ካልኦት ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ክማሃሩ ምሕጋዞም
“ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ: . . . ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ . . . ወይለይ።”—1 ቈረንቶስ 9:16
1, 2. (ሀ) የሆዋ ኣበየናይ ድርብ ዕዮ ክንካፈል ኢዩ ዝደልየና፧ (ለ) ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክዀኑ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እንታይ ኢዮም ክማሃሩ ዘለዎም፧
የሆዋ ንደቅሰብ ዝኸውን ብስራት ኣለዎ። መንግስቲ ኣላቶ: ኣብ ኵሉ ቦታ ዘለዉ ሰባት ብዛዕብኣ ክሰምዑ ይደሊ ኢዩ! ነዚ ብስራት እዚ ሓንሳእ ምስ ፈለጥናዮ ንኻልኦት ከነማቕሎ ኣምላኽ ይጽበየና ኢዩ። እዚ ድርብ ዕዮ ኢዩ። ቀዳማይ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ኣሎና። የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ “መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ” (NW ) እተነበዮ ትንቢት “እዚ ወንጌል [“ብስራት:” NW ] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ።—ማቴዎስ 24:3, 14
2 እቲ ኻልኣይ መዳይ ናይዚ ዕዮ እዚ ነቶም ንኣዋጅ ናይታ መንግስቲ ጽቡቕ ምላሽ ዘርኣዩ ሰባት ምምሃር ዘጠቓልል ኢዩ። የሱስ ድሕሪ ትንሳኤኡ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ጕጅለ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” (ማቴዎስ 28:19, 20) ‘ትእዛዛት [ክርስቶስ]’ ካብኡ ዝመነጨ ኣይኰነን፣ ንሱ ንኻልኦት ትእዛዛት ኣምላኽ: ወይ እቲ ኣምላኽ ብርህቲዝደልዮ ነገራት ኢዩ ምሂርዎም። (ዮሃንስ 14:23, 24፣ 15:10) ስለዚ ንኻልኦት ‘ትእዛዛት [ክርስቶስ]’ ምምሃር: እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ክፈልጡ ምሕጋዝ ዘጠቓልል ኢዩ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ናይታ መንግስቱ ተገዛእቲ ምእንቲ ክዀኑ ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ክሰማምዑ ኣለዎም።
3. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብስራት ኢዩ ዘብሎኸ እንታይ ነገር ክትፍጽም ኢያ፧
3 መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ብስራት ኢዩ ዘብሎኸ እንታይ ነገር ክትፍጽም ኢያ፧ መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት ምምሕዳር ኢያ። ብእኣ ኣቢሉ ካብ ኵሉ ጸርፊ ብምጽራይ ስሙ ዝቕድሰላ ስለ ዝዀነት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ክብርቲ ኢያ። እታ መንግስቲ: የሆዋ ፍቓዱ ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ዝገብረላ መሳርሒት ኢያ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክንጽልን ኣብ ህይወትና ቀዳማይ ቦታ ክንህባን ዘተባብዓና። (ማቴዎስ 6:9, 10, 33) ብዛዕባ መንግስቱ ንኻልኦት ሰባት ክንምህሮም ንየሆዋ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ተረዲእካዶ፧
ጾር ዘይኰነስ ብድሆ ዘቕርብ ዕዮ
4. ነቲ ብስራት ንምስባኽ ዘሎና ግዴታ ጾር ከም ዘይኰነ ብምንታይ ኣብነት ክግለጽ ምተኻእለ፧
4 ነዚ ብስራት እዚ ምስባኽ ጾር ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! ንመረድኢ:- ሓደ ኣቦ ንስድራቤቱ ብስጋዊ መገዲ ክሓሊ ግዴታ ኣለዎ። ነዚ ዘይምግባር ንክርስትያናዊ እምነት ከም ምንጻግ ኢዩ ዝቝጸር። ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) እዚ ግዴታ እዚ ግን ንሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ጾር ድዩ፧ ንስድራቤቱ ዘፍቅርን ክሓልየሎም ድማ ዝደልን እንተድኣ ኰይኑ እዚ ጾር ኣይኰነን።
5. እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ ግዴታ እኳ እንተዀነ: ኣብኡ ንምክፋል ሕጕሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
5 ብተመሳሳሊ: እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ ግዴታ ኢዩ: እወ ህይወትና ኣብኡ እተመርኰሰትሉ ክንገብሮ ዝድለ ነገር ኢዩ። ጳውሎስ ነዚ “ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ: . . . ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ . . . ወይለይ” ብምባል ይገልጾ። (1 ቈረንቶስ 9:16፣ ምስ ህዝቅኤል 33:7-9) ይኹን እምበር: ንኽንሰብኽ ዝድርኸና ግዴታ ዘይኰነስ ፍቕሪ ኢዩ። ብቐዳምነት ንኣምላኽ ኢና እነፍቅሮ: ግናኸ ንጐረባብትና እውን ነፍቅሮም ኢና: እቲ ብስራት ክሰምዑ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ንፈልጥ ኢና። (ማቴዎስ 22:37-39) እታ መንግስቲ ንመጻኢ ተስፋ ትህቦም ኢያ። ዘይፍትሓውነት እተዕሪ: ግፍዒ ዘበለ እተርሕቕ: ከምኡውን ሰላምን ሓድነትን እትመልስ ኢያ: እዚ ዅሉ ድማ ንዘለኣለማዊ በረኸት ናይቶም ንጽድቃዊ መምርሒታታ ዝግዝኡ ሰባት ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ብስራት ንኻልኦት ከነማቕሎ ባህ ኣይብለናንዶ: እወ ብሓጐስ ኣየሰራስረናንዶ፧—መዝሙር 110:3
6. እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ ናይ ሓቂ ብድሆ ዘቕርብ ስለምንታይ ኢዩ፧
6 ምስናይዚ ግን: እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ዕዮ ናይ ሓቂ ብድሆ ዘቕርብ ኢዩ። ሰባት እተፈላለዩ ኢዮም። ኵላቶም ሓደ ዓይነት ተገዳስነትን ክእለትን የብሎምን። ገሊኦም ጽቡቕ ትምህርቲ ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ: ካልኦት ድማ ኣዝዩ ሒደት ትምህርቲ ኢዩ ዘለዎም። ቀደም ምንባብ ባህ ዘብል መሕለፍ ግዜ ኢዩ ነይሩ: ሎሚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ከም ኣሸጋሪ ስራሕ ኢዩ ዝርአ። ኣብተን ዝለዓለ ቍጽሪ ምሁራት ኣሎና ኢለን ዝንየታ ሃገራት እውን ከይተረፈ እቲ “ከተንብብ እናኸኣልካ ከሎኻ ከተንብብ ናይ ዘይምድላይ ባህርይ ወይ ኵነታት” ተባሂሉ ዝግለጽ ኣሊትረሲ: እናወሰኸ ዝኸይድ ግድል ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ: ነቶም ከምዚ ዝበለ እተፈላለየ ኵነታትን ተገዳስነትን ዘለዎም ሰባት እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምእንቲ ክማሃሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧—ምስ 1 ቈረንቶስ 9:20-23 ኣረኣእዮ።
ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብግቡእ እተዓጥቁ
7. ካልኦት ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ንኽማሃሩ ምእንቲ ክንሕግዞም እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብኸመይ ኢዩ ዘዕጥቐና፧
7 ዘድሊ ናውቲ ወይ መሳርሒ እንተድኣ ኣሎካ በዳሂ ዝዀነ ዕዮ ንምፍጻም ዝቐለለ ኢዩ ዝኸውን። ሎሚ ሓደ እተወሰነ ስራሕ ንምፍጻም ምቹእ ዝዀነ መሳርሒ: ጽባሕ ብምኽንያት እቲ ዝለዋወጥ ድሌታት ክተዓራረ ወይ ክትካእ እውን ይኽእል ይኸውን። እዚ ምስቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ዘሎና መዝነት ዝመሳሰል ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ብፍላይ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕያይ ክጠቅም ተባሂሉ እተዳለወ ጽሑፋት: እቲ ግቡእ ናውቲ: ከዳልወልና ጸኒሑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45 NW ) በዚ ኸኣ: “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን . . . ቛንቋታትን” ዝመጹ ሰባት: እቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ክማሃሩ ምእንቲ ክንሕግዞም ክንዕጠቕ ጸኒሕና ኢና። (ራእይ 7:9) ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ምስቲ ኣብ ናይ ዓለም ግራት ዝድለ ለውጥታት ንምስምማዕ ተወሳኺ መሳርሒታት ክዳለወልና ጸኒሑ ኢዩ። ገለ ሒደት ኣብነታት ንርአ።
8. (ሀ) እታ “ለት ጎድ ቢ ትሩ” እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዝርጋሕ እንታይ ግደ ነበራ፧ (ለ) ብ1968 ንዕዮ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትኸውን እንታይ መሳርሒት ተዳለወት: ፍልይቲ ኰይና እተዳለወትከ ብኸመይ ኢያ፧ (ሐ) መጽሓፍ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ዝሓገዘት ብኸመይ ኢያ፧
8 ካብ 1946 ክሳዕ 1968 “ለት ጎድ ቢ ትሩ” እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንምሃብ ሓያል መሳርሒት ብምዃን ዓይያ ኢያ: ብ54 ቋንቋታት 19,246,710 ቅዳሓት ድማ ተሓቲማ ነበረት። እታ ብ1968 ዝወጸት “ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ ” እትበሃል መጽሓፍ: ንብዙሕ ዓመታት ምስ ተገደስቲ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ጠቒማ ኢያ። ቀደም: ገለ ሰባት ከይተጠምቁ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከጽንዑ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። እዛ መሳርሒት እዚኣ ግን: እቲ ተማሃራይ ግዲኡ ንኽገብር እተማህሮ ኣብ ግብሪ ከውዕል ንምትብብዑ እተዳለወት ኢያ ነይራ። እቲ ውጽኢትከ ከመይ ነበረ፧ እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ኣብተን ካብ 1 መስከረም 1968 ጀሚረን ክሳዕ ነሓሰ 31 1971 ዝነበራ ሰለስተ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት ብድምር 434,906 ሰባት ተጠምቁ: እዚ ድማ ካብ ቍጽሪ ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበረ ሰለስተ ናይ ኣገልግሎት ዓመታት እተጠምቁ ሰባት ልዕሊ ዕጽፊ ነበረ!” መጽሓፍ ሓቂ ካብቲ ዝወጸትሉ ግዜ ኣትሒዛ: ብ117 ቋንቋታት ልዕሊ 107,000,000 ቅዳሓት ዘለዎ ዘደንቕ ዝርጋሐ ረኺባ ኢያ።
9. መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር እንታይ ፍሉይ መዳይ ኢዩ ዘለዋ: ኣብ ቍጽሪ ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲኸ እንታይ ጽልዋ ነበራ፧
9 ብ1982 ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል መጽሓፍ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዕያይ ቀንዲ መሳርሒ ብምዃን ጠቒማ ኢያ። እዛ መሳርሒት እዚኣ ልዕሊ 150 ስእላዊ መግለጺታት: ነፍሲ ወከፉ ድማ ክምህሮ ደልዩ ዘሎ ነጥቢ ኣነጺሩ ዘጕልሕ ትርጕም ዘለዎ ስእለ-ጽሑፋት ዝሓዘ ኢዩ። እታ ናይ ጥቅምቲ 1982 ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሕታም ከምዚ ኢላ ነበረት:- “ኣብ ውሽጢ እቲ ዳርጋ 20 ዓመታት ኣቢሉ ዝኸውን ግዜ (ካብ 1946 ክሳዕ መፋርቕ 1960ታት) ‘ለት ጎድ ቢ ትሩ’ (እንግሊዝኛ) ንጽንዓት እትኸውን ቀንዲ መጽሓፍና ነበረት: ልዕሊ 1,000,000 ዝዀኑ ሓደስቲ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ድማ ናብ ማሕበርና ተወሰኹ። ድሕርዚ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ ብ1968 ወጺኣ ጽንዓት እንገብረላ ቀንዲ መጽሓፍና ምስ ኰነት ካልኦት 1,000,000 ኣስፋሕቲ ተወሰኹ። ነዛ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ እትበሃል ሓዳስ ናይ ጽንዓት መጽሓፍና ብምጥቃም ኣብ ቍጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ተመሳሳሊ ምስፍሕፋሕ ክንርኢ ዲና፧ ፍቓድ የሆዋ እንተድኣ ኰይኑ: ብርግጽ ክንርኢ ኢና!” ብርግጽ ከኣ: ፍቓድ የሆዋ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ካብ 1982 ክሳዕ 1995: ኣብ ቍጽሪ ናይቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ ልዕሊ 2,700,000 ሰባት ተወሲኾም ኢዮም!
10. ብ1995 እንታይ ሓዳስ መሳርሒት ኢያ እተዳለወት: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመጠኑ ቅልጡፍ ዝዀነ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ከተኽእሎም ዘለዋኸ ስለምንታይ ኢያ፧
10 የሱስ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም” በለ። (ማቴዎስ 9:37) ብርግጽ: እቲ እኽሊ ብዙሕ ኢዩ። ጌና ብዙሕ ዝዕየ ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ተራ ክጽበዩ ኣለዎም። ስለዚ: ፍልጠት ኣምላኽ ዝያዳ ብቕልጡፍ ምዝርጋሕ ዝብል ዕላማ ብምሓዝ: ኣብ 1995 እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ”: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ 192 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ: ሓዳስ መሳርሒት: ኣዳለወ። እዛ ጠቓሚት ዝዀነት መሳርሒት ኣብ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነታት ኣይተተኵርን ኢያ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ኢያ እተቕርብ። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብመጠኑ ቅልጡፍ ዝዀነ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ከተኽእሎም ተስፋ ተገይሩላ ኣሎ። መጽሓፍ ፍልጠት ብ125 ቋንቋታት እተሓትመ 45,500,000 ቅዳሓት ከምኡውን ጌና ናብቲ ኣብ ዕዮ ዘሎ ተወሳኺ 21 ቋንቋታት ትትርጐም ብምህላዋ ድሮ ኣብቲ ናይ ዓለም ግራት ጽልዋ ትገብር ኢያ ዘላ።
11. ነቶም ዘይተማህሩ ወይ ድኹም ናይ ምንባብ ክእለት ዘለዎም ሰባት ቃል ኣምላኽ ብርህቲ ክትከውንክማሃሩ ንምሕጋዞም እንታይ ኣስላጢት መሳርሒት ኢያ እተዳለወት: ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራምና ዓቢ ግደ ዘበርከተትከ ብኸመይ ኢያ፧
11 በብግዜኡ እቲ ‘እሙን ባርያ’ ንውሱናት ወይ ሒደት ኣንበብቲ ተባሂሉ እተዳለወ ናውቲ የዳሉ ኢዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቶም ብምኽንያት ባህላዊ ወይ ሃይማኖታዊ መበቈሎም ፍሉይ ሓገዝ ከድልዮም ዝኽእል ሰባት እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምእንቲ ክማሃሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ምኸኣልና፧ ብ1982 ብልክዕ እቲ ዘድልየና—ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሓጎሱ! እትበሃል 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር—ረኺብና ኢና። እዛ ብዙሕ ስእላዊ መግለጺታት ዝሓዘት ጽሕፍቲ ነቶም ዘይተማህሩ ወይ ድኹም ናይ ምንባብ ክእለት ዘለዎም ሰባት ኣብ ምምሃር ኣስላጢት መሳርሒት ኰይና ጸኒሓ ኢያ። ብዛዕባ እቲ መሰረታዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ኣዝዩ ፈኲስን ንምርድኡ ድማ ቀሊልን ኣቀራርባ ኢዩ ዘለዋ። ካብቲ ዝወጸትሉ ግዜ ኣትሒዛ እታ ብምንባር ተሓጐሱ እትበሃል ብሮሹር ኣብቲ ዓለምለኻዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራምና ዓቢ ግደ ኣበርኪታ ኢያ። ብ239 ቋንቋታት ልዕሊ 105, 100, 000 ዝኸውን ቅዳሓት ተሓቲማ ኢያ: እዚ ድማ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክሳዕ ሎሚ ካብ ዝሓተመቶ ጽሑፋት ኣዝያ ብብዝሒ እተተርጐመት ጽሕፍቲ ኢዩ ዝገብራ።
12, 13. (ሀ) ነቶም ኣብ ኵሉ ተዘርጊሖም ዘለዉ ኣንበብቲ ንምብጻሕ: ካብ 1990 ኣትሒዙ እቲ ‘እሙን ባርያ’ እንታይ ሓድሽ ኣገባብ ኣዳለወ፧ (ለ) ነቲ ናይ ማሕበር ቪድዮ ካሴታት ኣብ ግራት ኣገልግሎትና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ምኸኣልና፧ (ሐ) ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ምእንቲ ክትሕግዘና ኣብዚ ቀረባ እንታይ ሓዳስ መሳርሒት ኢያ እተዳለወትልና፧
12 ‘እቲ እሙን ባርያ’ ካብ 1990 ጀሚሩ ኣብ ርእሲ እቲ እተሓትመ ጽሑፋት: እቲ መልእኽቲ ነቶም ኣብ ኵሉ ተዘርጊሖም ዘለዉ ተመልከትቲ ብርህቲ ንምግባራንምብጻሕ ዝጠቅም ሓድሽ ናይ መምሃሪ መገዲ—ቪድዮ ካሴታት—ኣዳልዩልና ኢዩ። ኣብ ጥቅምቲ ናይታ ዓመት እቲኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ ናይ 55 ደቒቕ ቪድዮ ካሴት ወጸት: እዛ ቪድዮ ካሴት እዚኣ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ንመጀመርታ ግዜ እተዳለወት ኢያ ነይራ። እቲ ውቁብን ሓበሬታ ዘመሓላልፍን ኣቀራርባ: ብ35 ቋንቋታት ክርከብ ዝኽእል ኢዩ: እቲ ፊልም ድማ ነቲ የሱስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክእወጅ ዝኣዘዞ ብስራት እትፍጽሞ ዘላ ዓለምለኻዊት ማሕበር ናይቶም ውፉያት ህዝቢ የሆዋ ኢዩ ዘርኢ። እዛ ቪድዮ ካሴት ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ክትሕግዘና ተባሂላ ኢያ ብፍላይ ተዳልያ። ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ነዛ ሓዳስ መሳርሒት ብቕልጡፍ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ተጠቒሞምላ ኢዮም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ ንተገደስቲ ሰባት ከርእይዋ ወይ ከለቅሕዋ ቅሩባት ንምዃን ኣብቲ ናይ መጻሕፍቲ ቦርሳኦም ይማልእዋ ኢዮም። ድሕሪ ምውጽኣ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣብዚ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ቪድዮታት ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን ሚልዮናት ሰባት እትበጽሓሉ ሜላ ኰይኑ ኣሎ: ስለዚ እዛ ቪድዮ ካሴት እዚኣ ካብቲ ማሕበር ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይታ መንግስቲ ንምስፋሕ እትጥቀመሉ ቪድዮ ካሴታት ናይ መጀመርታ ጥራይ ክትከውን ተስፋና ኢዩ።” ብርግጽ: ነተን መጽሓፍ ቅዱስ—መጽሓፍ ሓቅን ትንቢትን (እንግሊዝኛ) እተባህላ ሰለስተ ተኸታተልቲ ክፍልታት ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንጻር መጥቃዕቲ ናዚ ጸኒዖም ቈሙ (እንግሊዝኛ) ሓዊስካ ተወሳኺ ቪድዮ ካሴታት ተዳልዩ ኢዩ። ናይ ማሕበር ቪድዮ ካሴታት ብቛንቋኻ ክርከብ ዝከኣል እንተድኣ ኰይኑ: ኣብ ግራት ኣገልግሎትካ ተጠቒምካሉዶ፧a
13 ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ምእንቲ ክትሕግዘና: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ሓዳስ መሳርሒት: ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ተዳልያትልና ኢያ። ስለምንታይ ኢያ ተሓቲማ፧ ብኸመይከ ምተጠቐምካላ፧
ንሓዳስ መሳርሒት ምምርማር
14, 15. ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ንመን ተባሂላ ኢያ ተዳልያ: ትሕዝቶኣኸ እንታይ ኢዩ፧
14 እዛ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እትበሃል ሓዳስ ብሮሹር ነቶም ድሮ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምኑን ንመጽሓፍ ቅዱስ ክብሪ ዘለዎምን ሰባት ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ኣብተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ናይ ብዙሕ ዓመታት ተመክሮ ዘለዎም ገየሽቲ ተዓዘብትን ኣብ ጊልዓድ እተለማመዱ ሚስዮናውያንን ኣብ ምድላው ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ሓጊዞም ኢዮም። ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሽፍን ንመጽናዕቲ ዝኸውን እተማልአ ትምህርቲ ኢያ እትህብ። እቲ ኣጸሓሕፋኣ ደስ ዘብል: ቀሊል ከምኡውን ቀጥታዊ ኢዩ። ምስናይዚ ግን: እቲ ጥቕስታት ኣዝዩ ቐሊል ብዝዀነ መገዲ ኣይቀረበን። “ጸባ” ጥራይ ዘይኰነስ: ዝበዝሑ ሰባት ምርድኡ ክኽእሉ ዘለዎም ናይ ቃል ኣምላኽ “ዕጹም ብልዒ” እውን ተቕርብ ኢያ።—እብራውያን 5:12-14
15 ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘለዉ ናይታ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ልክዕ ከምዚኣ ዝበለ ጽሑፍ ክሓቱ ጸኒሖም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ፓፑዋ ኒው ጒንያ ዘሎ ጨንፈር ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሰባት ኣብ ንሓድሕዱ ብዝጋጮ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ተደናጊሮም ኢዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ርእዮም ከረጋግጽዎ ዝኽእሉ ብብዝሕ ዝበለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት እተደገፈ ንሓቂ ዝምልከት ንጹር ሓሳባት የድልዮም ኢዩ። ኣምላኽ ካብ ሓቀኛታት ክርስትያናት ዝደልዮ ነገራት: ነየናይ ልምድታትን ተግባራትን ድማ ከም ዘይቅበሎ ዘርኢ ንጹርን ሓጺርን ኣቀራርባ የድልዮም ኢዩ።” እዛ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ብሮሹር ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ንኽማሃሩ ብልክዕ እተድልየና ጽሕፍቲ ኢያ። ብርህቲ ክትከውን
16. (ሀ) ካብቲ ኣብዛ ሓዳስ ብሮሹር ዘሎ ቀሊል መግለጺታት ብፍላይ መን ኢዩ ክጥቀም ዝኽእል፧ (ለ) እቶም ኣብ ዞባኻ ዘለዉ ሰባት ካብዛ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ብሮሹር ብኸመይ ክጥቀሙ ምኸኣሉ፧
16 ነዛ ሓዳስ መሳርሒት ብኸመይ ምተጠቐምካላ፧ ቀዳማይ: ምስቶም ናይ ምንባብ ጸገም ዘለዎም ወይ ናይ ምንባብ ዝንባለ ዘይብሎም ሰባት ንኸነጽንዕ ክትጠቅም ትኽእል ኢያ።b ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ካብቲ ኣብዛ ብሮሹር ዘሎ ቀሊል መግለጺታት ክጥቀሙ ይኽእሉ ኢዮም። ኣቐዲሙ እተላእከለን ቅዳሕ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ምስ ኣንበባ: ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት እዚ ዝስዕብ ጸሓፋ:- “እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣብቲ ብዙሕ ናይ ምንባብ ዝንባለ ዘይብሎም ሰባት ዝርከብሉ ክፍልታት እዛ ሃገር ኣዝያ ክትጠቅም ኢያ።” (ብራዚል) “ናይ ዓዶም ቋንቋታት ከንብቡ ዘይክእሉ: ቋንቋ ፈረንሳ ከንብቡ ድማ ቅሩብ ጸገም ዘለዎም ብዝሕ ዝበሉ ስደተኛታት ኣለዉ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ጽንዓት ኣብ ምግባር ከም ሓጋዚት ገይርካ ክትጥቀመላ ይከኣል ይኸውን።” (ፈረንሳ) ኣብ ዞባኻ ካብዛ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ብሮሹር ክጥቀሙ ይኽእሉ ይዀኑ እትብሎም ሰባት ክትሓስብዶ ምኸኣልካ፧
17. ኣብ ብዙሓት ሃገራት እዛ ሓዳስ ብሮሹር ብኸመይ ኢያ ኣብ ጥቕሚ ክትውዕል እትኽእል: ስለምንታይከ፧
17 ካልኣይ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት እዛ ብሮሹር ክሳዕ ክንደይ እተማህሩ ምዃኖም ብዘየገድስ ምስቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ጠቓሚት ክትከውን ትኽእል ኢያ። በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ገይርካ ጽንዓት ንምጅማር ጻዕሪ ክግበር ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግን ብብሮሹር ገይርካ ጽንዓት ምጅማር ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድሕርዚ ኣብቲ ዝምችእ እዋን: እቲ ጽንዓት ናብ መጽሓፍ ፍልጠት: እታ ቀንድን ተመራጺትን ዝዀነት: ናይ ጽንዓት ሓገዝና ክሰጋገር ኣለዎ። ነዛ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ብሮሹር እትህቦ ጥቕሚ ኣመልኪተን ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ኢለን ጸሓፋ:- “ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማር ኣሸጋሪ ኢዩ: ኣስፋሕቲ ብሮሹር ገይሮም ምስ ጀመሩ እቲ ጽንዓት ናይ ምጅማር ኣጋጣሚታት ዝሓሸ ይመስል።” (ጀርመን) “ከምዚ ዝዓይነቱ ብሮሹር መጽሓፍ ፍልጠት ገይርካ ክቕጸል ዝከኣል ሓደስቲ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣዝዩ ኣስላጢ ክኸውን ኢዩ።” (ኢጣልያ) “ጃፓናውያን ዘለዓለ ደረጃ ትምህርቲ እኳ እንተለዎም: መብዛሕትኦም ኣዝዩ ውሱን ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስን መሰረታዊ ትምህርትታቱን ኢዩ ዘለዎም። እዛ ብሮሹር ናብ መጽሓፍ ፍልጠት ጽብቕቲ መሳገጋሪት እምኒ ክትከውን ኣለዋ።”—ጃፓን
18. ብዛዕባ ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምስምማዕ እንታይ ኢና ክንዝክር ዘሎና፧
18 ኣብ መላእ ምድሪ ዝርከባ ናይ ማሕበር ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈት እዛ ብሮሹር እዚኣ ክትህልወን ሓቲተን ኢየን: ናብ 221 ቋንቋታት ክትትርጐም ድማ ፍቓድ ረኺባ ኣላ። እዛ ሓዳስ ጽሕፍቲ እዚኣ ካልኦት ነቲ ኣምላኽ ካብኦም ዝደልዮ ነገር ክማሃሩ ምእንቲ ክንሕግዞም እትጠቕመና ይግበራ። ብወገንና ድማ: ምስቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ነገር ምስምማዕ ምስቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ትእዛዝ እውን ሓዊስካ ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ ንምርኣይ ኣጋጣሚ ከም ዝህበና ንዘክር። እወ: እቲ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ነገር ጾር ኣይኰነን። ንምንባር ዝኸውን ዝበለጸ መገዲ ኢዩ!—መዝሙር 19:7-11
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ትብል:- “ቪድዮ ካሴታት ንቦታ ጽሑፋት ወይ ብሕታዊ ምስክርነት ኣይትክኦን ኢዩ። ናይ ማሕበር ጽሑፋት ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ግደ ምብርካት ክቕጽል ኢዩ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ጽኑዕ መሰረት ዘለዎ ቅዱስ ጽሑፋዊ መዳይ ናይ ኣገልግሎቶም ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ። ይኹን እምበር: ቪድዮ ካሴታት ኣብቲ ናይ የሆዋ ክቡር መብጽዓታት እምነት ንምዅስኳስ ከምኡውን ነቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ዝገብሮ ዘሎ ነገር ሞሳ ንምልዕዓል ነዚ እተፈላለየ መዳይ ናይቲ ኣገልግሎት ከም ጠቓሚ ናውቲ ብምዃን ይድግፍ ኢዩ።”
b በዛ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ብሮሹር ከመይ ገይርካ ጽንዓት ከም እትመርሕ መግለጺ ንምርካብ: ነታ ኣብ ገጽ 16, 17 ዘላ “ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ምእንቲ ክማሃሩ ንምሕጋዞም እትኸውን ሓዳስ መሳርሒት” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ የሆዋ ህዝቡ ኣበየናይ ድርብ ዕዮ ክካፈሉ ኢዩ ዝደልዮም፧
◻ ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ክንገብርን ዘሎና ግዴታ ጾር ዘይኰነና ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣብቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮና እንጥቀመሉ እንታይ ናውቲ ኢዩ ዘዳለወልና፧
◻ ኣምላኽ ዝደልዮ እትበሃል ብሮሹር ንመን ተባሂላ ኢያ ተዳልያ: ኣብ ኣገልግሎትናኸ ብኸመይ ክንጥቀመላ ምኸኣልና፧
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን ጾር ኣይኰነን
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]
“ለት ጎድ ቢ ትሩ” (1946 እንደገና ብ1952 እተሓትመት )፣ 19,250,000 ቅዳሓት ብ54 ቋንቋታት
“ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ” (1968)፣ 107,000,000 ቅዳሓት ብ117 ቋንቋታት (ብቛንቛ ፈረንሳ)
“ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ” (1982)፣ 80,900,000 ቅዳሓት ብ130 ቋንቋታት (ብቛንቛ ሩስያ)
“ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት” (1995)፣ 45,500,000 ቅዳሓት ብ125 ቋንቋታት (ብቛንቛ ጀርመን)