መሰኻኽር ኣንጻር ሓሰውቲ ኣማልኽቲ
“ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: ይብል እግዚአብሄር።”—ኢሳይያስ 43:10
1. እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ: ካብቶም ሎሚ ዝምለኹ ዘለዉ ኣእላፋት ኣማልኽቲ ዝለዓለ ዝኸውንከ ብኸመይ ኢዩ፧
እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧ ሎሚ: እዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዚ ንዅሎም ደቅሰብ ገጢምዎም ኣሎ። ሽሕ’ኳ ሰባት ኣእላፋት ኣማልኽቲ ዘምልኹ እንተዀኑ: ሓደ ጥራይ ኢዩ ህይወትን ዘሐጕስ መጻእን ክህበና ዝኽእል። ብዛዕባ ሓደ ጥራይ ድማ ኢዩ “ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና” ክበሃል ዝኽእል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:28) ብርግጽ: ክምለኽ መሰል ዘለዎ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ናይ ሓባር ድምጺ ዝብሎ:- “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን: ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ: ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ: ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11
2, 3. (ሀ) ሰይጣን ነቲ የሆዋ ንኽምለኽ ዘለዎ መሰል ዝበድሆ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ናይ ሄዋን ምሕጣእ ንዓኣን ንደቃን እንታይ ፍረ ነበሮ: ንሰይጣንከ እቲ ፍረ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
2 ኣብ ገነት ኤደን: ነቲ የሆዋ ንክምለኽ ዘለዎ መሰል ሰይጣን ብሓሶት በድሆ። ብተመን ገይሩ ንሄዋን ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽ እንተድኣ ዓልያ: ካብታ የሆዋ ዝኸልከላ ኦም ድማ በሊዓ: ንርእሳ ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን ነገራ። ቃላቱ ከምዚ ዝብል ኢዩ ነይሩ:- “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ።” (ዘፍጥረት 3:5) ሄዋን ነቲ ተመን ኣመነቶ ነታ ክልክቲ ፍረ ኸኣ በልዓታ።
3 ብርግጽ: ሰይጣን ሓስዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 8:44) ሄዋን ምስ ሓጥአት “ከም ኣምላኽ” ዝዀነትሉ እንኮ መገዲ: ነቲ ንየሆዋ ጥራይ ክትገድፈሉ ዝነበራ ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምውሳን መሰል ንርእሳ ምውሳዳ ኢዩ ነይሩ። ሽሕ’ኳ ኣይትሞቱን ኢኹም ዝብል ናይ ሰይጣን ሓሶት እንተ ነበረ: ኣብ መወዳእታ ሞይታ ኢያ። ስለዚ ካብ ናይ ሄዋን ሓጢኣት ናይ ሓቂ ተጠቃሚ ሰይጣን ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ብርግጽ: ንሄዋን ክትሓጥእ ከስሕታ ከሎ: እቲ ናይ ሰይጣን ዘይተገልጸ ሸቶ ንገዛእ ርእሱ ኣምላኽ ንምዃን ኢዩ ነይሩ። ሄዋን ምስ ሓጥአት ካብ ደቅሰብ ናይ መጀመርታ ሰዓቢቱ ኰነት: ሽዑ ንሽዑ ኸኣ ኣዳም ሓበራ። መብዛሕትኦም ደቆም “ብሓጢኣት” ተወሊዶም ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን እውን ወዲቖም ኢዮም: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ድማ: ካብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እተነጸለት ምልእቲ ዓለም መጸት።—ዘፍጥረት 6:5፣ መዝሙር 51:5
4. (ሀ) ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ መን ኢዩ፧ (ለ) ብህጹጽ ዘድሊ ዘሎኸ እንታይ ኢዩ፧
4 እታ ዓለም እቲኣ ኣብቲ ማይ ኣይሂ ጠፊኣ ኢያ። (2 ጴጥሮስ 3:6) ድሕሪ እቲ ማይ ኣይሂ ካብ የሆዋ እተነጸለት ካልኣይቲ ዓለም ማዐበለት: ጌና ኸኣ ትቕጽል ኣላ። ብዛዕባኣ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ’ ይብል። (1 ዮሃንስ 5:19) እዛ ዓለም እዚኣ ኣንጻር እቲ መንፈስን ጽሑፍን ሕጊ የሆዋ ብምኻዳ: ንዕላማ ሰይጣን ኢያ እተገልግል ዘላ። ንሱ ኣምላኻ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) እንተዀነ ግን: ብመሰረቱ ኵሉ ዘይክእል ኣምላኽ ኢዩ። ንሰባት ሕጕሳት ክገብሮምን ህይወት ክህቦምን ኣይክእልን ኢዩ፣ የሆዋ ጥራይ ኢዩ ከምኡ ክገብር ዝኽእል። ስለዚ: እተማልአ ህይወትን ዝሓሸ ዓለምን ዝደልዩ ሰባት: መጀመርታ የሆዋ: ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ: ድሕርዚ ኸኣ ፍቓዱ ምግባር ክማሃሩ ኣለዎም። (መዝሙር 37:18, 27, 28፣ መክብብ 12:13) በዚ ኸኣ ኢዩ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ክምስክሩ: ወይ ክእውጁ ብህጹጽ ዝድለዩ ዘለዉ።
5. ጳውሎስ ከመይ ዝበሉ “ደበና ምስክር” ኢዩ ጠቒሱ፧ ካብቶም ዝዘርዘሮም ገለ ሰባት ጥቐስ፧
5 ካብ ግዜ ጥንቲ ኣትሒዞም ከምዚኦም ዝበሉ እሙናት ውልቀ ሰባት ኣብ መድረኽ ዓለም ተራእዮም ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11: ናይዚኣቶም ነዊሕ ዝርዝር ይህብ: “ኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር” ብምባል ከኣ ይጽውዖም። (እብራውያን 12:1) ኣብቲ ናይ ጳውሎስ ዝርዝር መጀመርታ ዘሎ: ኣቤል: ካልኣይ ወዶም ንኣዳምን ሄዋንን ኢዩ። ካብቲ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ግዜ ድማ ሄኖክን ኖህን እውን ተጠቒሶም ኣለዉ። (እብራውያን 11:4, 5, 7) ፍሉጥ ድማ ኣብርሃም: እቲ ኣባሓጎ ናይቲ ኣይሁዳዊ ዓሌት ኢዩ። ኣብርሃም: እቲ “ዓርኪ የሆዋ” [ትሓዓ ] ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ኣባሓጎ ናይ የሱስ: እቲ “እሙን ሓቀኛ ምስክር:” ኰነ።—ያእቆብ 2:23፣ ራእይ 3:14
ምስክርነት ኣብርሃም ነቲ ሓቂ
6, 7. በየናይ መገድታት ኢዩ ናይ ኣብርሃም ናብራን ግብርታትን የሆዋ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ምስክር ዝነበረ፧
6 ኣብርሃም ከም ምስክር ኰይኑ ዝዓየየ ብኸመይ ኢዩ፧ በቲ ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ጽኑዕ እምነትን እሙን ተኣዛዝነቱን ኢዩ። ነታ ሕምብርቲ ከተማ ዝነበረት ኡር ገዲፉ: ዝተረፈ ህይወቱ ኣብ ርሑቕ ሃገር ክነብር ምስ ተጸውዐ: ኣብርሃም ተኣዘዘ። (ዘፍጥረት 15:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-4) ኰለል ዝብሉ ናይ ሰበኽ ሳግም ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ጕዕዞ ናብራ ገዲፎም ኣብቲ ድሕንነት ዘለዎ ናይ ከተማ ናብራ ኢዮም ዝቕመጡ። ስለዚ: ኣብርሃም ኣብ ድንኳናት ክነብር ኢሉ ነታ ከተማ ክሓድጋ ከሎ: ናይቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ጽኑዕ መርትዖ ሃበ። ተኣዛዝነቱ ንተዓዘብቲ ምስክርነት ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንኣብርሃም በቲ ዘርኣዮ እምነት ኣብዚሑ ባሪኽዎ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ኣብ ድንኳናት እንተ ነበረ: ኣብርሃም ብስጋ በልጺጉ ኢዩ። ሎጥን ስድራቤቱን ንምርኮ ምስ ተወስዱ: የሆዋ ንኣብርሃም ኣብቲ ዝገበሮ ምክትታል ዓወት ሂብዎ ኢዩ: ስለዚ ድማ ከድሕኖም ከኣለ። ሰበይቲ ኣብርሃም ኣብ እርግናኣ ወዲ ወሊዳ ኢያ: በዚ ኸኣ ኣብርሃም ዘርኢ ክወልድ ምዃኑ ዝነበረ መብጽዓ የሆዋ ተረጋገጸ። ሰባት ብኣብርሃም ገይሮም የሆዋ መብጽዓታቱ ዝፍጽም ህያው ኣምላኽ ምዃኑ ተረድኡ።—ዘፍጥረት 12:1-3፣ 14:14-16፣ 21:1-7
7 ኣብርሃም ንሎጥ ኣድሒኑ ክምለስ ከሎ: እቲ “ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ” እናበለ እተቐበሎ መልከጼደቅ: ንጉስ ሳሌም (ደሓር የሩሳሌም እተባህለት) ረኸቦ። ንጉስ ሰዶም እውን ረኸቦ ህያብ ክህቦ ኸኣ ደለየ። ኣብርሃም ግን ኣበየ። ስለምንታይ፧ ነቲ ምንጪ ናይ በረኸታቱ ዝምልከት ዝዀነ ጥርጠራ ክህሉ ኣይደለየን። “ኢደይ ናብ እግዚአብሄር: ልዑል ኣምላኽ: ጐይታ ሰማይን ምድርን ኣልዐልኩ: ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ ኸይትብልሲ: ብጀካቲ እቶም ኣጕባዝ ዝበልዕዎ: ፈትሊ ዀነ: ስራኽ ሳእኒ ዀነ: ካብ ናትካ ዘበለ ገለኳ ኣይወስድን” በለ። (ዘፍጥረት 14:17-24) ኣብርሃም ከመይ ዝበለ ንፉዕ ምስክር ኰን ኢዩ ነይሩ!
ናይ መሰኻኽር ሃገር
8. ሙሴ ኣብ የሆዋ ዓቢ እምነት ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
8 ሙሴ: ዘርኢ ኣብርሃም: እውን ኣብቲ ናይ ጳውሎስ ናይ መሰኻኽር ዝርዝር ኣሎ። ሙሴ ንሃብቲ ግብጺ ጠንጠነ እሞ: ብድሕርዚ ንደቂ እስራኤል ናብ ናጽነት ምእንቲ ክመርሖም ንገዛኢ ናይታ ሽዑ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ብትብዓት ተጋጠሞ። ነቲ ትብዓት ካበይ ረኸቦ፧ ካብ እምነቱ። ጳውሎስ “ነቲ ዘይርኤስ ከም ዚርእዮ ዀይኑ [ሙሴ] ተዐጊሱ ጸንዔ” ይብል። (እብራውያን 11:27) ኣማልኽቲ ግብጺ ዝርኣዩን ዝተሓዙን ኢዮም ነይሮም። ሎሚውን ከይተረፈ: ሓወልትታቶም ንሰባት ዝስሕብ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሽሕ’ኳ የሆዋ ዘይርአ እንተዀነ: ንሙሴ ካብ ኵሎም እቶም ሓሰውቲ ኣማልኽቲ ንላዕሊ ናይ ሓቂ ኢዩ ነይሩ። ሙሴ የሆዋ ከም ዘሎን ነቶም ኣምለኽቱ ድማ ዓስቢ ከም ዝህቦምን ምጥርጣር ኣይነበሮን። (እብራውያን 11:6) ሙሴ ሓደ ብሉጽ ምስክር ኰነ።
9. ህዝቢ እስራኤል ብኸመይ ኢዩ ንየሆዋ ከገልግሎ ዝነበሮ፧
9 ሙሴ ንእስራኤላውያን ናብ ናጽነት ድሕሪ ምምርሑ: ናይቲ ኣብ መንጎ የሆዋ ከምኡውን ብያእቆብ ኣቢሉ ድማ ኣብ መንጎ ዘርኢ ኣብርሃም ዝነበረ ኪዳን ማእከላይ ኰነ። ከም ውጽኢት ድማ: ህዝቢ እስራኤል ፍሉይ ጥሪት የሆዋ ኰነ። (ዘጸኣት 19:5, 6) ንመጀመርታ ግዜ: ሃገራዊ ምስክርነት ክወሃብ ነበሮ። ዳርጋ 800 ዓመታት ጸኒሑ: እቲ ብኢሳይያስ እተነግረ ቃል የሆዋ: ካብ ምጅማር ህላዌ ናይታ ሃገር ብስርዓት ኣብ ግብሪ ወዓለ:- “ኣነ ከም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ: ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሓሬኹዎ ባርያን ኢኹም: ይብል እግዚአብሄር።” (ኢሳይያስ 43:10) እዚ ሓድሽ ሃገር እዚ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኻር ኰይኑ ዝዓዪ ብኸመይ ኢዩ፧ ብእምነቶምን ተኣዛዝነቶምን ከምኡውን በቲ ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ዝዓዪ ግብርታት የሆዋ ኢዩ።
10. በየናይ መገድታት ኢዩ ሓያል ግብርታት የሆዋ ኣብ ክንዲ እስራኤል ኰይኑ ምስክርነት ዝሃበ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧
10 እስራኤል: ካብቲ ዝጀመረሉ 40 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ: ምድሪ ተስፋ ንምውራስ ይገማገም ነበረ። ንከተማ ያሪኮ ክስልዩ ሰለይቲ ተላእኩ: ረሃብ ተቐማጢት ያሪኮ ኸአ ኣዕቈበቶም። ስለምንታይ፧ ንሳ ከምዚ በለት:- “እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም: እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ: ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎ: ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም: ሰሚዕና ኢና እሞ: እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም: ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ: ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ: ምስ ሰማዕናዮ: ልብና መኸኸ: ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን።” (እያሱ 2:10, 11) እቲ ናይ የሆዋ ሓያል ተግባራት ጸብጻብ ንራሃብን ስድራቤታን ንየሆዋ ምስ እስራኤል ብምዃን ከምልኽዎ ከምኡውን ንያሪኮን ሓሰውቲ ኣማልኽታን ንኽሓደግዎም ኣለዓዓሎም። ብሓቂ: የሆዋ ብእስራኤል ገይሩ ሓያል ምስክርነት ሃበ።—እያሱ 6:25
11. ብዛዕባ ምምስካር ዝመጸ ኵሎም እስራኤላውያን እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዝነበሮም፧
11 እስራኤላውያን ገና ኣብ ግብጺ ከለዉ: የሆዋ “እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ክገብር: እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዐየኽዎ ነገርን: እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግር: ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ: ኣነ ንልቡን ንልቢ ገላውኡን ኣትሪረ እየ እሞ: ናብ ፈርኦን እቶ” ብምባል ንሙሴ ናብ ፈርኦን ለኣኾ። (ዘጸኣት 10:1, 2) እዙዛት እስራኤላውያን ንደቆም ብዛዕባ ሓያል ግብርታት የሆዋ ክነግርዎም ነበሮም። ደቆም ድማ ብግዲኦም ንደቆም: ከምኡ እናበለ ኸኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ከምኡ ክግበር ነበሮ። በዚ ኸኣ ሓያል ግብርታት የሆዋ ይዝከር። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ወለዲ ንደቆም ናይ ምምስካር ሓላፍነት ኣለዎም።—ዘዳግም 6:4-7፣ ምሳሌ 22:6
12. ኣብ ሰሎሞንን እስራኤላውያንን ዝወረደ በረኸት የሆዋ ከም ምስክር ኰይኑ ዝዓየየ ብኸመይ ኢዩ፧
12 እስራኤል እምንቲ ክትከውን ከላ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ዝነበረ ሃብታም በረኸት የሆዋ: ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሃገራት ከም ምስክር ኰይኑ ዓይዩ ኢዩ። ከምቲ ሙሴ ነቲ የሆዋ እተመባጽዖ በረኸታት ድሕሪ ምጽብጻቡ ዝበሎ:- “ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ: ብስም [የሆዋ ትሓዓ ] ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ: ይፈርሁኻ።” (ዘዳግም 28:10) ሰሎሞን ብምኽንያት እምነቱ ጥበብን ሃብትን ተዋሂብዎ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ እታ ሃገር ተጸግያን ንነዊሕ እዋን ድማ ሰላም ኣስተማቒራን ኢያ። ነቲ ግዜ እቲ ብዝምልከት ከምዚ ነንብብ:- “ካብ ኵሎም ህዝብታት ድማ: ካብቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዅሎም ነገስታት ምድሪ: ጥበብ ሰሎሞን ኪሰምዑ ይመጹ ነበሩ።” (1 ነገስት 4:25, 29, 30, 34) ካብ መንጎ እቶም ንሰሎሞን ዝበጽሕዎ ፍልጥቲ ዝነበረት: ንግስቲ ሳባ ኢያ። ኣብታ ሃገርን ንጉሳን ዝወረደ በረኸት የሆዋ ባዕላ ድሕሪ ምርኣያ “እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንጉስ ክትከውን ኣብ ዝፋኑ ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ንዘለኣለም ኬቝሞ ስለ ዝፈተዎ [ኢዩ]” በለት።—2 ዜና መዋእል 9:8
13. ናይ እስራኤል ዝያዳ ኣስላጢ ምስክርነት እንታይ ኢዩ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ካብኡኸ ንሕና ብኸመይ ኢና ጌና ክንጥቀም ንኽእል፧
13 ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ እስራኤል ዝያዳ ኣስላጢ ምስክርነት እንታይ ምንባሩ ጠቒሱ ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ምስታ ኣብ ሮሜ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበሩ ስጋውያን እስራኤል ክዛረብ ከሎ “ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂቡዎም እዩ” በለ። (ሮሜ 3:1, 2) ካብ ሙሴ ጀሚርካ: ገለ እሙናት እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ምስ እስራኤል ዝነበሮ ምምልላስ: ምኽሩ: ሕግታቱ: ከምኡውን ትንቢታቱ ብጽሑፍ ገይሮም ክምዝግቡ ብመንፈስ ተደሪኾም ኢዮም። በዚ ጽሑፋት እዚ ገይሮም እቶም ጥንታውያን ጸሓፍቲ ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ ወለዶታት—ናትና እውን ሓዊስካ—ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎን: ስሙ ኸኣ የሆዋ ምዃኑን መስኪሮም ኢዮም።—ዳንኤል 12:9፣ 1 ጴጥሮስ 1:10-12
14. ገለ ካብቶም ንየሆዋ ዝመስከሩ ስደት ዝመጾም ስለምንታይ ኢዩ፧
14 ዘሕዝን ግን: እስራኤል ብተደጋጋሚ እምነት ካብ ምርኣይ ሰነፉ: የሆዋ ኸኣ ንህዝቡ መሰኻኽር ክሰድድ ነበሮ። ብዙሓት ካባታቶም ተሰዲዶም ኢዮም። ጳውሎስ ገሊኣቶም “ብልግጫን ብመግረፍትን: ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ” በለ። (እብራውያን 11:36) ብሓቂ እሙናት መሰኻኽር! እቲ ስደት መብዛሕትኡ ግዜ ካብቶም ኣባላት ናይቲ ሕሩይ ህዝቢ የሆዋ ዝዀኑ ብጾቶም ይመጾም ምንባሩስ: ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኢዩ! (ማቴዎስ 23:31, 37) አረ: እቲ ናይታ ሃገር ሓጢኣት ኣዝዩ ስለ ዝዓበየስ: የሆዋ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ምስ ቤተ-መቕደሳ ከም ዘዕንዉዋን ንዝበዝሑ ካብቶም ዝደሓኑ እስራኤላውያን ከኣ ንምርኮ ከም ዝውሰዱን ገይሩ ኢዩ። (ኤርምያስ 20:4፣ 21:10) እዚ ግን ናይቲ ሃገራዊ ምስክርነት ንስም የሆዋ: መወዳእታ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን።
ናይ ኣማልኽቲ ፈተነ
15. ኣብ ምርኮ ባቢሎን እውን ከይተረፈ ብኸመይ ኢዩ ምስክርነት እተዋህበ፧
15 ኣብ ምርኮ ባቢሎን እውን እንተዀነ: እሙናት ኣባላት ናይቲ ሃገር ብዛዕባ ኣምላኽነት የሆዋን ሓይሉን ንምምስካር ኣይተወላወሉን። ንኣብነት: ዳንኤል ብትብዓት ንሕልሚ ነቡካድነጻር ተርጐመ: እቲ ኣብ መንደቕ ዝነበረ ጽሕፈት ንቤልሻጽር ገለጸሉ: ከምኡውን ንጸሎት ብዝምልከት ኣብ ቅድሚ ዳርዮስ ምልምማጥ ኣበየ። እቶም ሰለስተ እብራውያን እውን: ንሓደ ምስሊ ምስጋድ ክኣብዩ ከለዉ: ንነቡከደነጻር ዘደንቕ ምስክርነት ሃብዎ።—ዳንኤል 3:13-18፣ 5:13-29፣ 6:4-27
16. የሆዋ ብዛዕባ ናይ እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ምምላስ ኣቐዲሙ እተዛረበ ብኸመይ ኢዩ: ዕላማ ናይዚ ምምላስ እዚኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን ነይርዎ፧
16 ግናኸ የሆዋ ኣብ ምድሪ እስራኤል እንደገና ሃገራዊ ምስክርነት ክወሃብ ዓለመ። ህዝቅኤል: እቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ምሩኻት ኣይሁድ ኰይኑ እተነበየ: ነታ ዝዓነወት ሃገር ዝምልከት ውሳኔ የሆዋ ጸሓፈ:- “ኣባኻትኩም ንዅላ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሓላ እየ። ከተማታት ኪስፈር: ዑናታት ድማ ኪስራሕ እዩ።” (ህዝቅኤል 36:10) የሆዋ ስለምንታይ ኢዩ ከምዚ ዝገብር፧ ብቐዳምነት ንስሙ ከም ምስክርነት ኢሉ ኢዩ። ብህዝቅኤል ገይሩ “ኣቱም ቤት እስራኤል: እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝአቶኹምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር: ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ” በለ።—ህዝቅኤል 36:22፣ ኤርምያስ 50:28
17. ናይተን ኣብ ኢሳይያስ 43:10 ዘለዋ ቃላት: ኣብ ዙርያአን ዘሎ ሓሳባት እንታይ ኢዩ፧
17 እስራኤል ካብ ምርኮ ባቢሎን ክምለሱ ምዃኖም ክንበ ኸሎ ኢዩ ነብዪ ኢሳይያስ: እስራኤል ናይ የሆዋ ምስክር: ኣገልጋሊኡ: ምዃኑ ብምዝራብ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:10 ዘሎ ቃላት ንኽጽሕፍ ብመንፈስ እተደረኸ። ኣብ ኢሳይያስ 43 ከምኡውን 44: የሆዋ ከም ፈጣሪ: ደኳኒ: ኣምላኽ: ቅዱስ: መድሓኒ: ተበጃዊ: ንጉስ: ከምኡውን ሰራሒ ተገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 43:3, 14, 15፣ 44:2) እታ ሃገር ከምዚ ገይራ ካብ ምኽባሩ ብተደጋጋሚ ስለ ዝሰነፈት ኢዩ ምርኮ እተፈቕደ። ይኹን እምበር: ጌና ህዝቡ ኢዮም ነይሮም። የሆዋ “ተበጅየካ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ብስምካ ጸዋዕኩኻ: ንስኻ ናተይ ኢኻ” በሎም። (ኢሳይያስ 43:1) ናይ እስራኤላውያን ምርኮ ኣብ ባቢሎን ክውዳእ ነበሮ።
18. እቲ ናይ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ሓራ ምውጻእ ናይ ሓቂ ኣምላኽ የሆዋ ጥራይ ምዃኑ ዘረጋግጽ ብኸመይ ኢዩ፧
18 ብርግጽ: የሆዋ ነቲ ናይ እስራኤል ካብ ባቢሎን ሓራ ምውጻእ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ፈተነ ኢዩ ገይርዎ። ነቶም ናይ ኣህዛብ ሓሰውቲ ኣማልኽቲ ምስክራቶም ከምጽኡ በድሆም: ንእስራኤል ከኣ ከም ምስክሩ ጸውዖ። (ኢሳይያስ 43:9, 12) ነቲ ሓጹር ምርኮ እስራኤላውያን ምስ ኣፍረሶ: ንሱ ሓቀኛ ምዃኑ: ኣማልኽቲ ባቢሎን ግን ፈጺሞም ኣማልኽቲ ከም ዘይኰኑ መረጋገጺ ሃበ። (ኢሳይያስ 43:14, 15) ካብቲ ፍጻመ ገለ 200 ዓመታት ኣቐዲሙ: ንቂሮስ ፋርሳዊ ንኣይሁድ ሓራ ኣብ ምግባር ከም ኣገልጋሊኡ ምስ ጸውዖ: ናይ ኣምላኽነቱ ተወሳኺ መረጋገጺ ሃበ። (ኢሳይያስ 44:28) እስራኤል ሓራ ክኸውን ነበሮ። ስለምንታይ፧ የሆዋ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ።” (ኢሳይያስ 43:21) ንምስክርነት ተወሳኺ ኣጋጣሚ ክህብ ኢዩ።
19. ንእስራኤላውያን ናብ የሩሳሌም ክምለሱ ብምዕዳሙ ብቂሮስ ከምኡውን በቲ እሙናት ኣይሁድ ድሕሪ እቲ ምምላስ ዘርኣይዎ ግብርታት እንታይ ምስክርነት ኢዩ እተዋህበ፧
19 እቲ ግዜ ምስ ኣኸለ: ቂሮስ ፋርሳዊ ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ ንባቢሎን ሰዓራ። ሽሕ’ኳ ቂሮስ ኣረማዊ እንተ ነበረ: ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ እስራኤላውያን መግለጺ ከውጽእ ከሎ ኣምላኽነት የሆዋ ኣዊጁ ኢዩ:- “ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ኸኣ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር ኣምላኽ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል: ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ።” (እዝራ 1:3) ብዙሓት ኣይሁድ ምላሽ ሃቡ። ናብታ ምድሪ ተስፋ ተጓዕዙ ኣብቲ ጥንታዊ ቦታ ናይታ ቤተ-መቕደስ ከኣ ሓደ መሰውኢ ሃነጹ። ሽሕ’ኳ ምፍርራህን ብርቱዕ ተጻራርነትን እንተ ነበረ: ኣብ መወዳእታ ነታ ቤተ-መቕደስን ከተማ የሩሳሌምን እንደገና ክሃንጹ ክኢሎም ኢዮም። እዚ ዅሉ እተፈጸመ: ከምቲ የሆዋ ባዕሉ ዝበሎ “[ብመንፈሱ] እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን።” (ዘካርያስ 4:6) እዚ ፍጻመታት እዚ: የሆዋ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ: ተወሳኺ መርትዖ ሃበ።
20. እስራኤላውያን ድኽመታት እኳ እንተ ነበሮም: ብዛዕባ ኣብቲ ጥንታዊ ዓለም ንስም የሆዋ ምስክርነት ምሃቦም እንታይ ክበሃል ይከኣል፧
20 ስለዚ: ዘይፍጹማትን ሓድሓደ ግዜ ድማ ዓለወኛታትን ህዝቢ እኳ እንተ ነበሩ: የሆዋ ብእስራኤል ምጥቃም ቀጺሉ ኢዩ። ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ዓለም: እቲ ሃገር እቲ: ምስ ቤተ-መቕደሱን ክህነቱን ከም ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ማእከል ኰይኑ ቈይሙ ኢዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብዛዕባ ምስ እስራኤል እተዛመደ ግብርታት የሆዋ ዘንበበ ሰብ: ሓደ ሓቀኛ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎን ስሙ ድማ የሆዋ ምዃኑን ብዝዀነ መገዲ ምጥርጣር ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። (ዘዳግም 6:4፣ ዘካርያስ 14:9) ይኹን እምበር: ንስም የሆዋ ኣዝዩ ዝዓበየ ምስክርነት ክወሃብ ነበሮ: ነዚ ኸኣ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንዘራረበሉ ኢና።
ትዝክሮዶ፧
◻ ኣብርሃም የሆዋ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ምስክርነት ዝሃበ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ንሙሴ እሙን ምስክር ክኸውን ዘኽኣሎ ቀንዲ ባህርይ እንታይ ኢዩ፧
◻ እስራኤል በየናይ መገድታት ኢዮም ብዛዕባ የሆዋ ሃገራዊ ምስክርነት ዝሃቡ፧
◻ ናይ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ሓራ ምውጻእ የሆዋ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ኣብርሃም ብእምነቱን ተኣዛዝነቱን: ንኣምላኽነት የሆዋ ጕሉሕ ምስክርነት ሃበ