ነቲ ኣብ ግዜና ዝፍጸም ዘሎ ነገራት ንምስትብሃል ንቑሕ ዲኻ፧
ኣብ ግዜ ሓደጋ ንቑሕ ምዃን ወይ ሸለል ምባል ህይወት ከድሕን ወይ ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ በቲ እሳተ-ጎሞራ ኣብ ዘለወን ክልተ ደሴታት ዘጋጠመ ነገር ክበርህ ይኽእል ኢዩ።
እቲ ኣብታ ኣብ ካሪብያን እትርከብ ደሴት ማርተኒክ ዘሎ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ኣዝዩ ሓደገኛ እሳተ- ጎሞራ ዘለዎ ከረን ፔሊ: ብ8 ግንቦት 1902 ነተጐ። እቶም 30,000 ዝዀኑ ተቐማጦ ናይታ ኣብ እግሪ እቲ እሳተ-ጎሞራ እትርከብ ሰይንት ፔሪ ዳርጋ ዅሎም ሞቱ።
ብሰነ 1991 ከኣ ከረን ፒናቱቦ ነተጐ: እዚ ድማ ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ካብ ዘጋጠሙ እሳተ-ጎመራ እቲ ዝበርትዐ ነበረ። ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ቦታ ናይ ፊሊፕንስ ብምንታጉ ገለ 900 ዝዀኑ ሰባት ቀተለ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ግን ክልተ ነገራት ንህይወት ናይ ብዙሓት ሰባት ንኽድሕኑ ምኽንያት ኰነ:- (1) ሓደጋ ከም ዘሎ ንምርዳእ ንቑሕ ምዃን (2) ምስቲ ዝወሃብ መጠንቀቕታ ተሰማሚዕካ ስጕምቲ ንምውሳድ ፍቓደኛ ምዃን።
ግቡእ ስጕምቲ ምውሳድ ህይወት ኣድሓነ
ከረን ፒናቱቦ ብሚያዝያ 1991 ክነቱጕ ምዃኑ ምልክት ከርኢ ኸሎ: ንኣማእታት ዓመታት ዝኣክል ደስኪሉ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ኣፍ ናይቲ እሳተ-ጎሞራ ሃፋን ሳልፈር ዳይኦክሳይድን ክወጽእ ጀመረ። ናይቲ ከባቢ ተቐማጦ ብተኸታታሊ ናይ ምድሪ ምንዋጽ ሰምዑ: ከምኡውን ሕማቕ ኵነታት ከም ዘሎ ዝሕብር ትፋእ እሳተ- ጎሞራ ካብቲ ከረን ክወጽእ ጀመረ። ኣብቲ ኣብ ፊሊፕንስ ዝርከብ ብዛዕባ እሳተ-ጎሞራን ምንቅጥቃጥ ምድርን መጽናዕቲ ዝገብር ትካል ዝነበሩ ሊቃውንቲ ነቲ ኵነታት ኣጸቢቖም ክከታተልዎ ጀመሩ: ጸኒሖም ከኣ ነቶም 35,000 ዝዀኑ ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከባ ዓድታትን ቍሸታትን ዝርከቡ ተቐማጦ ካብቲ ቦታ ንኸውጽእዎም ንሰበ-ስልጣን ኣእመንዎም።
እቲ ህዝቢ ምድሪ ሰላም ከሎ ካብ ዓዱ ክወጽእ ኣይደለየን: እንተዀነ ግን እሳተ-ጎሞራ ምስ ዝነቱጕ ከምጽኦ ዝኽእል ሓደጋ ብቪድዮ ምስ ኣርኣይዎም እቲ ዝነበረ ሸለልትነት ክጠፍእ ከኣለ። እቲ ጃምላዊ ምውጻእ ኣብ ግዜኡ እተገብረ ኢዩ ነይሩ። እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዝሰዓበ ከቢድ ምንታጕ 8 ኲቢክ ኪሎ ሜትር ሓሙዅሽቲ ናብ ሃዋሁ ተፍአ። እቲ ካብኡ ዝወጸ ሓዊ ዘለዎ ፈሳሲ ድማ ኣማእታት ሰባት ቀተለ። ይኹን እምበር: ሓደጋ ከም ዘሎ ንኽርድኡ ንቑሓት ብምንባሮምን ምስቲ መጠንቀቕታ ተሰማሚዖም ስጕምቲ ብምውሳዶምን ኣሽሓት ሰባት ድሒኖም ክዀኑ ኣለዎም።
ካብቲ ሰብ ዘምጽኦ ጥፍኣት ምድሓን
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከም ኣቈጻጽራ ዘበንና እውን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ዓዶም ክሃድሙ ድዮም ኣይክሃድሙን ክውስኑ ነበሮም። ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ብምህዳሞም: ካብቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይሃደሙ ተቐማጦን ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. በዓል ፋስጋ ከብዕሉ ኢሎም ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ኣሽሓት ኣይሁዳውያንን ዝወረደ ጥፍኣት ክድሕኑ ከኣሉ። ሮማውያን ዝዀነ ይኹን ናይ መህደሚ መገዲ ክዓጽውዎ ከለዉ: ኣብ ውሽጢ እታ ብመናድቕ እተሓጽረት ከተማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት በዓል ፋስጋ ንምብዓል ተዳልዮም ነበሩ። ጥሜት: ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ቃልሲ: ከምኡውን ዕረፍቲ ዘይነበሮ መጥቃዕቲ ናይ ሮማውያን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ገበረ።
ነቲ ኣይሁዳውያን ኣንጻር ሮሜ ብምዕላው ዝገብርዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስ ከም ዝድምሰስ ዝገበረ ጥፍኣት ብዘይ መጠንቀቕታ ዝመጸ ኣይነበረን። የሱስ ክርስቶስ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ የሩሳሌም ክትክበብ ምዃና ነጊሩ ነበረ። ከምዚ በለ:- “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ: ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ: ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ።” (ሉቃስ 21:20, 21) እዚ መምርሒ እዚ ንጹር ኢዩ ነይሩ: ሰዓብቲ የሱስ ድማ ኣርዚኖም ረኣይዎ።
እቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ዩሰይበስ እተባህለ ወዲ ቂሳርያ ጸሓፍ ታሪኽ: እቶም ኣብ ምልእቲ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ምስቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተሰማሚዖም ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ጸብጻብ ሃበ። ሮማውያን ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ከቢቦምዋ ድሕሪ ምጽናሕ ገዲፎምዋ ምስ ከዱ: ብዙሓት ኣይሁድ ክርስትያናት ኣብታ ኣብ ግዝኣት ሮሜ: ኣውራጃ ጴርያ: እትርከብ ናይ ኣህዛብ ከተማ ፔላ ንኽቕመጡ ወጹ። ነቲ ኣብ ግዜኦም ዝፍጸም ዝነበረ ነገራት ንምስትብሃል ንቑሓት ብምንባሮምን ምስቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ተሰማሚዖም ስጕምቲ ብምውሳዶምን: ካብቲ “ካብ ኵሉ ዘበናት ዝኸፍአ ከበባ” ተባሂሉ እተጸውዐ ደሓኑ።
ኣብዚ እዋን እዚ እውን ተመሳሳሊ ንቕሓት ምርኣይን ምስኡ ተሰማሚዕካ ስጕምቲ ምውሳድን ኣድላዪ ኢዩ። እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ከምኡ ምግባር ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ክትገልጸልና ኢያ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Godo-Foto, West Stock