ኣብ ግዜ ጽቡቕ ይኹን ኣብ ግዜ ሕማቕ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝሓበሩ
ብሚሸል ሙለርን ባቤት ሙለርን እተዘንተወ
እቲ ሓኪም “ሕማቕ ዜና ክነግረካ: ናብቲ ናይ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊ ናብራኻ ተመሊስካ ምኻድ ረስዓዮ” በለኒ። ናብ ባቤት ሰበይተይ እናጠመተ ድማ “ናይ ጡብ መንሽሮ ኣሎኪ” በላ።
ካብቲ ክንገልጾ እንኽእል ንላዕሊ ቅዝዝ ኢልና ተረፍና። ኣብ ኣእምሮና ብዙሕ ነገራት መጸ። እዛ ግዜ እዚኣ መርመራ ንምግባር ናብ ሓኪም ዝመጻናላ ናይ መወዳእታ ግዜ ጥራይ ክትከውን ኢና ዝሓሰብና። እቲ ናብ ቤኒን: ምዕራብ ኣፍሪቃ መምለሲ ዝዀነና ቲኬት ድሮ ተዓዲጉ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሰሙን ክንምለስ ተስፋ ገይርና ነይርና። ኣብዚ ናይ 23 ዓመታት ሓዳርና ጽቡቕን ሕማቕን ግዜ ኣሕሊፍና ኢና። ሕጂ ግን ድንግርግር ኢሉናን እናፈራህናን እንሆ ኣንጻር መንሽሮ ክንቃለስ ተዳሊና ኣሎና።
ካብ ፈለማ እስከ ንጀምር። ሚሸል ብ1947 ባቤት ድማ ብ1945 ኢና ተወሊድና። ኣብ ፈረንሳ ዓቢና ብ1967 ከኣ ተመርዒና። ኣብ ፓሪስ ንቕመጥ ነበርና። ኣብ መጀመርታ ናይ 1968 ሓደ ንግሆ ባቤት ንስራሕ ክትከይድ ደንጐየት። ሓንቲ ሰበይቲ ናብቲ ማዕጾ መጺኣ ሃይማኖታዊ ብሮሹር ሃበታ፣ ንሳ ድማ ተቐበለታ። ድሕርዚ እታ ሰበይቲ “ምሳኽን ምስ ሰብኣይክን ምእንቲ ክንዘራረብ ምስ ሰብኣየይዶ ክምለስ፧” በለታ።
ባቤት ብዛዕባ ስርሓ ጥራይ ኢያ ትሓስብ ነይራ። እታ ሰበይቲ ክትከደላ ስለ ዝደለየት ከኣ “ሕራይ: ሕራይ” በለታ።
ሚሸል ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ኣይነበረንን: እታ ብሮሹር ኣቓልቦይ ስለ ዝሰሓበቶ ግን ኣንበብኩዋ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልትታት: እታ ሰበይቲ: ጃስሊን ሌምዋን: ምስ ሰብኣያ ክሎድ ተመልሰት። ክሎድ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ክኢላ ኢዩ ነይሩ። ንዅሉ ሕቶታተይ ዝኸውን መልስታት ነበሮ። ተመሰጥኩ ድማ።
“ባቤት ንፍዕቲ ካቶሊክ ኢያ ነይራ: ይኹን እምበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበራን: እዚ ኸኣ ኣብ ኣመንቲ ካቶሊክ ዘይልሙድ ኣይነበረን። ነቲ ቃል ኣምላኽ ክትርእዮን ከተንብቦን ኣዝያ ሕጕስቲ ነበረት። ካብ መጽናዕትና ብዙሓት ካብቶም ድሮ እተማሃርናዮም ሃይማኖታውያን ኣተሓሳስባታት ሓሶት ምዃኖም ተረዳእና። ብዛዕባ እቲ እንማሃሮ ዝነበርና ነገራት ንኣዝማድናን ንኣዕሩኽናን ክንነግሮም ጀመርና። ኣብ ጥሪ 1969 ጥሙቓት መሰኻኽር የሆዋ ኰንና። ሽዑ ደድሕሬና ድማ ካብ ኣዝማድናን ኣዕሩኽና ትሽዓተ ሰባት ተጠምቁ።”
ኣብቲ ሰበኽቲ እተደልይሉ ቦታ ምግልጋል
ደድሕሪ ምጥማቕና ‘ቘልዑት ዝበሃል የብልናን። ስለምንታይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘይንጅምር፧’ ኢልና ሓሰብና። ስለዚ ብ1970 ስራሕ ሓደግናዮ: ፓይነራት ኰንና: ናብታ ኣብ ጥቓ ነቨርስ: ኣብ ማእከል ፈረንሳ እትርከብ መንየለርም ድማ ገዓዝና።
ኣሸጋሪ መደብ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዑ ዝደልዩ ሰባት ክትረክብ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። ዓለማዊ ስራሕ ክንረክብ ስለ ዘይከኣልና: ሒደት ገንዘብ ጥራይ ነበረና። ሓድሓደ ግዜ ድንሽ ጥራይ ንበልዕ ነበርና። ኣብ እዋን ክረምቲ እቲ ሙቐት ትሕቲ ዜሮ ናብ 22 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ይወርድ ነበረ። ነተን ኣብኡ ዘሕለፍናየን እዋናት: እዋን ሾውዓተ ዓባሩ ኣሓ ኢልና ጸዋዕናየን።—ዘፍጥረት 41:3
ይኹን እምበር: የሆዋ ኣናቢሩና ኢዩ። ሓደ ግዜ መግቢ ምስ ወዳእና እቲ ደብዳበ ዘበጻጽሕ ሰብ ካብ ሓብታ ንባቤት እተላእከ ኣጅቦ ዝሓዘ ዓቢ ፓኮ ኣምጽአ። ኣብ ካልእ እዋን ድማ ኣገልግሎት ውዒልና ንገዛ ምስ ተመለስና: 500 ኪሎሜተር ተጓዒዞም ገለ ኣዕሩኽ ክርእዩና ኢሎም መጹ። እዞም ኣዕሩኽ እዚኣቶም እቲ ኵነታት ኣብኡ ክሳዕ ክንደይ ኣሸጋሪ ምዃኑ ብምስማዖም ክልተ ማካይኖም መግቢ መሊኦም ሒዞምልና መጹ።
ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን: ማሕበር ፍሉያት ፓይነራት ክንከውን መዘዘትና። ኣብቲ ዝቐጸለ ኣርባዕተ ዓመታት: ኣብ ነቨርስ: ድሕሪኡ ኣብ ትርዋ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ሞንቲኚ ሌ-ሜዝ ኣገልገልና። ብ1976 ሚሸል ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክኸውን ተመዘዘ።
ክልተ ዓመታት ጸኒሑ: ንናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ትምህርቲ ይወሃበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ከም ሚስዮናውያን ኴንና ንወጻኢ ክንከይድ እትዕድም ደብዳበ ካብ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተቐበልና፣ እታ ደብዳበ ካብ ጫድን ቡርኪና ፋሶን (ሽዑ ኣፐር ቮልታ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ) ክንመርጽ ከም እንኽእል ሓበረትና። ጫድ መረጽና። ሽዑ ንሽዑ ድማ ኣብ ትሕቲ ናይ ታሂቲ ጨንፈር ክንዓዪ ምምዳብና እትነግር ካልእ ደብዳበ በጽሓትና። ናብ ኣፍሪቃ ክንከይድ ኢና ሓቲትና: ይኹን እምበር ናብ ሓንቲ ንእሽቶ ደሴት ተላኣኽና!
ኣብ ደቡብ ፓስፊክ ምግልጋል
ታሂቲ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ እትርከብ ውቅብቲ ትሮፒካዊት ደሴት ኢያ። ኣብኡ ምስ በጻሕና ሚእቲ ዝዀኑ ኣሕዋት ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐበሉና። ናይ ዕንባባ ትንጎ ሒዞም ተቐበሉና: ካብ ፈረንሳ ኣትሒዝና ንነዊሕ ብምጕዓዝና ደኺምና እኳ እንተ ነበርና: ኣዚና ሕጕሳት ነበርና።
ኣብ ታሂቲ ምስ በጻሕና ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ: ኣብ ሓንቲ ናይ ዝነቐጸ ዓካት ጽዕነት ዝመልአት ንእሽቶ ጃልባ ተሰቐልና። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብቲ ሓድሽ መደብና—ኣብ ደሴታት ሞርኮዘስ እትርከብ ደሴት ኖከ ሄቨ—በጻሕና። ኣብታ ደሴት ዳርጋ 1,500 ዝዀኑ ሰባት ኢዮም ዝነብሩ: ይኹን እምበር ኣሕዋት ዝበሃሉ ኣይነበሩን። ንሕና ጥራይ ኢና ነይርና።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ድሑር ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ካብ ካሻስትሩስን ኣርቃይን እተሰርሐት ንእሽቶ ገዛ ንነብር ነበርና። ኤሌክትሪክ ኣይነበረን። ሳሕቲ ዝሰርሕ ናይ ማይ ሻምብቆ ነበረና: እቲ ማይ ግን ረሳሕ ኢዩ ነይሩ። መብዛሕትኡ ግዜ: ማይ ክሃርም ከሎ ኣብ መዕቈሪ እተዋህለለ ማይ ንጥቀም ነበርና። ጽሩግ መገድታት ኣይነበረን: ረሳሕ መገድታት ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
ናብቲ ርሑቕ ቦታታት ናይታ ደሴት ምእንቲ ክንበጽሕ: ኣፍራስ ክንካረ ነበረና። እቲ ኮረሻታት ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ኢዩ ነይሩ: ብፍላይ ነታ ቅድሚ ሕጂ ፈረስ ተወጢሓ ዘይትፈልጥ ባቤት ኣዝዩ ዘይምቹእ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣብ መገዲ ዝወደቐ ኣርቃይ ምእንቲ ክንቈርጸሉ ጐዞሞ ንማላእ ነበርና። ካብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ናብራ ዓቢ ለውጢ ኢዩ ነይሩ።
ኣብቲ ኣኼባ ዝካፈል ክልቴና ጥራይ እኳ እንተ ነበርና: ናይ ሰንበት ኣኼባታት ነካይድ ነበርና። ኣብ መጀመርታ ክልቴና ጥራይ ስለ ዝነበርና እቲ ኻልእ ኣኼባታት ኣይንወስዶን ነበርና። ኣብ ክንድኡ ነቲ ናይ ኣኼባ ጽሑፋት ሓቢርና ነንብቦ ነበርና።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ከምዚ ኢልካ ምቕጻል ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ወሰንና። ሚሸል ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ንባቤት ‘ብግቡእ ክንክደን ኣሎና። ኣነ ኣብዚ ኮፍ እብል ንስኺ ድማ ኣብቲ ኮፍ ትብሊ። ብጸሎት እጅምር: ድሕርዚ ድማ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ንወስድ። ኣብታ ክፍሊ ንበይንኺ እኳ እንተ ዀንኪ ኣነ ሕቶታት ክሓትት ኢየ ንስኺ ድማ ክትምልሲ ኢኺ’ በልኩዋ። እቲ ዝገበርናዮ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ጉባኤ እንተድኣ ዘየሎ ብመንፈስ ዝንጉዕ ክትከውን ቀሊል ኢዩ።”
ሰባት ናብቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ክመጹ ነዊሕ ግዜ ወሰደ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሾመንተ ኣዋርሕ ክልቴና ጥራይ ነበርና። ጸኒሑ: ሓደ: ክልተ: ወይ ድማ ሓድሓደ ግዜ ሰለስተ ክሓብሩና ጀመሩ። ሓደ ዓመት ክልቴና ጥራይ ነቲ ናይ ድራር ጐይታ ዓመታዊ በዓል ጀመርናዮ። ድሕሪ ዓሰርተ ደቓይቕ: ሒደት ሰባት መጹ: በዚ ድማ ነቲ ዝርርብ ኣቋሪጸ እንደገና ጀመርክዎ።
ሎሚ: ኣብ ደሴታት ሞርኮዘስ 42 ኣስፋሕትን 3 ጉባኤታትን ኣለዋ። ሽሕ’ኳ ዝዓበየ ክፍሊ ናይቲ ዕዮ በቶም ድሕሬና ኣብቲ ቦታ ዝመጹ ኣሕዋት እንተ ተገብረ: ካብቶም ሽዑ ዘዘራረብናዮም ገለ ሰባት ሕጂ ተጠሚቖም ኢዮም።
ኣሕዋትና ክቡራት ኢዮም
ኣብ ኖከ ሄቨ ትዕግስቲ ተማሂርና ኢና። እቲ ኣዝዩ መሰረታዊ ዝዀነ ነገራት እንተ ዘይኰይኑ ንነፍሲ ወከፍ ነገር ክንጽበ ነበረና። ንኣብነት: ሓንቲ መጽሓፍ እንተድኣ ደሊኻ: መጀመርታ ክትጽሕፍ ኣሎካ: ድሕሪኡ ንኽትመጸካ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣዋርሕ ትጽበ።
ካልእ እተማሃርናዮ ትምህርቲ ድማ ኣሕዋትና ክቡራት ምዃኖም ኢዩ። ንታሂቲ ክንበጽሕ ምስ ከድና ኣኼባ ተኻፊልና እቶም ኣሕዋት ክዝምሩ ምስ ሰማዕናዮም ነቢዕና ኢና። ሓቂ ኢዩ: ምስ ገሊኦም ኣሕዋት ክትሰማማዕ ኣሸጋሪ ኢዩ: ይኹን እምበር በይንኻ ምስ ኰንካ: ኣብቲ ሕውነት እቲ ክትህሉ ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ትግንዘብ። ብ1980 ማሕበር ናብ ታሂቲ ክንምለስን ናይ ወረዳ ዕዮ ክንዓይን ወሰነት። ኣብኡ በቲ ናይቶም ኣሕዋት ምዉቕ ኣቀባብላን በቲ ንዕዮ ስብከት ዘለዎም ፍቕርን ኣዚና ተተባቢዕና ኢና። ኣብ ታሂቲ ኣብቲ ናይ ወረዳ ዕዮ ሰለስተ ዓመታት ኣሕለፍና።
ካብ ደሴት ናብ ደሴት
ቀጺልና ናብቲ ኣብ ሪየተይ እተባህለ ካልእ ናይ ፓስፊክ ደሴት ዘሎ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ተመደብና: ኣብኡ ድማ ዳርጋ ንኽልተ ዓመታት ዝኸውን ጸናሕና። ድሕሪ ሪየተይ ኣብተን ናይ ቶኣመቶ እኩባት ደሴታት ናይ ወረዳ ዕዮ ክንገብር ተመዘዝና። ካብተን 80 ደሴታት ነተን 25 ብጃልባ በጻሕናየን። እዚ ንባቤት ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ። ብጃልባ እተጓዕዘትላ መዓልቲ ትሓምም ነበረት።
ባቤት ከምዚ ትብል:- “ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ ነይሩ! ብጃልባ ዝኸድናላ እዋን ኵሉ ግዜ እሓምም ነበርኩ። ኣብ ባሕሪ ሓሙሽተ መዓልትታት እንተድኣ ገይርና ሓሙሽቲኡ መዓልትታት እሓምም። ዝዀነ ፈውሲ ኣየሕውየንን ኢዩ። እሓምም እኳ እንተ ነበርኩ እቲ ውቅያኖስ ግን ኣዝዩ ምልኩዕ ኢዩ ነይሩ። ዘገርም ትርኢት ኢዩ ነይሩ። ዶልፊን ምስታ ጃልባ ይጐዩ፣ ኣእዳውካ እንተድኣ ኣጣቒዕካ ድማ ካብቲ ማይ ዘሊሎም ይወጹ ነበሩ!
ኣብቲ ናይ ወረዳ ዕዮ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ገበርና ንኽልተ ዓመታት ናብ ታሂቲ ተመደብና ኣብቲ ዕዮ ስብከት እውን እንደገና ጽቡቕ ግዜ ኣሕለፍና። ጉባኤና ኣብ ውሽጢ ዓመትን መንፈቕን ካብ 35 ናብ 70 ኣስፋሕቲ ብምብጻሕ ዕጽፊ ወሰኸት። ካብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንመርሓሎም ዝነበርና ሰባት እቶም ዓሰርተው ክልተ ቀቅድሚ ምንቃልና ተጠምቁ። ገሊኦም ሕጂ ኣብታ ጉባኤ ሽማግለታት ኢዮም።
ኵሉዅሉ ኣብ ደቡብ ፓስፊክ 12 ዓመታት ገበርና። ድሕርዚ እተን ጉባኤታት ስለ ዝደልደላ ኣብተን ደሴታት ሚስዮናውያን ኣየድልዩን ኢዮም ዝብል ደብዳበ ካብ ማሕበር ተቐበልና። ኣብ ታሂቲ ክንበጽሕ ከሎና ዳርጋ 450 ኣስፋሕቲ ነበሩ: ካብኣ ክንወጽእ ከሎና ድማ ልዕሊ 1,000 ኰይኖም ነበሩ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ኣፍሪቃ!
ናብ ፈረንሳ ተመለስና: ድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ድማ ማሕበር ሓድሽ መደብ—በኒን: ምዕራብ ኣፍሪቃ—ሃበትና። ቅድሚ 13 ዓመታት ናብ ኣፍሪቃ ክንከይድ ደሊና ስለ ዝነበርና ኣዚና ተሓጐስና።
3 ሕዳር 1990 ኣብ በኒን በጻሕና: እቲ ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ዕዮ ስብከት ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ድሕሪ 14 ዓመታት ምስ ተላዕለ ካብቶም ኣብኡ ዝበጽሑ ሚስዮናውያን እቶም ናይ መጀመርታ ነበርና። ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናብራ ምስቲ ኣብተን ናይ ፓስፊክ ደሴታት ዝነበረ ተመሳሳሊ ብምንባሩ ንምልማዱ ጸገም ኣይነበረናን። እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ምቕሉልን ተቐባል ጋሻን ኢዩ። ንዝዀነ ሰብ ኣብ መገዲ ደው ከተብሎን ክትዛረቦን ትኽእል ኢኻ።
ኣብ በኒን ሒደት ሰሙናት ጥራይ ምስ ገበርና: ባቤት ኣብ ጡባ ሕበጥ ረኣየት። ስለዚ ኣብ ጥቓ እቲ ሓድሽ ዝቘመ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናብ ዝነበረ ክሊኒክ ከድና። እቲ ሓኪም መርመራ: ብቕልጡፍ መጥባሕቲ ክትገብር ከም ዘድልያ ድማ ነገረና። ንጽባሒቱ ናብቲ ሓንቲ ኤውሮጳዊት ሓኪም: ካብ ፈረንሳ ዝመጸት ጋይኖኮሎጂስት: ርኢናሉ ዝነበርና ካልእ ክሊኒክ ከድና። ንሳ እውን ባቤት መጥባሕቲ ምእንቲ ክትገብር ቀልጢፍና ናብ ፈረንሳ ክንከይድ ከም ዘሎና ነገረትና። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናብ ፈረንሳ ክንከይድ ኣብ ነፋሪት ደየብና።
ንበኒን ክንሓድጋ ሓዘን ተሰሚዑና ኢዩ። በቲ እንደገና እተረኽበ ሃይማኖታዊ ናጽነት: እቶም ኣሕዋት ሓደስቲ ሚስዮናውያን ክረኽቡ ሕጕሳት ኢዮም ነይሮም: ንሕና ድማ ኣብኡ ምዃን ኣሐጒሱና ኢዩ። ስለዚ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ድሕሪ ምቕማጥና ነታ ሃገር ሓዲግናያ ብምኻድና ጕሂና ኢና።
ኣብ ፈረንሳ ምስ በጻሕና: እቲ ሓኪም ንባቤት ምስ መርመራ መጥባሕቲ ከም ዘድልያ ኣረጋገጸ። እቶም ሓካይም ቀልጢፎም ስጕምቲ ወሰዱ: ንእሽቶ መጥባሕቲ ገበሩላ: ንጽባሒቱ ድማ ካብ ሆስፒታል ኣውጽኡዋ። እቲ ነገር በዚ ተወዲኡ ኢዩ ኢልና ኸኣ ሓሰብና።
ድሕሪ ሾመንተ መዓልትታት ምስቲ ሓኪም ተራኸብና። ሽዑ ኸኣ ኢዩ ባቤት ናይ ጡብ መንሽሮ ከም ዘለዋ ዝነገረና።
ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ እተሰምዓ ብምዝካር: ባቤት ከምዚ ትብል:- “ኣብ መጀመርታ ክንድቲ ናይ ሚሸል ጓሂ ኣይጐሃኹን። ድሕሪ እታ ሕማቕ ዜና ዝሰማዕናላ መዓልቲ ግን ዝዀኖ ኣይፈለጥኩን። ክበኪ ኣይከኣልኩን። ክስሕቕ ኣይከኣልኩን። ክመውት ኢየ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ንዓይ መንሽሮ ማለት ሞት ማለት ኢዩ። ዝገበርና ክንገብር ኣሎና ዝብል ኣተሓሳስባ ኢዩ ነይሩኒ።”
ምስ መንሽሮ ዝነበረ ቃልሲ
ነቲ ሕማቕ ዜና ዓርቢ መዓልቲ ኢና ሰሚዕናዮ: ባቤት ድማ ንሰሉስ ካልኣይ መጥባሕቲ ክትገብር ተመደበ። ምስ ሓብታ ንባቤት ኢና ንቕመጥ ነይርና: ይኹን እምበር: ንሳውን ሓመመት: ስለዚ ኣብታ ንእሽቶ ገዝኣ ክንቅመጥ ኣይከኣልናን።
ናበይ ከም እንኸይድ ጠፍኣና። ቅድሚ ሕጂ ምስኣቶም ተቐሚጥና ዝነበርና ሰብኣይን ሰበይትን ኢቭ ሜርደን ብሪዠት ሜርደን ዘከርና። እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኣቶም ንዓና ኣዝዮም ምቕሉላት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ንኤቭ ቴሌፎን ደዊልና ባቤት መጥባሕቲ ክትገብር ከም ዘድልያን እንጸንሓሉ ቦታ ድማ ከም ዝሰኣንናን ነገርናዮ። ሚሸል ስራሕ ከም ዝደሊ እውን ነገርናዮ።
ኢቭ ንሚሸል ኣብቲ ከባቢ ገዝኡ ስራሕ ረኸበሉ። እቶም ኣሕዋት ብዙሕ ናይ ሕያውነት ተግባራት ብምግባር ሓጊዞምናን ኣተባቢዖምናን ኢዮም። ብገንዘብ እውን ደጊፎምና ኢዮም። ማሕበር ድማ ነቲ ናይ ባቤት ናይ ሕክምና ወጻኢታት ከፈለትልና።
እቲ መጥባሕቲ ከቢድ ኢዩ ነይሩ። እቶም ሓካይም ነቲ ጥረን ነቲ ጡብን ከልግስዎ ነበሮም። ብኡንብኡ ብቕመም ዝግበር ምፍዋስ ክገብሩላ ጀመሩ። ድሕሪ ሰሙን: ካብ ሆስፒታል ክትወጽእ ከኣለት: ቀጻሊ ሕክምና ምእንቲ ክትገብር ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ሰሙን ክትምለስ ነበራ።
ኣብቲ ባቤት ሕክምና እትገብረሉ ዝነበረት እዋን: እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣዝዮም ደጊፎምና ኢዮም። ሓንቲ ናይ ጡብ መንሽሮ ዝነበራ ሓብቲ ዓቢ ምጽንናዕ ኰይናትና ኢያ። ንባቤት እንታይ ክትጽበ ከም ዘለዋ ትነግራን ብዙሕ ምጽንናዕ ትህባን ነበረት።
እንተዀነ ግን: ብዛዕባ መጻኢና ንጭነቕ ነበርና። ነዚ ብምስትብሃል ሚሸል ሰለርየን ዤኔት ሰለርየን ድራር ክንበልዕ ናብ ቤት መግቢ ሒዞምና ከዱ።
ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ከነቋርጾን ናብ ኣፍሪቃ ድማ ፈጺምና ክንከይድ ከም ዘይንኽእልን ነገርናዮም። ይኹን እምበር: ሓው ሰለርየ “እንታይ፧ መን ኢዩ ከተቋርጹ ኣሎኩም ዝበለ፧ ኣማሓዳሪ ኣካል፧ ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ኣሕዋት፧ መን ኢዩ ከምኡ ዝበለ፧” ብምባል ተዛረበና።
“ከምኡ ዝበለ ሰብ የሎን: ኣነ ኢየ ዝብል ዘሎኹ” ኢለ መለስኩሉ።
ሓው ሰለርየ “ፈጺሙ ዘይከውን ኢዩ! ክትምለሱ ኢኹም” በለ።
ናይ ቀመም ሕክምና: በቲ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 1991 እተወድኣ ናይ ብርሃን ጮራ ገይርካ ዝግበር ሕክምና ተተክአ። እቶም ሓካይም ባቤት ስርዓታዊት ኰይና ንመርመራ ናብ ፈረንሳ ትመላለስ እንተድኣ ኰይና ናብ ኣፍሪቃ ምኻድ ጸግም ከም ዘይብሉ ተረድኡ።
ናብ ቤኒን ምምላስ
ናብ ሚስዮናዊ ዕዮ ክንምለስ ፍቓድ ንምሕታት ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ጸሓፍና። መልሶም ክንሰምዕ ተሃንጠና። እቲ ግዜ እናነውሐ ከደ። ኣብ መወዳእታ ሚሸል ክጽበ ኣይከኣለን: ስለዚ ናብ ብሩክሊን ቴሌፎን ብምድዋል ደብዳበና ተቐቢሎምዎ እንተድኣ ኰይኖም ሓተቶም። ከም እተቐበልዎ ነገሩና: ናብ ቤኒን ክንምለስ ድማ ከኣልና! ንየሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ኣመስጊንናዮ!
ስድራቤት ሜርደ በቲ ዜና ተሓጒሶም ዓቢ ዝዀነ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኣዳለዉ። ኣብ ሕዳር 1991 ናብ ቤኒን ተመለስና: እቶም ኣሕዋት ድማ ድግስ ገይሮም ተቐበሉና!
ባቤት ሕጂ ደሓን ትመስል ኣላ። በብግዜኡ ምሉእ ሕክምናዊ ምርመራ ንምግባር ናብ ፈረንሳ ንመላለስ ኢና: እቶም ሓካይም ድማ ዝዀነ ናይ መንሽሮ ኣሰር ኣይረኸቡን። ናብቲ ሚስዮናዊ መደብና ምምላስና ተሓጒስና ኢና። ኣብ በኒን ከም እንድለ ኰይኑ ይስምዓና ኢዩ: የሆዋ ድማ ንዕዮና ይባርኾ ኢዩ ዘሎ። ናብ ቤኒን ካብ እንምለስ 14 ሰባት ንኽጥመቑ ሓጊዝና። ሓሙሽተ ካብኣቶም ሕጂ ስርዓታውያን ፓይነራት ኢዮም: ሓደ ድማ ድያቆን ክኸውን ተመዚዙ ኣሎ። እታ ንእሽቶ ጉባኤና ክትዓቢ ደሓር ድማ ኣብ ክልተ ጉባኤታት ክትምቀል ከላ ርኢና ኢና።
ኣብዚ ዅሉ ዓመታት: ከም ሰብኣይን ሰበይትን ኰይንና ንየሆዋ ኣገልጊልናዮ: ብዙሕ በረኸታት ኣስተማቒርና: ከምኡውን ምስ ብዙሓት ወራዙት ሰባት ክንፋለጥ ክኢልና ኢና። ይኹን እምበር: ንሽግራት ብዓወት ክንዋጽኣሉ ብየሆዋ ተለማሚድናን ተበራቲዕናን ኢና። ከም እዮብ: ኵሉ ግዜ ኣይኰንና ስለምንታይ ነገራት ከም እተፈጸሙ እንፈልጥ: ይኹን እምበር የሆዋ ኵሉ ግዜ ከም ዝሕግዘና ንፈልጥ ነይርና ኢና። እዚ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ ኢዩ:- “እንሆ: ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን: ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ።”—ኢሳይያስ 59:1
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ሚሸል ሙለርን ባቤት ሙለርን ኣብ ቤኒን ባህላዊ ክዳን ተኸዲኖም ከለዉ
[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]
ሚስዮናዊ ዕዮ ኣብ ማእከል ፖሊኒዥያዋያን: ኣብ ትሮፒካዊት ታሂቲ