የሆዋ ኸውሐይ ኢዩ
ብኢማንወል ሊኣኑዳኪስ እተዘንተወ
ኣደይ ጽውግ ኢላ “ኣብ ውሳነኻ እንተድኣ ደሪቕካ: ካብዚ ገዛ ትወጽእ ” ብምባል ነዲራ ተዛረበትኒ። ምሉእ ግዝየይ ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ከሕልፎ ኢየ ወሲነ ነይረ። ይኹን እምበር: ብተደጋጋሚ ማእሰርቲ የጋጥመኒ ብምንባሩ ስድራቤተይ በዚ ኽሓፍሩ ኣይደለዩን።
ወለደይ ትሑታትን ፈሪሃ-ኣምላኽ ዝነበሮምን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ምዕራባዊ ወገን ናይታ ኣብ ግሪኽ ዘላ ቅሬጥስ እትበሃል ደሴት እትርከብ ቍሸት ዱውልያና ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም: ኣነ ኸኣ ኣብታ ቝሸት ብ1908 ኢየ ተወሊደ። ወለደይ ካብ ግዜ ንእስነተይ ጀሚሮም ኢዮም ንኣምላኽ ከኽብሮን ክፈርሆን ዝማሃሩኒ። ናይ ቤት ትምህርቲ መምህራን ይዅኑ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ኣቕሽሽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ርእየዮም ዘይፈልጥ እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ፍቕሪ ሓደረኒ።
ሓደ ጐረቤት ነታ ዘ ሃርፕ ኦቭ ጎድ እትብሃል መጽሓፍን ነተን ብሲ. ቲ. ራስል እተዳለዋ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃላ ሽዱሽተ ጥራዛትን ድሕሪ ምንባቡ ነቲ ዘደንቕ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትሕዝቱአን ብውዕዉዕ ስምዒት ነገረኒ። እዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን በቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢየን ተሓቲመን። ካብቲ ኣብ ኣቴንስ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ መጻሕፍትን ምስ ተቐበልኩ ተሓጒሰ ኢየ። ምስቲ ጐረቤት ክሳዕ ከውታ ለይቲ ናብ የሆዋ ክንጽልን ሽምዓ ኣብሪህና በቲ ሽዑ ዝነበረና መጻሕፍቲ ተሓጊዝና ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝነበረና ጽምኢ ከነርውን ፍጹም ኣይርስዓንን ኢዩ።
ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸብክዎ ሓድሽ ፍልጠት ንኻልኦት ምንጋር ክጅምር ከለኹ ወዲ 20 ዓመት ኢየ ነይረ: ኣብ ሓንቲ ኣብ ጎደቦና እትርከብ ዓዲ ኣብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ድማ መምህር ኰይነ ህዝባዊ ኣገልግሎት እህብ ነበርኩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣብ ዱውልያና መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣርባዕተ ሰባት ስርዓታዊ ኣኼባታት ነካይድ ነበርና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እታ እንኮ ተስፋ ወድሰብ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽፈልጡ ትራክትታት: ንኣሽቱ ጽሑፋት: መጻሕፍቲ: መጽሓፍ ቅዱሳት ንዕድል ነበርና።
ብ1931 ካብቶም ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ሓንጎፋይ ኢሎም እተቐበሉ ኣሽሓት ሰባት ኢና ነይርና። (ኢሳይያስ 43:10 NW ) ኣብታ ስዒባ ዝነበረት ዓመት ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ስምናን ትርጕሙን ንሰበ-ስልጣን ንምግላጽ ኣብ እተገብረ ወፈራ ተኻፊልና ኢና። እዚ ወፈራ እዚ ነታ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እትገልጽ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ንዅሎም ኣቕሽሽቲ: ደያኑ: ናይ ፖሊስ መኰንናት: ከምኡውን ኣብ ከባቢና ንዝነበሩ ነጋዶ ምዕዳል ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ።
ልክዕ ከምቲ እንጽበዮ ዝነበርና ግን ኣቕሽሽቲ መስጐጕቲ ኸም ዝለዓል ገበሩ። ኣብታ ንፈለማ እተተሓዝኩላ እዋን 20 መዓልቲ ኽእሰር ተፈረድኩ። ምስ ተፈታሕኩ ድሕሪ ሓጺር እዋን እንደገና ተታሓዝኩ እሞ ንሓደ ወርሒ ክእሰር ተፈረድኩ። ሓደ ዳኛ ስብከት ደው ከነብል ምስ ኣዘዘ: በተን ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 ዘለዋ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብላ ቓላት መለስናሉ። ጸኒሑ ብ1932 ሓደ ወኪል ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ነታ ኣብ ዱውልያና ዝነበረት ንእሽቶ ጕጅለና በጽሓ እሞ ኣርባዕቴና ድማ ተጠመቕና።
ብመንፈስ ስድራቤተይ ዝዀኑ ሰባት ምርካብ
ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ እጃም ከበርክት ድሌት ስለ ዝነበረኒ ካብቲ ተቘጺረ ዝዓየሉ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ብገዛእ ፍቓደይ ተሰናበትኩ። ካብዚ ንንዮው ግን ኣደይ ክትዕገሰኒ ስለ ዘይከኣለት ካብ ቤት ኣውጽኣትኒ። እቲ ናይ ኣቴንስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ሓደ ኣብ ከተማ ኢራክሊዮን ናይ ቅሬጥስ ዝነበረ ለጋስ ክርስትያን ሓው ክቕመጥ ፈቐደ: ንሱ ኸኣ ብሓጐስ ናብ ቤቱ ተቐበለኒ። ስለዚ ብነሓሰ 1933 እቶም ደቂ ዓድና ዝዀኑ ኣሕዋት ምስ ገለ ተገደስቲ ውልቀ-ሰባት ኰይኖም ክሳዕ እቲ ኣውቶቡስ ደው ዝብላሉ ቦታ መጺኦም ሰናይ ትምኒቶም ብምግላጽ ኣፋነዉኒ። እዚ ብሓቂ ናይ ምድፍናቕ እዋን ኢዩ ነይሩ: እንደገና እንራኸበሉ ግዜ ስለ ዘይንፈልጥ ድማ ኵልና ፊቕ ኢልና በኸና።
ኣብ ከተማ ኢራክሊዮን ኣባል ሓንቲ ፈቃር መንፈሳዊት ስድራቤት ኰንኩ። ምስ ካልኦት ሰለስተ ክርስትያን ኣሕዋትን ሓንቲ ሓብትን ድማ ስርዓታውያን ኴንና ንመጽናዕትን ኣምልኾን ንእከብ ነበርና። ነቲ ‘ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሐደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ ብሚእቲ ኻዕበት ዘይረክብ የልቦን’ ዝብል መብጽዓ የሱስ ብጋህዲ ክፍጸም ከሎ ክርኢ ኽኢለ ኢየ። (ማርቆስ 10:29, 30) ኣብታ ኸተማን ጎደቦ ዓድታትን ናይ ምስባኽ መዝነት ነበረኒ። ንዅላ እታ ኸተማ ምስ በጻሕክዋ ናብ ወረዳታት ኢራክሊዮንን ላሲቲዮንን ከድኩ።
ንበይኑ ዘገልግል ፓይነር
ካብ ቍሸት ናብ ቍሸት ብእግሪ ንምኻድ ብዙሕ ሰዓታት ይወስደለይ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ጽሑፋት ብመጓዓዝያ ዝልኣኽ ዝነበረ ሳሕቲ ብምዃኑ: ብብዙሕ ኪሎታት ዝምዘን ጽሑፋት ክስከም ነበረኒ። መሕደሪ ቦታ ስለ ዘይነበረኒ ንኽድቅስ ኣብቲ ቝሸት ናብ ዝርከብ ቤት ሻሂ ብምኻድ እቲ ናይ መወዳእታ ተገልጋላይ ክሳዕ ዝወጽእ ተጸብየ: መብዛሕትኡ ግዜ ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ ኢየ ዝድቅስ ነይረ። እቲ ወናኒ ቤት ሻሂ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ኣንጊሀ ክትስእ ነበረኒ። ማእለያ ዘይብሎም ቍንጪ ድማ ምሳይ ይሓድሩ ነበሩ።
ሽሕኳ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት የርእዩ እንተ ነበሩ: ንየሆዋ ብምሉእ ናይ ንእስነት ሓይለይ ከገልግሎ ብምኽኣለይ ሕጉስ ኢየ ነይረ። ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኢ ሰብ ምስ ዝረክብ እቲ ኣብዚ ህይወት ዘድሕን ኣገልግሎት ከየባተኽኩ ንኽቕጽል ዝገበርክዎ ውሳነ ይሕደሰለይ ነበረ። ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋተይ ዝገብሮ ዝነበርኩ ሕብረት ድማ ካልእ ዘሐድሰኒ ነገር ኢዩ ነይሩ። ካብታ ኣገልግሎተይ ዝፍጽመላ ዝነበርኩ ከተማ ኢራክሊዮን እተፈላለየ ርሕቀት ኣብ ዘለዎ ቦታታት ከይደ የገልግል ብምንባረይ ነቶም ኣሕዋት ካብ 20 ክሳዕ 50 ኣብ ዘሎ መዓልትታት ተመሊሰ እረኽቦም ነበርኩ።
እቲ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣብ ኢራክሊዮን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብታ ምሸት እቲኣ ልሙድ ኣኼባኦም ክገብሩ ምዃኖም ትዝ ምስ በለኒ ኣብታ ድሕሪ ቐትሪ እቲኣ እተሰምዓኒ ጽምዋ ፍጹም ካብ ኣእምሮይ ኣይሃሰሰን። እቲ ንኽርእዮም ዝነበረኒ ሃንቀውታ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ ነቲ 25 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ መገዲ ብእግረይ ክጕዓዞ ወሰንኩ። ቅድሚኡ ብእግሪ ኽጕዓዝ ከለኹ ክንድኡ ቕልጣፈ ኣይነበረንን። ምስ ኣሕዋተይ ሓቢረ ጥዑም ምሸት ብምሕላፈይን ነቲ መንፈሳዊ ሓርበይ እንደገና ክመልኦ ብምኽኣለይን ክንደይ ኰን ኢየ እተጸናናዕኩ!
ነዊሕ ከይጸንሐ ዓስቢ እቲ ኣብ ዕዮ ስብከተይ ዝገበርክዎ ብርቱዕ ጻዕሪ ክረክብ ጀመርኩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ‘እግዚኣብሄር ዝድሕኑ ይውስኸልና ነበረ።’ (ግብሪ ሃዋርያት 2:47) ንየሆዋ ዘምልኹ ሰባት ኣብ ቅሬጥስ ቍጽሮም እናወሰኸ ኸደ። ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ክጽንበሩኒ ምስ ጀመሩ እቲ ዝስምዓኒ ዝነበረ ጽምዋ እናተቐንጠጠ ኸደ። ስጋዊ ጸገማትን መሪር ተቓውሞን ነሕልፍ ነበርና። መዓልታዊ መግብና ሕብስቲ ኢዩ ነይሩ: ምስቲ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ጽሑፋት ምስ ሃብናዮም ኣብ ክንድኡ ዝህቡና ገለ እንቋቝሖ ወይ ፍረ ኣውሊዕ ወይ ኣሕምልቲ ድማ ኣቋሲና ንበልዖ ነበርና።
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቅሬጥስ ኣብ እትርከብ ኢራፔትራ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ንሓደ ክዳውንቲ ዝሸይጥ ሚኖስ ኮኪናኪስ ዝብሃል ሰብ መስከርኩሉ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር ዘየቋርጽ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርኩ: ናብርኡ ብስራሕ ትሑዝ ብምንባሩ ግን ግዜ ኣይነበሮን። ይኹን እምበር: ንጽንዓቱ ኣርዚኑ ንኽርእዮ ቈራጽነት ምስ ገበረ ኣብ ህይወቱ ቅልጡፍ ለውጢ ኣምጽአ። ልዑል ቅንኢ ዘለዎን ንጡፍ ኣዋጂ እቲ ብስራትን እውን ኰነ። ኣብ ትሕቲ ኮኪናኪስ ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ 18 ዓመት ኢማንወል ፓተራኪስ በቲ ዝረኣዮ ለውጢ ኣዝዩ ተመሰጠ እሞ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ክውሃቦ ሓተተ። ዘየቋርጽ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብርን ኣብ መወዳእትኡ ድማ ሚስዮናዊ ክኸውን ከሎን ብምርኣየይ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ!a
እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: እታ ኣብ ዓድና ዝነበረት ጉባኤ ትዓቢ ስለ ዝነበረት ሽዑ 14 ኣስፋሕቲ ነበርዋ። ነታ ብስጋ ሓብተይ ዝዀነት ደስፒና ዝለኣኸታ ንሳ ከምኡውን ወለደይ ሓቂ ከም እተቐበሉን ሕጂ ተጠሚቖም ንየሆዋ የምልኹ ኸም ዘለዉን እትሕብር ደብዳበ ዘንበብኩላ መዓልቲ ፍጹም ኣይትርስዓንን ኢያ!
መስጐጕትን ምብራርን ምጽማም
ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ንንጥፈታት ስብከትና ከም ኣዕናዊ ናይ ኣንበጣ መዓት ገይራ ክትርእዮ ስለ ዝጀመረት ምሉእ ብምሉእ ንኽተጥፍኣና ተላዕለት። ኣብ መጋቢት 1938 ኣብ ቅድሚ ኣኽባር ሕጊ ቀረብኩ: ብቕልጡፍ ካብቲ ኸባቢ ከልግስ ድማ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ: ንጥፈታት ስብከትና ጠቓሚ ምዃኑ ዕዮና ድማ በቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ንጉስና የሱስ ክርስቶስ እተኣዘዘ ምዃኑ ገለጽኩሉ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8
ንጽባሒቱ ኣብቲ ኸባቢ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ተጸዋዕኩ። ናብኡ ምስ ከድኩ ኸኣ ንድሕንነት ህዝቢ ኣስጋኢ ኰይነ ከም እተረኸብኩን ኣብ ባሕሪ ኤጅያን ናብ እትርከብ ደሴት ኣሞርጎስ ተወሲደ ንሓደ ዓመት ክሕየር ከም እተፈረድኩን ኣፍለጡኒ። ድሕሪ ገለ መዓልትታት ድማ ብመቝሕ ተኣሲረ ናብታ ደሴት ተወሰድኩ። ኣብ ኣሞርጎስ ብዘይካይ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይነበረን። ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብታ ደሴት ተሓይሩ ኸም ዘሎ ምስ ፈለጥኩ ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረምኩ እሞ ሕስብ ኣብሎ! መን ኰን ይኸውን፧ እቲ ኣብ ቅሬጥስ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሉ ዝነበርኩ ሚኖስ ኮኪናኪስ ኢዩ። መንፈሳዊ ብጻይ ብምርካበይ ድማ ኣዝየ ተሓጐስኩ! ድሕሪ ገለ ግዜ ኣብ ማያት ኣሞርጎስ ከጠምቖ መሰል ረኸብኩ።b
ናብ ቅሬጥስ ምስ ተመለስኩ ብዙሕ ከይጸናሕኩ እንደገና ተተሓዝኩ እሞ: ኣብታ ደሴት ኣብ እትርከብ ንያጶሊስ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ንሽዱሽተ ወርሒ ተሓየርኩ። ድሕሪ እቲ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምሕያር ድማ እንደገና ተተሓዝኩ: ንዓሰርተ መዓልትታት ከኣ ተኣሰርኩ: ኣብታ ንእተሓየሩ ኮሚኒስታውያን እተሓዝአት ደሴት ኣርባዕተ ወርሒ ክጸንሕ ድማ ተወሰድኩ። ነቲ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቂ ምዃኑ ክግንዘቦ ክኢለ ኢየ።—2 ጢሞቴዎስ 3:12
ምጽራር ንወሰኽ ኣይዓገቶን
ኣብቲ ጀርመን ንግሪኽ ወሪራትሉ ዝነበረት ካብ 1940 ክሳዕ 1944 ዝነበረ ዓመታት: ንጥፈታት ስብከትና ዳርጋ ደው ኢሉ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ግሪኽ ዝነበሩ ህዝቢ የሆዋ ሽዑ ንሽዑ እንደገና ምትዕርራያት ገበሩ እሞ ንንጥፈታት ስብከትና ከም ብሓድሽ ጀመርናዮ። ነቲ ዝጠፍአ ግዜ ንምትካእ ኸኣ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓድሽ መንፈስን ቅንእን ተተሓሓዝናዮ።
ልክዕ ከምቲ ትጽቢት ዝገበርናሉ ሃይማኖታዊ ምጽራር እንደገና ብቕጽበት ተወልዐ። መብዛሕትኡ እዋን ኣቕሽሽቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ: ሕጊ ብምዕምጻጽ ገበርትን ሓደግትን ኢዮም ዝዀኑ። ሓደ ቐሺ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ዓድታት ኣንጻርና ናዕቢ ኸም ዝለዓል ገበረ። እቲ ቐሺ ባዕሉ ክሃርመኒ ጀመረ: ወዱውን ብድሕረይ ኰይኑ ይዘብጠኒ ነበረ። ዕቝባ ክረክብ ናብ ሓንቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረት ቤት ሃደምኩ: ነቲ መገላግልተይ ግን እናጐተቱ ናብ ኣደባባይ ናይታ ዓዲ ወሰድዎ። ኣብኡ ድማ እቶም መናዓብቲ ጽሑፋቱ ቀደድሉ: ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ሰገነት ርሻና ዀይና “ቅተልዎ!” እናበለት ትጭድር ነበረት። ኣብ መወዳእታ ግን: ሓደ ሓኪምን ሓደ ዝሓልፍ ዝነበረ ኣባል ፖሊስን ካብቲ ናዕቢ ኣናገፉና።
ጸኒሑ ብ1952 እንደገና ተታሓዝኩ እሞ ኣርባዕተ ወርሒ ክሕየር ተፈረድኩ: ኣብ ቅሬጥስ ኣብ ዝርከብ ካስቴሊ ኪሳሞስ ዝበሃል ቦታ ድማ ፍርደይ ወዳእኩ። ድሕሪኡ ብኡንብኡ: ንጉባኤታት እናበጻሕኩ ብመንፈስ ከበራትዐን ዘኽእለኒ ስልጠና ተዋህበኒ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዕዮ መገሻ ክልተ ዓመት ምስ ኣሕለፍኩ: ነታ ስማ ልክዕ ከም ናይ ብስጋ ሓብተይ ዝዀነ ደስፒና እተባህለት ንፍዕቲ ክርስትያን ሓብቲ ተመርዓኹ። ደስፒና ክሳዕ ሕጂ እምንቲ ኣምላኺት የሆዋ ኰይና ተገልግል ኣላ። ድሕሪ እቲ መርዓ ኣብ ቅሬጥስ ኣብ እትርከብ ሃንያ እትብሃል ንእሽቶ ኸተማ ፍሉይ ፓይነር ኰይነ ከገልግል ተመደብኩ: ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ ኰይነ ኢየ ዘገልግል ዘለኹ።
ኣብዚ ንኣስታት 70 ዓመታት ዘሕለፍክዎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት: ንዝበዝሐ ክፋል እዛ 8,300 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ስፍሓትን 250 ኪሎ ሜተር ንውሓትን ዘለዋ ደሴት ቅሬጥስ ሸፊነ ኢየ። እቶም ኣብ 1930ታት ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ኣብዛ ደሴት እዚኣ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጂ 1,100 ንጡፋት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኖም ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሐጕሰኒ ነገር የለን! ንብዙሓት ካብዚኣቶም ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽረኽቡን ንመጻኢ ዝፍጸም ዘደንቕ ተስፋ ንኽህልዎምን ኣብ ምሕጋዝ እጃመይ ከበርክት ኣጋጣሚ ስለ ዝሃበኒ ንየሆዋ አመስግኖ ኢየ።
የሆዋ ‘መናገፊ’ ኢዩ
ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንኽፈልጥዎ ምሕጋዝ ምጽማምን ትዕግስትን ከም ዘድሊ ካብ ተመክሮ ተማሂረ ኢየ። የሆዋ ነዘን ኣዝየን ኣድለይቲ ዝዀና ባህርያት እዚኣተን ብልግሲ ኢዩ ዝህብ። ኣብዚ 67 ዓመት ገይሩ ዘሎ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎተይ ነተን “ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና . . . ብብዙሕ ትዕግስቲ: ብመከራ: ብጭንቀት: ብጸበባ: ብመውቃዕቲ: ብማእሰርቲ: ብጋሮ: ብጻዕሪ: ብምንቃሕ: ብጾም” ዝብላ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ፈጺመ ኣይረሳዕክወንን። (2 ቈረንቶስ 6:4, 5) ብፍላይ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣገልግሎተይ ከቢድ ናይ ገንዘብ ጸገም ነይሩኒ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዓይ ይኹን ንስድራቤተይ ዕሽሽ ኣይበለናን። ዘይጠልምን ዝዓበየን ረዳኢ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (እብራውያን 13:5, 6) ኣባጊዑ ክእክብን በቲ ዘድልየና ነገራት ክሓልየልናን ከሎ ነታ ፈቃር ኢዱ ብግህዶ ንርእያ ነበርና።
ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ክርኢ ከሎኹ እቲ ምድሪ ኣጻምእ ዓምቢቡ ኢዩ: እቲ ዅሉ ዝጸዓርክዎ ኸኣ ንኸንቱ ከም ዘይነበረ ኣረጋጊጸ ኢየ። ንሓይሊ ንእስነተይ ኣብ ረብሓ ዘለዎ መዓላ ኢየ ኣውዒለዮ። እቲ ከም ሞያ ሒዘዮ ዝነበርኩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ካብ ዝዀነ ይኹን ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበርኩ ስጋዊ ኣጋጣሚታት ንላዕሊ ትርጕም ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ዕድመ ኸም ዝደፋእኩ ሰብ መጠን ንመንእሰያት ‘ኣብ መዓልትታት ንእስነቶም ፈጣሪኦም ክዝክሩ’ ብምሉእ ልቢ ከተባብዖም እኽእል ኢየ።—መክብብ 12:1
ምንም እኳ ወዲ 91 ዓመት እንተ ዀንኩ: ገና ሕጂውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 120 ሰዓታት ኣብ ዕዮ ስብከት ከሕልፍ እኽእል ኢየ። ነቶም ኣብ መገዲ: ኣብ ኣብያተ-መሸጣ: ወይ ድማ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ዝርከቡ ሰባት ንምምስካር ኵሉ መዓልቲ ሰዓት 7:30 ናይ ንግሆ ድሉው ኢየ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም 150 መጽሔታት ኢየ ዝዕድል። ሕጂ ናይ ምስማዕን ምዝካርን ጸገማት ኣብ ናብራይ የሸግረኒ ኣሎ: እቶም ፈቃራት ኣባላት እቲ ዓቢ መንፈሳዊ ስድራቤተይ ዝዀኑ ብመንፈስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከምኡውን ስድራቤት ናይተን ክልተ ኣዋልድ ደቀይ ናይ ሓቂ ደገፍተይ ምዃኖም ኣርእዮም ኢዮም።
ልዕሊ ዅሉ ድማ: እምንቶይ ኣብ የሆዋ ኽገብር ተማሂረ ኢየ። ኣብዚ ዝሓለፈ ግዝያት ንሱ “ኸውሔይ: ዕርደይ: መናገፍየይ” ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ።—መዝሙር 18:2
[እግረ-ጽሑፋት]
a ታሪኽ ህይወት ኢማንወል ፓተራኪስ እንተድኣ ደሊኻ: ናይ 1 ሕዳር 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 22-7 ርአ።
b ነቲ ኣብ ጕዳይ ሚኖስ ኮኪናኪስ ብሕጊ እተረኽበ ዓወት ኣብ ናይ 1 መስከረም 1993 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-31 ርአ። ሚኖስ ኮኪናኪስ ጥሪ 1999 ዓሪፉ።
[ኣብ ገጽ 26, 27 ዘሎ ስእልታት]
ኣብ ታሕቲ:- ምስ በዓልቲ ቤተይ፣ ብጸጋም:- ኣብ 1927፣ ኣብዛ እትቕጽል ገጽ ዘሎ ስእሊ:- ምስ ሚኖስ ኮኪናኪስ (ብጸጋም ዘሎ ) ከምኡውን ምስ ካልእ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ኣክሮፖሊስ ብ1939 ደድሕሪ ካብ ማሕዩር ናጻ ምዃነይ