‘ከይርኤኹምዎ ተፍቅርዎ ኣሎኹም’
“ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ: ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም: . . . ትሕጐሱ ኢኹም። ”—1 ጴጥሮስ 1:8
1. ንየሱስ ዝረኣዮ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ እንተ ዘየለ: ገሊኦም ሃይማኖታውያን ሰባት ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነት ከርእዩ ዝጽዕሩ ብኸመይ ኢዮም፧
ሎሚ ኣብ ምድሪ ብህይወት ካብ ዝነብር ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ ዝረኣዮ ዋላ ሓደ የለን። እንተዀነ ግን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዘፍቅርዎ ይዛረቡ ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ዓመት 9 ጥሪ ኣብ ማኒላ: ፊሊፕንስ: ክንዲ ምሉእ ሰብኣይ ዝኸውን መስቀል ዝጾረ ሓወልቲ የሱስ ኣብቲ ጐደናታት እናተሳሕበ ይዘውር: እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ዘስተንክር ፍሉጥ ሃይማኖታዊ ተርእዮ ተባሂሉ ይግለጽ። ስምዒቶም እተለዓዓለ ጭፍራ ይዳፍኡን ይጓነጹን፣ ነቲ ምስሊ ንምትንካፍ ኣብ ዝግበር ዕቡድ ጻዕሪ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም እውን ከይተረፈ ይውጥሑ። ብዙሓት ካብቶም ነዚ ከብዕሉ ኢሎም ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ሰባት ዝያዳ በቲ ናይቲ በዓል ዑደት ኢዮም ዝማረኹ። እንተዀነ ግን: ገለ ካብኣቶም ብዘይጥርጥር ብቕንዕና ናብ የሱስ ክቐርቡ ዝደልዩ ሰባት ኢዮም። ከም መረጋገጺ ናይዚ ድማ: መስቀል ይገብሩ ወይ ስርዓታውያን ኰይኖም ናብ ቤተ-ክርስትያን ይመላለሱ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ኣምልኾ ጣኦት ከም ሓቀኛ ኣምልኾ ገይርካ ክርአ ይክኣልዶ፧
2, 3. (ሀ) ካብቶም ሰዓብቲ የሱስ ንዕኡ ብኣካል ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን መን ኢዮም፧ (ለ) ብኣካል ፈጺሞም ዘይረኣይዎ እኳ እንተዀኑ: ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ንየሱስ ዘፍቀርዎ ኣብኡ ድማ እምነት ዘርኣዩ ካልኦት መን ነበሩ፧
2 ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ኣብተን ናይ ሮሜ ኣውራጃታት ይሁዳ: ሰማርያ: ጴርያ: ከምኡውን ገሊላ ንየሱስ ክርስቶስ ብኣካል ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ነይሮም ኢዮም። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ልቢ ዘምውቕ ሓቅታት ክገልጽ ከሎ ሰሚዖምዎ ኢዮም። ናይቲ ዝገበሮ ተኣምራታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዮም ነይሮም። ገለ ካብዚኣቶም “ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ኣሚኖም ውፉያት መሰኻኽሩ ኰይኖም ኢዮም። (ማቴዎስ 16:16) ይኹን እምበር: እቶም ሃዋርያ ጴጥሮስ እታ መንፈስ ዝነፈሳ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም ሰባት ካብዚኣቶም ኣይነበሩን።
3 እቶም ጴጥሮስ እተዛረቦም ሰባት ኣብተን ናይ ሮሜ ኣውራጃታት ጶንጦስ: ገላትያ: ቀጶዶቅያ: እስያ: ከምኡውን ቢቲንያን ኢዮም ዝቕመጡ ነይሮም—ኵለን እዚኣተን ድማ ኣብዚ ዘመናዊት ቱርኪ እትርከበሉ ከባቢታት ዝርከባ ኢየን። ነዚኣቶም ድማ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ነዚ ኸይርኤኹምዎ እተፍቅርዎ: ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትአምኑ ዘሎኹም: . . . ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም።” (1 ጴጥሮስ 1:1, 8) ንየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ኣብ ምፍቃርን ኣብኡ ድማ እምነት ምርኣይን ክበጽሑ ዝኸኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧
4, 5. እቶም ንየሱስ ፈጺሞም ዘይረኣይዎ ሰባት ንኸፍቅርዎን ኣብኡ ድማ እምነት ንኸርእዩን እኹል ትምህርቲ ዝረኸቡ ብኸመይ ኢዮም፧
4 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ኣብቲ ናይ 33 ከ.ኣዘ. በዓል ጴንጠቆስጠ ክካፈሉ መጺኦም ዝነበሩ ጭፍራ ክምስክረሎም ከሎ ገለ ካብኣቶም ኣብ የሩሳሌም ምንባሮም እተረጋገጸ ኢዩ። ድሕሪ እቲ በዓል ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ካብ ሃዋርያት ተወሳኺ መምርሒ ንኽቕበሉ ኣብ የሩሳሌም ጸኒሖም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:9, 41, 42፣ ምስ 1 ጴጥሮስ 1:1 ኣረኣእዮ።) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቲ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ሚስዮናዊ ጕዕዞታት: ኣብ ማእከል እቶም ጴጥሮስ ጸኒሑ ነታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ብስሙ እትጽዋዕ ናይ መጀመርታ መልእኽቱ ዝለኣኸሎም ሰባት ዝነብርሉ ከባቢ ቅንኢ ዝመልኦ ኣገልግሎት ፈጺሙ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 18:23፣ 19:10፣ ገላትያ 1:1, 2
5 እቶም ንየሱስ ፈጺሞም ዘይረኣይዎ ሰባት ብእኡ ኣጸቢቖም እተማረኹ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣዕሚቖም ዘፍቅርዎኸ ስለምንታይ ኢዮም፧
እቲ ንሳቶም ዝሰምዕዎ ነገራት
6. (ሀ) ጴጥሮስ ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብዛዕባ የሱስ ክምስክር ከሎ እንተ ትሰምዖ: እንታይ ክትማሃር ምኸኣልካ ነይርካ፧ (ለ) እዚ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ገለ 3,000 ዝዀኑ ሰባት ብኸመይ ተንከፎም፧
6 ጴጥሮስ ነቶም ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብቲ በዓል ተኣኪቦም ዝነበሩ ጭፍራ ክዛረቦም ከሎ ኣብ የሩሳሌም ነይርካ እንተ ትኸውን ብዛዕባ የሱስ እንታይ ምተማሃርካ፧ ብዘይጥርጥር እቲ ዝገበሮ ተኣምራት ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። ሓጢኣተኛታት ሰባት ንየሱስ እንተ ቐተልዎ እኳ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ መቓብር ከም ዘይነበረ: ኣብ ክንድኡ ግና ተንሲኡ ኣብ ሰማይ ኣብ የማን ኣምላኽ ልዕል ኢሉ ከም ዝነበረ። የሱስ ብርግጽ ክርስቶስ: እቲ ነብያት ብዛዕብኡ ዝጸሓፉ መሲሕ ምንባሩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ሰዓብቱ ዝወረደ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ምዃኑ: በዚ ድማ ንሳቶም ሽዑ ንሸዑ ካብ ብዙሓት ሃገራት ንዝመጹ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ዝገብሮ ዝነበረ ዘደንቕ ነገራት ክምስክሩሎም ምኽኣሎም። እቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ንጴጥሮስ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣልባቦም ኣጸቢቑ ተተንኪፉ ኢዩ: ገለ 3,000 ዝዀኑ ድማ ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ ብምዃን ተጠሚቖም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-42) ኣብኡ ነይርካ እንተ ትኸውን: ከምዚ ዝበለ ቈራጽ ስጕምቲ ምወሰድካዶ፧
7. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ክሰብኽ ከሎ ኣብኡ እንተ ትነብር: እንታይ ክትማሃር ምኸኣልካ፧ (ለ) ገለ ካብቶም ኣብቲ ጭፍራ ዝነበሩ ሰባት ዝኣመኑን ነቲ ብስራት ንኻልኦት ዘማቐሉን ስለምንታይ ኢዮም፧
7 ኣብ ማእከል እቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ናይ ሮሜ ኣውራጃ ገላትያ: ኣብ ኣንጾክያ ክምህር ከሎ ዝነበሩ ሰባት እንተ ትነብርከ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ካልእ ነገር ክትማሃር ምኸኣልካ፧ የሱስ በቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ መራሕቲ ንሞት ምፍራዱ ኣቐዲሙ ብነብያት ተነጊሩ ምንባሩ ጳውሎስ ክገልጽ ከሎ ምሰማዕካዮ ነይርካ። ብዛዕባ ትንሳኤ የሱስ ድማ ናይ ዓይኒ ምስክር መረጋገጺ ምሰማዕካ ነይርካ። የሆዋ ንየሱስ ካብ ምዉታት ብምትንስኡ ብርግጽ ወዲ ኣምላኽ ምንባሩ ኣረጋጊጹ ኢዩ ብምባል ጳውሎስ ዝሃቦ መግለጺ ብርግጽ ምመሰጠካ ነይሩ። ኣብ የሱስ እምነት ብምርኣይ ክርከብ ዝከኣል ናይ ሓጢኣት ይቕረታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ከም ዝኽእል ምስ ተማሃርካኸ ልብኻ ብሞሳ ኣይምመልአንዶ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 13:16-41, 46, 47፣ ሮሜ 1:4) ንኣገዳስነት ናይቲ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ነገራት ኣፍልጦ ብምሃብ ገለ ካብቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ሰባት ደቀ መዛሙርቲ ኰይኖም ኢዮም: ከምኡ ምግባሮም ምስ ብርቱዕ መስጐግቲ ምግጣም ማለት እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ብስራት ንጡፋት ኰይኖም ንኻልኦት ኣማቒሎምዎ ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 13:42, 43, 48-52፣ 14:1-7, 21-23
8. ጉባኤ ኤፌሶን እታ ጳውሎስ ዝሰደደሎም መልእኽቲ ክቕበልዋ ከለዉ ምስኦም ኣብቲ ኣኼባ እንተ ትነብር ነይርካ እንታይ ክትማሃር ምኸኣልካ፧
8 እታ ጳውሎስ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ዝለኣኻ መንፈስ ዝነፈሳ መልእኽቲ ክትቅበል ከላ ምስታ ኣብ ናይ ሮሜ ኣውራጃ እስያ: ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ናይ ክርስትያን ጉባኤ ሓቢርካ ነይርካ እንተ ትኸውንከ፧ ካብታ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዝነበሮ ግደ እንታይ ክትማሃር ምኸኣልካ ነይርካ፧ ጳውሎስ ኣብታ መልእኽቲ እቲኣ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኵሉ ነገራት ብክርስቶስ ኣቢሉ ምስ ኣምላኽ ከም እተዓረቐ: እቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተረኽበ ውህበት ኣምላኽ ንዅሎም ህዝብታት ከም እተዘርግሐ: ብምኽንያት ሓጢኣት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምዉታት ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ኣብ ክርስቶስ ብዘርእይዎ እምነት ህይወት ከም ዝረኽቡ: ከም ውጽኢት ናይዚ ምድላው እዚ ድማ: ሰባት እንደገና ፍቑራት ደቂ ኣምላኽ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገለጸ።—ኤፌሶን 1:1, 5-10፣ 2:4, 5, 11-13
9. (ሀ) ትርጕም ናይቲ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ዝጸሐፈሎም መልእኽቲ ብብሕትኻ ምርዳእካ ወይስ ዘይምርዳእካ ንምፍላጥ ክሕግዘካ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ጴጥሮስ ዝጠቐሶም ኣብ ኣውራጃታት ሮሜ ዝነበሩ ኣሕዋት እቲ ብዛዕባ የሱስ ዝማሃርዎ ዝነበሩ ዝተንከፎም ብኸመይ ኢዩ፧
9 ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ እተርእዮ ሞሳ ነቲ ንወዲ ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኣየዕምቖንዶ፧ ከምቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ምዕራፍ 4 ክሳዕ 6 ኣተባቢዕዎ ዘሎ: እዚ ፍቕሪ እዚ ንመዓልታዊ ኣነባብራኻ ኣይተንከፎንዶ፧ ከምዚ ዝበለ ሞሳ ነቲ ኣብ ህይወትካ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ብጥንቃቐ ክትምርምሮ ኣየለዓዕለካንዶ፧ ካብቲ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕርን ንወዱ ዘሎካ ምስጋናን እተላዕለ: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣብ ህይወትካ ብሓቂ ኣቓልቦ እትገብረሉ ቀንዲ ነገር ምእንቲ ክኸውን ዘድሊ ምትዕርራይ ምገበርካዶ፧ (ኤፌሶን 5:15-17) ሃዋርያ ጴጥሮስ እቶም ኣብ እስያ: ገላትያ: ከምኡውን ካልኦት ኣውራጃታት ሮሜ ዝነበሩ በቲ እተማህርዎ ነገራት ምትንካፎም ኣመልኪቱ “ነዚ ኸይርኤኹምዎ [የሱስ ክርስቶስ] እተፍቅርዎ: ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትአምኑ ዘሎኹም: . . . ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም” በሎም።—1 ጴጥሮስ 1:8
10. (ሀ) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ንየሱስ ንኸፍቅርዎ ብዘይጥርጥር ኣበርክቶ ዝገበረ ነገር እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ንሕናኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
10 እቶም ጴጥሮስ ዝጸሓፈሎም ቀዳሞት ክርስትያናት ንወዲ ኣምላኽ ፍቕሪ ክህልዎም ብዘይጥርጥር ኣበርክቶ ዝገበረ ገለ ነገር ነይሩ ኢዩ። እቲ ነገርከ እንታይ ነበረ፧ ኣብቲ ጴጥሮስ ነዛ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዝጸሓፈሉ ግዜ: ብውሕዱ እተን ክልተ ወንጌላት—ማቴዎስን ሉቃስን—ድሮ ኣብተን ጉባኤታት ይዞራ ነይረን ኢየን። ንየሱስ ፈጺሞም ዘይረኣይዎ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናት ነዘን ወንጌላት እዚኣተን ከንብቡወን ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ንሕናውን ከነንብበን ንኸእል ኢና። እተን ወንጌላት ግምታዊ ጸብጻባት ኣይነበራን፣ ኵሉ መለለዪ ባህርያት ናይቲ ኣዝዩ ዝእመን ታሪኽ ዝሓዛ ኢየን ነይረን። ኣብዚ መንፈስ ዝነፈሶ መዛግብቲ: ንወዲ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ዘዕምቝ ብዙሕ ነገራት ንረክብ ኢና።
እቲ ዘርኣዮ መንፈስ
11, 12. ብዛዕባ እቲ የሱስ ንኻልኦት ሰባት ዘርኣዮ መንፈስ ንዕኡ ከተፍቅሮ ዝገብረካ እንታይ ነገር ኣሎ፧
11 ኣብዚ እተጻሕፈ መዛግብቲ ህይወት የሱስ: ምስ ካልኦት ሰባት ብኸመይ ይመላለስ ከም ዝነበረ ንማሃር ኢና። እቲ ዘርኣዮ መንፈስ ካብቲ ዝሞተሉ ግዜ ልዕሊ 1,960 ዓመታት ጸኒሑ ንልቢ ናይዞም ሕጂ ዘለዉ ሰባት እውን ከይተረፈ ይትንክፎ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ ሰብ ሳዕቤናት ሓጢኣት ይኸብዶ ኢዩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ግዳያት ፍትሒ ምስኣን ይዀኑ: ምስ ሕማማት ይቃለሱ: ወይ ብኻልእ ምኽንያታት ዝደቍስ ጓሂ ይስምዖም ኢዩ። ንዅሎም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት የሱስ ከምዚ ይብሎም:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 11:28-30
12 የሱስ ንድኻታት: ንጥሙያት: ከምኡውን ንሕዙናት ስምዒት እተሓወሶ ሓልዮት ኣርእዩ ኢዩ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት: ንብዙሓት ሰባት እውን ከይተረፈ ብተኣምራታዊ መገዲ መጊብዎም ኢዩ። (ሉቃስ 9:12-17) ካብቲ ባሮት ዝገብሮም ልምድታት ናጻ ኣውጺእዎም ኢዩ። ኣብቲ ንፖለቲካውን ቁጠባውን ግፍዒ መወዳእታ ዝገብር ናይ ኣምላኽ ምድላው እምነቶም ከም ዝሃንጹ እውን ገይርዎም ኢዩ። የሱስ ንመንፈስ ናይቶም ድሮ ተጨቊኖም ዝነበሩ ሰባት ኣይደቘሶን። ለውሃትን ፍቕርን ገይሩ: ብሜላ ንመንፈስ ናይቶም ትሑታት ልዕል ኣቢልዎ ኢዩ። ነቶም ኣብ ክልተ ቦታ ከም እተዓጽፈ ጭፍሉቕ ሻምብቆን ዳርጋ ክጠፍእ ዝደለየ ዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍን ኰይኖም ዝነበሩ ሰባት ኣበራቲዕዎም ኢዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ: ኣብ ኣልባብ ናይቶም ፈጺሞም ዘይረኣይዎ ሰባት እውን ከይተረፈ ስሙ ተስፋ ዘሕድር ኢዩ።—ማቴዎስ 12:15-21፣ 15:3-10
13. የሱስ ምስ ሓጢኣተኛታት እተመላለሰሉ መገዲ ንሰባት ዝማርኽ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 የሱስ ንበደል ኣይሰመሮን: እንተዀነ ግን ነቶም ኣብ ህይወቶም ጌጋታት ዝገበሩ ግናኸ እተናስሑን ሓገዝ ደልዮም ድማ ናብኡ እተመልሱን ሰባት ኵነታቶም ተረዲኡሎም ኢዩ። (ሉቃስ 7:36-50) ምስቶም ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝንዓቑ ሰባት ምቕማጥ ምስኦም ድማ መኣዲ ምቕራብ: ብመንፈሳዊ መገዲ ንምሕጋዞም ኣጋጣሚ ዝህብ ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዕዎ ከምኡ ይገብር ነበረ። (ማቴዎስ 9:9-13) ከም ውጽኢት ናይቲ ዘርኣዮ መንፈስ ድማ: ንየሱስ ፈጺሞም ዘይርኣይዎ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ድማ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ንዕኡ ክፈልጥዎን ኣብኡ ኸኣ እምነት ክገብሩን ተለዓዒሎም ኢዮም።
14. ካብቲ የሱስ ንሕሙማት: ስንኩላት: ወይ ንሕዙናት ሰባት ዝሓገዘሉ መገዲ ንዓኻ ዝማርኸካ እንታይ ኢዩ፧
14 የሱስ ምስቶም ሕሙማትን ስንኩላትን ዝነበሩ ሰባት እተመላለሰሉ ኣገባብ: ናይቲ ዝነበሮ ምዉቕ ስምዒትን ድንጋጽን ከምኡውን ዕረፍቲ ንኸምጽኣሎም ዘለዎ ክእለት መረጋገጺ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ: ሓደ መላእ ኣካላቱ ለምጺ ዝወረሮ ሰብኣይ ናብኡ ቀሪቡ ሓገዝ ምስ ለመኖ: በቲ ትርኢቱ ዘይተሸማቐቐ። ከምኡውን ድንጋጽ እኳ እንተ ተሰምዖ: ነቲ ሰብኣይ: እቲ ሕማም ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ስለ ዝበጽሐ ንምሕጋዙ ክግበር ዝከኣል ነገር ከም ዘየለ ኣይተዛረቦን። እቲ ሰብኣይ “ጐይታይ: እንተ ትፈቱስ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ብምባል ለመኖ። የሱስ ብዘይ ምውልዋል “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ብምባል ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ለምጻም ሰብኣይ ተንከዮ። (ማቴዎስ 8:2, 3) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ከይተፈልጠት ዘፈር ክዳኑ ብምትንካይ ክትሓዊ ደለየት። የሱስ ብሕያውነትን ውሕስነት ብዝህብ መገድን ኢዩ ርእይዋ። (ሉቃስ 8:43-48) ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ምስ ተጓነፎ ድማ ነታ ሓደ ወዳ ዝሞታ መበለት ደንገጸላ። የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ንገዛእ ርእሱ ብተኣምራታዊ መገዲ መግቢ ንምብላዕ ክጥቀመሉ ኣብዩ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ዝሞተ ሰብኣይ ኣተንሲኡ ነዲኡ ንምሃብ ግን ብናጻ ተጠቒምሉ ኢዩ።—ሉቃስ 4:2-4፣ 7:11-16
15. ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝገልጽ ጸብጻባት ምንባብን ብእኡ ምስትንታንን ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈካ፧
15 ነዚ ጸብጻባት እዚ ከነንብቦን ነቲ የሱስ ዘርኣዮ መንፈስ ድማ ከነስተንትኖን ከሎና: ነቲ ንዘለኣለም ምእንቲ ክንነብር ኢሉ ህይወቱ ንደቅሰብ ዘሕለፈ ኣካል ዘሎና ፍቕሪ ይዓምቝ። ሽሕኳ እንተ ዘይረኣናዮ: ናብኡ ከም ዝቐረብና ኰይኑ ይስምዓና: ኣሰር ኣሰሩ ክንሰዕብ ድማ ንደሊ ኢና።—1 ጴጥሮስ 2:21
ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ትሕትና ዘለዎ ትውክልቲ
16. የሱስ ብመጀመርታ ቈላሕታኡ ዘተኰረ ኣብ መን ኢዩ: እንታይ ክንገብረከ ኢዩ ዘተባበዓና፧
16 ልዕሊ ዅሉ ድማ: የሱስ ቈላሕታኡን ቈላሕታናን ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦኡ: የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘተኵር ገይሩ ኢዩ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ” ብምባል ኣብ ሕጊ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ ኣየነይቲ ምዃና ኣፍሊጡ ኢዩ። (ማቴዎስ 22:36, 37) ንደቀ መዛሙርቱ “ብኣምላኽ እመኑ” ኢሉ መዓዶም። (ማርቆስ 11:22) ከቢድ ናይ እምነት ፈተና ምስ ኣጋጠሞም ድማ ‘ጸልዩ’ ብምባል ኣተባብዖም።—ማቴዎስ 26:41
17, 18. (ሀ) የሱስ ነቲ ኣብ ኣቦኡ ዝነበሮ ትሕትና ዘለዎ ትውክልቲ ዝገለጾ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ዝገበሮ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 የሱስ ባዕሉ ኣብነት ሰሪዑ ኢዩ። ጸሎት ኣገዳሲ ክፍሊ ህይወቱ ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 14:23፣ ሉቃስ 9:28፣ 18:1) ሃዋርያቱ ዝሓርየሉ ግዜ ምስ መጸ: ቅድሚ እቲ እዋን እቲ ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኵሎም መላእኽቲ ኣብ ትሕቲ ትዕዝብቱ እኳ እንተ ነበሩ: ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ክእለት ምምዝዛን ኣይተመርኰሰን። ብትሕትና ምሉእ ለይቲ ናብ ኣቦኡ ክጽሊ ሓደረ። (ሉቃስ 6:12, 13) የሱስ ማእሰርትን ዘሳቒ ሞትን ምስ ኣጋጠሞ: ሕጂ እውን ካብ ልቡ ብምጽላይ ናብ ኣቦኡ ኢዩ ቍሊሕ ዝበለ። ንሰይጣን ጽቡቕ ገይረ ኢየ ዝፈልጦ እቲ እኩይ እቲ ዝመሃዘ እንተ መሃዘ ብቐሊሉ ክዋጽኣሉ እኽእል ኢየ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይሓዘን። የሱስ ኣብቲ ፈተና ዘይምውዳቑ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቡ ኢዩ። ናይ የሱስ ኣብቲ ፈተና ምውዳቕ ንኣቦኡ ክሳዕ ክንደይ ጸርፊ ዘምጽእ ኰን ኢዩ ነይሩ! ነቶም ናይ ህይወት ተስፍኦም ኣብቲ የሱስ ከቕርቦ ዝነበሮ መስዋእቲ እተመርኰሰ ደቅሰብከ ከመይ ዝበለ ክሳራ ኰን ኢዩ ነይሩ!
18 የሱስ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ላዕለወይቲ ክፍሊ ምስ ሃዋርያቱ ከሎ ከምኡውን ኣብታ ኣብ ጌተሴማኔ ዝነበረት ስፍራ ኣታኽልቲ ካብ ልቢ ብተደጋጋሚ ጸልዩ ኢዩ። (ማቴዎስ 26:36-44፣ ዮሃንስ 17:1-26፣ እብራውያን 5:7) ኣብቲ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ክሳቐ ከሎ: ነቶም ዝጸርፍዎ ዝነበሩ ሰባት ኣይረገሞምን። ኣብ ክንድኡ: ምእንቲ እቶም ናይ ድንቍርና ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት “ኣቦይ: ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ: ሕደገሎም:” ብምባል ጸለየ። (ሉቃስ 23:34) ነቲ ‘ብቕንዕና ዚፈርድ ነገሩ ኣሕሊፉ ብምሃብ’ ኣእምሮኡ ኣብ ኣቦኡ ከም ዘተኵር ገበረ። እተን ኣብቲ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ኰይኑ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቃላት ናብ ኣቦኡ ዘቕረበን ጸሎት ኢየን ነይረን። (1 ጴጥሮስ 2:23፣ ሉቃስ 23:46) የሱስ ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ትውክልቲ ብምግባር ነቲ ኣቦኡ ብሕድሪ ዝሃቦ መዝነት ብተኣማንነት ምፍጻሙ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢና! ንየሱስ ፈጺምና ዘይረኣናዮ እኳ እንተዀንና: በቲ ዝገበረልናስ ክሳዕ ክንደይ ኣዕሚቝና ኰን ኢና እነፍቅሮ!
ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ምግላጽ
19. ንየሱስ ዘሎና ፍቕሪ ክንገልጽ ከሎና: ከመይ ዝበለ ተግባራት ኢና ምሉእ ብምሉእ ዘይግቡእ ከም ዝዀነ ገይርና ከነርሕቖ ዘሎና፧
19 እቲ ኣሎና እንብሎ ፍቕሪ ካብ ቃላት ንላዕሊ ምዃኑ ብኸመይ መረጋገጺ ክንህብ ንኽእል፧ እቲ የሱስ ዘፍቅሮ ኣቦኡ ምስልታት ምስራሕን ነቲ ምስልታት ድማ ናይ ኣምልኾ ኣቑሑት ገይርካ ምርኣይን ይኽልክል ስለ ዝዀነ: ከምዚ ዝበለ ምስልታት ሰንሰለት ገይርና ኣብ ክሳድና ብምእሳር ወይ ኣብ ጐደናታት ከምዚ ዝበለ ምስሊ ተሰኪምና ብምኻድ ንየሱስ ክብሪ ከም ዘይነምጽኣሉ እተረጋገጸ ኢዩ። (ዘጸኣት 20:4, 5፣ ዮሃንስ 4:24) ኣብቲ ዝተረፈ መዓልትታት ናይቲ ሰሙን ምስ ትምህርትታቱ ተሰማሚዕና ዘይንመላለስ እንተድኣ ኴንና ኣብ ሰሙን ብዙሕ ግዜ እውን ይኹን ኣብ ሃይማኖታዊ ቅዳሴታት ምስታፍና ንየሱስ ኣየኽብሮን ኢዩ። የሱስ “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ” በለ።—ዮሃንስ 14:21, 23፣ 15:10
20. ንየሱስ ብሓቂ እነፍቅሮን ዘይነፍቅሮን ምዃንና ዘርኢ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
20 እንታይ ትእዛዛት ኢዩ ሂቡና፧ ብቐዳምነት: ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንበይኑ ምምላኽ። (ማቴዎስ 4:10፣ ዮሃንስ 17:3) የሱስ ብምኽንያት እቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ: ከም ወዲ ኣምላኽ መጠን ኣብኡ እምነት ክንገብር ከም ዘሎና ከምኡውን ካብ እከይ ተግባራት ብምርሓቕን ኣብ ብርሃን ብምምልላስን ድማ እምነትና ከነርኢ ምሂሩና ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16-21) ቅድሚ እቲ ብስጋ ንዘድልየና ነገራት እነርእዮ ሻቕሎት ብምስራዕ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክንደሊ መኺሩና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:31-33) ከምቲ ዘፍቀረና ገይርና ኣብ ንሓድሕድና ክንፋቐር ኣዚዙና ኢዩ። (ዮሃንስ 13:34፣ 1 ጴጥሮስ 1:22) ከምቲ ንሱ እውን ከይተረፈ ዝነበሮ ብምዃን ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ መሰኻኽር ክንከውን ድማ መዚዙና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ራእይ 3:14) ሽሕኳ ንየሱስ ፈጺሞም እንተ ዘይረኣይዎ: ሎሚ ገለ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትእዛዛቱ ንምሕላው በቲ ንዕኡ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተለዓዒሎም ኢዮም። ንየሱስ ብኣካል ዘይምርኣዮም ነቲ እዙዛት ንምዃን ዘለዎም ቈራጽነት ኣየዳኽሞን ኢዩ። እቲ ጐይታኦም ንሃዋርያ ቶማስ ዝበሎ ይዝክርዎ ኢዮም:- “ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝአመንካ: እቶም ከይረአዩ ዚአምኑ ብጹኣን እዮም።”—ዮሃንስ 20:29
21. ኣብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ሰንበት 23 መጋቢት ዝበዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብምስታፍና እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧
21 ኣብ መንጎ እቶም ሰንበት 23 መጋቢት 1997 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘርኣዮ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ንምዝካርን ሞት ናይቲ እሙን ወዱ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንምብዓልን: ኣብ ምልእቲ ዓለም ኣብቲ ኣደራሻት መንግስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝእከቡ ሰባት ክትህሉ ተስፋ ንገብር። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝዝረብን ዝግበርን ነገር ንየሆዋን ንወዱን እነርእዮ ፍቕሪ ዘዕምቝ: ትእዛዛት ኣምላኽ ንምሕላው ዘሎካ ባህጊ ድማ ዝውስኽ ክኸውን ኣለዎ።—1 ዮሃንስ 5:3
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ እቶም ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ እተጻሕፈትሎም ሰባት ንየሱስ ክፈልጥዎን ከፍቅርዎን ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧
◻ ገለ ካብቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝሰምዕዎ እሞ: ንዓኻ ድማ ዝምስጠካ ነገራት እንታይ ኢዩ፧
◻ ገለ ካብቲ ንዕኡ ዘሎካ ፍቕሪ ዘዕምቝ የሱስ ዘርኣዮ መንፈስ እንታይ ኢዩ፧
◻ የሱስ ኣብ ኣምላኽ ዝገበሮ ትሕትና ዘለዎ ትውክልቲ ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ንየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽእል፧
[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእልታት]
በቲ ዘርኣዮ መንፈስ ናብ የሱስ ከም ዝቐረብና ኰይኑ ይስምዓና