ወፈያ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ በዓል የሆዋ
ካብ ግዜ ጥንቲ ጀሚሩ ዘሐጕስ በዓላት ክፍሊ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ ነይሩ። ገለ ካብቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝግበር ዝነበረ በዓላት ንመዓልትታት ይጸንሕ ነበረ: ንየሆዋ ዘምልኹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ኣብኡ ይካፈሉ ነበሩ። እታ ሰሎሞን ዝሰርሓ ቤት መቕደስ ንሸውዓተ መዓልትታት ጽምብል ተገይሩላ: ደድሕሪኡ ኸኣ እቲ ሰሙን ምሉእ ዝጸንሕ ዝነበረ በዓል ዳስ ሰዓበ። እዚ ድማ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገብረሎም ነገራት ንኸስተንትኑ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም ነበረ። “በቲ እግዚኣብሄር . . . ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም: ብሕጉስ ልቢ” ነናብ ድንኳኖም ከዱ።—1 ነገስት 8:66
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ካብ 17-22 ግንቦት 1999 እተፈጸመ ነገር ነቶም በጻሕቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዘሐጕስ በዓላት ኣዘኻኺርዎም ኢዩ። እዚ ኣብ ወፈያ ናይቲ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድንፋዕ ዝዓለመ 28 ህንጻታት ዘተኰረ ፍሉይ ንጥፈታት እተኻየደሉ ሰሙን ኢዩ ነይሩ። ኵሎም እቶም 5,400 ኣባላት ናይቲ ኣብ ብሩክሊን: ዎልኪል: ፓተርሰን ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኣብታ ዘይትርሳዕ ሰሙን እቲኣ ንህንጻታት ፓተርሰን ብምሉእ እናዞሩ ንኽርእይዎ ምድላው ተገብረ። ኣብ መንጎ እቶም ኣጋይሽ ልዕሊ 500 ዝዀኑ እቲ ትምህርታዊ ማእከል ክህነጽ ከሎ ኣብቲ ዕዮ እተኻፈሉ ቀዳሞት ኣባላት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት: ካብ 23 ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተላእኩ ወከልቲ: ከምኡውን ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ጉባኤታት ዝመጹ ሰባት ይርከብዎም። እቶም ኣጋይሽ ኵሉ ዅሎም ብውሑድ 8,100 ይበጽሑ ነበሩ።
እናዞርካ ምርኣይ ትምህርቲ ከም እትቐስም ዝገብር ኢዩ
ነቶም በጻሕቲ ምስቲ ትምህርታዊ ማእከል ከም ዝላለዩ ንምግባር: ፍሉይ ንመርኣዪ ዝቐርብ ነገራት: ትምህርቲ ሓዘል ናይ ቪድዮ ምርኢት: ከምኡውን ብዘይ ናይ ሰብ ሓገዝ እናዞርካ ንኽትርኢ ዝሕግዝ ኣገባባት ተዳለወ። ኣብቲ ቀንዲ ኣደራሽ በጻሕቲ በቲ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ንዝነበረት ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘርኢ ቅርጺ ብቕጽበት ተሳሕቡ። ካልእ ንመርኣዪ ዝቐረበ ከኣ ነቲ ጥንታዊ ታሪኽ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ታሪኻዊ ዓበይቲ ኣኼባታት: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ዘመናዊ ምዕባለታት ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ—ኣብዚ ግዜ እዚ ሰሙን ሰሙን ብሚልዮናት ዝቝጸር ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ኣሎ—ከምኡውን እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ብመሰረት እቲ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ምእንቲ ኽፍጸም መገዲ ንምኽፋት ብኽፍሊ ሕጊ እተዓየ ዕዮ ዘጕልሕ ነበረ።—ማቴዎስ 28:19, 20
ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረ መአከቢ ኣደራሽ: ብምቹእ ኵነታት ን1,700 ሰባት ክሕዝ ዝኽእል: ነቶም ኣብ ናይ ወፈያ በዓል እተኻፈሉ ሰባት 33 ደቒቕ ዝወስድ “ብመንፈሰይ እምበር ብሓይሊ ኣይኰነን!” ዘርእስቱ ቪድዮ ከም ዝርእዩ ተገብረ። እዛ ቪድዮ እዚኣ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም ዝጀመረ እተርኢ ነበረት። ነዚ 15 ዓመታት ዝወሰደ ፕሮጀክት ብዓወት ንምዝዛም ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት እተራእየ መሪሕነት የሆዋን በረኸቱን ብንጹር ዝሕብር ቃለ-መጠይቓት ተገይሩ ኢዩ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኸኣ ኣብቲ ናይ ምህናጽ ዕዮ ተኻፊሎም ኢዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብ1994 ኣብቲ ቦታ 350 ናይ ምሉእ ግዜ ወለንተኛታት: 113 ግዝያውያን ሰራሕተኛታት: ከምኡውን 63 መዓልቲ መዓልቲ ሓገዞም ዘበርክቱ ዝነበሩ ሰባት ሓዊስካ ብጠቕላላ 526 ሰራሕተኛታት ነበሩ። ብዙሓት ካልኦት ድማ ወፈያታት ብምሃብ ነቲ ዕዮ ደጊፎምዎ ኢዮም። ኵሎም ከኣ እዚ ብዘይ ሓገዝ የሆዋ ፈጺሙ ክብጻሕ ዝኽእል ከም ዘይነበረ ይግንዘብዎ ኢዮም።—ዘካርያስ 4:6
እቶም በጻሕቲ ዕላማ ናይቲ ዝግበር ዝነበረ ስራሕ መለኮታዊ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ምዃኑ ክግንዘቡ ክኢሎም ኢዮም። ኣብ መእተዊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብቲ ቀዳማይ ደርቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበረ መርኣዪ: ነቲ ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻን ታሪኽ ናይቲ ቤት ትምህርትን ዘጕልሕ ኢዩ ነይሩ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ካብቲ ብ1943 ኣብ ደቡብ ላንሲን: ኒው ዮርክ: ዝነበረሉ ናይ መጀመርታ ካምፓስ ኣትሒዙ ክሳዕ ሕጂ ንልዕሊ 7,000 ተማሃሮ ንሚስዮናዊ ኣገልግሎት ኣሰልጢኑ ኢዩ። ኣብቲ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኴንካ እቲ ንኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ገየሽቲ ተዓዘብትን እተዳለወ ቤት ትምህርቲ ይርአ። ኣብ ክልቲኡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኸኣ ናይ ትምህርቲ መደባት ተኻይድሉ ኢዩ። ቤት ትምህርቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካብቲ ብሕዳር 1995 ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ ካብ 106 ሃገራት ንእተዋጽኡ 360 ኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዕሙቝ ዝበለ ትምህርቲ ሂቡ ኢዩ።
በጻሕቲ እናዞሩ ክርእዩ ኸለዉ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ካብቲ ስእላዊ መርኣያታት ንላዕሊ ክዕዘቡ ምኽኣሎም ተገንዘቡ። ነቲ እተፈላለየ ክፍልታት ከምኡውን ኣብያተ-ጽሕፈትን ናይ ስራሕ ቦታታትን ክበጽሑ ክኢሎም: ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝግበር ዕዮ ኸኣ ዓሚቝ ግንዛበ ክረኽቡ ክኢሎም ኢዮም። ካብቲ ዝረኣይዎ ዝያዳ ጕሉሕ ዝነበረ እቲ ናይ ኣውድዮ/ቪድዮ ዕዮታት ዝካየደሉ ህንጻ ኢዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንምድንፋዕ ኣየ ከመይ ዝበለ ብሉጽ መሳለጥያታት ኰን ኢዩ ዝዝውተር ዘሎ! በጻሕቲ በቲ ትምህርቲ ዝህብ እተፈላለየ ንመርኣዪ ዝቐረበ ነገራትን ሓጸርቲ ቪድዮታትን: ድምጺ ብኸመይ ኣብ ካሴት ከም ዝምላእን ቪድዮ ብኸመይ ከም ዝዳሎን ንኽርድኡ ተሓጊዞም ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ንድራማ ዘድሊ ነገራትን ፍሉይ ኣልባሳትን ንምድላው ዝግበር ሰፊሕ ምርምር ብዙሕ ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም። እቲ ንመድረኽ ዘድሊ ነገራት ብሕስር ዝበለ ዋጋ ኰይኑ ኣብ ደቀቕቲ ነገራት እውን ከይተረፈ ኣቓልቦ ክስሕብ ብዝኽእል መገዲ ብኸመይ ከም ዝዳሎ ርእዮም ኢዮም። ሙዚቃ እውን ንሰባት ኣብቲ ዝርአ ነገራት ከም ዘለዉ ኰይኑ ክስምዖም ብዘኽእል መገዲ ብኸመይ ከም ዝዝውተር ብዓይኖም ክርእዩ ክኢሎም ኢዮም። ካብ 1990 ጀሚራ ማሕበር ብ41 ቋንቋታት ዓሰርተ ቪድዮታት ከተዳሉ ክኢላ ኢያ። እዚ ቪድዮታት እዚ ኸኣ—ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ምልክት ቋንቋ ንዝጥቀሙ ጸማማት እተዳለወ—እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣርእስትታት ዘጕልሕ ኢዩ።
ዝበዝሑ ካብቶም ክበጽሑ ዝመጹ ሰባት ናብ ቤት ምርምር ስእሊ: ክፍሊ ስነ-ጥበብ: ናይ ኮምፒዩተር ምልምማድን ደገፍን ዝህብ ክፍሊ ሓበሬታ: እቲ ንንጥፈታት ናይተን 11,242 ጉባኤታትን 572 ገየሽቲ ተዓዘብትን ዝቈጻጸር ክፍሊ ኣገልግሎት: ከምኡውን ናብቲ ዓመት ዓመት ገለ 14,000 ዝኸውን ብዛዕባ እተፈላለየ ኣርእስትታት ዝምልከት ሕቶታት መልሲ ዘዳሉ ክፍሊ ጽሕፈት ከይዶም ኢዮም። ነቲ እተቐበልዎ ደብዳበታት መልሲ ንምሃብ ዝግበር ምርምርን ንዘጋጠሞም ከቢድ ግድላት ክዋጽእሉ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ዘረጋግጽ ሕቶታት ንዝሓተቱ ሰባት ዘርእይዎ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ምስ ተዓዘቡ ኸኣ ተመሲጦም ኢዮም።
እቶም ብቐጻሊ ዝውሕዙ ዝነበሩ በጻሕቲ ነቲ ንተርጐምቲ ሓገዝ ዝህብ ክፍሊ እውን በጺሖምዎ ኢዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት: ማሕበር ኣብ ርእሲ እቲ ቅድሚ ሕጂ እትጥቀመሉ ዝነበረት ቋንቋታት ብ102 ካልእ ተወሳኺ ቋንቋታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ተዳሉ ከም ዘላ ምስ ፈለጡ ተገሪሞም ኢዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም ገለ 80 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽሑፋት ማሕበር ካብ እንግሊዝኛ ወጻኢ ብዝዀነ ካልእ ቋንቋታት የንብብዎ ኢዮም። ነዚ ንምምላእ ኸኣ: ኣብ 100 ሃገራት ኣብ ዕዮ ትርጕም ዝዓዩ ልዕሊ 1,700 ወለንተኛታት ኣለዉ። ብቛንቋታት ኣመሪካ: ኣውሮጳ: እስያ: ከምኡውን ኣፍሪቃ እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛ ዘርኢ ምርኢት ነይሩ ኢዩ። በጻሕቲ ብ31 ቋንቋታት እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ክርእዩ ክኢሎም ኢዮም። ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ሕጂ ብ332 ቋንቋታት ተዳልዩ: እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ከኣ ብ219 ካብዚ ቋንቋታት እዚ ተዳልያ ምህላዋ ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም።
ንኽፍሊ ሕጊ ዝረኣዩ በጻሕቲ ነቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ሕጋዊ ቈላሕታ ዘድልዮ ሰፊሕ ንጥፈታት ከም ዝዕዘቡ ተገይሩ ኢዩ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ጠበቓ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ንምትሕልላፍ ደም ዝምልከት ጕዳይ ክማጐት ከሎ ብቪድዮ ርእዮምዎ ኢዮም። ህዝባዊ ስብከት ብስራት ክፉት ኰይኑ ንኽቕጽል እንታይ ይግበር ምህላዉ እውን ክፈልጡ ክኢሎም ኢዮም። (ፊልጲ 1:7) ናይ ኣውራጃ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣብ ኦርዴል: ኒው ጀርሲ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዝርከብ ምምሕዳር ከተማ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ማሕበረሰብ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎቶም ክካፈሉ ምስ ዝደልዩ ናይ ፍቓድ ወረቐት ይኹን ባጅ ክሕዙ ከም ዘለዎም ዘውጽኦ ሕጊ ንኽቕይር ትእዛዝ ከመሓላልፍ ኣብ መጋቢት ናይዚ ዓመት እዚ እተገብረ ውሳነ እውን ኣቓልቦ ተገይሩሉ ኢዩ።
እቶም በጻሕቲ እዚ ጥራይ ኣይኰነን ርእዮም። ኣብቲ ናይ ህንጻ ቤት ዕዮ ዘሎ ስእላዊ መርኣያታት መርሚሮም: ኣብ ኣተሓሕዛ ረሳሕ ማይ ዝጥቀምሉ መሳለጥያታት: ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ: ማይ ጨው ናብ ጥዑይ ማይ ዝልውጥ መሳለጥያታት: እተፈላለየ ናይ ጽገና ኣብያተ-ዕዮን ካልእ ነገራትን እናዞሩ ርእዮም ኢዮም። እዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኢዩ ነይሩ።
ናይ ወፈያ ፕሮግራም መለኮታዊ ትምህርቲ የጕልሕ
እቲ ናይ ወፈያ ፕሮግራም ረቡዕ 19 ግንቦት ሰዓት 4:00 ድ.ቐ. ኢዩ ተኻይዱ። እቶም 6,929 ሕጕሳት ጭፍራ: ኣባላት ቀንዲ ቤት ጽሕፈት: ብማሕበር እተላእኩ ኣጋይሽን ነቶም ብኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ዝከታተልዎ ዝነበሩ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካናዳ እተኣከቡ 372 ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።
እቶም ተኣከብቲ ነቲ ሚልተን ጂ. ሄንሸል ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት እተዛረቦ ልቢ ዝትንክፍ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላት ብምስምዖም ባህ ኢልዎም ኢዩ። ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካልን ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ኸኣ ኣቦ መንበር ዝነበረን ቲኦዶር ጃራዝ ቀጺሉ ንዊልያም ማለንፎንት ኣቕረቦ። “ብዛዕባ መደብ ህንጻ ዝገልጽ ጕሉሕ ነጥብታት” ዘርእስቱ ክፍሊ ከቕርብ ከሎ ድማ ኣብ ኣመዓባብላን ውጥንን ምህናጽን እቲ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ኣገዳሲ ግደ ንዝነበሮም ሰለስተ ኣሕዋት ቃለ-መጠይቕ ገበረሎም። ኣብቲ ምህናጽ ዝነበረሉ ዓመታት ልዕሊ 8,700 ግዝያውያን ዓየይቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ኣብቲ ዕዮ ከም እተኻፈሉ ተገልጸ። ብመለኮታዊ ትምህርቲ ክግበር እተኻእለ ከመይ ዝበለ ናይ ሓድነትን ልግስን ሰናይ መግለጺ ኰን ኢዩ!
ቀጺሉ “ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝግበር መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰዓበ። ብኣርባዕተ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ተዋህበ። ጆን ኢ. ባር መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑ ኣጕልሐ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ: ፍረ እናፈረዩ ብፍልጠት ኣምላኽ ከኣ እናዓበዩ ክመላለሱ’ ኢዩ ዘተባብዕ። (ቈሎሴ 1:10) ዳንየል ሲድሊክ መለኮታዊ ትምህርቲ ካብቲ ርእሲ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ ክሳዕ ነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ዓለምለኻዊት ማሕበር ከመይ ገይራ ቲኦክራሲያዊ ብዝዀነ መገዲ ከም እትመሓደር ገለጸ። (1 ቈረንቶስ 12:12-27) እተን ብገራት ሎሽን ብካሪ ባርበርን ዝቐረባ ናይ መወዳእታ ክልተ ክፍልታት ናይቲ ዓውደ-መጽናዕቲ: ኣገልገልቲ ናብቲ ሰባት ዝርከብዎ ቦታ ከይዶም ብመገዲ ኣምላኽ ንኽመላለሱ ክምህርዎም መለኮታዊ ትምህርቲ ብኸመይ ብቑዓት ከም ዝገበሮም ኣርእየን ኢየን።—ኢሳይያስ 2:1-4፣ 2 ቈረንቶስ 3:5
ነቶም ተኣከብቲ ምስቲ ኣብዚ ትምህርታዊ ማእከል እዚ ዘሎ እተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ዝላለዩ ንምግባር: ምስቶም መምህራን ከምኡውን ምስቶም ኣብቲ መስርሕ እቲ እጃም ዘለዎም ካልኦት ቃለ-መጠይቓትን ምይይጣትን ተገብረ። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ነቲ መለኮታዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ንምፍጻም ዘለዎ ግደ ተራእዩ ኢዩ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ መጽናዕቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስን ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋን: ከምኡውን ንሚስዮናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምድላው ዘተኰረ ምዃኑ ተገሊጹ ኢዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት: ብዛዕባ እቲ ኣባላት ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝሳተፍሉ እተፈላለየ ንጥፈታት ዘገርም ዝዀነ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝካየደሉ ቤት ትምህርቲ ኢዩ። እቲ ንገየሽቲ ተዓዘብቲ እተዳለወ ቤት ትምህርቲ ንገየሽቲ ኣሕዋት ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ ንጉባኤታት ኣዝዩ ክጠቅም ዝኽእል መንፈሳዊ ሓገዝ ንኽህቡ እውን ዘዕጥቖም ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ ናይቲ ፕሮግራም እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበረ ሎይድ ባሪ “ምስቲ ዓቢ ፈጣሪና ዄንና ንህነጽ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ዝርርብ ኣቕረበ። እቲ ፈጣሪ ዝዀነ የሆዋ ብዅሉ ፍጥረታቱ ከም ዝሕጐስ: ምስኡ ዄንና ክንሕጐስ ከኣ ይዕድመና ምዃኑ ጠቐሰ። (ኢሳይያስ 65:18) ‘እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ኣምላኽ’ ስለ ዝዀነ ብምሉኡ እዚ ህንጻ እዚ ክፍጸም ዝኸኣለ ብየሆዋ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። (እብራውያን 3:4) እቲ ተዛራባይ ነዚ ሓሳብ እዚ ምስ ገለጸ ነቲ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ዓቢ ፈጣሪና የሆዋ ንምውፋይ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ።a
እቲ ሰሙን ምሉእ ዝወሰደ በዓላት በቶም ኣብኡ እተኻፈሉ ክዝከር ከም ዝነብር ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ንምብጻሕ መደብ ዘይትገብር፧ ኣብኡ ምብጻሕን ምርኣዩን ብዛዕባ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ዝያዳ ንኽትማሃርን በቲ ጻድቕ ስርዓታቱ ኸኣ ንኽትመላለስን ኣብ እትገብሮ ጻዕርታት መተባብዒ ከም ዝዀነካ ርግጸኛታት ኢና።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ሓው ባሪ ብ2 ሓምለ 1999 ብተኣማንነት ምድራዊ ኣገልግሎቱ ወድአ። ናይ 1 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16 ርአ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
ብሰባት ዝመልአ ኣደራሽን ቤት መግብን
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]
እቲ እናዞርካ እተገብረ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጕስ ክፍሊ ናይቲ በዓል ኢዩ ነይሩ