ኣምላኽ መዕቈብየይን ሓይለይን ኢዩ
ብሻርሎት ሙለር እተዘንተወ
እቲ ኮሙኒስታዊ ዳኛ “ብርግጽ እቲ ንትሽዓተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሂትለር ዘሕለፍክዮ ስቓይ ምጽማምኪ ዝነኣድ ኢዩ። ብሓቂ ንውግእ እትቃወሚ ኢኺ ነይርኪ: ሕጂ ግን ኣንጻር እቲ ሰላም ንምምጻእ እንገብሮ ዘሎና ምንቅስቓስ ኢኺ ዘሎኺ!” በለኒ።
ነቲ ቕድም ብናዚ ተኣሲረዮ ዝነበርኩን ነቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ጀርመን ዝነበረ ሶሻሊዝምን ኢዩ ዝጠቅስ ነይሩ። ኣብቲ መጀመርታ ፈዚዘ ስቕ በልኩ: ደሓር ግን ከምዚ ኢለ መለስኩሉ:- “ክርስትያን ናይ ሓቂ ሰላም ንምምጻእ ልክዕ ከምቲ ካልኦት ዝጥቀምሉ መገዲ ገይሩ ኣይኰነን ዝጽዕር። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽን ንብጻየይን ከፍቅር ዝሃቦ ትእዛዝ ንኽስዕብ ጥራይ ኢየ ዝፍትን። ቃል ኣምላኽ ብዘረባን ብግብርን ሰላም ንኽረክብ ይሕግዘኒ ኢዩ።”
ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: 4 መስከረም 1951 እቶም ኮሙኒስታውያን ናይ ሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ፈረዱኒ: እዚ ድማ ካብቲ ስርዓት ናዚ ዝፈረደኒ ብሓደ ዓመት ዝውሕድ ኢዩ ነይሩ።
ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቶም ናይ ናሽናል ሶሻሊስት ኣባላት ከምኡውን በቶም ኮሙኒስታውያን መስጐግቲ ክወርደና ከሎ: በታ “ኣምላኽ ንኣና መዕቈብን ሓይልን: ብጸበባ ፍጡን ረዲኤትን እዩ” እትብል ናይ መዝሙር 46:1 ጥቕሲ ምጽንናዕ ረኸበ ኢየ። የሆዋ በይኑ ጥራይ ኢዩ ንኽጽመም ሓይሊ ዝሃበኒ: ንቓሉ ዝያዳ ምስ ዘንብቦ ኸኣ: ዝያዳ እሕይል ነበርኩ።
ንመጻኢ ዝኸውን ብርታዐ ረኸብኩ
ኣብ ቱሪንጂያ: ጀርመን: ኣብ እትርከብ ጎታ ዚብላበን ብ1912 ተወለድኩ። ወለደይ ፕሮተስታንት እኳ እንተ ነበሩ: ኣቦይ ግን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅን ጽድቃዊት መንግስትን ክረክብ ኢሉ የናዲ ነበረ። ወለደይ ነታ “ፎቶ -ድራማ ኦቭ ክርኤሽን” ምስ ረኣዩ: ተሓጐሱ።a ኣቦይ ነታ ዝደልያ ዝነበረ—መንግስቲ ኣምላኽ—ረኸባ።
ኣቦይን ኣደይን ምስ ሽዱሽተ ደቆምን ኴንና ካብታ ቤተ-ክርስትያን 2 መጋቢት 1923 ብፍቓድና ተሰናበትና። ኣብ ሳክሶኒ እትርከብ ከተማ ኬምኒትስ ንነብር ነበርና: ኣብኡ ድማ ምስቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበርና። (ሰለስተ ካብ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ድማ መሰኻኽር የሆዋ ኰኑ።)
እቲ ኣብ ኣኼባታት ናይቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃሮ ዝነበርኩ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታትን ክቡር ሓቅታትን ኣዝዩ መሰጠኒ: እዚ ኸኣ ነቲ ከም መንእሰይ መጠን ዝነበረኒ ልቢ ብሓጐስ መልኦ። ብፍላይ ድማ: ንልዕሊ 50 እንኸውን ክርስትያን መንእሰያት ሰንበት ሰንበት ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ይወሃበና ነበረ: ኣብኡ ድማ ኣነን ካተ ሓብተይን ንሓጺር እዋን ተማሃርና። ጕጅለና ነቲ ናይ እግሪ ጕዕዞታት ዘዳሉን ምሳና ዀይኑ መዝሙር ዝለማመድን ዝነበረ መንእሰይ ኮንራት ፍራንከ ዝሓዘት ኢያ ነይራ። ጸኒሑ ሓው ፍራንከ: ካብ 1955 ክሳብ 1969 ከም ተዓዛቢ ናይቲ ኣብ ጀርመን ዝነበረ ጨንፈር ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።
1920ታት ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ኣሸገርቲ ዓመታት ኢየን ነይረን። ገለ ኣሕዋት ንግምቢ ዘብዐኛ ከም ‘በብግዜኡ ዝዋሃብ መግቢ’ ገይሮም ምቕባል ስለ ዘቋረጹ: ነቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ዕዮ ስብከት ይቃወምዎ ነበሩ። (ማቴዎስ 24:45) እዚ ኸኣ ናብ ክሕደት ኣምርሐ። ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ዘድልየና ዝነበረ ሓይሊ ዝሃበና ግን እቲ ብግምቢ ዘብዐኛ ኣቢልና እንረኽቦ ዝነበርና “መግቢ” ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: “እቶም ዘይፈርሁ ብሩኻት ኢዮም” (1919) ከምኡውን “ንየሆዋ ዘኽብሮ መን ኢዩ፧” (1926) ዝብላ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ዓንቀጻት ወጺአን ነበራ። ንየሆዋ ትብዓት ብዘለዎ ዕዮ ከኽብሮ ስለ ዝደለኹ: ሓው ራዘርፎርድ ዝጸሓፎ ብዙሕ መጻሕፍትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ዓደልኩ።
ከም ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃን ድማ ኣብ መጋቢት 1933 ተጠመቕኩ። ልክዕ ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ: እቲ ኣብ ጀርመን እነካይዶ ዝነበርና ዕዮ ወንጌላዊነት ተኣገደ። ኣብቲ እዋን ጥምቀት ድማ ንመጻኢ ዝኸውን ምኽሪ ተባሂላ ራእይ 2:10 ተጠቕሰትልና:- “እነሆ: ምእንቲ ኽትፍተኑስ: ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ: ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ: ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን: ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።” ከቢድ ፈተናታት ይጽበየኒ ኸም ዘሎ ከይተጠራጠርኩ ኸኣ ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዕምቈት ኣስተንተንኩላ። እዚ ኸኣ ሓቂ ዀይኑ ተረኽበ።
ካብ ፖለቲካ ገለልተኛታት ብምንባርና: ሓያሎ ካብ ጐረባብትና ብጥርጠራ ረኣዩና። ሓደ ፖለቲካዊ ምርጫ ምስ ተኻየደ: ወተሃደራዊ ክዳን እተኸድኑ ልኡኻት ሰራዊት ናዚ ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዀይኖም “ኣብዚ ዝነብሩ ከሓድቲ ኣለዉ!” ብምባል ጨደሩ። እታ ብቛንቋ ጀርመን ኣብ ናይ ታሕሳስ 1933 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ኣይትፍርህዎም” እትብል ዓንቀጽ: ፍሉይ ምትብባዕ ሂባትኒ ኢያ። ኣብ ትሕቲ እቲ ኣዝዩ መከራ ዝመልኦ ኵነታት እውን ከይተረፈ እምንቲ ምስክር የሆዋ ንኽኸውን ቈረጽኩ።
እቲ ናይ ጸላኢ ፍታሕ ማእሰርቲ ኢዩ ነይሩ
ክሳብ ቀውዒ ናይ 1935 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ኬምኒትስ ኴንካ ብሕቡእ ምሕታም ይከኣል ነበረ። ድሕሪኡ ግን እታ እተገልግል ዝነበረት መባዝሒት ማኪና ናብቲ ኣብ ኦር ማውንተይንስ ዝርከብ ባየርፈልት ክትውሰድ ነበራ: ኣብኡ ድማ ክሳብ ነሓሰ 1936 ጽሑፋት ንምብዛሕ ኣገልገለት። ኣነን ካተን ከኣ ነቲ ቕዳሓት ናብቶም ኣቦይ ኣድራሻኦም ዝሃበና ኣሕዋት ነብጽሖ ነበርና። ንግዚኡ ኵሉ ነገር ብጽቡቕ ይካየድ ነበረ። ድሕሪኡ ግን ጌስታፖ ጽኑዕ ምክትታል ክገብሩለይ ጀመሩ: ነሓሰ 1936 ድማ ካብ ገዛይ ወሰዱኒ: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሑኒ: ኣብኡ ኰይነ ድማ ናብ ፍርዲ ክቐርብ እጽበ ነበርኩ።
ለካቲት 1937: 25 ኣሕዋትን 2 ኣሓትን—ኣነውን ምስኦም—ናብቲ ኣብ ሳክሶኒ ዝነበረ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቀረብና። እቲ ክሲ ኸኣ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መድሓርሓሪ ኢዩ ዝብል ነበረ። እቶም ግምቢ ዘብዐኛ ዘባዝሑ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓሙሽተ ዓመት ክእሰሩ ተፈርዱ። ኣነ ኸኣ ክልተ ዓመት ተፈረድኩ።
ማእሰርተይ ምስ ወዳእኩ ኣብ ክንዲ ዝፍታሕ: ጌስታፖ ወሰዱኒ። ድሕሪ ደጊም ንጥፍቲ ምስክር ናይ የሆዋ ኰይነ ከም ዘይቅጽል ዝገልጽ ጽሑፍ ክፍርመሎም ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም። ኣነ ግን ነዚ ጸኒዐ ተቓወምክዎ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ መኰነን ነደረ: እናነጠረ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ዝእዝዝ ወረቐት ኣዳለወ። እቲ ናይ ትእዛዝ ወረቐት ኣብ ስእሊ ኣሎ። ወለደይ ክርኢ ከይተፈቕደለይ ከኣ ሽዑ ንሽዑ ናብ ሓደ ኣብ ሊችተንበርግ ኣብ ጥቓ ፈለግ ኤልበ ዝርከብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ንእሽቶ መዳጐኒ ደምበ ተወሰድኩ። ድሕርዚ ቁሩብ ጸኒሐ ንካተ ረኸብክዋ። ካብ ታሕሳስ 1936 ጀሚራ ኣብቲ ኣብ ሞሪገን ዝርከብ ዝነበረ መዳጐኒ ደምበ ኢያ ነይራ: እቲ መዳጐኒ ደምበ ምስ ተዓጽወ ግን ምስ ካልኦት ብዙሓት ኣሓት ናብ ሊችተንበርግ መጸት። ኣቦይ እውን ተኣሲሩ ኢዩ ነይሩ: ክሳብ 1945 ድማ ኣይረኣኽዎን።
ኣብ ሊችተንበርግ
ነተን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ መሰኻኽር ሽዑ ንሽዑ ክጽንበረን ኣይተፈቕደለይን: ምኽንያቱ ንሳተን ብኻልእ ምኽንያት ተቒጺዐን ነበራ። ኣብ ሓደ ካብቲ ኣደራሻት ድማ: ክልተ ጕጅለ እሱራት—ኣብ መንበር ዝነበሮ ጣውላ ኮፍ ዝብላ ከምኡውን ምሉእ መዓልቲ ኣብ መደገፊ ዘይብሉ መናብር ኮፍ ዝብላን ፈጺሙ ዝብላዕ ዘይወሃበንን መሰኻኽር—ረኣኹ።b
ብገለ መገዲ ንካተ እንተ ረኸብክዋ ኢለ: ዝዀነ ይኹን ዕዮ ክዋሃበኒ ከሎ ሕራይ ኢለ እቕበሎ ነበርኩ። ልክዕ ከምቲ እተጸበኽዎ ኸኣ ተራኸብና። ምስ ክልተ ካልኦት እሱራት ናብ ስራሕ እናኸደት ከላ ኢና ተራኺብና። ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ እተሓጐስኩ ድማ: ኣጸቢቐ ሓቘፍኩዋ። እታ ሓላዊት ግና ሽዑ ንሽዑ ነገረትልና። ተመርመርና እሞ: ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚሩ ድማ ንኸይንራኸብ ጥንቃቐ ይግበረልና ነበረ። እዚ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ሊችተንበርግ እተፈጸሙ ክልተ ኣጋጣሚታት ካብ ኣእምሮይ ዘይሕከኹ ኢዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንሓደ ካብቶም ብረድዮ ዝመሓላለፉ ዝነበሩ ናይ ሂትለር ፖለቲካዊ መደረታት ንኽሰምዑ ኵሎም እሱራት ኣብቲ ቐጽሪ ናይቲ መዳጐኒ ደምበ ክእከቡ ነበሮም። ናይ ፍቕሪ ሃገር ጽምብላት ዝካየደሉ ብምንባሩ: እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀንና ምእካብ ኣበና። በዚ ምኽንያት እዚ: እቶም ሓለውቲ ነቲ መጥፍኢ ሓዊ ቱቦታት ማይ ናባና ብምቅናዕ በቲ ካብኡ ዝወጽእ ብርቱዕ ማይ ገይሮም እናገጨቡ ነተን ዋላ ሓንቲ ከውሊ ዘይብልና ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ራብዓይ ደርቢ ናይቲ ዓቢ ህንጻ ክሳዕ እቲ ቐጽሪ ኣጓየዩና። ጀብጂብና ኣብኡ ደው በልና።
ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: ምስ ጌርትሩት ዮመ ከምኡውን ጌርተል ቡርለ ኰይነ ናይ ሂትለር ልደት ይቐርብ ብምንባሩ ንቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣዛዚ ብመብራህቲ ክሽልሞ ተኣዘዝኩ። ነቲ ሰይጣን ንጽህናና ንምብልሻው ብንኣሽቱ ነገራት ከም እንለማመጥ ገይሩ ከታልለና ዝፍትነሉ ሜላታት ብምግንዛብ: ነዚ ነጸግናዮ። ከም መቕጻዕቲ ናይዚ ድማ: ነፍሲ ወከፍና እዘን ሰለስተ መንእሰያት ኣሓት ኣብተን ዝቕጽላ ዝነበራ ሰለስተ ሰሙናት ንበይንና ኣብ ሓንቲ ንእሽቶይ ጸልማት ከነሕልፈን ነበረና። የሆዋ ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘፍርህ ቦታ እውን ከይተረፈ ምሳና ነይሩ ኢዩ: ዕቝባና ከም ዝዀነ ድማ ኣርእዩ ኢዩ።
ኣብ ራቨንስብራክ
ግንቦት 1939 እቶም ኣብ ሊችተንበርግ ዝነበሩ እሱራት ናብ ራቨንስብራክ መዳጐኒ ደምበ ገዓዙ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓያለይ ካልኦት መሰኻኽር ኣሓት ኣብ ሕጽቦ ክዳውንቲ ተመደብኩ። እቲ ውግእ ምስ ጀመረ ቁሩብ ጸኒሑ: ናይ ስዋስቲካ ባንዴራ ከካብ ዝነበሮ ቦታ ክንእክብ ተኣዘዝና: ንሕና ግን ኣበና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ክልተ ካባና ኣነን ሚልቸን ኤርንስትን: ኣብቲ ናይ መቕጻዕቲ ህንጻ ተዳጐንና። እዚ ኸኣ ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ዘሰቅቕ ዓይነት መቕጻዕቲ ኢዩ ነይሩ: ኵነታት ኣየር ከመይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ሰንበት እውን ከይተረፈ: ከቢድ ስራሕ ክንዓዪ ነይሩና ማለት ኢዩ። ከምቲ ልሙድ: ኣብቲ ቦታ እቲ ዝነውሐ ፍርዲ ሰለስተ ኣዋርሕ ኢዩ: ንሕና ግን ሓደ ዓመት ዝኸውን ኣብኡ ጸናሕና። ሓገዝ የሆዋ እንተዘይነብረኒ: ኣይምደሓንኩን ነይረ።
ብ1942 እቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝነበረ ኵነታት እናቐለለልና መጸ እሞ: ኣነ ድማ ካብቲ ደምበ ብዙሕ ርሑቕ ኣብ ዘይኰነ ናይ ሓደ ወተሃደር ኤስኤስ ስድራቤት ኣገልጋሊት ክኸውን ተመደብኩ። እቶም ስድራቤት እተወሰነ ናጽነት ሂቦምኒ ነበሩ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ነቶም ቈልዑ ከዛውሮም ከለኹ: ዮዜፍ ራቫልድን ጎትፍሪት ማልሆርንን እተባህሉ ፐርፕል ትርያንግል ዝነበሮም ክልተ እሱራት ረኸብኩ እሞ: ምስኦም ድማ ገለ ዘተባብዕ ቃላት ክዘራረብ ከኣልኩ።c
ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበራ ከበድቲ ዓመታት
ብ1945 ሰራዊት ሓይልታት ኪዳን እናቐረቡ ምስ መጹ: እቶም ዝሰርሓሎም ዝነበርኩ ስድራቤት ሃደሙ: ኣነ ድማ ምስኦም ክኸይድ ነበረኒ። ምስ ካልኦት ስድራቤታት ኤስኤስ ተሓዊሶም ከኣ ንምዕራብ ገጹ ዝጓዓዝ ዓቢ ቃፍላይ ኰኑ።
እተን ናይ መወዳእታ ሒደት መዓልትታት ናይቲ ውግእ ሕንፍሽፍሽ ዝመልአንን ሓደገኛታትን ኢየን ነይረን። ኣብ መወዳእታ: ገለ ኣመሪካውያን ወተሃደራት ረኸብና: ናብታ ቐጺላ ዝነበረት ከተማ ከይደ ከም ናጻ ሰብ ንኽምዝገብ ድማ ኣፍቀዱለይ። ኣብኡ ንመን ረኺበ ይመስለኩም፧ ዮዜፍ ራቫልድን ጎትፍሪት ማልሆርንን። ኵሎም እቶም ካብቲ ኣብ ዛክሰንሃውዘን ዝነበረ መዳጐኒ ደምበ ዝመጹ መሰኻኽር ድሕሪ ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ሞት ጕዕዞ: ሽዌሪን ከም ዝበጽሑ ፈሊጦም ነበሩ። ስለዚ ሰለስቴና ንኽንረኽቦም ናብታ 75 ኪሎ ሜተር ዝርሕቀታ ከተማ ተበገስና። ንኮንራት ፍራንከ ሓዊስካ ንዅሎም እቶም ካብ መዳጐኒ ደምበታት ዝደሓኑ እሙናት ኣሕዋት ኣብ ሽዌሪን ክንረኽቦም ከሎናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ እተሰማዓና።
ታሕሳስ 1945 እቲ ኵነታት ናይታ ሃገር ብመጠኑ ተመሓይሹ ስለ ዝነበረ: ብባቡር ክጓዓዝ ክኢለ ኢየ። ንዓደይ ገጸይ ድማ ተመለስኩ! ይኹን እምበር: እቲ ጕዕዞ ኣብ ልዕሊ ባቡር ኮፍ እናበልካን ኣብ ውሽጣ ደው ብምባልን ኢዩ ተሓሊፉ። ኬምኒትስ ምስ በጻሕኩ ካብቲ መደበር ባቡር ናብቲ ከም ስድራቤት ኴንና እንነብረሉ ዝነበርና ቦታ ኣምራሕኩ። ኣብቲ ቕድም ናይ ናዚ ወተሃደራት ደው ኢሎም “ኣብዚ ዝነብሩ ከሓድቲ ኣለዉ!” ብምባል ዝጨደርሉ ጐደና ካብ ዝነበረ ኣባይቲ ግን ዋላ ሓንቲ ገዛ ኣይተረፈትን። ብምሉኡ እቲ መንበሪ ኣባይቲ ሓመዱ ንላዕሊ ኰይኑ ነበረ። ይኹን እምበር: ኣደይ: ኣቦይ: ካተ: ከምኡውን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ገና ብህይወቶም ስለ ዝረኸብኩዎም ቅሳነት ተሰማዓኒ።
ቁጠባዊ ኵነታት ናይታ ድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረት ጀርመን ሕማቕ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ጉባኤታት ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መላእ ጀርመን ክስስና ጀመራ። ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ከተዕጥቐና ዝከኣላ ዘበለ ገበረት። እቲ ናዚ ኣጊዶምዎ ዝነበሩ ኣብ ማግደበርግ ዝነበረ ዕዮ ቤትኤል: እንደገና ጀመረ። ኣብ ጽድያ ናይ 1946 ድማ: ኣብኡ ንኽዓዪ ተጸዋዕኩ: ኣብ ክሽነ ኸኣ ተመደብኩ።
እንደገና ኣብ ትሕቲ እገዳን ማእሰርትን
ማግደበርግ ኣብቲ ኮሙኒስታውያን ዝቈጻጸርዎ ዝነበሩ ቦታ ኢያ እትርከብ። ንዕዮና ድማ 31 ነሓሰ 1950 ኣገድዎ: ነቲ ናይ ማግደበርግ ቤትኤል ከኣ ዓጸውዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ: እቲ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎተይ ኣቋረጸ: እዚ ድማ ክቡር ዝዀነ ልምምድ ዝረኸብኩሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ እቶም ኮሙኒስታውያን እውን እንተዀነ ኣብ ሓቂ ንኽጸንዕን ንዝጸበቦም ደቅሰብ ድማ እታ እንኮ ተስፋ: መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነት ንኽእውጅን ብምውሳን: ናብ ኬምኒትስ ተመለስኩ።
ኣብ ሚያዝያ 1951 ምስ ሓደ ሓው ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ንምምጻእ ናብ በርሊን ተጓዓዝኩ። ምስ ተመለስና: እቲ ኣብ ኬሚኒትስ ዝነበረ መደበር ባቡር ብህዝባዊ ፖሊስ ተኸቢቡ ምስ ጸንሐ ሰምበድና። ብርግጽ ንዓና ኢዮም ዝጽበዩ ነይሮም: ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ተተሓዝና።
ናብ ፍርዲ ንኽቐርብ ኣብ ማእሰርቲ ኰይነ ክጽበ ከለኹ: ብናዚ ንሓያለይ ዓመታት ተኣሲረ ከም ዝነበርኩ ዘረጋግጽ ሰነዳት ሒዘ ነበርኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: እተን ሓለውቲ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ይገብራለይ ነበራ። ሓንቲ ካብተን ሓለቓ ናይተን ሓለውቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ “ንስኻትኩም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገበነኛታት ኣይኰንኩምን፣ ክትእሰሩ ኣይግብኣኩምን ኢዩ” በለት።
ሓደ ግዜ ናብቲ ምስ ካልኦት ክልተ ኣሓት ዝነበርኩላ ክፍለይ መጸት እሞ: ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብቲ ዓራውቲ ድማ ሓቢኣ ገለ ነገር ኣቐመጠት። እንታይ ኰን ይኸውን፧ ንዓና ኽኸውን ኢላ ዘምጽኣቶ ናይ ብሕታ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ: ወለደይ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ዘይረሓቑ ስለ ዝነበሩ: ኣብ ገዛ ትበጽሖም ነበረት። ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛን ገለ መግብን ተምጽእ እሞ: ንዅሉ ድማ ሓቢኣ ናብታ ክፍልና ተስልዀልና ነበረት።
ካልእ ክዝክሮ ዝደሊ ነገር እውን ኣሎ። ገለ ግዝያት ሰንበት ናይ ንግሆ: ቲኦክራስያዊ መዛሙራትና ዓው ኢልና ንዝምር እሞ: እተን ካልኦት እሱራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ብሓጐስ የጣቕዓ ነበራ።
ካብ የሆዋ እተረኽበ ሓይልን ሓገዝን
ኣብቲ 4 መስከረም 1951 እተኻየደ መጋባእያ: እቲ ዳኛ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሱ ዘሎ ዘረባ ተዛረበ። እቲ ናይ ማእሰርቲ ፍርደይ ከኣ ኣብ ቫልትሂም: ድሕሪኡ ኣብ ሃለ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሆነክ ኣሕለፍክዎ። እዚ ዝስዕብ ሓደ ወይ ክልተ ሓጸርቲ ፍጻመታት: ኣምላኽ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ዕቝባን ሓይልን ከም ዝዀነና ከምኡውን ቃሉ ብኸመይ ሓይሊ ከም ዝሃበና ዘርኢ ኢዩ።
ኣብቲ ኣብ ቫልትሂም ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ: ኵለን መሰኻኽር ኣሓት ስርዓታውያን ኰይነን ኣብ ሓደ ኣደራሽ ይእከባ ነበራ: ስለዚ ድማ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንገብር ንኽእል ነበርና። ርሳስን ወረቐትን ክንሕዝ ኣይፍቀደልናን ነበረ: ገለ ኣሓት ግን ጨርቂ ረኸባ እሞ: ነታ “ንየሆዋ ብልብሲ ቕድስና ኣምልኽዎ” እትብል ናይ 1953 ዓመታዊት ጥቕሲ ጽሒፈን ሰቐለኣ።—መዝሙር 29:2: ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)
ሓንቲ ካብተን ሓለውቲ ከየስተብሃልናላ ረኣየትና እሞ ከይደንጐየት ድማ ነገረትልና። እቲ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ መጸ: ንኽልተ ካብተን ኣሓት ድማ ነቲ ዝስቀል ጨርቂ ንላዕሊ ሓፍ ኣቢለን ክሕዝኦ ነገረን። “መን ኢያ ጽሒፋቶ፧ እንታይ ማለትከ ኢዩ፧” ብምባል ከኣ ሓተተ።
ሓንቲ ካብተን ኣሓት ኣነ ኢየ ክትብልን ኣብ ክንዳና ክትሓልፍን ደለየት: ሽዑ ንሽዑ ግን ኵላትና ብሓላፍነት ክንሕተተሉ ከም ዘሎና ብምስምማዕ ንሓድሕድና ሕሽዅሹዅ ተበሃሃልና። ስለዚ ኸኣ “እምነትና ምእንቲ ከነደልድል ኢልና ኢና ገይርናዮ” ብምባል መለስናሉ። እታ ጨርቂ ድማ ተሓደግና: ከም መቕጻዕቲ ኸኣ መግቢ ተኸላእና። ምስቲ ሓላፊ ንዛራረበሉ ኣብ ዝነበርና እዋን: እተን ኣሓት እታ እተተባብዕ ጥቕሲ ኣብ ኣእምሮና ምእንቲ ኽትቅረጽ ነታ ጨርቂ ሓፍ ኣቢለን ሒዘንኣ ነበራ።
እቲ ኣብ ቫልትሂም ዝነበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተዓጽወ: እተን ኣሓት ናብ ሃለ ገዓዝና። ኣብዚ ቦታ እዚ ጥቕላል ኣቕሑ ክንቅበል ተፈቕደልና: ኣብ ውሽጢ እቲ ኣቦይ ዝሰደደለይ ጽምዲ ሻባቶ ኣትዩ እተላገበ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛ ነበረ! ነተን “ሓቀኛ ፍቕሪ ተግባራዊት ኢያ” ከምኡውን “ሓሶት ህይወት ናብ ምስኣን የምርሕ” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበረን ዓንቀጻት ገና ክዝክረን እኽእል ኢየ። እዚኣተንን ካልኦት ዓንቀጻትን ብሓቂ ብሉጻት ኢየን ነይረን: ካብታ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ብሕቡእ ከነመሓላልፎ ከሎና ኸኣ: ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሳ መዘኻኸሪ ትሕዝ ነበረት።
ኣብ ሓደ ሃንደበታዊ እዋን ፍተሻ ኸኣ: ሓንቲ ካብተን ሓለውቲ ነቲ ናይ ብሕተይ መዘኻኸሪታት ኣብ ውሽጢ እቲ ብሓሰር እተሰርሐ ፍርናሸይ ረኸበቶ። ድሕርዚ: ንመርመራ ጸውዓትኒ እሞ: ንትርጕም ናይታ “ኣብ 1955 ንፈራህቲ የሆዋ ዝኸውን ተስፋታት” እትብል ዓንቀጽ ብርግጽ ክትፈልጦ ከም እትደሊ ነገረትኒ። ኮሙኒስት ብምንባራ ሞት ናይቲ ብ1953 ዝሞተ መራሒኣ: ስታሊን ዓሚቝ ሓዘን ተሰሚዕዋ ነበረ: መጻኢ ግዜ ድማ ጸልማት መሲሉ ተራእያ። ንዓና ግን መጻኢ ግዜ: ዝሓሸ ኵነታት ናይ ቤት ማእሰርቲ ሒዙልና ነበረ: ሽዑ ግን ነዚ ኣይተገንዘብኩዎን ነበርኩ። ተስፋ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ከም ዝዀነ ብምትእምማን ገለጽኩላ። ስለምንታይ፧ ነታ “ክፉእ ወረ ኣይፈርህን: ልቡ ብየሆዋ ተወኪሉ ይጸንዕ” እትብል ናይታ ዓንቀጽ ቀንዲ ኣርእስቲ መሰረት ዝዀነት መዝሙር 112:7 ኸኣ ጠቐስኩላ።—ኣመሪካን ስታንዳርድ ቨርሽን።
የሆዋ ዕቝባይን ሓይለይን ኰይኑ ቐጸለ
ድሕሪ ከቢድ ሕማም: ማእሰርተይ ክውድእ ክልተ ዓመት ምስ ተረፈኒ ኣብ መጋቢት 1957 ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጻእኩ። ሰበ-ሰልጣን ምብራቕ ጀርመን ብምኽንያት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝነበረኒ ንጥፈታት እንደገና ጸቕጢ ገበሩለይ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: 6 ግንቦት 1957 ናብ ምዕራብ በርሊን ናይ ምምላጥ ኣጋጣሚ ረኸብኩ: ካብኡ ድማ ናብ ምዕራብ ጀርመን ከድኩ።
ኣካላዊ ጥዕናይ ክምለስ ሓያለይ ዓመታት ወሲዱ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ግን ዓቢ መንፈሳዊ ሸውሃት ኣሎኒ። ንነፍሲ ወከፍ ሓዳስ ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ድማ ብሃንቀውታ ኢየ ዝጽበያ። በብግዚኡ ድማ ገዛእ ርእሰይ እምርምር። ገና መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ድዩ ዘሎኒ፧ ጽቡቕ ባህርያት ኰስኲሰዶ ኣለኹ፧ እቲ ምፍታን እምነተይ ንየሆዋ ክውድሶን ከኽብሮን ይድርኸኒ ድዩ፧ ኣምላኽ ንዘለኣለም ዕቝባይን ሓይለይን ኰይኑ ምእንቲ ክቕጽል: ብዅሉ ነገር ከሐጕሶ ሸቶይ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a “ፎቶ-ድራማ” ዝንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን ስእልታት ዝሓዘት ኰይና: ካብ 1914 ወከልቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ብሰፊሑ ኣርእዮማ ኢዮም።
b እታ ትሮስት (ምጽንናዕ) እተባህለት ናይ 1 ግንቦት 1940 በቲ ኣብ በርን: ስዊዘርላንድ ዝርከብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እተሓትመት መጽሔት ኣብ ገጽ 10: ሓደ እዋን እተን ኣብ ሊችተንበርግ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ናዚ መዛሙራት ክዝመር ከሎ ናይ ክብሪ ሰላምታ ምሃብ ስለ ዝኣበያ ን14 መዓልትታት ምሳሕ ከም እተኸልከላ ገለጸት። ኣብኡ 300 መሰኻኽር የሆዋ ነበራ።
c ብዛዕባ ዮዜፍ ራቫልድ ዝገልጽ ተመክሮ ኣብ ናይ 8 ለካቲት 1993 ንቕሑ! ገጽ 20-3 (እንግሊዝኛ) ወጺኡ ነይሩ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ራቨንስብራክ ዝነበረ ናይ ኤስኤስ ቤት ጽሕፈት
[ምንጪ ስእሊ]
ላዕለዋይ: Stiftung Brandenburgische Gedenkstätten
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ካብቲ መዳጐኒ ወጺአ ንኽዓዪ ዘኽእለኒ ዝነበረ ይሕለፍ