ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/5 ገጽ 8-9
  • ብትብዓት እተዛረበት ንእሽቶ ጓል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብትብዓት እተዛረበት ንእሽቶ ጓል
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብድፍረት ንምዝራብ ዝነበራ ትብዓት
  • ናይ ንእማን ምሕዋይ
  • ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ
  • ክትሕግዝ ደለየት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ነቓጽ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ተኣዘዘ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሓንቲ ምርኽቲ ጓል ብትብዓት ተዛረበት
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/5 ገጽ 8-9

ፍቓድ የሆዋ ገይሮም

ብትብዓት እተዛረበት ንእሽቶ ጓል

ኣብ ዓስራይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: ኣብ መንጎ እስራኤልን ሶርያን ርሱን ጽልኢ ነበረ። ውግእ ኣዝዩ ዝውቱር ስለ ዝነበረ: ብዘይ ዓመጽ ሰለስተ ዓመት ምሕላፉ: ኣብ መዝገብ ታሪኽ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ።​—1 ነገስት 22:1

ኣብቲ እዋን እቲ ብፍላይ ዘፍርሁ ዝነበሩ: እቶም ሶርያውያን ዘረፍቲ ጭፍራታት: ገሊኦም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ወትሃደራት ዝሓዙ: ኢዮም ነይሮም። እዞም ተዋጋእቲ እዚኣቶም: ንብዙሓት​—⁠ቈልዑውን ከይተረፈ​—⁠ብምዝራፍን ባሮት ብምግባርን ንእስራኤላውያን ይወሩዎምን ይዘምቱዎምን ነበሩ።

ኣብ ሓደ ወራር: ሓንቲ “ንእሽቶ ጓል” ካብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ስድራቤታ ተመንዚዓ ብዘይምሕረት ተወስደት። (2 ነገስት 5:⁠2) ናብ ሶርያ ምስ ተወስደት: ኣብ መንጐ እቶም ዘፍርሑን ዘይትፈልጦምን ኰይኖምዋ ክዀኑ ዝኽእሉ: ንጸሓይ: ወርሒ: ከዋኽብቲ: ኣግራብ: ኣታኽልቲ: አረ ኣእማን እውን ከይተረፈ ዘምልኹ ህዝቢ ክትነብር ተገደደት። ኣየ እዚኣቶምሲ ካብቶም ነቲ ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ የሆዋ ዘምልኹ ዝነበሩ ስድራቤታን መሓዙታን ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ኰን ኢዮም ነይሮም! ይኹን እምበር: ኣብዚ ዘይትፈልጦ ከባቢውን ከይተረፈ: እዛ ጓል እዚኣ: ንኣምልኾ የሆዋ ዝምልከት ዘገርም ትብዓት ኣርእያ ኢያ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ንህይወት ናይቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሶርያ ዘገልግል ዝነበረ ፍሉጥ ብዓል ስልጣን ለዊጣቶ ኢያ። እስከ ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበረቶ ንርአ።

ብድፍረት ንምዝራብ ዝነበራ ትብዓት

እታ ንእሽቶ ጓል ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ስማ ኣይተጻሕፈን። ንሳ ንሰበይቲ ንእማን: እቲ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ቤን-ሃዳድ ካልኣይ ጅግና ሓለቓ ሰራዊት ዝነበረ: ኣገልጋሊታ ኰነት። (2 ነገስት 5:⁠1) ሽሕ’ኳ ንእማን ኣዝዩ ክቡር እንተነበረ: እቲ ዝጽላእ ሕማም ለምጺ ነበሮ።

ንሰበይቲ ንእማን ምናልባት እቲ ናይታ ጓል ክብሪ ዘለዎ ኣቀራርባ: ከም እትኣምና ገይርዋ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እታ ሰበይቲ ነታ ጓል ‘ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ለምጻማት እንታይ ኢዩ ዝግበረሎም፧’ ኢላ ሓቲታታ ክትከውን ትኽእል ኢያ። እዛ እስራኤላዊት ኣገልጋሊት ብትብዓት “ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዚህሉ: ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ:” ኢላ ንኽትገልጸላ ኣይሓፈረትን።​—⁠2 ነገስት 5:⁠3

እዘን ናይዛ ጓል ቃላት እዚኣተን: ከም ናይ ቍልዕነት ሕልሚ ገይርካ ብምርኣይ ኣይተነጽጋን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ: እቲ ሓሳባት ናብ ንጉስ ቤን-ሃዳድ ቀሪቡ: ንሱ ድማ ንንእማንን ካልኦትን ነዚ ነብዪ እዚ ክደልይዎ 150 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ናብ ሰማርያ ሰደዶም።​—⁠2 ነገስት 5:⁠4, 5

ናይ ንእማን ምሕዋይ

ንእማንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ካብ ቤን⁠-​­ሃዳድ እተላእከት ደብዳበን ብዝሕ ዝበለ ናይ ገንዘብ ህያብን ሒዞም ናብ ዮራም ንጉስ እስራኤል ከዱ። እቲ ምራኽ ዘምልኽ ዝነበረ: ንጉስ ዮራም: ኣብ ነብዪ ኣምላኽ ከምቲ እታ ጓል ዘርኣየቶ እምነት ዘይምርኣዩ ኣየገርምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እኳ ድኣ: ንእማን ነገር ደልዩ ከም ዝመጾ ገይሩ ሓሰበ። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝዀነ ኤልሳእ: ዮራም ከመይ ከም እተረድኦ ምስ ሰምዐ: እቲ ንጉስ ንንእማን ናብ ቤቱ ክልእኮ ቀልጢፉ ልኡኽ ሰዲዱ ሓተቶ።​—⁠2 ነገስት 5:⁠6-8

ንእማን ኣብ ቤት ኤልሳእ ምስ በጽሐ: እቲ ነብዪ ልኡኽ ሰዲዱ “ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሐጸብ: እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ: ክትጸሪውን ኢኻ” በሎ። (2 ነገስት 5:⁠9, 10) ንእማን ተቘጥዐ። ብትእምርትን ብዝርአ ክብሪ ዘለዎ ኣገባብን ገይሩ ከሕውዮ ብምጽባይ ድማ “ካብ ኵሉ ማያት እስራኤልሲ: እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን፧ ኣብኡ ተሐጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧” ኢሉ ሓተተ። ንእማን ኰርዩ ካብ ቤት ኤልያስ ተመልሰ። ግናኸ ኣገልገልቱ ምስ ኣረድእዎ: ኣብ መወዳእታ ተዓጻፍነት ኣርኣየ። ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ግዜ ምስ ተሓጽበ “ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ: ጸረየውን።”​—2 ነገስት 5:​11-​14

ንእማን ናብ ኤልሳእ ተመሊሱ “እንሆ: ሕጅስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከም ዜልቦ ፈለጥኩ” በለ። ንእማን “ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር: ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ” ኢሉ መሓለ።​—⁠2 ነገስት 5:​15-​17

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

ሓንቲ ንእሽቶ ኣገልጋሊት ጓል ብትብዓት እንተ ዘይትዛረቦ ነይራ: ንእማን ናብ ነብዪ ኤልሳእ ኣይምኸደን ነይሩ። ሎሚውን ብዙሓት መንእሰያት ተመሳሳሊ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ኣብ ቤት ትምህርቲ: በቶም ንኣምላኽ ንምግልጋል ተገዳስነት ዘይብሎም መንእሰያት ኢዮም ተኸቢቦም ዘለዉ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ዝኣምንዎ ብትብዓት ይዛረቡ ኢዮም። ገሊኣቶም ኣዝዮም ናእሽቱ ከለዉ ኢዮም ዝጅምርዎ።

ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ኣሊግዛንድራ እትበሃል ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ንርአ። ቤት ትምህርቲ ምስ ጀመረት: ኣዲኣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣምንዎ እምነት ንኽትገልጸላ ምስታ መምህር ቈጸራ ገበረት። ይኹን እምበር: ኣዲኣ ንኣሊግዛንድራ ምስ መጸት ካብ ምግራም ሓሊፋ እትገብሮ ኣይነበራን። እታ መምህር “ምስ መብዛሕትኡ እምነታትኩም: ከምኡውን ምስቲ ኣሊግዛንድራ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትገብሮን ዘይትገብሮን ድሮ ሌላ ገይረ ኣሎኹ” በለታ። ኣዲኣ ንኣሊግዛንድራ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካልኦት መሰኻኽር ቈልዑ ስለዘየለዉ: ደንጽይዋ ኢዩ። እታ መምህር “ኣሊግዛንድራ ነጊራትና ኢያ” ኢላ ገለጸትላ። እወ: እዛ ንእሽቶ ጓል እዚኣ ድሮ ምስ መምህራ ሜላ ዘለዎ ምይይጥ ገይራ ነይራ‘ያ።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ብትብዓት ይዛረቡ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ምስቲ ኣብ መዝሙር 148:⁠12, 13 ዘሎ ሓሳባት ይሰማምዑ ኣለዉ ማለት ኢዩ:- “ኣጕባዝን ጐራዙትን: ዓበይቲ ምስ ናእሽቱ። ስሙ በይኑ ልዑል እዩ: ግርማኡ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ: ንስም እግዚኣብሄር የመስግንዎ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ