ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 1/12 ገጽ 9-14
  • “ዘሐጕስ ዜና” ካብ ኣፖካሊፕስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዘሐጕስ ዜና” ካብ ኣፖካሊፕስ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዋጃት ዘሐጕስ ዜና
  • መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ሒዛቶ ዘላ ንዓና ዝኸውን ነገራት
  • ክብሪ ንምውሳድ ዝበቅዕ ገንሸል
  • “ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን” ኢዩ
  • እቲ ግርማዊ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት
  • ኣንበብቲ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ተሓጐሱ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • መጽሓፍ ራእይ—ትርጉሙ እንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ራእይ—እቲ ዘሐጕስ ፍጻሜኡ
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • መጽሓፍ ራእይን ንስኻን
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 1/12 ገጽ 9-14

“ዘሐጕስ ዜና” ካብ ኣፖካሊፕስ

‘ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ [“ዘሐጕስ ዜና: ” NW ] ክሰብከሎም: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ክዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ’—⁠ራእይ 14:⁠6

1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ መንፈስ ዝነፈሶ ምዃኑ ዝኣምኑ እኳ እንተዀኑ: “ኣንቈራ ጥፍኣት” ዘይኰኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ኣንቈራ ጥፍኣት” ወይ “ኣንቈራ ምጽኣተ⁠-​ዓለም” ኢዮም ተባሂሎም እኳ ዝኽሰሱ እንተዀኑ: እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ንኣፖካሊፕስ ወይ መጽሓፍ ራእይ ከም ክፍሊ ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ገይሮም ይቕበልዋ ኢዮም። ሓቂ ኢዩ: መጽሓፍ ራእይ ኣብ እኩያት ሰባት ዝወርድ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ዝሓዘት ኢያ። ይኹን እምበር: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብቲ ዝገብርዎ ህዝባዊ ምስክርነት ብቐዳምነት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ዘሎ ሓዊስካ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዘደንቕ ተስፋ ኢዮም ዘተኵሩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ትንቢታዊ ቃላት ኣይውስኹሉን ወይ ኣየጕድሉሉን ኢዮም።​—⁠ራእይ 22:⁠18, 19

ኣዋጃት ዘሐጕስ ዜና

2. ገለ ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ስብከቶም ብዙሕ ግዜ ዝጥቀሙሉ ጥቕስታት እንታይ ኢዩ፧

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ከም መሰረት ገይሮም ብዙሕ ግዜ ዝጠቕስዎ ነቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህ​ዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመ​ጽእ” ዝብል የሱስ እተዛረቦ ሓሳብ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​14) እዚ “ወንጌል መንግስቲ” እንታይ ኢዩ፧ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብዛዕባ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስን ናይ መንግስቱ ምም​ሕዳርን ከምኡውን ነቲ ሞትን ሓዘንን ስቓይን ‘ዘይኰነሉ’ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ከም ዝመጽእ ዝሕብር ኣብ ራእይ ምዕራፍ 20ን 21ን ዘሎ ሓሳባት ብምጥቃስ ይምልሱ።​—⁠ራእይ 20:⁠6፣ 21:⁠1, 4

3. እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ምስ ኣየናይ መዝነት ኢዩ ዝመሳሰል፧

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ ናይዚ ዘሐጕስ ዜና ከም ምዃኖም መጠን ኣፈኛታት ናይቲ ኣብ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ምሳልያዊ ሰማያዊ ልኡኽ ኢዮም። “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን [“ዘሐጕስ ዜና:” NW ] ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።” (ራእይ 14:⁠6) እቲ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል:” “መንግስቲ [ወይ ግዝኣት] ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡኡን” ከም ዝዀነ ከምኡውን የሆዋ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ዘጥፍኣሉ ዘመን ከም ዝመጸ’ ዝገልጽ ኣዋጅ ዘጠቓልል ኢዩ። (ራእይ 11:⁠15, 17, 18) እዝስ ብሓቂ ብስራትዶ ኸይኰነ፧

መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ሒዛቶ ዘላ ንዓና ዝኸውን ነገራት

4. (ሀ) ኣብ ራእይ ምዕራፍ 1 እንታይ መሰረታዊ ሓቅታት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧ (ለ) እቶም ካብዚ ዘሐጕስ ዜና ክጥቀሙ ዝደልዩ ሰባት እንታይ ብቕዓት ከማልኡ ኣለዎም፧

4 እታ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ናይ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ንየሆዋ ከም “ኣልፋን ኦሜጋን . . . እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል” ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ድማ ከም “እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድርን” ገይራ ገሊጻቶ ኣላ። ብተወሳኺውን: ብዛዕባ የሱስ ከም “ንእኡ: ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ: ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና” ገይራ ትገልጾ። (ራእይ 1:⁠5, 8) ስለዚ: መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ካብ መእተዊኣ ኣትሒዛ ብዛዕባ እቲ ህይወት ዘድሕን መሰረታዊ ሓቂ ኢያ እትገልጽ። እቶም ‘ኣብ ምድሪ ዝነብሩ’ ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ እንተ ዘይሂቦም: ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ እምነት እንተ ዘየሕዲሮም: ከምኡውን የሆዋ ንክርስቶስ ከም ዘተንስኦን ሕጂ ናይ ምድሪ ኣማሓዳሪ ክኸውን ብኣምላኽ ከም እተሾመን እንተ ዘይኣሚኖም ካብቲ ዘሐጕስ ዜና ዘምጽኦ በረኸት ኣይክጥቀሙን ኢዮም።​—⁠መዝሙር 2:⁠6-8

5. ኣብ ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን ክርስቶስ እንታይ ዕማም ከም ዝፍጽም ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

5 እተን ቀጺለን ዘለዋ ክልተ ምዕራፋት ንክርስቶስ የሱስ ከም ፈቃር ተዓዛቢ ናይተን ኣብ ምድሪ ዘለዋ ብደቀ መዛሙርቱ ዝቘማ ጉባኤታት ገይረን ይገልጻኦ። እቲ ነተን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ንእሽቶ እስያ ዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ ጥቕላል ክሳዕ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ዝጠቅም ምትብባዕን ተሪር ምኽርን ዝሓዘ ኢዩ። ናብተን ጉባኤታት እተላእከ መልእኽቲ መብዛሕትኡ ግዜ ‘ግብርኻ እፈልጥ ኣለኹ’ ወይ ‘ጸበባኻ እፈልጥ ኣለኹ’ ብዝብል ቃላት ኢዩ ዝጅምር። (ራእይ 2:⁠2, 9) እወ: ክርስቶስ ኣብተን ብደቀ መዛሙርቱ ዝቘማ ጉባኤታት እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ ብልክዕ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ንገሊአን ስለ እቲ ፍቕረን: እምነተን: ኣብ ኣገልግሎት ዝገበርኦ ጻዕሪ: ምጽማም: ከምኡውን ንስሙን ንቓሉን ዘለወን ተኣማንነት ንኢድወን ኢዩ። ነተን ካልኦት ከኣ ንየሆዋን ንወዱን ዝነበረን ፍቕሪ ስለ ዝዛሕተለ ወይ ኣብ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ኣምልኾ ጣኦት: ወይ ኣብ ናይ ክሕደት ኣንቆራነት ስለ ዝወደቓ ወቒስወን ኢዩ።

6. እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 4 ተመዝጊቡ ዘሎ ራእይ ንሰባት እንታይ ንኽርድኡ ኢዩ ዝሕግዞም፧

6 ምዕራፍ 4 ብዛዕባ ሰማያዊ ዝፋን የሆዋ ኣምላኽ ሓደ ዘደንቕ ራእይ ትገልጽ። ሕጽር ዝበለ ትርኢት ክብሪ ህላወ የሆዋ ከምኡውን ዝጥቀመሉ ሰማያዊ ናይ ግዝኣት መዋቕር ዝሓዘት ኢያ። እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ቐንዲ ዝፋን ናይ ኣድማስ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣኽሊል ዝደፍኡ ኣማሓደርቲ ንየሆዋ ሰገዱ: ከምዚ ኢሎም ድማ ኣወጁ:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”​—⁠ራእይ 4:⁠11

7. (ሀ) እቲ መልኣኽ ተቐማጦ ምድሪ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዝሓቶም፧ (ለ) ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ እንገብሮ ትምህርታዊ ዕዮ እንታይ ኢዩ፧

7 እዝስ ሎሚ ንዘለዉ ሰባት ገለ ትርጕምዶ ኣለዎ ኢዩ፧ ብዓጀባ እምበር። ኣብ ትሕቲ እታ ሽሓዊት መንግስቲ ህይወት ክረኽቡ እንተድኣ ደልዮም: ነቲ ‘ኣብ ማእከል ሰማይ ዝዝምቢ መልኣኽ’ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ብምባል ዝእውጆ መልእኽቲ ከቕልብሉ ኣለዎም። (ራእይ 14:⁠6, 7) ሓደ ካብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርታዊ ዕዮ ከም ዝፍጽሙ ዝገብሮም ቀንዲ ዕላማታት ‘ኣብ ምድሪ ዝነብሩ’ ሰባት ንየሆዋ ንኽፈልጥዎን ንኸምልኽዎን: ፈጣሪ ምዃኑ ኣፍልጦ ንኽህቡሉ: ከምኡውን ነቲ ጽድቃዊ ሉዓላውነቱ ብፍታው ክእዘዝዎ ንምሕጋዞም ኢዩ።

ክብሪ ንምውሳድ ዝበቅዕ ገንሸል

8. (ሀ) ክርስቶስ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 5ን 6ን ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧ (ለ) ኵሎም እቶም ነዚ ዘሐጕስ ዜና ዝሰምዑ ሰባት ካብዚ ራእይ እዚ እንታይ ትምህርቲ ይረኽቡ፧

8 እተን ቀጺለን ዘለዋ ክልተ ምዕራፋት: ራእይ 5ን ራእይ 6ን: ንየሱስ ክርስቶስ ከም ሓደ ኣብዚ ግዜና ዝፍጸም ነገራት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ዝገልጽ ሸውዓተ ማሕተም ዘለዎ ጥቕላል ንምፍታሕ ዝበቅዕ ገንሸል ከም ዝዀነ ገይረን ገሊጸንኦ ኣለዋ። (ምስ ዮሃንስ 1:⁠29 ኣረኣእዮ።) ሰማያዊ ድምጽታት ብዛዕባ እዚ ምሳልያዊ ገንሸል እዚ ከምዚ ይብል:- “ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ: ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ: ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ: ነቲ መሓትሙውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ።” (ራእይ 5:⁠9, 10) ብመሰረት እቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ካብ ኵሉ ዓሌታት ገለ ሰባት ምስኡ ኣብ ሰማይ ክዀኑ ከም እተጸውዑ: “ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ” ምዃኖም እዚ ራእይ እዚ ይምህረና። (ምስ ራእይ 1:⁠5, 6 ኣረኣእዮ።) እቲ ውሱን ቍጽሮም ጸኒሑ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ኣሎ።

9. ክርስቶስ ኣብ ምዕራፍ 6 ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

9 ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ራእይ: ክርስቶስ ከም ሓደ ኣኽሊል ደፊኡ ኣብ ኣምበላይ ፈረስ እተወጥሐ እሞ “እናሰዐረስ ኪስዕር” ዝወጸ ኰይኑ ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ዘሐጕስ ድማ: ነቶም ካብታ ኣገዳሲት ዓመት 1914 ኣትሒዞም ተኸታቲሎም ብምውጻእ ንደቅ​ሰብ ውግእ: ጥሜት: ከምኡውን ሞት ዘስዓቡ ሰለስተ ካልኦት ምሳልያውያን ፈረሰኛታት ዘምጽእዎ ሕማቕ ሳዕቤናት እውን ክስዕሮ ኢዩ። (ራእይ 6:⁠1-8) እቲ ገንሸል ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ ንደቅሰብ ኣብ ምድሓንን ናይ የሆዋ ዘደንቕ ዕላማታት ኣብ ምፍጻምን ዘለዎ ፍሉይ ግደ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ዘለዉ ትምህርታዊ ዕዮ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።

10. (ሀ) ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 እንታይ ኣገዳሲ ፍልጠት ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ክርስቶስ ብዛዕባ እቶም ነታ መንግስቲ ዝቕበሉ ሰባት ብኸመይ ተዛረበ፧

10 ራእይ ምዕራፍ 7 ብሓቂ ዘሐጕስ ዜና ኢያ ሒዛ ዘላ። ቍጽሪ ናይቶም ኣቦ እቲ ገንሸል መንግስቲ ዝህቦም: የሱስ ድማ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ዝጸውዖም ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ጥራይ ኢና እንረኽቦ። (ሉቃስ 12:⁠32፣ 22:⁠28-30) እዚኣቶም የሆዋ ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ዝሓተሞም ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 1:⁠21, 22) እቲ ነዚ ራእይ እዚ ዝረኣየ ሃዋርያ ዮሃንስ “ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ . . . ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ” ብምባል የረጋግጽ። (ራእይ 7:⁠4) እዚ ቝጽሪ እዚ ጸኒሑ ኣብ ካልእ ምዕራፍ ከም ድምር ናይቶም ምስቲ ገንሸል ኣብ ሰማያዊ ደብረ ጽዮን ኰይኖም ዝገዝኡ “ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” ኰይኑ ተረጋጊጹ ኣሎ። (ራእይ 14:⁠1-4) ህዝበ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ቍጽሪ እዚ ዘይንጹርን ዘየእምንን መግለጺ ትህብ እኳ እንተ ዀነት: እቲ ዘገርም ግን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ኢ. ዳብሊው. ባሊንገር ከምዚ በለ:- “እዚ ብቕልል ዝበለ መገዲ እተገልጸ ሓቂ ኢዩ: ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ሓደ ውሱን ዝዀነ ቍጽሪ ምስ ሓደ ዘይውሱን ቍጽሪ ኢዩ ተወዳዲሩ ዘሎ።”

11. (ሀ) ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 እንታይ ዘሐጕስ ዜና ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ንኣባላት ናይቶም “ዓቢ ጭፍራ” እንታይ ተስፋ ኢዩ ተኸፊትሎም ዘሎ፧

11 ባሊንገር ነየናይ ዘይውሱን ቍጽሪ ኢዩ ዘመልክት ዘሎ፧ ኣብ ቍጽሪ ራእይ 7:9 9 ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድሕርዚ ድማ ርኤኹ: እንሆ: ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ] . . . ርኤኹ።” (ራእይ 7:⁠9) ነዚ “ዓቢ ጭፍራ” እዚ ዘቝሙ መን ኢዮም: ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣቕዋም ኢዩ ዘለዎም: ኣብ መጻኢኸ እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ እትህቦ መልሲ ንተቐማጦ ምድሪ ብስራት ኢዩ። ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም: ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ።” ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ብምእማኖም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዕቝባ ክረኽቡ ኢዮም። ክርስቶስ ‘ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ክመርሖም ኢዩ። ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኽደርዘሎም ኢዩ።’ (ራእይ 7:⁠14-17) እወ: ሎሚ ብህይወት ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ክፍሊ ናይቶም ኣብ መወዳእታ ካብዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ዝድሕኑ ክቝጸሩ ዘይክእሉ ጭፍራ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ግዜ ሽሓዊ ግዝኣት ከም ተገዛእቲ ናይቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናብ ምርካብ ክምርሑ ኢዮም። እዝስ ብስራትዶ ኸይኰነ፧

“ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን” ኢዩ

12, 13. (ሀ) ካብ ራእይ ምዕራፍ 8 ክሳዕ ራእይ 19 እንታይ ሓሳባት ኢየን ሒዘን ዘለዋ፧ (ለ) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትንቢታት ክርበሹ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዮም፧

12 ካብ ራእይ ምዕራፍ 8 ክሳዕ ራእይ 19 ዘሎ ሓሳባት: መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ወይ ራእይ ዮሃንስ ዘርዕድ ዕንወት ዝገልጽ ትንቢት ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ ዝብል ስም ከም ዝወሃባ ዝገብር ኢዩ። እዘን ምዕራፋት እዚኣተን ኣንጻር እተፈላለየ ክፍልታት ኣገባብ ሰይጣን (ብምንፋሕ መለኸት: መዓት: ከምኡውን ብሸውዓተ ጽዋእ ናይ መለኮታዊ ቍጥዓ ብምምሳል) ሓያል ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ዝሓዛ ኢየን። እዚ ፍርድታት እዚ መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓሶት ሃይማኖት (“ዓባይ ባቢሎን”): ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣራዊት ተመሲሉ ዘሎ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ኣገባብ ክፍጸም ኢዩ።​—⁠ራእይ 13:⁠1, 2፣ 17:⁠5-7, 15, 16a

13 እዘን ምዕራፋት እዚኣተን ሰይጣንን ኣጋንንቱን ናብ ከባቢ ምድሪ ምስ ተደርበዩ ሰማይ ከም ዝጸረየ ይገልጻ። ካብ 1914 ኣትሒዙ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ መከራ ስለምንታይ ከም ዝመጸ ርዱእ ብዝዀነ መገዲ ክገልጽ ዝኽእል እዚ ጸብጻብ እዚ ጥራይ ኢዩ። (ራእይ 12:⁠7-12) ብተወሳኺውን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ጥፍኣት ናይቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን ይገልጽ። (ራእይ 19:⁠19-21) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሃንደበታዊ ፍጻመታት ክስምብዱ ይግባእዶ፧ ኣይፋልን: ከመይሲ ፍርድታት ኣምላኽ ክፍጸም ከሎ: ኣብ ሰማይ ከምዚ ዝብል ናይ ብዙሓት ድምጺ ተሰሚዑ ኢዩ:- “ሃሌሉያ: ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ: . . . ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።”​—⁠ራእይ 19:⁠1, 2

14, 15. (ሀ) እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ብጽድቃዊ መገዲ ኣብ መደምደምታኡ ዝበጽሕ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እዚ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ እዚ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ከሐጕሶም ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 የሆዋ ንምድሪ ካብቶም ዘበላሽዉዋ ዘለዉ ከየጽረየ ጽድቃዊ ኣገባብ ኣየምጽእን ኢዩ። (ራእይ 11:​17, 18፣ 19:⁠11-16፣ 20:⁠1, 2) እንተዀነ ግን: ነዚ ንምፍጻም ስልጣን ኰነ ሓይሊ ዘለዎ ዋላ ሓደ ሰብ ወይ ፖለቲካዊ መንግስቲ የለን። የሆዋ ከምኡውን እቲ ንሱ ዝሸሞ ንጉስን ፈራድን የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዮም ነዚ ብጽድቃዊ መገዲ ክገብርዎ ዝኽእሉ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 1:⁠6-9

15 የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዚ መወዳእታ ንኽገብረሉ ዕላምኡ ምዃኑ መጽሓፍ ኣፖካሊፕስ ኣነጺራ ገሊጻ ኣላ። እዚ ሓቂ እዚ ነቶም ‘በቲ ዝግበር ዘሎ ጽያፍ ዝጕህዩን ዝትክዙን’ ሰብኡትን ኣንስትን ከሐጕሶም ይግባእ። (ህዝቅኤል 9:⁠4) እዚ ኸኣ ንጻውዒት ናይቲ ዘሐጕስ ዜና ዝሓዘ መልኣኽ ብህጹጽ ከተቕልበሉ ኣድላዪ ምዃኑ ክርድኡ ክድርኾም ኣለዎ። እቲ መልኣኽ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ . . . ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ” ኢሉ ኣወጀ። (ራእይ 14:⁠7) እቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት ምስቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ንየሆዋ ዘምልኹን ዘገልግሉን ይግበሮም።​—⁠ራእይ 12:⁠17

እቲ ግርማዊ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት

16. (ሀ) ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንናይ ሽሕ ዓመት ተስፋ ስለምንታይ ኢያ እትነጽጎ፧ (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እታ ናይ ኣብነት ጸሎት መልሲ ክትረክብ ኢያ ኢሎም ዝኣምኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

16 ካብ ምዕራፍ 20 ክሳዕ 22 ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት ተስፋ ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት ሒዘን ኣለዋ። እዘን ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣተን ጥራይ ኢየን ብዛዕባ እቲ መኽፈቲ ናይቲ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዝህሉ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ዝዀነ ሽሕ ዓመት ዝገልጻ። ህዝበ⁠-​ክርስትያን ነዚ ናይ ሽሕ ዓመት ተስፋ እዚ ነጺገንኦ ኢየን። ኣብ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሰረተ⁠-​እምነት ጻድቃን ናብ ሰማይ: እኩያት ድማ ናብ ገሃነም እሳት ክኸዱ ኢዮም ዝብል ስለ ዘሎ ገነታዊት ምድሪ ዝብል ሓሳብ ቦታ የብሉን። እታ ‘ፍቓድ [ኣምላኽ] ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን’ እትብል ናይ ኣብነት ጸሎት ንብዙሓት ኣባላት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዋላ ሓንቲ ትርጕም ዘይብላ ኰይና ኣላ። (ማቴዎስ 6:⁠10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምኡ ኣይኰኑን። የሆዋ ኣምላኽ ንምድሪ “ማሕደር ሰብ ክትከውን” እምበር “ጥራያ ኽትከውን” ከም ዘይፈጠራ ጽኑዕ እምነት ኣለዎም። (ኢሳይያስ 45:⁠12, 18) ስለዚ: ጥንታዊ ትንቢታት: እታ ናይ ኣብነት ጸሎት: ከምኡውን እቲ ብዛዕባ ተስፋ ናይ ሽሕ ዓመት ዝገልጽ ራእይ ንሓድሕዱ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ ግዜ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት: ክርስቶስ ፍቓድ የሆዋ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡውን ኣብ ምድሪ ከም ዝፍጸም ክገብር ኢዩ።

17. “እተን ሽሕ ዓመት” ቃል ብቓሉ ክውሰዳ ከም ዘለወን እንታይ ይሕብረና፧

17 እታ “ሽሕ ዓመት” እትብል ስያመ ኣብተን ናይ መጀመርታ ሸውዓተ ቍጽርታት ናይ ራእይ ምዕራፍ 20 ሽዱሽተ ግዜ ተጠቒሳ ኣላ። እዛ ስያመ እዚኣ ሰለስተ ሳዕ ምስታ “እተን” እትብል ውሱን ኣመልካቲ ኣትያ ከም ዘላ ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ብዙሓት ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ወሃብቲ ርእይቶ ክንኣምኖ ዝደልዩና ንዘይተወሰነ ነዊሕ ግዜ ዘይኰነስ ቃል ብቓሉ ንሽሕ ዓመት ኢዩ ዘመልክት። ኣብቲ ሽሕ ዓመት እንታይ ኢዩ ክፍጸም፧ መጀመርታ: ኣብቲ ግዜ እቲ ሰይጣን ዋላ ሓንቲ ከም ዘይገብር ክኸውን ኢዩ። (ራእይ 20:⁠1-3፣ ምስ እብራውያን 2:⁠14 ኣረኣእዮ።) ኣየ እዝስ ከመይ ዝበለ ብስራት ኰን ኢዩ!

18. (ሀ) እተን ሽሕ ዓመት: “መዓልቲ” ፍርዲ ክበሃላ ዝኽእላ ስለምንታይ ኢየን፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት እንታይ ክፍጸም ኢዩ፧

18 ነቶም ‘ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ዝነግሱ’ “ናይ ምፍራድ ስልጣን” (NW ) ስለ እተዋህቦም: እቲ ግዜ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት “መዓልቲ” ፍርዲ ኢዩ። (ራእይ 20:⁠4, 6፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠31፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠8 ኣረኣእዮ።) ኣብቲ ግዜ እቲ ምዉታት ተንሲኦም ምስቶም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝደሓኑ ብማዕረ ደረጃ ከከም ግብሮም ክፍረዱ ኢዮም። (ራእይ 20:⁠12, 13) ኣብ መደምደምታ እተን ሽሕ ዓመት ሰይጣን ንደቅሰብ ንመወዳእታ ግዜ ምእንቲ ክፍትኖም ንሓጺር እዋን ክፍታሕ ኢዩ: ድሕርዚ ንሱ: ኣጋንንቱ: ከምኡውን እቶም ዝስዕብዎ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዓለወኛታት ንዘለኣለም ክጠፍኡ ኢዮም። (ራእይ 20:⁠7-10) እቶም ነቲ ፈተና ዝሓለፉ ሰባት ኣስማቶም ብዘይጠፍእ ቀለም ኣብ “መጽሓፍ ህይወት” ክጸሓፍ ኢዩ: ከምኡውን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንየሆዋ እናገልገሉን እናምለኹን ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ክረኽቡ ኢዮም።​—⁠ራእይ 20:⁠14, 15፣ መዝሙር 37:⁠9, 29፣ ኢሳይያስ 66:⁠22, 23

19. (ሀ) ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ዘሎ ዘደንቕ መብጽዓታት ከም ዝፍጸም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

19 ኣብ ኣፖካሊፕስ ተገሊጹ ዘሎ ዘሐጕስ ዜና ከምዚ ዝኣመሰለ ኢዩ። ዋጋ ዘይብሉ ናይ ሰብ መብጽዓታት ኣይኰነን። ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፤ እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ።” (ራእይ 21:⁠5) ኣብ ፍጻሜ ናይዚ ዘሐጕስ ዜና ምእንቲ ክንካፈል እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ነቶም ንኣምላኽ ከሐጕሱ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ብዙሕ ምኽሪ ሒዛ ኣላ። ከምዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ዘሎና ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ምስዓብ ሕጅን ንዘለኣለምን ደረት ዘይብሉ ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ምሉእ መግለጺ ንምርካብ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ራእይ —⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ንድግማ ዝኸውን ነጥብታት

◻ እንታይ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 4 ክሳዕ 6 ዝርከብ መሰረታዊ ሓቅታት ኢዩ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ዘሐጕስ ዜና ዝኸውን፧

◻ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 እንታይ ዘሐጕስ ዜና ኢዩ ዘሎ፧

◻ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት በቲ ኣብ ራእይ ዝርከብ ናይ ፍርዲ መልእኽትታት ክርበሹ ዘይብሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ እተን ሽሕ ዓመት ብኸመይ ኢየን “መዓልቲ” ፍርዲ ዝዀና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ንውግእ: ጥሜት: ከምኡውን ንሞት ካብ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ከጥፍእ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ