ኣብ የሱስ ክርስቶስ እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧
“ብዙሓት ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፉ ዓብን ጥበበኛን መምህር ከም ዝነበረ ይኣምንሉ ኢዮም። ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ ብርቱዕ ጽልዋ ዝነበሮም ሰባት ከም ዝዀነ እተረጋገጸ ኢዩ።” (ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ) መን ኢዩ “ንሱ”፧ የሱስ ክርስቶስ: እቲ መስራቲ ክርስትና ኢዩ።
እዚ ኢንሳይክሎፔድያ እዚ ከምዚ እኳ እንተ በለ: በማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍለ-ዓለምን ኣብ ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ሰባት ግን ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኣይፈልጡን ኢዮም: ሓደ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መምሃሪ መጽሓፍ ዝፈልጥዎ ስም ጥራይ ኢዩ ዝዀኖም። ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ከይተረፈ ንየሱስ ብሓቂ ኣይንፈልጦን ኢና ዝብሉ: ንሓቅነት ናይተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከባ ጸብጻብ ህይወቱ ዝሓዛ ኣርባዕተ ጽሑፋት (ወንጌላት) ከኣ ዝጠራጠሩ ናይ ሃይማኖት ምሁራትን ኣቕሽሽትን ኣለዉ።
እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት የሱስ ዝገልጽ ጸብጻብ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዝፈጠርዎ ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! እቲ ፍሉጥ ጸሓፍ ታሪኽ ዊል ዱራንት ነቲ ጸብጻባት ናይ ወንጌል ድሕሪ ምምርማሩ ከምዚ በለ:- “ኣብ ሓደ ወለዶ ዝነብሩ ዝነበሩ ሒደት ተራ ሰባት ከምዚ ዝበለ ብርቱዕን ባህ ዘብልን ሰብኣዊ መንነት: ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት: ህያው ዝዀነ ትርኢት ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ክምህዙስ ካብቲ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዝርከብ ተኣምራት ንላዕሊ ንኽትኣምኖ ዘሸግር ኢዩ። እቲ ናይ ክርስቶስ ህይወት: ባህሪ: ከምኡውን ትምህርቲ ንኽልተ ክፍለ-ዘበናት በቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን ዘጽንዑ ምሁራት ምስ ተመርመረ: ንጹር ከምኡውን ኣብ ታሪኽ ናይ ምዕራባውያን ኣዝዩ ዘደንቕ ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ።”
ገና ግን ብሰንኪ እቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኢና ዝብሉ ዝገበርዎ ነገራት: ንየሱስ ክፈልጥዎ ዘይደልዩ ሰባት እውን ኣለዉ። ገለ ኣብ ጃፓን ዝነብሩ ሰባት ‘ኣብ ናጋሳኪ ኣቶሚክ ቦምብ ደርብዮም: ገና ግን ኣብታ ከተማ ኣብ ጃፓን ካብ ዝርከባ ካልኦት ከተማታት ንላዕሊ ክርስትያናት ነይሮም ኢዮም’ ይብሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ሓደ ሕሙም ናይ ሓኪም መምርሒ ምስዓብ ስለ ዝኣበየ እንተድኣ ዘይሓውዩ: ነቲ ሓኪምዶ ተሓታቲ ትገብሮ ኢኻ፧ ብዙሓት ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ነቲ የሱስ ንደቅሰብ ዘጋጥሞም ሽግር ንኽዋጽእሉ ኢሉ ክገብርዎ ዝኣዘዞም ነገራት ኣብ ግብሪ ኣየውዕልዎን ኢዮም። የሱስ ግን ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንዘጋጥመና ጸገማት ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ደቅሰብ ሽግር መፍትሒ ሂቡ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና የሱስ እንታይ ዓይነት ሰብ ከም ዝነበረ ምእንቲ ክትፈልጥ ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ከተንብባ እነተባብዓካ።