ኣብ ግዜ መዓት ዝደሓኑ
ኣብ ሶውል: ኮርያ: ዝርከብ ሓሙሽተ ደርቢ ዘለዎ ቤት ንግዲ ሃንደበት ፈረሰ: ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ከኣ ተደፍኑ! ናይ ህይወት ኣድሕን ሰራሕተኛታት ብእተኻእለ መጠን ብዙሕ ህይወት ንምድሓን መዓልትን ለይትን ሰርሑ። መዓልትታት እናሓለፈ ምስ ከደ: ኣብቲ ክንዲ እምባ ኰይኑ ዝነበረ ፍርስራስ ኣእማንን ሓጺንን እተቐብሩ ደሓንቲ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ክጸብብ ጀመረ።
እቲ ደሓንቲ ናይ ምርካብ ተስፋ ምሉእ ብምሉእ ምስ ጠፍአ: ሓደ ዘደንጹ ነገር ተረኽበ። ካብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ድኹም: ከብድኻ ዝበልዕ ድምጺ ተሰምዐ። እቶም ህይወት ዘድሕኑ ሰባት ነታ ን16 መዓልትታት ዝኣክል ብህይወታ ተቐቢራ ዝጸንሐት 19 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ንምድሓን ተብተብ ኢሎም በእዳዎም ጥራይ ፈሓሩ። ዝወደቐ ናይ ሊፍት መተሓላለፊ ኣብ ልዕሊኣ መዕቘቢ በዓቲ ሰሪሑላ ነበረ: ካብቲ ማእለያ ዘይብሉ ዝወደቐ ፍርስራሳት ከኣ ኣዕቈባ። ሽሕ’ኳ ዘስካሕክሕ ምድራቕ ኣካላትን ምጅልዓፍን እንተነበራ ካብ ሞትሲ ኣምለጠት ድኣ!
ኣብዚ ግዜ እዚ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ከቢድ ማዕበል: ምግንፋል እሳተ–ጐመራ: ሓደጋ: ወይ ከኣ ጥሜት ይኹን ብዘየገድስ ገለ ናይ ዕንወት ጸብጻባት ከይተሰምዓትላ ዝሓለፈት ወርሒ ዳርጋ የላን። ናይ ኣድሓንትን ደሓንትን ዘስተንክር ዛንታታት ከኣ ንሚልዮናት ዜና ዝከታተሉ ሰባት ይምስጦምን ይስሕቦምን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ካብ እተፈጸመ ዝዓበየ መዓት ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር መጠንቀቕታ ብሓፈሻዊ መገዲ ዕሽሽ ተባሂሉ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:21) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ፍጻመ በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ይገልጾ:- “እንሆ: መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺሐልፍ: ብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኺለዐል እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዅዒ ኪዀኑ እዮም እምበር: ኣይኪብከዮምን እዩ: ኣይኪእከቡን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም።”—ኤርምያስ 25:32, 33
ኣየ እዝስ ክንደይ ዘደንጹ ቃላት ኰን ኢዩ! ግናኸ እዚ መዓት እዚ ከምቲ ባህርያዊ ዕንወትን ሓደጋታትን ዝገብሮ ብዘይ ኣፈላላይ ዘጽንት ኣይኰነን። ብርግጽ እኳ ድኣ: ድሕነት: እወ ድሕነትካ ዝከኣል ኢዩ!
ናይ ህጹጽነት እዋን
ሓደ ሰብ እዚ ድሕነት እዚ ከመይ ኢሉ ክርከብ ከም ዝከኣል ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክርድኦ: ብቐዳምነት እዚ ዓለምለኻዊ መዓት እዚ ስለምንታይ ከም ዝመጽእ ክርድኦ ኣለዎ። ብርግጽ ንናይ ወድሰብ ግድላት ናይ ሓቂ መፍትሒ እዚ መዓት እዚ ጥራይ ኢዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ቅሳነትን ድሕንነትን ኣይስምዖምን ኢዩ። ሽሕ’ኳ ብስነ-ፍልጠት ዝበለጸ ጻዕርታት ይግበር እንተሎ: ተመሓላለፊ ሕማማት ንህዝቢ ዓለም ምጽናት ይቕጽል ኣሎ። ብሰንኪ ሃይማኖታዊ: ዓሌታዊ: ከምኡውን ፖለቲካዊ ፍልልያት እተለዓዓለ ውግኣት ብኣሽሓት ንዝቝጸር ሰብኣዊ ህይወት ይምንክል ኣሎ። ጥሜት ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝወርድ መከራን ስቓይን ይውስኸሉ ኣሎ። ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ነቲ ናይ ሕብረተሰብ መሰረት የመሽምሾ ኣሎ፣ ኣብ ልዕሊ ቈልዑውን ከይተረፈ ብልሽውና ተፈጺሙ ኢዩ።
ልዕሊ 1,900 ዓመታት ይገብር እተጻሕፈ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ንዅነታትና ብልክዕ ገይሩ ኢዩ ዘገልጾ። “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሓደጋ ዝመልኦ ግዜ ክመጽእ ምዃኑ ክትግንዘቦ ይግብኣካ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1 ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ እተዳለወ፣ ምስ ማቴዎስ 24:3-22 ኣረኣእዮ።
ሓደ ፈቃር ኣምላኽ በቲ ዝወርደና መዓት ኣይግደስን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብሲ ምኽንያታዊዶ ይመስል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን . . . ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ይብል። (ኢሳይያስ 45:18) እወ: እዛ ምልክዕቲ ፕላኔት እዚኣ ክትዓኑ: ኵሎም ተቐማጦኣ ኸኣ ክጠፍኡ ኣብ ክንዲ ዘፍቅድ: ኣምላኽ ኢዱ ከእቱ ኢዩ። እቲ ሕቶ ግን: ነዚ ብኸመይ ኢዩ ዝገብሮ፧ ዝብል ኢዩ።
ህይወት ምረጽ!
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 92:7 ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ: ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ: ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ።” ኣምላኽ ንናይ ምድሪ ግድላት መፍትሒ ዝገብረሉ: ንረሲእነት ካብ ምድሪ ብምጽራግ ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: እዚ ክበሃል ከሎ ኵሎም ሰባት ክጸንቱ የድልዮም ኢዩ ማለት ኣይኰነን። መዝሙር 37:34 “ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሐሉ: ንሃገር [“ንምድሪ:” NW ] ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ኬብለካ እዩ: ረሲኣን ኪጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ” ብምባል ተረጋግጸልና።
እዘን ቃላት እዚኣተን ካብቲ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ዝወርድ ዝዓበየ መዓት ናይ ምድሓን ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ኢየን ዝሕብራልና። ኣምላኽ ምርጫ ሂቡና ኢዩ። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ንምእታው ክቀራረቡ ከለዉ ሙሴ እተማሕጸኖም ቃላት ሎሚውን ኣባና ዝውዕላ ኢየን:- “ህይወትን ሞትን: በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ: ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ አሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር: ህይወት ሕረ።” (ዘዳግም 30:19) ግናኸ ሓደ ሰብ ብኸመይ ኢዩ ‘ህይወት መሪጹ’ ክድሕን ዝኽእል፧ ናይ ሓቂ ድሕነትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
COVER: Explosion: Copyright © Gene Blevins/Los Angeles Daily News
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Yunhap News Agency/Sipa Press