ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w99 15/4 ገጽ 9-14
  • እቲ እንኮ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ እንኮ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሱስ ክርስቶስ ግደ
  • እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ
  • እቲ በጃ ዝዓሞ ነገራት
  • ግርማዊ መጻኢ
  • ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ምምላእ
  • የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • እቲ ዅሎም ነብያት ዝመስከሩሉ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ኣምላኽ ንወድሰብ ንምድሓን እንታይ ከም ዝገበረ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
w99 15/4 ገጽ 9-14

እቲ እንኮ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት

“መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ።”​—⁠ዮሃንስ 14:⁠6

1, 2. የሱስ ንመገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ምስ እንታይ ኢዩ ኣወዳዲርዎ: ትርጕም እዚ ምምስሳል እዚኸ እንታይ ኢዩ፧

የሱስ ኣብቲ ውሩይ ናይ ከረን ስብከቱ ንመገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ምስ ሓደ ብማዕጾ ኣቲኻ እትኸዶ መገዲ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። የሱስ እዛ መገዲ ህይወት እዚኣ ቀላል ከም ዘይኰነት ኣጕሊሕዋ ምህላዉ ኣስተብህሉ። ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ [ዘለኣለማዊ] ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።”​—⁠ማቴዎስ 7:⁠13, 14

2 ትርጕም ናይዚ መብርሂ እዚ ተረዲኡካዶ፧ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ሓንቲ ጥራይ ምዃና: ከምኡውን ንኽንረኽባ ጻዕሪ ክንገብርን ምስ ረኸብናያ ኸኣ ካብኣ ከይንወጽእ ክንጥንቀቕን ከም ዘድሊ እትገልጽ ጥቕሲዶ ኸይኰነት፧ እሞ እታ እንኮ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ድኣ እንታይ ኢያ፧

ናይ የሱስ ክርስቶስ ግደ

3, 4. (ሀ) ነቲ የሱስ ኣብ ምድሓንና ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ: መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይገልጾ፧ (ለ) ወድሰብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብ ከም ዝኽእል ኣምላኽ ንመጀመርታ ግዜ ዝገለጸ መዓስ ኢዩ፧

3 ምስ እዛ መገዲ እዚኣ እተተሓሓዘ የሱስ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ [ብዘይካ ናይ የሱስ] ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ: ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠12) ሃዋርያ ጳውሎስ ብተመሳሳሊ “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ . . . ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 6:⁠23) የሱስ ንባዕሉ እውን “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ” ብምባል እቲ እንኮ መገዲ ዘለኣለማዊ ህይወት ብኡኡ ኣቢልካ ጥራይ ከም ዝርከብ ገሊጹ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 14:⁠6

4 ስለዚ ነቲ የሱስ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝርከብ ኣብ ምግባር ዘለዎ ግደ ኣፍልጦ ምሃብ ኣገዳሲ ኢዩ። እስከ ነቲ ዘለዎ ግደ ኣጸቢቕና ንመርምሮ። ኣዳም ድሕሪ ምሕጥኡ የሆዋ ኣምላኽ ደቅሰብ መሊሶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ዝነገረ መዓስ ምዃኑ ትፈልጦዶ ኢኻ፧ ኣዳም ምስ ሓጥአ ብኡንብኡ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ንሰባት ዘድሕን ከም ዝኸውን ንመጀመርታ ግዜ ብትንቢት እተነግረ መዓስ ምዃኑ እስከ ንመርምር።

እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ

5. እቲ ንሄዋን ዘስሓታ ሰይጣን መን ምዃኑ ብኸመይ ክንፈልጦ ንኽእል፧

5 የሆዋ ኣምላኽ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ብምጥቃም እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መድሓኒ መን ምዃኑ ነገረ። ነዚ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሄዋን እተዛረባን ካብታ ፍረ ብምብላዕ ንኣምላኽ ከም ዘይትእዘዝ ዝገበረ “ተመን” ፍርዲ ክብይን ከሎን ኢዩ ተዛሪብዎ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5) ርግጽ ኢዩ: እዚ ተመን እዚ ቃል ብቓሉ ተመን ኣይነበረን። እዚ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ድያብሎስን ሰይጣንን ዝበሃል ናይ ጥንቲ ተመን’ ብዝብል ተጸዊዑ ዘሎ ብርቱዕ መንፈሳዊ ፍጡር ኢዩ። (ራእይ 12:⁠9) ሰይጣን ነዚ ትሑት እንስሳ እዚ ንሄዋን ንምስዳዕ ከም ኣፈኛ ተጠቐመሉ። ስለዚ ኣምላኽ ንሰይጣን ክፈርዶ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ [ዘርኢ እታ ሰበይቲ] ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።”​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠15

6, 7. (ሀ) እታ ነቲ “ዘርኢ” እትወልድ ሰበይቲ መን ኢያ፧ (ለ) እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ መን ኢዩ: እንታይ ኢዩኸ ዝፍጽም፧

6 እዛ ምስ ሰይጣን ጽልኢ ዘለዋ ወይ ሰይጣን ዝጸልኣ “ሰበይቲ” መን ኢያ፧ ልክዕ ከምቲ እቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” መን ምዃኑ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 ተገሊጹ ዘሎ: እዛ ሰይጣን ዝጸልኣ ሰበይቲ እውን ኣብኡ ተገሊጻ ኣላ። ኣብ ቍጽሪ 1 “ጸሓይ ተወንዚፋ: ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ: ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለዋ” ተባሂላ ተገሊጻ ኸም ዘላ ኣስተብህል። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ነታ በቶም እሙናት መላእኽቲ ዝቘመት ሰማያዊት ማሕበር ኣምላኽ ኢያ እተመልክት: እቲ ዝወለደቶ “ወዲ: ተባዕታይ” ከኣ ነታ የሱስ ክርስቶስ ከም ንጉስ ኰይኑ ዝገዝኣላ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ዘመልክት።​—⁠ራእይ 12:⁠1-5

7 እሞ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:⁠15 ተጠቒሱ ዘሎ ንሰይጣን ‘ርእሱ’ ብምጭፍላቕ ከም ዝጠፍእ ዝገብሮ “ዘርኢ” ናይታ ሰበይቲ ድኣ መን ኢዩ፧ እቲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ብምልኣኽ ብተኣምራታዊ መገዲ ካብ ድንግል ከም ዝውለድ ዝገበሮ የሱስ ኢዩ። (ማቴዎስ 1:⁠18-23፣ ዮሃንስ 6:​38) ኣብ ራእይ ምዕራፍ 12 እዚ ዘርኢ እዚ: የሱስ ክርስቶስ: ከም ዝተንስአ ሰማያዊ ገዛኢ ኰይኑ ኣብ ስዕረት ሰይጣንን ኣብ ምጥፍኡን መሪሕነት ዝወስድ: ከምቲ ኣብ ራእይ 12:⁠10 ዝብሎ ኸኣ ‘መንግስቲ ናይ ኣምላኽና ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ’ ከም ዝኸውን ዝገ​ብር ኢዩ።

8. (ሀ) ኣምላኽ ምስቲ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ እተተሓሓዘ እንታይ ሓድሽ ነገር ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ነታ ሓዳስ መንግስቲ ኣምላኽ ዘቝማ መን ኢዩ፧

8 ኣምላኽ ኣብቲ ሰባት ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከስተማቕሩ ምዃኖም ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እተወሰኸ ሓድሽ ነገር ምምስራት ናይዛ ኣብ ኢድ የሱስ ክርስቶስ እትኸውን መንግስቲ ጥራይ ኢዩ። ሰይጣን ምስ ዓለወ: የሆዋ ብኡንብኡ በዛ ሓዳስ መንግስቲ እዚኣ ገይሩ ንዅሉ እቲ ሕማቕ ሳዕቤናት እከይ ንኸጥፍኦ ምድላው ገበረ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብዚ ናይ መንግስቲ ግዝኣት በይኑ ከም ዘይከውን ገሊጹ ነበረ። (ሉቃስ 22:⁠28-30) ኣብ ሰማይ ኰይኖም ምስኡ ዝገዝኡ ካብ ሰባት ክሕረዩ ነበሮም: በዚ ኸኣ ካልኣይ ክፍሊ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ይዀኑ። (ገላትያ 3:⁠16, 29) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቍጽሪ ናይቶም ካብ መንጎ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሓጥኣን ደቅሰብ እተወስዱ ምስ የሱስ ኣብ ምግዛእ ዝሓብሩ ሰባት 144,000 ምዃኑ ተገልጸ።​—⁠ራእይ 14:⁠1-3

9. (ሀ) የሱስ ኣብ ምድሪ ከም ሰብ ኰይኑ ክመጽእ ዘድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ንግብሪ ሰይጣን ዝገለጾ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ይኹን እምበር: እዛ መንግስቲ እዚኣ ምግዛእ ቅድሚ ምጅማራ: እቲ ቐንዲ ክፍሊ ናይቲ ዘርኢ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ክመጽእ ነበሮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ” ብየሆዋ ኣምላኽ ተሸይሙ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 3:⁠8) ገለ ካብቲ ግብሪ ሰይጣን ነቲ ኣብ ዘርኢ ኣዳም ናይ ሓጢኣትን ሞትን ኵነኔ ዘምጽአ ንኣዳም ናብ ሓጢኣት ከም ዝኣቱ ምግባሩ ኢዩ። (ሮሜ 5:⁠12) የሱስ ንህይወቱ በጃ ብምሕላፍ ነዚ ተግባር ሰይጣን እዚ ኣፍረሶ። ስለዚ ኸኣ የሱስ ንሰባት ካብ ኵነኔ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ከም ዝወጹ ብምግባር: ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽብሉ ዝኽእሉ መገዲ ከፈተሎም።​—⁠ማቴዎስ 20:⁠28፣ ሮሜ 3:⁠24፣ ኤፌሶን 1:⁠7

እቲ በጃ ዝዓሞ ነገራት

10. የሱስን ኣዳምን ዝመሳሰሉ ብኸመይ ኢዮም፧

10 ህይወት የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ማህጸን ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ስለ እተመሓላለፈ ብናይ ኣዳም ሓጢኣት ከይተባላሸወ: ፍጹም ኰይኑ ኢዩ ተወሊዱ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ክእለት ነበሮ። ብተመሳሳሊ ኣዳም ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ከስተማቕር ክእለት ዘለዎ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ኢዩ ተፈጢሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን “እቲ ቐዳማይ ሰብ: ኣዳም: ህያው ነፍሲ ዀነ . . . እቲ ዳሕራይ ኣዳም [የሱስ ክርስቶስ] ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ: እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ” ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ: ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ምምስሳል ከም ዘሎ ኣብ ሓሳቡ ነይሩ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠45, 47

11. (ሀ) ኣዳምን የሱስን ኣብ ደቅሰብ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ናይ የሱስ መስዋእቲ ብኸመይ ኢና ክንርእዮ ዝግብኣና፧

11 ኣብ መንጎ እዞም ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ክልተ ፍጹማት ሰባት ዘሎ ምምስሳል ኣብቲ የሱስ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ክኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ [“ተመዓራራዪ በጃ ገይሩ ኣቕረባ:” NW ]” ዝብል ሓሳብ ተገሊጹ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠6) የሱስ ምስ መን ኢዩ ተመዓራርዩ፧ ምስቲ ኣዳም ፍጹም ከሎ ዝነበሮ ኵነታት ኢዩ ተመዓራርዩ! ሓጢኣት ናይቲ ቐዳማይ ኣዳም: ብምሉኡ ዓሌት ሰብ ኣብ ኵነኔ ሞት ከም ዝኣቱ ገበረ። መስዋእቲ ናይቲ “ዳሕራይ ኣዳም” ከኣ ንዘለኣለም ክንነብር ምእንቲ ኽንክእል ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናይ ምድሓን መሰረት ኰነ። መስዋእቲ የሱስ ክሳዕ ክንደይ ክቡር ኰን ኢዩ! ሃዋርያ ጴጥሮስ “ብጠፋኢ ነገር: ብብሩር ወይስ ወርቂ: ከም ዘይደሐንኩም: ትፈልጡ ኢኹም” ብምባል የመልክት። ኣብ ክንድኡስ “ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል: ብኽቡር ደም ክርስቶስ” ከም ዝደሓኑ ይገልጽ።​—⁠1 ጴጥሮስ 1:⁠18, 19

12. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምልጋስ ኵነኔ ሞት ብኸመይ ይገልጽ፧

12 እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ሰብ ዝወረደ ኵነኔ ሞት ብኸመይ ከም ዘልግስ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ:- “እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጥኣን ከም ዝዀኑ: ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ [የሱስ] እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ: ከምቲ ብሓንቲ [ኣዳም ዝገበራ] ኣበሳ ናብ ኵሉ ሰብ ኵነኔ ዝመጸ: ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ [እቲ ብሞቱ እተዛዘመ ንጹህ ምምልላስ የሱስ] እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኵሉ ሰብ መጸ።”​—⁠ሮሜ 5:⁠18, 19

ግርማዊ መጻኢ

13. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ንዘለኣለም ምንባር ኣሉታዊ ስምዒት ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧

13 እዚ ብኣምላኽ እተገብረ ምድላው ኣዝዩ ከሐጕሰና ኣለዎ! መድሓኒ ስለ እተዳለወልካስ ኣየሐጕሰካንዶ፧ ሓደ ግዜ ኣብ ሓንቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓባይ ከተማ ብሓንቲ ጋዜጣ እተገብረ መጽናዕቲ ካብቶም ነቲ “እዚ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚ ንስኻትኩም ክትቅበልዎ እትኽእሉ ነገር ድዩ፧” ዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ሰባት 67.4 ሚእታዊት ኣሉታዊ መልሲ ምሃቦም ትግረሙ ትዀኑ። ንዘለኣለም ክንነብር ኣይንደልን ኢና ዝበሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ናብራ ብዙሕ ግድላት ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ሓንቲ ሰበይቲ “ጓል 200 ዓመት ኰይነ ክርአ ምሕሳብ ኣየሐጕሰንን ኢዩ” በለት።

14. ንዘለኣለም ምንባር ፍጹም ተድላ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

14 እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ኣብ ሓንቲ ሕማም: እርጋን: ከምኡውን ካልእ ሕማቕ ነገራት ዝመልኣ ዓለም ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም ኣይብልን ኢዩ። ኣይፋሉን: የሱስ ከም ገዛኢ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ንዅሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ብሰንኪ ሰይጣን ዝመጸ ግድላት ከጥፍኦ ኢዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ጨቈንቲ መንግስታት ናይዛ ምድሪ “ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ።” (ዳንኤል 2:⁠44) ኣብቲ እዋን እቲ ከም መልሲ ናይቲ የሱስ ንሰዓብቱ ክጽልይዎ ዝማሃሮም ጸሎት: ‘ፍቓድ’ ኣምላኽ ‘ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ክኸውን’ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠9, 10) ኣብታ ኣምላኽ ዘዳልዋ ሓዳስ ዓለም: ምድሪ ካብ ኵሉ እከይ ምስ ጸረየት: እቲ በጅነት የሱስ ዘምጽኦ ረብሓ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኢዩ። እወ: ኵሎም እቶም ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ፍጹም ጥዕና ክረኽቡ ኢዮም!

15, 16. ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እንታይ ኵነታት ኢዩ ክህሉ፧

15 እተን “ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም: ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ” ዝብላ ቓላት ኣብ ነበርቲ ናይታ ሓዳስ ዓለም ክውዕላ ኢየን። (እዮብ 33:⁠25) ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ እውን ክፍጸም ኢዩ። “ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል [ኢዩ]።”​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠5, 6

16 ሕስብ እሞ ኣብልዎ! ዕድሜና 80 ይኹን 800 ወይ እውን ካብኡ ንላዕሊ ብዘየገድስ ኣካላትና ጥዑይ ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም: NW ] እየ: ኣይብልን።” እቲ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዝብል መብጽዓ ኣብቲ ግዜ እቲ መፈጸምታ ክረክብ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 33:⁠24፣ ራእይ 21:⁠3, 4

17. ሰባት ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም እንታይ ነገራት ከም ዝገብሩ ኢና ትጽቢት ክንገብር እንኽእል፧

17 ኣብታ ሓዳስ ዓለም እቲኣ ነቲ ዘገርም ኣእምሮና በቲ ኣምላኽ ክፈጥረና ኸሎ ክንጥቀመሉ ሓሲብዎ ዝነበረ መገዲ ክንሰርሓሉ ኢና። እቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምቕሳም ክእለት ከኣ ክህልወና ኢዩ። እቲ ሽዑ ክንዓሞ እንኽእል ዘደንቕ ነገራት እሞ ሕሰብዎ! ዘይፍጹማት ሰባት እኳ ከይተረፉ በቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ንጥረ ነገራት ገይሮም ንኸም ሴሉላር ተሌፎን: ማይክሮፎን: ሰዓት: ኮምፒዩተር: ነፋሪት: ዝዀነ ይኹን ኣብ ከባቢና ዘሎ ካልእ ነገራት ክሰርሑ ክኢሎም ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ካብዚ ኣቝሑ እዚ ካብ ርሑቕ ኣድማስ ብዘምጽእዎ ነገራት እተሰርሐ ኣይኰነን። ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ስለ ዝህሉ እቲ ዝማሃዝ ነገራት ከኣ መወዳእታ ዘይብሉ ክኸውን ኢዩ!​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21-25

18. ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ህይወት ፈጺሙ ዘሰልኪ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

18 ህይወት ዘሰልኪ ኣይክኸውንን ኢዩ። ሕጂ እውን እንተዀነ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ግዜ በሊዕና እኳ እንተ ዀንና ናብታ ቐጺላ ዘላ እንበልዓላ ግዜ ተሃንጢና ኢና እንጽበ። ፍጹማት ምስ ኰንና ኸኣ ካብታ ገነታዊት ምድሪ ዝፈረየ ኣዝዩ ምቁር ዝዀነ መግብታት ምምጋብ ብዝያዳ ከሐጕሰና ኢዩ። (ኢሳይያስ 25:⁠6) ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብዙሓት እንስሳታት ብምክንኻን: ነቲ ባህ ዘብል ዕራርቦ ጸሓይ: ኣኽራን: ወሓይዝ: ከምኡውን ስንጭሮታት ብምርኣይ ዝርከብ ዘለኣለማዊ ሓጐስ እውን ከነስተማቕር ኢና። ብሓቂ እምበኣር: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ህይወት ዘሰልኪ ወይ እውን ተደጋጋሚ ኣይክኸውንን ኢዩ!​—⁠መዝሙር 145:⁠16

ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ምምላእ

19. እቲ ናይ ኣምላኽ ውህበት ህይወት ንምርካብ ብቕዓታት ክህሉ ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ነዚ ኣምላኽ ዘዳለዎ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዓቢ ህያብ ብኸምኡ ብወገንካ ዋላ ሓንቲ ከይጸዓርካ ክትረኽቦ ኢልካ ምተጸበኻዶ፧ ኣምላኽ ካባና ሓደ ነገር እንተ ተጸበየስ ምኽንያታዊዶ ኸይኰነ፧ ብሓቂ ምኽንያታዊ ኢዩ። ኣምላኽ ነቲ ህያብ ስቕ ኢሉ ኣይድርብየልናን ኢዩ። ናባና ዘርጊሕዎ ኣሎ: ንሕና ኸኣ ንኽንረኽቦ ክንመጣጠርን ክንወስዶን ኣሎና። እወ: ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ስለዚ ከምቲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ንየሱስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብሲ: እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧” ኢሉ ዝሓተቶ ሕቶ ትሓትት ትኸውን። ወይ ነቲ ሕቶ “ምእንቲ ኽድሕንሲ: እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ብምባል ከምቲ እቲ በዓል ፊልጲ ሓላው እሱራት ንጳውሎስ ዝሓተቶ ገይርካ ትሓትት ትኸውን።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠16፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:⁠30

20. ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ኣድላዪ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧

20 የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ምሸት “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል ናብ ኣቡኡ ክጽሊ ኸሎ ሓንቲ ካብቲ ዝድለ ብቕዓታት ጠቒሱ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ብዛዕባ እቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህሉ ዝገበረ የሆዋን ምእንታና ዝሞተ የሱስ ክርስቶስን ክንፈልጥሲ ምኽንያታዊ ብቕዓትዶ ኸይኰነ፧ እንተዀነ ግን ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ካብ ምርካብ ንላዕሊ እውን ይድለ ኢዩ።

21. እምነት ናይ ምዝውታር ብቕዓት ነማልእ ከም ዘሎና ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

21 መጽሓፍ ቅዱስ “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ” እውን ይብል ኢዩ። ወሲኹ ኸኣ “እቲ ብወዲ ዘይኣምን [“ንወዱ ዘይእዘዞ:” NW ] ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር: ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” በለ። (ዮሃንስ 3:⁠36) ኣብ ወዲ ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎካ ኣብ ህይወትካ ለውጢ ብምግባርን ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ብምንባርን ከተርኢ ትኽእል ኢኻ። ነቲ እትገብሮ ዝነበርካ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ተግባራት ክትሓድጎ: ንኣምላኽ ባህ ዘብል ነገራት ከኣ ክትገብር ይግባእ። ከምቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ “እምብኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም: ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም . . . ተነስሑን ተመለሱን” ብምባል ዝኣዘዞ ክንገብር የድልየና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19

22. ኣሰር የሱስ ምስዓብ እንታይ ተግባራት ዘጠቓልል ኢዩ፧

22 ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል ኣብ የሱስ እምነት ብምዝውታር ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ። (ዮሃንስ 6:⁠40፣ 14:⁠6) ብየሱስ ከም እንኣምን ከነርኢ እንኽእል ‘ኣስኣሰሩ ምስ እንስዕብ’ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ንየሱስ ኣስኣሰሩ ምስዓብ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ የሱስ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ ‘ዎ ኣምላኽ: እንሆ: ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ’ ኢሉ ኣሎ። (እብራውያን 10:⁠7) ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብምስምማዕን ህይወትካ ንየሆዋ ብምውፋይን ንየሱስ ክትመስሎ ኣድላዪ ኢዩ። ብድሕርዚ ንወፈያኻ ብማይ ጥምቀት ተርእዮ፣ የሱስ እውን ንገዛእ ርእሱ ንጥምቀት ኣቕሪቡ ኢዩ። (ሉቃስ 3:⁠21, 22) ከምዚ ዝበለ ስጕምትታት ምውሳድ ምኽንያታዊ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ፍቕሪ ክርስቶስ ይድርኸና’ ኢዩ ኢሉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 5:⁠14, 15) በየናይ መገዲ፧ የሱስ ህይወቱ ኣብ ክንዳና በጃ ኸም ዝህብ ዝገበሮ ፍቕሪ ኢዩ። እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብኡ እምነት ንኸነሕድር ክድርኸና ኣይግባእንዶ፧ እወ: ንኻልኦት ንምሕጋዝ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ብምሃብ ዝገደፎ ፍቕራዊ ኣብነት ንኽንስዕቦ ክድርኸና ይግባእ። ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኢሉ ኢዩ ብህይወት ነይሩ፣ ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ድሕሪ ደጊም ንገዛእ ርእስና ኢልና ክንነብር የብልናን።

23. (ሀ) እቶም ህይወት ዝረኽቡ ናበይ ኢዮም ዝውሰኹ፧ (ለ) ነቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሰባት እንታይ ትጽቢት ኢዩ ዝግበረሎም፧

23 እዚ ናይ መወዳእታ ነገር ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም 3,000 ሰባት ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተጠምቁ: ነፍሳት ከም ‘እተወሰኻ’ ይዛረብ። ናበይ ኢየን ተወሲኸን፧ እቶም እተጠምቁ ሰባት “ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ” ብምባል ይገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠41, 42) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑን ሕብረት ክህልዎምን ብሓንሳብ ይእከቡ ነበሩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢዮም ተወሲኾም: ወይ ከኣ ክፍሊ እታ ክርስትያናዊት ማሕበር ኰይኖም። እቶም ቀዳሞት ክርስትያን መንፈሳዊ ትምህርቲ ንምርካብ ስርዓታውያን ኰይኖም ኣኼባታት ይካፈሉ ነይሮም ኢዮም። (እብራውያን 10:⁠25) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሎሚ ከምኡ ይገብሩ ኢዮም: ምስኦም ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ክትሓብር ድማ የተባብዑኻ።

24. “ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ ኢዩ: ብኸመይን መዓስንከ ኢዩ ዝርከብ፧

24 ኣብዚ እዋን እዚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በዛ ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ መገዲ ይመላለሱ ኣለዉ። ኣብዛ ጸባብ መገዲ እዚኣ ንምቕጻል ናይ ሓቂ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ! (ማቴዎስ 7:⁠13, 14) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ “ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል: ነታ እተጸዋዕካላ . . . ህይወት ዘለኣለም ሐዛ” ብምባል ዝሃቦ ልባዊ ምሕጽንታ ብዛዕባ እዚ ጠቒሱ ኣሎ። ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ’ ነዚ ገድሊ እዚ ምግዳል የድሊ። (1 ጢሞቴዎስ 6:⁠12, 19) እቲ ህይወት እቲ እዚ ሕጂ ዘሎ ሓጢኣት ኣዳም ዘምጽኦ ስቓይን ቃንዛን ጓህን ዘለዎ ህይወት ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ህይወት ኢዩ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ሓጺር እዋን እዚ ኣገባብ እዚ ምስ ኣልገሰ: በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ኣብ ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽን ወዱን ዘፍቅሩ ሰባት ክውዕል ከሎ ዝህሉ ኢዩ። ኵላትና ነቲ ኣብ ናይ ኣምላኽ ግርማዊት ሓዳስ ዓለም ዝህሉ ዘለኣለማዊ ህይወት​—⁠እቲ “ናይ ሓቂ ህይወት”​—⁠እንመርጽ ይግበረና።

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ እቶም ኣብ ዘፍጥረት 3:⁠15 ተጠቒሶም ዘለዉ ተመን: ሰበይቲ: ከምኡውን ዘርኢ እታ ሰበይቲ መን ኢዮም፧

◻ የሱስ ምስ ኣዳም ዝመዓራረ ብኸመይ ኢዩ: እቲ በጅነትከ እንታይ ኣምጽአ፧

◻ እታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንዓኻ ባህ እተብል ክትኰነሉ እትኽእል እንታይ ኣማዕዲኻ እትርእዮ ነገር ኣሎ፧

◻ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንኽንነብር እንታይ ብቕዓታት ከነማልእ የድልየና፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንነኣሽቱን ንዓበይትን እቲ እንኮ መገዲ ናይቲ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት የሱስ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ መዓልቲ እቶም ኣረጋውያን ናብ መዓልትታት ንእስነት ክምለሱ ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ