ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/11 ገጽ 8-9
  • ዳንኤል ብዘይ ምቍራጽ ንኣምላኽ ኣገልገለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዳንኤል ብዘይ ምቍራጽ ንኣምላኽ ኣገልገለ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተንኰል ዘለዎ ውጥን
  • ዳንኤል ጸኒዑ ቀጸለ
  • ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
  • ካብ ምንጋጋ ኣናብስ ድሒኑ!
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/11 ገጽ 8-9

ፍቓድ የሆዋ ገይሮም

ዳንኤል ብዘይ ምቍራጽ ንኣምላኽ ኣገልገለ

ጕዕዞ ታሪኽ ብሓንቲ ለይቲ ክቕየር ልሙድ ኣይኰነን። እዚ ግን: ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ግዝኣት ባቢሎን ብሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ምስ ተገልበጠ ተራእዩ ኢዩ። ኣብቲ ዓመት እቲ: ነብዪ የሆዋ ዝነበረ ዳንኤል ከም ኣይሁዳዊ ምርኮኛ ዀይኑ ኣብ ባቢሎን ካብ ዝነብር ዳርጋ 80 ዓመታት ኰይኑ ነበረ። ዳንኤል ኣብ 90ታት ዕድሚኡ ኣቢሉ ምስ በጽሐ: ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ፈተናታት ናይቲ ንኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና ኣብ ምግጣም ገጹ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ምውዳቕ ባቢሎን: ንዳንኤል ነገራት ጽቡቕ ዝኸድሉ መሰለ። እቲ ሓድሽ ንጉስ: ንዳንኤል ብጽቡቕ ዝርእዮ ዝነበረ ወዲ 62 ዓመት ዳርዮስ ሜዶናዊ ነበረ። ካብቶም ዳርዮስ ከም ንጉስ መጠን ዝገበሮም ቀዳሞት ተግባራት ሓደ: 120 መሳፍንቲ ምሻምን ንሰለስተ ሰባት ናብ መዓርግ ናይ ዝልዓለ ስልጣን ክብ ምባልን ኢዩ ነይሩ።a ዳንኤል ካብቶም ብጽቡቕ እተራእዩ ሰለስተ ሰባት ሓደ ነበረ። ዳርዮስ ናይ ዳንኤል ፍሉይ ዓቕሚ ብምስትብሃል: ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ቦታ ከይተረፈውን ንኽህቦ መደብ ነበሮ! ይዅን እምበር: ሽዑ ናይቲ ንጉስ ውጥናት ብሃንደበት ዝቐየረ ነገር ኣጋጠመ።

ተንኰል ዘለዎ ውጥን

እቶም ብጾት ዳንኤል ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣናት: ምስ ዓቢ ጕጅለ ናይ መሳፍንቲ ኰይኖም ውዲት ዘለዎ ሓሳብ ሒዞም ናብ ንጉስ ቀረቡ። ንዳርዮስ ከኣ “በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን: ዎ ንጉስ: ንኣኻ እንተ ዘይኰይኑ: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ” ብምባል ፍሉይ ሕጊ ከቕውም ለመንዎ። (ዳንኤል 6:⁠7) ዳርዮስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንዕኡ ዘለዎም ተኣማንነት ዝገልጹ ዘለዉ መሲልዎ ክኸውን ይኽእል። ብተወሳኺ ኸኣ ባዕዳዊ ገዛኢ ስለ ዝነበረ ከም ርእሲ ናይቲ ግዝኣት ስልጣኑ ዘደልድለሉ መገዲ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ክኸውን ይኽእል።

ይኹን እምበር: እቶም ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣናትን መሳፍንትን እዚ ኣዋጅ እዚ ክወጽእ ሓሳብ ዘቕረቡ ነቲ ንጉስ ሓልዮም ኣይኰኑን። ንሳቶምሲ: “ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኪረኽቡሉ ደለዩ: ግናኸ እሙን ነበረ: ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ኸኣ ሰአኑሉ እሞ: ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ኺረኽቡሉ ከቶ ኣይከአሉን።” ስለዚ ድማ እዞም ተንኰለኛታት ሰባት እዚኣቶም “ነዚ ዳንኤልሲ: በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ ምኽንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና” ኢሎም ተማኸሩ። (ዳንኤል 6:⁠4, 5) ዳንኤል ናብ የሆዋ መዓልቲ⁠-​መዓልቲ ከም ዝጽሊ ስለ ዝፈልጡ: ነዚ ብሞት ዘቕጽዕ በደል ክገብርዎ ደለዩ።

እዞም ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣናትን መሳፍንትን ኣብ ዳንኤል ናይ ጽልኢ ስምዒት ክሓድሮም ዝኸኣለሉ ምኽንያት: ምናልባት ንሱ ‘ብሉጽ መንፈስ ሓዲርዎ ነበረ እሞ: ካባታቶም ብምብላጹ: እቲ ንጉስ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ከርእሶ ምሕሳቡ’ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዳንኤል 6:⁠3) ዳንኤል ሓቀኛ ብምንባሩ ኣብ ልዕሊ ብልሽውናን ምድንጋርን ንሳቶም ዘይደልይዎ እገዳ ፈጢሩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል። እቲ ጉዳይ እንታይ ከም ዝነበረ ብዘየገድስ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ንጉስ ኣእሚኖም እቲ ኣዋጅ ከም ክፍሊ ናይቲ “ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን” ኣፈረምዎ።​—⁠ዳንኤል 6:⁠8, 9

ዳንኤል ጸኒዑ ቀጸለ

ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሕጊ ምስ ፈለጠ: ናብ የሆዋ ምጽላይ ኣቋሪጹዶ፧ ፈጺሙ ኣየቋረጸን! ኣብ ደርቢ ናይ ቤቱ ኰይኑ “ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ” ተንበርኪኹ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ጸለየ። (ዳንኤል 6:⁠10) እናጸለየ ኸሎ ኸኣ: ጸላእቱ “ተአኻኸቡ: ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን ከሎ ኸኣ ረኸብዎ።” (ዳንኤል 6:⁠11) እቲ ጕዳይ ናብ ንጉስ ምስ ኣቕረብዎ: ዳርዮስ እቲ ዝፈረመሉ ሕጊ ንዳንኤል ዝትንክፍ ከም ዝዀነ ምስ ፈለጠ ጐሃየ። “ጸሓይ ክሳዕ እትዐርብውን: ኬድሕኖ ተጋደለ:” ብምባል እቲ ጸብጻብ ይነግረና። እንተዀነ ግን እቲ ንጉስውን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ዝሓገጎ ሕጊ ክስርዞ ኣይክእልን ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: ዳንኤል ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ: ማለት ናብ ሓደ ዓሚቝ ወይ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝነበረ ቦታ ተወስደ። እቲ ንጉስ “እቲ ዅሉ ጊዜ [“ብዘይ ምቍራጽ:” NW] እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ” ብምባል ንዳንኤል ኣረጋገጸሉ።​—⁠ዳንኤል 6:⁠12-⁠16

ከይደቀሰን ጸይሙን ድሕሪ ምሕዳሩ: ዳርዮስ ናብቲ ጕድጓድ ጐየየ። ዳንኤል ህያውን ጥዑይን ነበረ! ሽዑ ናይቲ ንጉስ ስጕምቲ ቅልጡፍ ኢዩ ነይሩ። ንጸላእቲ ዳንኤልን ስድራቤቶምን ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ብምድርባይ ቀጽዖም። ብተወሳኺ ዳርዮስ ንብዘሎ ግዝኣቱ “ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ [ኣምላኽ ዳንኤል] የንቀጥቅጡን ይፍርሁን” ኢሉ ኣዘዘ።​—ዳንኤል 6:⁠17-⁠27

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

ዳንኤል ናይ ተኣማምንነት ሰናይ ኣብነት ኢዩ ነይሩ። ዋላ እቲ ንየሆዋ ዘየምልኽ ዝነበረ ንጉስ እውን ከይተረፈ: ዳንኤል “ብዘይ ምቍራጽ” ንኣምላኽ ከም ዘገልገለ ኣስተውዒሉ ኢዩ። (ዳንኤል 6:⁠16, 20) እታ “ዘይምቁራጽ” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ ኣረማይስጢ ሱር ቃል “ኣብ ዓንኬል ምዛር” ማለት ኢያ። ናይ ቀጻልነት ሓሳብ ከኣ ተመሓላልፍ። ኣየ እዝስ ነቲ ዳንኤል ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ዘይተበላሸወ ንጽህና ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣገላልጻ ኰን ኢዩ!

ዳንኤል ነዚ ከየቋረጸ ዝኽተሎ ዝነበረ መገዲ: ቅድሚ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ምድርባዩ ነዊሕ ይገብር ኢዩ ጀሚርዎ። ከም ምሩኽ መንእሰይ ኣብ ባቢሎን ከሎ: ነቲ ብሕጊ ሙሴ እተኸልከለ ወይ ብኣረማዊ ጽንብል ዝረኸሰ መግብን መስተን ከይበልዕ ኣብዩ ኢዩ። (ዳንኤል 1:⁠8) ዳሕራይ ከኣ: ንንጉስ ነቡካድነጻር ናይ ባቢሎን ብትብዓት ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ኣፍሊጥዎ ኢዩ። (ዳንኤል 4:⁠19-⁠25) ሒደት ሰዓታት ቅድሚ ውድቀት ባቢሎን ከኣ: ዳንኤል ከይፈርሀ ንንጉስ ቤልሻጽር ፍርዲ ኣምላኽ ኣዊጁሉ ኢዩ። (ዳንኤል 5:⁠22-⁠28) ስለዚ ዳንኤል ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ ኸሎ: ኣብቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ናይ ተኣማንነት መገዲ ኢዩ ቀጺሉ።

ንስኻውን ብዘይ ምቍራጽ ንየሆዋ ከተገልግሎ ትኽእል ኢኻ። መንእሰይ ዲኻ፧ ስለዚ እምበኣር: ናይዛ ዓለም እዚኣ ሕማቕ ምሕዝነትን ዘባላሹ ጠባይን ብምንጻግ ብዘይ ምቍራጽ ዝቕጽል መገዲ ንኸተማዕብል ሕጂ ስጕምቲ ውሰድ። ንገለ ግዝያት ንኣምላኽ እተገልግል ዘሎኻ እንተድኣ ኴንካ ኸኣ: ብተኣማንነት ናይ ምጽማም መገዲ ሓዝ። ነፍሲ ወከፍ ዘጋጥመና ፈተና ንየሆዋ ብዘይምቍራጽ ከነገልግሎ ከም ዝወሰንና እነርእየሉ ኣጋጣሚ ስለ ዝህበና: ተስፋ ኣይትቝረጽ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠11-⁠13

[እግረ-ጽሑፍ]

a እታ መስፍን ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ቃል (ቃል ብቓሉ “ተኸላኻሊ መንግስቲ” ማለት እዩ) ብንጉስ ፋርስ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣውራጃ ዝልዓለ ገዛኢ ኰይኑ ንኸገልግል: እተሾመ ኣመሓዳሪ እተመልክት ኢያ። ከም ወግዓዊ ወኪል ናይ ንጉስ መጠን: ቀረጽ ንኽእክብን ንቤተ መንግስቲ ዝኽፈል ግብሪ ክልእኽን ሓላፍነት ነበሮ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ