ፍቓድ የሆዋ ገይሮም
ምሕረት መገዲ ድሕነት ይኸፍት
እቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዓሰርተ ደቂ ያእቆብ ኣብ መንጕኦም ሓደ ዘሰንብድ ምስጢር ነበሮም። ገለ ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ: እቲ በቦ ሓዎም ዝነበረ ዮሴፍ ብኣራዊት ተቐቲሉ ኢሎም ነቡኦም ክነግርዎ ብምሕሳብ ንባርነት ሸይጦሞ ነበሩ።—ዘፍጥረት 37:18-35
ሕጂ: ድሕሪ 20 ዓመታት ኣቢሉ: ብርቱዕ ጥሜት ነዞም ዓሰርተ ሰባት እዚኣቶም ናብ ግብጺ ከይዶም እኽሊ ክሽምቱ ገደዶም። እቲ ኵነታት ግን ከምቲ እተጸበይዎ ኣይነበረን። እቲ መግቢ ኣብ ምሻጥ ከም ኣመሓዳሪ ኰይኑ እውን ዘገልግል ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር: ሰለይቲ ኢኹም ኢሉ ኸሰሶም። ንሓደ ካባታቶም ኣሰረ እሞ እቶም ዝተረፉ ንዓዶም ተመሊሶም ነቲ ብንያም ዝስሙ ዝነኣሰ ሓዎም ከምጽእዎ ሓተቶም። ንብንያም ምስ ኣምጽእዎ ኸኣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣስሮ መደበ።—ዘፍጥረት 42:1–44:12
ይሁዳ: ሓደ ካብ ደቂ ያእቆብ: ‘ንብንያም ገዲፍናዮ እንተድኣ ተመሊስና: ኣቦና ክመውት ኢዩ’ ብምባል ተቓወመ። ድሕርዚ ይሁዳ ይኹን ዋላ ሓደ ካብቶም መጓዕዝቱ ዘይተጸበይዎ ነገር ተፈጸመ። እቲ ቐዳማይ ሚኒስተር ብዘይካ ደቂ ያእቆብ ኵሎም ካብቲ ኽፍሊ ክወጹ ድሕሪ ምእዛዝ: ዓው ኢሉ በኸየ። ድሕሪኡ: በኽዩ ምስ ወድአ “ኣነ ዮሴፍ እየ” በሎም።—ዘፍጥረት 44:18–45:3
ምሕረትን ድሕነትን
ዮሴፍ ነቶም በቦ ኣሕዋቱ “ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ አሎ፧” ኢሉ ሓተቶም። ዝምልሰሉ ሰብ ግን ኣይነበረን። ብርግጽ: እቶም በቦ ኣሕዋቱ ዝብልዎ ጠፊእዎም ነበረ። ክሕጐሱ ድዩ ነይሩዎም ወይስ ክርዕዱ፧ ልዕሊ ዅሉ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሎም: ነዚ ሰብኣይ እዚ ንባርነት ሸይጦሞ ነበሩ። ዮሴፍ ክኣስሮም: እኽሊ ከይሃበ ንዓዶም ክሰዶም: ወይ—ዝገደደ ኸኣ—ክቐትሎም እውን ስልጣን ነበሮ! ነቶም በቦ ኣሕዋቱ ‘ኣብ ቅድሚኡ ብምስንባድ ክመልስሉ ከም ዘይክእሉ’ ዝገበሮም ብቑዕ ምኽንያት ነይሩ ኢዩ።—ዘፍጥረት 45:3
ዮሴፍ ግን “በጃኹም ናባይ ቅረቡ” ብምባል ቀልጢፉ ኣተባብዖም። ንሳቶም ድማ ቀረቡ። ድሕርዚ ከምዚ በሎም:- “ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለአኸኒ እሞ: ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሀዩ: ኣይትጨነቑ።”—ዘፍጥረት 45:4, 5
ዮሴፍ ክንድዚ ዝኣክል ምሕረት ዝገበረ ካብ መሬት ተላዒሉ ኣይነበረን። ከም እተነስሑ ዝገልጽ መርትዖ ድሮ ተዓዚቡ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት: ዮሴፍ ነቶም በቦ ኣሕዋቱ ሰለይቲ ኢኹም ኢሉ ምስ ከሰሶም: ንሓድሕዶም “ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና: . . . ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና” ክበሃሃሉ ኸለዉ ሰሚዕዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 42:21) ይሁዳ እውን ብንያም ናብ ኣቡኡ ምእንቲ ኽምለስ: ኣብ ክንድኡ ባርያ ክኸውን ለሚኑ ነበረ።—ዘፍጥረት 44:33, 34
ስለዚ: ዮሴፍ ምሕረት ንኽገብር ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። እኳ ድኣስ: ከምዚ ምግባር ንብምልእታ ስድራቤቱ ድሕነት ከምጽእ ከም ዝኽእል ተገንዚቡ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ዮሴፍ ነቶም በቦ ኣሕዋቱ ናብ ኣቡኦም ያእቆብ ተመሊሶም ከምዚ ክብልዎ ነገሮም:- “ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ [ጐ]ይታ ገበረኒ: ናባይ ውረድ: ኣይትደንጒ። ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ክትከውን: ኣብ ምድሪ ጎሼን ክትቅመጥ ኢኻ። . . . ኣብኡ ኽሐልየልካ እየ።”—ዘፍጥረት 45:9-11
እቲ ዝዓበየ ዮሴፍ
ኣብ መንጎ የሱስን ዮሴፍን ዘገርም ምምስሳል ስለ ዘሎ: የሱስ ክርስቶስ እቲ ዝዓበየ ዮሴፍ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይኽእል ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ዘጋፍዕዎ: ንየሱስውን እቶም ኣሕዋቱ ዝዀኑ ዘርኢ ኣብርሃም ኣጋፊዖምዎ ኢዮም። (ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:14, 29, 37 ኣረኣእዮ።) ገና ድማ: ክልቲኦም እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ፍሉይ ናይ ኵነታት ለውጢ ኣጋጢምዎም ኢዩ። ኣብ መወዳእታ: እቲ ዮሴፍ ከም ባርያ ዝነበሮ ኵነታት: ብስልጣን ደድሕሪ ፈርኦን ብምዃን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ተለዊጡ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ናብ ዝለዓለ ቦታ “ናብ የማን ኣምላኽ” ልዕል ኣበሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:33፣ ፊልጲ 2:9-11
ዮሴፍ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር መጠን: ንዅሎም እቶም እኽሊ ክሽምቱ ናብ ግብጺ ዝመጹ ሰባት እኽሊ ከከፋፍል ይኽእል ነበረ። እቲ ዝዓበየ ዮሴፍ ሎሚ ኣብ ምድሪ መንፈሳዊ መግቢ “በብጊዜኡ” ዘከፋፍለሉ ዘሎ ክፍሊ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ ሉቃስ 12:42-44) እኳ ድኣስ: እቶም ናብ የሱስ ዝመጹ ሰባት “እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም: ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም: . . . ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም።”—ራእይ 7:16, 17
ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
ዮሴፍ ብምሕረት ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ይህብ። ዘይዕጸፍ ፍትሒ: ነቶም ንባርነት ዝሸጥዎ ሰባት ክቐጽዖም ምሓተቶ ነይሩ። ብኣንጻሩ ድማ: ለውሃት ንበደሎም ብቐሊሉ ሸለል ንኽብሎ ክድርኾ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ዮሴፍ ግን ከም ክልቲኡ ኣይገበረን። ኣብ ክንድኡስ: ነቶም በቦ ኣሕዋቱ ነስሓ ኣርእዮም እንተ ዀይኖም ፈተኖም። ድሕርዚ: በቲ ዝገበርዎ ብሓቂ ከም ዝሓዘኑ ምስ ረኣየ: ይቕረ በለሎም።
ንሕናውን ንዮሴፍ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። ሓደ ዝበደለና ሰብ ብልቡ ሓቀኛ ለውጢ ከም ዝገበረ ምስ ዘርኢ: ይቕረ ክንብለሉ ኣሎና። ርግጽ ኢዩ: ለውሃት ንሓደ ከቢድ ጌጋ ሱቕ ኢልና ከም እንሓልፎ ክገብረና የብሉን: በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ቂም ናይ ምሓዝ ስምዒት ነቲ ናይ ሓቂ ንስሓ ዘርኢ ሰብ ይቕረ ከም ዘይንብለሉ ንኽገብረና ከነፍቅደሉ የብልናን። ስለዚ ‘ንሓድሕድና እናተጻወርና: ይቕረ እንበሃሃል’ ንኹን። (ቈሎሴ 3:13) ከምዚ ብምግባር: ነቲ ‘ንይቕረታ ድልው’ ዝዀነ ኣምላኽና የሆዋ ክንመስሎ ኢና።—መዝሙር 86:5፣ ሚክያስ 7:18, 19