ቀልጢፉ ይሐልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ: ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ” ብምባል ትዕዝብቱ ገለጸ። (መዝሙር 90:10) እንነብረሉ ቦታን መንነትናን ብዘየገድስ ህይወትና—እቲ ካብ እንውለድ ኣትሒዙ ዝህልወና መዓልትታት: ሰዓታት: ደቓይቕ—ውሱን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነቲ ነገራት ንኽኽሰቱ ወይ ንሰባት ኣብ ምጽባይ ገለ ካብዚ ክቡር ዝዀነ ግዜ ከነባኽን እንግደደሉ ኵነታት ክንኣልዮ ኣይንኽእልን ኢና።
ብኸመይ ከም እትጽበ ተማሃር
መብዛሕትና ኣብ ቅድሚኡ ንዘላ ተሽከርካሪት ሓሊፍዋ ንኽኸይድ ምስ ዝጽዕር መራሕ ማኪና ተጓዒዝና ንፈልጥ ኢና። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ዘየላቡ ኣድላዪ ነገር ወይ ድማ ህጹጽ ቈጸራ ስለ ዘለዎ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ: ናህሩ ብኻልእ መራሕ ማኪና ክቕየድ ስቕ ኢሉ ክርኢ ኣኻእሎ የብሉን። ከምዚ ክገብር ከሎ ዓቕሊ ዘይብሉን ብኸመይ ክጽበ ከም ዘለዎ ዘይተማህረ ምዃኑን ኢዩ ዝቃላዕ ዘሎ። ዘይተማህረ፧ እወ: ብኸመይ ክትጽበ ከም ዘሎካ ምፍላጥ: ክቕሰም ዘለዎ ትምህርቲ ኢዩ። ብኸመይ ክትጽበ ከም ዘሎካ ምፍላጥ: መፋጥርትና ዝዀነ ክእለት ኣይኰነን። ህጻናት ክጠምዩ ወይ ቀጨውጨው ክብሎም ከሎ ቅጽበታዊ ኣቓልቦ ይደልዩ። ነቲ ዝደለይዎ ነገር መታን ክረኽቡ ሓድሓደ ግዜ ምጽባይ ከም ዘድልዮም ዝግንዘቡ ግን ምስ ዓበዩ ጥራይ ኢዮም። ብርግጽ: ምጽባይ ክውገድ ዘይከኣል ክፍሊ ናብራ ህይወት ስለ ዝዀነ: ኣብቲ ኣድላዪ ዝዀነሉ ግዜ ብኸመይ ብዓቕሊ ክትጽበ ከም ዘሎካ ምፍላጥ መለለዪ ናይ ሓደ ብሱል ሰብ ኢዩ።
ብዓቕሊ ምጽባይ ዘይከኣለሉ ዘየላቡ ዅነታት ከም ዘሎ ርዱእ ኢዩ። ሓደ መንእሰይ በዓል ሓዳር ነታ ግዜ ሕርሳ ዝኣኸለ በዓልቲ ቤቱ ሒዙ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝሸበሉ እዋን ንዝፍጠር ምድንጓያት ብዓቕሊ ክጽበ ዘይምኽኣሉ ምኽኑይ ኢዩ። እቶም ሎጥ ካብ ሶዶም ንኽወጽእ ዝላበዉዎ ዝነበሩ መላእኽቲ: ሎጥ ምስ ተደናጐየ ንኽጽበዩ ድሉዋት ኣይነበሩን። ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ነበረ: ህይወት ሎጥን ስድራቤቱን ከኣ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 19:15, 16) ኣብቲ ሰባት ንኽጽበዩ ዝግደድሉ ዝበዝሕ ኵነታት ግን ህይወት ኣብ ሓደጋ ዝኣትወሉ እዋናት ኣይኰነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ኣብቲ ብሰንኪ ናይ ውልቀ-ሰባት ብቑዓት ዘይምዃኖም ወይ ዘይምግዳስ ዝኽሰት ምጽባይ እውን ከይተረፈ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ ዓቕሊ ከም ዝግበር እንተ ዝመሃር: ነገራት ብዝያዳ ባህ ዘብል ክኸውን ምኸኣለ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኵሉ ሰብ ነቲ ኣብ ምጽባይ ዝሓልፍ ግዜ ብኸመይ ረብሓ ክርከበሉ ብዝከኣል መገዲ ክጥቀመሉ ከም ዝኽእል እንተ ዝመሃር ዓቃል ምዃን ብዝበለጸ ቀሊል ምዀነ ነይሩ። እታ ኣብ ገጽ 5 ዘላ ሳጹን ብኸመይ ብዓቕሊ ከም እትጽበ ጥራይ ዘይኰነስ ብኸመይ ናብ ረብሓኻ ከም እትቕይሮ ገለ ሓሳባት ኣስፊራ ኣላ።
ዓቕሊ ዘይብልካ ምዃን ነቲ ኣገዳሲ ሰብ ብምዃንካ ኣብ ምጽባይ ግዜ ከተሕልፍ ዘይብልካ ዀይኑ ዝስምዓካ ስምዒት ዝሓዘ ትዕቢት ዝመልኦ ዝምባለ ዘቃልዕ ብምዃኑ ዕሽሽ ተባሂሉ ክሕለፍ ኣይከኣልን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዝምባለ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ነቲ “ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ከስተብህለሉ ዝግባእ ኢዩ። (መክብብ 7:8) ትዕኑን መንፈስ ወይ ትዕቢት ከቢድ ጕድለት ባህርይ ኢዩ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሳሌ ኸኣ “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ” ይብል። (ምሳሌ 16:5) ስለዚ ዓቕሊ ንምጥራይ ምምሃር—ብኸመይ ከም እትጽበ ምምሃር—ንገዛእ ርእስናን ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎና ርክብን ኣጸቢቕና ክንምርምሮ ይደልየና ይኸውን ኢዩ።
ዓቕሊ ዓስቢ ኣለዋ
ናይ ሓደ እንጽበዮ ዘሎና ነገር ምድንጓይ ቅቡል ገይርና ንወስዶን ንምሸቱ ድማ ብርግጽ ክመጽእ ምዃኑን ብዘየወላውል መገዲ ንኣምን እንተድኣ ዄንና ምጽባይ ብዝበለጸ ቀሊል ከም ዝዀነልና ፍሉጥ ኢዩ። በዚ ዝመጸ ኵሎም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ እጹብ ድንቂ መብጽዓታቱ ክፍጸም ይጽበዩ ምህላዎም ምግላጽ ሰናይ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሓንቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሳ መዝሙር “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ብምባል ተነጊሩና ኣሎ። ነዚ መብጽዓ እዚ ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ብምባል ኣቃሊሕዎ ኣሎ። (መዝሙር 37:29፣ 1 ዮሃንስ 2:17) ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተኽእሎ እንተድኣ ኣልዩ: ምጽባይ ዓቢ ግድል ከም ዘይኰነና ንጹር ኢዩ። ሕጂ ግን ንዘለኣለም ኣይንነብርን ኢና ዘሎና። ንምዃኑኸ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ህይወት ምዝራብ ክውንነታዊ ድዩ፧
ቅድሚ ናብቲ መልሲ ምኻድና ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ገይሩ ከም ዝፈጠሮም ኣብ ኣእምሮኻ ሓዞ። ነዚ ንዕኦምን ንዘርኦምን—ንዓናውን ከይተረፈ—ተዋሂቡ ዝነበረ ተስፋ ዘጥፍእዎ ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ኢዩ። ይኹን እምበር: ደድሕሪ ምሕጥኦም ብኡንብኡ ኣምላኽ ንሳዕቤናት ዘይምእዛዞም ክድምስስ ዝመደቦ ዕላማ ብዕሊ ኣፍለጠ። ምምጻእ ናይቲ ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እተጋህደ ‘ዘርኢ’ ተመባጽዐ።—ዘፍጥረት 3:15፣ ሮሜ 5:18
መብጽዓታቱ ፍጻሜ ኽረክብ ከሎ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ካብኡ ረብሓ ክንረክብ ዲና ኣይንረክብን ናይ ገዛእ ርእስና ውሳነ ኢዩ። ኣብኡ ንምብጻሕ ግን ትዕግስቲ ከድሊ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕግስቲ ንኽንማሃር ሓገዝ ምእንቲ ክዀነና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓረስታይ ከነስተንትን የተባብዓና። ዘራእቱ ምስ ዘርአ ክሳዕ እዋን ዓጺድ ነቲ ዝሰወተ እኽሊ ብእተኻእሎ መጠን እናተኸናኸነ ብትዕግስቲ ምጽባይ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሉን። ድሕርዚ ስለቲ ዝገበሮ ትዕግስቲ ዓስቢ ይረክብ: ሃፈጻምኡ ኸኣ ይሓፍስ። (ያእቆብ 5:7) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ካልእ ኣብነት ትዕግስቲ ረቚሑ ኣሎ። ነቶም ኣብ እዋን ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን የዘኻኽረና። ዕላማታት ኣምላኽ ክፍጸም ብሃንቀውታ የማዕድዉ እኳ እንተ ነበሩ: ነቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ግን ክጽበዩ ነበሮም። ጳውሎስ ነዞም “ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዚወርስዋ” ተባሂልሎም ዘሎ ሰባት ክንመስሎም የተባብዓና።—እብራውያን 6:11, 12
ብሓቂ እምበኣር ምጽባይ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ክእለ ዘይከኣል ክውንነት ኢዩ። ምንጪ ዘየቋርጽ ጓሂ ግን ክኸውን የብሉን። ፍጻሜ መብጽዓታት ኣምላኽ ንዝጽበዩ ሰባት: ምንጪ ሓጐስ ክዀኖም ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣብ ምጽባይ ዝሓልፍ ግዜ: ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ኣብ ምዅስኳስን እምነቶም ዘንጸባርቕ ተግባር ኣብ ምፍጻምን ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ርእሲ እዚ: ብጸሎትን መጽናዕትን ምስትንታንን ገይሮም ኵሉ እቲ ኣምላኽ እተማባጽዖ ነገራት ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ከም ዝፍጸም ዘየወላውል እምንቶ ክዅስኵሱ ይኽእሉ ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ነቲ ብምጽባይ ዝስዕብ ምረት ምንካዩ!
ኣቐዲምኩም ወጥኑ! ክትጽበዩ ምዃንኩም ትፈልጡ እንተድኣ ዄንኩም ንምንባብ: ንምጽሓፍ: ርክያሞ ንምርካም: እችነቶ ንምእላም ወይ ኣብ ካልእ ጠቓሚ ዕዮ ንምጽማድ እተዳለኹም ኩኑ።
ነቲ ግዜ ንምስትንታን ተጠቐመሉ: እዚ ብፍላይ ኣብዛ እትሕምበብ ዘላ ዓለምና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣጸጋሚ እናዀነ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብ መስመር ስልኪ ክትጸንሕ ኣብ እትግደደሉ እዋን ምእንቲ ኸተንብቦ ኣብ ጥቓ ተሌፎን ዝንበብ ጽሑፋት ኣቐምጥ፣ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ደቓይቕ ሓያለይ ገጻት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
ምስ ሰባት ኴንካ ኣብ እትጽበየሉ እዋን ዝጥዕም እንተድኣ ዀይኑ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ ካልኦት ዝርርብ ንምጅማርን ሃናጺ ዝዀነ ሓሳባት ንምልውዋጥን ተጠቐመሉ።
ዘይተሓስበ ምጽባይ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መጽሓፊ ዝዀነካ ጥራዝ ወይ ድማ ዝንበብ ጽሑፍ ኣብ ማኪናኻ ከም ዝህሉ ግበር።
ኣዒንትኻ ሰም ብምባል ተዛነ: ወይ ከኣ ጸሊ።
ነቲ ኣብ ምጽባይ ዝሓልፍ ግዜ ብግቡእ ንምጥቃም ኣብ ኣረኣእያን ኣቐዲምካ ምምዳብን ናይቲ ሰብ እተመርኰሰ ኢዩ።