ነታ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘላትና እምነት ምድልዳላ
ብዙሓት ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ኣንቢቦምዎ ኢዮም። ኣብቲ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ እምነት ዘርኣዩ ግን ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ “እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን” ብምባል ይገልጽ። (2 ተሰሎንቄ 3:2) እምነት ዘሎና ኴንና ከም ዘይተወለድና ንጹር ኢዩ። ክትምዕብል ዘለዋ ነገር ኢያ። እቶም ንእሽቶ እውን ትኹን እምነት ዘላቶም ሰባት ሸለል ክብልዋ የብሎምን። እምነት ክትጐድልን ክትመውትን ትኽእል ኢያ። ስለዚ: “ብእምነት . . . ጥዑያት” ኴንና ንምቕጻል ጻዕሪ የድሊ ኢዩ።—ቲቶስ 2:2
ስለዚ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣማሓዳሪ ኣካል ነቲ ናይ 1997/98 ተኸታታሊ ኣውራጃዊ ኣኼባታት “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ምምራጹ ጽቡቕ ምኽንያት ኣለዎ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ካልኦትን ነታ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘላቶም እምነት ድልድልቲ ንምግባራ ብሓባር ክእከቡ መሰል ረኺቦም ኢዮም።
ቃል ኣምላኽ ሓቂ ኢዩ —መሰረት እምነትና ድማ ኢዩ
ናይታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስቲ እዚ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ ንዅሎም ተኣከብቲ ብዝንእድ ቃላት ኢዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ምህላው መርኣያ ናይቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ክብሪ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ንዓይነት እምነትና ዝምልከት ዘተሓሳስብ ሕቶታት ተላዒሉ ነበረ:- ‘ንቓል ኣምላኽ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይርና ብምጥቃም: ነቲ እንኣምነሉ ነገራት ክንከላኸለሉ ንኽእልዶ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ፈጺምና ሸለል ከይበልና: ንመንፈሳዊ መግቢ ነማስወሉዶ ኢና፧ ብፍቕሪ: ርጡብ ፍልጠት: ከምኡውን ብምስትውዓል ንዓቢዶ ኣሎና፧’ እቲ ተዛራባይ “እዚ ‘ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር’ ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ገዛእ ርእስና ኣድቂቕና ክንፍትሽ: ንዓቐንን ዓይነትን ናይታ ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ዘላትና እምነት ድማ ክንምርምር” ብምሕባር ኵላቶም ብጥንቃቐ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ኢዩ ኣተባቢዕዎም።
እቲ ሕመረት ዝርርብ “ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ምምልላስ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። (2 ቈረንቶስ 5:7) እቲ ተዛራባይ “እምነት ናይቶም መሰኻኽር የሆዋ ዝዀኑ ሰባት ዕውርቲ እምነት ኣይኰነትን” በለ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኰን ኢዩ! ናይ ሓቂ እምነት ዕውርቲ ኣይኰነትን። ኣብ ክውንነት እተመስረተት ኢያ። እብራውያን 11:1 ከምዚ ትብል:- “እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር: ናይቲ ዘይርኤ ነገር ምርዳእ እያ።” እቲ ተዛራባይ “ብሓቂ ብእምነት ክንመላለስ እንተድኣ ኴንና ጽቡቕ መሰረት ዘሎዋ እምነት ከተድልየና ኢያ” በለ። ብምርኣይ ዘይኰነስ ብእምነት ንመላለስ ስለ ዝዀንና: የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ናይ ዕላምኡ ብኸመይን መዓስን ከም ዝፍጽሞ ዝርዝር ክንፈልጥ ኣየድልየናን ኢዩ። እቲ ድሮ ብዛዕብኡ እንፈልጦ ነገራት ኣብቲ መብጽዓታቱ ፍቕራውን ጽድቃውን ብዝዀነ መገዲ ንምፍጻም ዘለዎ ሓይሊ ምሉእ እምንቶ ከም ዝህልወና ክገብር ኢዩ።
እታ “ክርስትያን መንእሰያት: ኣድለይቲ ክፍሊ ናይታ ጉባኤ ኢዮም” እትብል ዝርርብ: ንመንእሰያት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃኖም ኣዘኻኺራቶም ኢያ። ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ከምኡውን ንወፈያን ጥምቀትን ዘድሊ ብቕዓታት ምምላእ ዝኣመሰለ ሸቶታት ብምውጻእ ብመንፈስ ክዓብዩ ተተባቢዖም ኢዮም። ተወሳኺ ትምህርትታት ምውሳድ ሓደ ሰብ ምስ ወለዱ ዀይኑ ክውስኖ ዘለዎ ብሕታዊ ጕዳይ ኢዩ: ክውሰድ እንተድኣ ዀይኑ ግን: ኵሉ ግዜ እቲ ዕላማ ንኣምላኽ ዝያዳ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ንኸተገልግሎ ንምዕጣቕ ክኸውን ኣለዎ። ዓለማዊ ትምህርቲ ነቲ ምስ እምነትና ተተሓሒዙ ዘሎ ‘ዝሓሸ [ነገር] ክንምርምር’ ከሎና ንጠቓሚ ዕላማ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ።—ፊልጲ 1:9, 10
ቀጺሉ ኣብ ትሕቲ “ናይ መን መለክዒታት ኢኹም እትሕልዉ፧” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ: ሰለስተ ክፍልታት ዝነበሮ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰዓበ። ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መለክዒታት ክንስዕብ ኢዩ ዝድርኸና። ክርስትያናት ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ኢዮም ዝሕልዉ። ንኣብነት: ቅዱሳት ጽሑፋት ጽዩፍን ብዕሉግን ዘረባ ከይነውስእ ይምዕደና ኢዩ። (ኤፌሶን 4:31, 32) እቲ ተዛራባይ “ክትሓርቕ ወይ ክትባሳጮ ከሎኻ: ንናይ መርዓ ብጻይካ ወይ ደቅኻ ብዘይግባእ ትቝጥዖምዶ ኢኻ፧” ብምባል ሓተተ። ርግጽ ኢዩ: እዚ ክርስትያናዊ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንብሕታዊ ትርኢትና ዝምልከት መለክዒታት እውን ኣለዎ። ክርስትያናት ኣከዳድንኦም ‘ብግቡእ ክዳውንትን ሕንክን’ ክኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) እታ ‘ሕንኪ’ እትብል ቃል ክብረትካ ምሕላው: ጽቡቕ ስም ምሓዝ: ርዝነት: ከምኡውን ሚዛናዊ ዝብል ሓሳባት ኢያ እተመሓላልፍ። ንኻልኦት ብዘሎና ፍቕሪ ኢና ንለዓዓል: በቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታትን በቲ ግቡእ ዘበለ ነገራትን ድማ ንምራሕ።
እተን ቀጺለን ዝነበራ ክልተ ዝርርባት ንእብራውያን 3:7-15 ከምኡውን 4:1-16 ጥቕሲ ብጥቕሲ ምርኣይ ዘጠቓለላ ኢየ ነይረን። እዘን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እዚኣተን ካብቲ ‘ብሓጢኣት ተዓሺኻ ናይ ምትራር’ ሓደጋ ኢየን ዘጠንቅቓና። (እብራውያን 3:13) ኣብቲ ኣንጻር ሓጢኣት እንገብሮ ቃልሲ ክንዕወት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ የሆዋ ብቓሉ ገይሩ ይሕግዘና ኢዩ። ብርግጽ: “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ . . . ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከአ ዚፈርድ እዩ።”—እብራውያን 4:12
ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ መወዳእታ ዝቐረበት ዝርርብ “ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ” እትብል ኢያ ነይራ። ንሓቅነት: ልክዕነት: ከምኡውን ተግባራዊ ጥቕሚ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣጕልሐት። እቲ ተዛራባይ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ዘርእስታ 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር ከም ዝወጸት ከፋልጥ ክትሰምዖስ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ! እዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ብፍላይ ነቶም ዝለዓለ ትምህርቲ ዘለዎም ክነሶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሰባት ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። እታ ዝርርብ በዘን ዝስዕባ ቃላት ተደምደመት:- “ሰባት ንቓል ኣምላኽ ባዕላቶም ክምርምርዎ የድልዮም። ባዕላቶም እንተድኣ መርሚሮምዎ: እዚ ፍሉይ መጽሓፍ እዚ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብሓቂ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ ምዃኑ ከም ዝግንዘቡ ርግጸኛታት ኢና!”
ነቲ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” ንምሰል
እዚ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይታ ካልኣይቲ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ: ኣብቲ “ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። ‘ኣስኣሰሩ ክንሰዕብ’ የድልየና። (እብራውያን 12:2፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ‘ኣብ ጐይታ የሱስ እመን: ክትድሕን ኢኻ!’ ዝብል ኢዮም ተነጊሮም። እምነት ክበሃል ከሎ ግን እዚ ጥራይ ኣኺልዎ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ” ይብል። (ያእቆብ 2:26) ስለዚ እምበኣር: ኣብ ርእሲ እቲ ንየሱስ ምእማንና: ብፍላይ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ግብርታት ክንገብር ኣሎና።
እቲ ናይ ቅድሚ ቐትሪ ፕሮግራም ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ኢዩ ኣተኲሩ። ከም ጳውሎስ ነቲ ናይ ድሕነት ብስራት ንምእዋጅ ክንህንጠ ኣሎና። (ሮሜ 1:14-16) የሱስ ኣብ ኵሉ እቲ ሰባት ዝርከብሉ ቦታታት ኢዩ ሰቢኹ። እቲ ናይ ቤተ-ቤት ስርዓታዊ ኣገልግሎትና ፍሪ የፍሪ እኳ እንተሎ: ብዙሓት ሰባት ግን ኣብ ኣባይቶም ኣይጸንሑናን ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:20) ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ኣብ ሸመታ: ወይ ኣብ መገሻ ኢዮም ዝርከቡ። ስለዚ: ኣብቲ ሰባት ክርከብሉ ዝኽእሉ ህዝባዊ ቦታታት እውን ክንሰብኽ የድልየና ኢዩ።
እታ “ኣብ ሓቂ እተሰረትኩምን ዝጸናዕኩምን ኵኑ” ዘርእስታ ዝርርብ ብዛዕባ እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዝጥመቑ ዘለዉ ሓያለይ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣዘኻኺራትና ኢያ: እዚኣቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብገምጋም ልዕሊ 1,000 ኢዮም! እዞም ሓደስቲ ሰባት እዚኣቶም ኣብ እምነት እተሰረቱን ዝጸንዑን ክዀኑ ኣድላዪ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:6, 7) እቲ ተዛራባይ: ቃል ብቓሉ ሱር ማይን ማዕድናትን ክስሕብ ከሎ ምስኡ ድማ ነታ ተኽሊ መልህቕ ወይ ደገፍ ከም ዝዀና ገለጸ። ብተመሳሳሊ: ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ጽቡቕ ናይ መጽናዕቲ ልምድን ጥዑይ ሕብረትን ከም ዝህልዎም ብምግባር ኣብ ሓቂ ክጸንዑ ይኽእሉ ኢዮም።
እዚ ምኽሪ እዚ ብፍላይ ነቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ዝግባእ ኢዩ ነይሩ። እወ: ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ: ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ብዙሓት ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠሚቖም ኢዮም። እታ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር ናብ ጥምቀት ይመርሕ” እትብል ዝርርብ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ምጥሓል ካብቲ ቕድሚ ሕጂ እተመላለስሉ ንርእስኻ ኢልካ ናይ ምንባር ህይወት ከም ዝሞቱ ዘርኢ ብቑዕ ምሳሌ ከም ዝዀነ ተዘኻኺሮም ኢዮም። ካብቲ ማይ ምውጽኦም ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ህያዋን ምዃኖም ዘመልክት ኢዩ።
እታ “ምእንቲ እምነት ኣበርቲዕኩም ተጋደሉ” ዘርእስታ ዝርርብ ኣብታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ይሁዳ እተመስረተት ኢያ ነይራ። ንኸም ዘይስነ-ምግባራውነት: ዕልወት: ከምኡውን ክሕደት ዝኣመሰለ ጐዳኢ ጽልዋታት ብምቅዋም ንእምነትና ክንከላኸለላ ተተባቢዕና ኢና። ቀጺሉ: ወለዲ—ብፍላይ ኣቦታት—ኣብታ “ንስድራቤትካ ዘድልዮም ነገራት ምሕላይ” እትብል ዝርርብ ፍሉይ ቈላሕታ ተገይርሎም ኢዩ። ንመንፈሳውን ስጋውን ስምዒታውን ድሌታት ናይታ ስድራቤት ምሕላይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) እዚ ግዜን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ኣብ ንሓድሕድካ ምቅርራብን ዝሓትት ኢዩ። የሆዋ ኣምላኽ በቲ ክርስትያን ወለዲ ደቆም ኣብ ሓቂ ንኽዓብዪሎም ዝገብርዎ ኵሉ ጻዕሪ ብሓቂ ሕጕስ ኢዩ።
እቲ ቀጺሉ ዝነበረ “ናብ ቤት የሆዋ ንኺድ” ዝብል ዓውደ-መጽናዕቲ: ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ሞሳ ዘዕቢ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሻቕሎት ናይዛ ዓለም እዚኣ ዕረፍቲ ዝህብ ኢዩ። ኣብ ኣኼባታት ንሓድሕድና ንኽንተባባዕ ኣጋጣሚ ኣሎና: ንኣመንቲ ብጾትና ዘሎና ፍቕሪ ድማ ክንገልጽ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 10:24, 25) ኣኼባታት ከም መምህራን መጠን ዘሎና ክእለት ኣስላጢ ንምግባሩ እውን ይሕግዘና: ንዕላማታት ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ድማ የዕምቘልና ኢዩ። (ምሳሌ 27:17) ካብታ ጉባኤ ፈጺምና ርእስና ኣይንፍለ: ነቲ “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” ዝብል ቃላት የሱስ ድማ ንዘክሮ።—ማቴዎስ 18:20
ኣብታ መዓልቲ እተዋህበት ናይ መወዳእታ ዝርርብ “እዚ ዘለኩም ዓይነት እምነት ሕጂ ይፍተን” እትብል ኢያ ነይራ። ዘይተፈተነት እምነት ብቕዕቲ ምዃና መረጋገጺ የብላን: ዓይነታ ድማ ኣይፍለጥን ኢዩ። ልክዕ ከም ገና ገንዘብ ዘይወጸሉ ቸክ ኢያ። ዋግኡ ክንዲ እቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ መጠን ድዩ፧ ብተመሳሳሊ: እምነትና ዋጋ ዘለዋን ጥዕይቲ ዝዓይነታን ምዃና ንምርግጋጽ ክትፍተን ኣለዋ። (1 ጴጥሮስ 1:6, 7) እቲ ተዛራባይ ከምዚ በለ:- “ሓድሓደ ግዜ ማዕከናት ዜና ከምኡውን ሰበ-ስልጣን በቲ ኣቕሽሽትን ከሓድትን ነቲ ክርስትያናዊ እምነትናን ኣነባብራናን ብምጽላም ኣባና ዘውርድዎ ናይ ሓሶት ክሲ ይታለሉ ኢዮም። . . . እቶም ብሰይጣን ዝዓወሩ ከፍርሑናን ከጃጅዉናን ከምኡውን በቲ ብስራት ከም እንሓፍር ክገብሩናን ከነፍቅደሎም ዲና፧ ብዛዕባ ሓቂ ዝንገር ሓሶት ነቲ ስርዓታዊ ምእካብናን ናይ ስብከት ዕዮናን ክትንክፎ ነፍቅደሉ ዲና፧ ወይስ ነቲ ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ዝገልጽ ሓቂ ንምእዋጅ ጸኒዕና ክንቀውምን ተባዓት ክንከውንን ከምኡውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ቆራጽነት ክንገብርን ኢና፧”
ብእምነት ንበሩ
ቀንዲ ኣርእስቲ ናይታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዓቢ ኣኼባ ኣብተን “እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኺነብር እዩ እሞ: ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ” ዝብላ ቃላት ጳውሎስ እተመስረተ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 3:11) እቲ “ንግዜና ዝኸውን ናይ ዮኤል ትንቢታዊ ቃላት” ዝብል ዓውደ-መጽናዕቲ: ሓደ ካብቲ ቅድሚ ቐትሪ ዝቐረበ ጕሉሕ መዳይ ናይቲ ኣኼባ ነበረ። መጽሓፍ ዮኤል ንግዜና ኣመልኪታ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ከምዚ ትብል:- “መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ: ካብቲ ዅሉ ዚኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ: ኣየ: እዛ መዓልቲ እዚኣ።” (ዮኤል 1:15) ልክዕ ከምቶም ዘይደኽሙ ኣንበጣ: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ነታ መንግስቲ ኣብ ምእዋጅ ዝዀነ ይኹን ነገር ክዕንቅፎም ኣየፍቅዱን ኢዮም።
መጽሓፍ ዮኤል “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ብምባል እውን ተስፋ ትህብ ኢያ። (ዮኤል 2:32) እዚ ድማ ንስም የሆዋ ካብ ምጽዋዕ ንላዕሊ ኢዩ። ልባዊ ነስሓ የድሊ: እዚ ኸኣ ንጌጋ ምግባር ሕቘኻ ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ። (ዮኤል 2:12, 13) የሆዋ ከምቲ ኣብ ግዜ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ልዕሊ ሞኣብ: ዓሞን: ከምኡውን ከረን ሰዒር ዘውረዶ እውን ከይተረፈ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ፍርዱ ከውርድ ስለ ዝዀነ: ሸናዕ እንብለሉ ግዜ የለን።—2 ዜና መዋእል 20:1-30፣ ዮኤል 3:2, 12
እታ “ንየሆዋ ብምጽባይ እምነት ኣርኢ” እትብል ዝርርብ ንዅላቶም ኣተባቢዓቶም ኢያ። ኣብዚ ሕጂ ናብ መወዳእታ ኣጸቢቕና ኣቲናሉ ዘሎና ግዜ: ንድሕሪት ምልስ ኢልና ነቲ እተፈጸመ ብዙሕ ትንቢታት የሆዋ ክንዝክሮ ንኽእል ኢና: ነቲ ገና ክመጽእ ዘለዎ ካልእ ነገራት ድማ ብጥንቃቐ ኣማዒድና ንጠምት። ህዝቢ የሆዋ ኵሉ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ ነገራት ክፍጸም ምዃኑ ብምዝካር: ትዕግስቲ ምርኣይ ክቕጽሉ ኣለዎም።—ቲቶስ 2:13፣ 2 ጴጥሮስ 3:9, 10
ናይ ቅድሚ ቐትሪ ፕሮግራም በቲ “ዓይኒ ኣይተግፍሕ” ዝብል ድራማ ተዛዘመ። እዚ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ድራማ ብዛዕባ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ምስዓብ ዘሎና ኣረኣእያ ክንምርምር ሓጊዙና ኢዩ። ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ብዘየገድስ: ህይወትና ካብ ሻቕሎት ናጻ ኽትከውን ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኲርና ብምጥማት ዓይንና ምእንቲ ኸይነግፍሕ ናይ የሱስ ምኽሪ ክንስዕብ ኣሎና።—ማቴዎስ 6:22
እቲ ህዝባዊ ዝርርብ “እምነትን መጻኢኻን” ዝብል ስምዒትካ ዘለዓዕል ኣርእስቲ ነበሮ። እዚ ዝርርብ እዚ ሰብኣውያን መራሕቲ ነቲ ናይ ዓለም ግድላት ክፈትሑ ክእለት ከም ዘይብሎም መርትዖ ሂቡ ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) ናይ ሰብ ታሪኽ ብዝዓበየን ዝሰፍሐን ደረጃ እንደገና ይድገም ኢዩ ዘሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መጻኢ ከመይ ኢዩ ዝስምዖም፧ እሙናት ደቅሰብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብሩህ መጻኢ ከም ዘለዎም ንኣምን ኢና። (ማቴዎስ 5:5) ኣምላኽ ኣብቲ “ንእግዚኣብሄር በቲ ዝርከበሉ ጊዜ ድለይዎ: ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ” ዝብል መተባብዒ ቃሉ እምነት ንዘርእዩ ዅሎም ሰባት መብጽዕኡ ክፍጽም ኢዩ።—ኢሳይያስ 55:6
የሱስ ንግዜና ኣቐዲሙ ብምርኣይ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ኣልዒሉ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና: እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧” (ሉቃስ 18:8) እታ ናይ መወዳእታ ዝርርብ: ድግማ ናይቲ ኣብ ዓቢ ኣኼባ ዝነበረ ፕሮግራም ኢያ ነይራ: ኣብ ሓንቲ እምነት ዘይብላን ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዝመልኣን ዓለም ንነብር እኳ እንተሎና: ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖ ድማ ኢያ ኣጕሊሓ።
እንተዀነ ግን: ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ‘ሓደ ካብቶም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን ዘይትነቓነቕ እምነት ዘላቶም ድየ፧’ ብምባል ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ንኽእል ኢና። እቲ “ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ምግባር” ዝብል ኣውራጃዊ ኣኼባ ነዛ ሕቶ እዚኣ እወ ኢልና ንኽንምልሳ ክሕግዘና ኣለዎ። ኣብኡን ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉን: መጽሓፍ ቅዱስ: ዘላትና እምነት ከም እትድልድል ብምግባሩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ንየሆዋ እነመስግኖ!
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]
ብዙሓት ወለንተኛታት ብኣሽሓት ንዝቝጸሩ ተኣከብቲ ንምእንጋድ ብሓጐስ ዓዮም ኢዮም
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእልታት]
ኣባል ኣማሓዳሪ ኣካል ኤል. ኤ. ስዊንግል ነታ ሓዳስ ብሮሹር ከፋልጣ ኸሎ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ዙርያ ዓለም ከምዚ ዝኣመሰለ ዓበይቲ ስታድዩማት ኣኼባ ተኻይድሉ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ብዙሓት ሰባት ከም መርኣያ ናይቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ተጠምቁ
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእልታት]
ኣኼበኛታት ብሓጐስ መዝሙር ናይታ መንግስቲ ዘመሩ። ተደሪባ ዘላ ንእሽቶ ስእሊ:- እታ “ዓይኒ ኣይተግፍሕ ” እትብል ድራማ