ሃብታም መንፈሳዊ ውርሻና
ብፊልፕ ኤፍ. ስሚዝ እተዘንተወ
“ኣብታ ዝጸልመተት ኣፍሪቃ ዝነድድ ሽግ ተወልዐ።” ነዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቃላት ኣብ ገጽ 75 ናይታ ናይ 1992 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከነንብብ ከሎናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! እዚኣተን ኣባሓጎና ፍራንክ ዳብሊው. ስሚዝ: ብ1931 ነቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ: ሓው ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ኣብ ሓንቲ ደብዳበ ዝጸሓፈሉ ቃላት ኢየን። ኣባሓጎይ ናይቲ ብእኡን ብሓዉን እተገብረ ናይ ስብከት ጕዕዞ: ጸብጻብ ክህብ ኢሉ ኢዩ ዝጸሓፈ።
እታ ናይ 1992 ዓመት መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ካብ ኬፕ ታውን [ደቡብ ኣፍሪቃ] ዝመጹ ክልተ ተባዓት ፓይነራት ኣገልገልቲ: ግረይ ስሚዝን ምዕባዩ ሓዉ ፍራንክን: ነቲ ብስራት ናይ ምስፋሕ ተኽእሎታት ክድህስሱ ናብ ናይ እንግሊዝ ግዝኣት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተበገሱ። ሓንቲ ናብ ቃፍላይ [መኪና ከላ ገዛ] ዝቐየርዋ ዲ ሶቶ ዝዓይነታ መኪና ምስ መጻሕፍቲ ዝሓዘ 40 ካርቶናት ገይሮም ኣብ መርከብ ብምጽዓን ናብ ሞምባሳ: ወደብ ኬንያ ተጓዕዙ።”
ኣባሓጎይ: ኣብታ ናብ ሓው ራዘርፎርድ ዝጸሓፋ ደብዳበ: ነቲ ካብ ሞምባሳ ናብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ኬንያ: ዝገበሮ ጕዕዞ ከምዚ ኢሉ ገለጾ:- “ቅድሚ ሕጂ ፈጺሙ ኣጋጢሙኒ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ሕማቕ ናይ መኪና ጕዕዞ ጀመርና። 580 ኪሎ ሜተር ክንከይድ ምሉእ መዓልቲ እናተጐዓዝና 4 መዓልትታት ወሰደልና። . . . ጤረራት ከመዓራሪ: ጐዳጕድ ክመልእ: እቲ ጐማታት ምእንቲ ክዘውር ድማ ዓጋፋን ኣእዋምን ቈሪጸ ነቲ ዓዘቕቲ ክመልኦ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኪሎ ሜተር ባዴላ ሒዘ ካብ መኪና እወርድ ነበርኩ።”
ኣብ ናይሮቢ ምስ በጽሑ ፍራንክን ግረይን: ነቲ ዝነበሮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክዕድሉ ብተኸታታሊ ን21 መዓልትታት ዓየዩ። ኣባሓጎይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ከምቲ ዝሰማዕናዮ እንተደኣ ዀይኑ: እቲ ዕዮ ንሃይማኖታዊ ህዝቢ ናይሮቢ ቀስቂስዎ ኢዩ።” ብድሕርዚ: ኣባሓጎይ ናብቲ ወዲ ክልተ ዓመት ወዱ ዶኔቨን ከምኡውን ናብታ ካልኣይ ውላዶም: ንፍራንክ ኣቦና: ጠኒሳ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ፊሊስ ናብ ገዝኡ ክምለስ ተሃንጥዩ ነበረ። ኣባሓጎይ ኣብታ ካብ ሞምባሳ ዝነቐለት ናይ መጀመርያ መርከብ ተሰቕለ: ይኹን እምበር ገዛ ቅድሚ ምብጽሑ ብዓሶ ሞተ።
ኣነን ሓፍተይን ሓወይን: ነቲ ጸብጻብ ናይ ዓመት መጽሓፍ ከነስተንትኖ ከሎና: ሓሳብና ናብቲ ዝሞተ ፍቑር ኣቦና ተመልሰ። እታ ናይ 1992 ዓመት መጽሓፍ ቅድሚ ምቕባልና ሒደት ኣዋርሕ: ኣብ ግንቦት 1991: ብሰንኪ ደግሲ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ሞተ። ንኣቦኡ ፈጺሙ ዘይረኣዮ እኳ እንተዀነ: ኣብቲ ኣቦኡ ንየሆዋ ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ግን ተኻፊሉ ኢዩ። 28 ዓመታት ጸኒሑ: ኣብ 1959 ወዱ ክርስትያን ኣገልጋሊ ብምዃን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣሰር ኣሰር እግሩ ከም ዝሰዓበ እንተ ዝፈልጥስ ኣባሓጎይ ክንደይ ኰን ምተሓጐሰ!
ናይ መጀመርያ ናብራ ህይወት ኣቦይ
ኣቦና 20 ሓምለ 1931 ድሕሪ ሞት እቲ ብስሙ እተጸውዐ ኣቦኡ ክልተ ኣዋርሕ ጸኒሑ ኣብ ኬፕ ታውን ተወልደ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ባባ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከሎ: መማህርቱ እናኣላገጽሉ: ኣብቲ ናይ ኬፕ ታውን ቀንዲ መደበር ባቡር ደው ብምባል ናይ ፖስተር ስብከት የካይድ ነበረ። ኣብ መበል 11 ዓመት: ወፈያኡ ንየሆዋ ብማይ ጥምቀት ኣርኣየ። ሓድሓደ ግዜ ባባ ብፍቓዱ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ብምሉኡ ሓደ ጐደና ክዓዪ ይምድብ ነበረ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ: ኣብ ከባቢ ኬፕ ታውን ኣብ ሓንቲ ዓበይቲ ክርስትያን ኣሓት ዘለዋኣ ጉጅለ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ይመርሕ ነበረ።
ብ1954 ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ኣብ ኤውሮጳ ዓለምለኻዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ከም ዝግበር ገለጸት። ባባ ክኸይድ ኣዝዩ በሃገ: ግናኸ ካብ ኬፕ ታውን ናብኡ ክጐዓዝ እኹል ገንዘብ ኣይነበሮን። ስለዚ ኣብ ሰሜናዊ ሮዴሽያ (ናይ ሕጂ ዛምቢያ) ኣብ ናይ ነሃሲ መዐደኒ ቦታ ከም ቀማሚ ኰይኑ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክሰርሕ ተወዓዓለ። እቲ ናይ ማዕድን ጭቃ ምርመራ ዝግበረሉ ዝነበረ መሳለጥያታት ኣብ ወጻኢ ኣብቲ ናይ ኣፍሪቃ ጫካ ኢዩ ነይሩ።
ባባ ኣብ ሰሜናዊ ሮዴሽያ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መሰኻኽር ከም ዘለዉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ: ኣብኡ ምስ በጽሐ ደልዩ ረኸቦም: ኣኼባታት ኣበይ ከም ዝገብሩ ኸኣ ፈለጠ። ሽሕ’ኳ ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ክዛረብ ዘይክእል እንተ ነበረ: ምስኦም ይሓብርን ምስ ማይን ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታዊ ኰይኑ ኣኼባታት ይካፈልን ነበረ። ኣብቲ መዐደኒ ቦታታት ዝነበሩ ኤውሮጳውያን ሕማቕ ዓሌታዊ ጽልኢ ነበሮም: ነዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ኣፍሪቃውያን ብምጽራፍ የርእይዎ ነበሩ። ባባ ግን ኵሉ ግዜ ሕያዋይ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ናይተን ሰለስተ ኣዋርሕ: ሓደ ምስክር ዘይኰነ ኣፍሪቃዊ ሰራሕተኛ ናብ ባባ መጺኡ “እንታይ ኢልና ከም እንጽውዓካ ትፈልጥዶ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ፍሽኽ እናበለ፧ “ብዋና [ኣቶ] ዎች ታወር ኢልና ኢና እንጽውዓካ” በሎ።
ብ1955: ኣብቲ ኣብ ኤውሮጳ እተኻየደ “ዕውትቲ መንግስቲ” ዘርእስቱ ኣሰምብሊታት ተኻፈለ። ኣብኡ ምስታ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት በዓልቲ ቤቱ ዝዀነት ሜሪ ዘሃረዩ ተላለየ። ድሕሪ መርዓኦም ድማ: ኣብ ፓርማ: ኦሃዮ: ሕ.መ.ኣ ተቐመጡ።
ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ
ኣብ ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባ: ነቶም ተኣከብቲ: ኣብቲ ዝያዳ ኣገልገልቲ ዝድለይሉ ቦታ ከይዶም ከገልግሉ ዕድመ ተዘርግሓሎም። ወለድና ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክኸዱ ወሰኑ። ልክዕ ከምቲ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዘቕረበቶ ሓሳብ ገበሩ። ኣብቲ ሃገር ክቕመጡ ዝፍቀደሎም ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ጥራይ ስለ ዝዀኑ: ባባ ኸኣ ምናልባት ስራሕ እንተ ዘይረኸበ ምእንቲ ክጠቕሞም: ንመኸድን መምለስን ዝኸውን እኹል ገንዘብ ኣዋህለሉ።
ፓስፖርትን ቪዛን ምስ ሓዙ: ከምኡውን ክታበት ምስ ተኸትቡ: ኣብ ሓምለ 1959 ባባን ማማን ኣብ ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ተጻዒኖም ካብ ከተማ ኒው ዮርክ ብመገዲ ኬፕ ታውን ኣቢሎም ናብ ሞምባሳ ተጓዐዙ። እቲ ጕዕዞ ኣርባዕተ ሰሙናት ወሰደሎም። ኣብ ሞምባሳ ኣብቲ መዐሸግ መራኽብ በቶም ኣብቲ ዝያዳ ዝድልየሉ ክዓዩ ኢሎም ቅድሚኦም ኣብቲ ቦታ ዝመጹ ክርስትያን ኣሓዋት ምዉቕ ኣቀባብላ ተገብረሎም። ኣብ ናይሮቢ ምስ በጽሑ ባባ ክጽበዮ ዝጸንሐ መልእኽቲ ረኸበ። መልሲ ናይቲ ከም ቀማሚ ኰይኑ ንኽሰርሕ ኣብ ኢንቴቤ ኡጋንዳ ንዝርከብ ክፍሊ ቅየሳ ስነ-መሬት ዘቕረቦ ሕቶ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ባባን ማማን ብባቡር ገይሮም ናብቲ ባባ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረሉን ስራሕ እተቘጽረሉን ካምፓላ: ኡጋንዳ ከዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ከባቢ ኢንቴቤን ካምፓላን ጆርጅ ካዱ ዝበሃል ሓደ ምስክር ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
እቲ መግዛእታዊ መንግስቲ ነቲ ናይቲ ከባቢ ቋንቋ: ሉጋንዳ: ክማሃር ንባባ ገንዘብ ከፈለሉ። ኣብቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣስላጢ ምእንቲ ክኸውን ብዝዀነ መገዲ ክማሃር መዲቡ ብምንባሩ ተሓጐሰ። ጸኒሑ: ባባ “ብስራት መንግስቲ ” ናብ ቋንቋ ሉጋንዳ ንምትርጓም እውን ሓጊዙ ኢዩ።
ባባ ንኻልኦት ክምስክር ኣይፈርህን ኢዩ ነይሩ። ንዅሎም እቶም ኣብ ክፍሉ ዝነበሩ ኤውሮጳውያን ይዛረቦም: ከምኡውን ንኡጋንዳውያን ኣብ ምስባኽ ስርዓታዊ ኰይኑ ይሳተፍ ነበረ። ነቲ ኣፍሪቃዊ ናይ ኡጋንዳ ኣኽባር ሕጊ ከይተረፈ እውን ሰቢዅሉ ኢዩ። እዚ ሰብኣይ እዚ ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ሰሚዑ ጥራይ ዘይኰነስ ንባባን ማማን እውን ድራር ዓዲምዎም ኢዩ።
ኣንተ ሓፍተይ ብ1960: ኣነ ድማ ብ1965 ኢና ተወሊድና። ስድራቤትና ምስቶም ኣብታ ርእሲ ከተማ: ካምፓላ: ንእሽቶ ግናኸ እናዓበየት ትኸይድ ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ኣሕዋት ኣዝያ ተቐራረበት። ኣብ ኢንቴቤ ጸዓዱ መሰኻኽር ንሕና ጥራይ ብምንባርና ገለ ገለ ዘስሕቕ ተመኵሮታት ነበረና። ሓደ እዋን ሓደ ዓርኪ ባባ ኣጋጣሚ ናብ ኢንቴቤ ምስ ኣላገሰ ንባባ ክረኽቦ ፈተነ። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ኤውሮጳውያን ሰብኣይን ሰበይትን ትፈልጡዶ፧” ኢሉ ክሳዕ ዝሓትት ኣይሰለጦን። ድሕሪኡ ግን: እቲ ሰብ ብቕልጡፍ ናብ ገዛ ባባን ማማን ብቐጥታ ኣምጽኦ።
ንኽልተ ዕጥቃዊ ሰውራታት ምጽማም ዘጠቓለለ ኣሸጋሪ ተመኵሮታት እውን ኣሕሊፍና ኢና። ሓደ ግዜ ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ንዝዀነ ኣባል ናይ ሓደ ዓሌታዊ ጕጅለ ይቐትሉ ነበሩ። መዓልትን ለይትን ዘየቋርጽ ተዅሲ ነበረ። ሰዓታት እቶ እቶ ካብ ሰዓት 6:00 ድ.ቀ. ክሳዕ 6:00 ቅ.ቀ. ስለ ዝነበረ: ኣኼባታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኢንቴቤ ኣብ ናይ ወለደይ ገዛ ይግበር ነበረ።
ድሕርዚ: ሰዓታት እቶ እቶ ምስ ተላዕለ: ባባ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክንካፈል ንካምፓላ ይወስደና ነበረ። ሓደ ወተሃደር መሳርያኡ ናባና ኣቕኒዑ ንመኪናና ደው ኣበላ: ናበይ ንኸይድ ከም ዘሎና ኸኣ ክፈልጥ ደለየ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነ ህጻን ኣንተ ከኣ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ኢና ነይርና። ባባ ነቲ ወተሃደር መጽሓፍ ቅዱስናን መጻሕፍትናን ብምርኣይ ህድእ ኢሉ ምስ ገለጸሉ: ክንከይድ ሓደገና።
ኣብ ኡጋንዳ ዳርጋ ሾሞንተ ዓመታት ምስ ጸናሕና: ብ1967: ወለድና ብምኽንያት ናይ ጥዕና ግድላትን ናይ ስድራቤት ሓላፍነታትን ንሕቡራት መንግስታት ክንምለስ ወሰኑ። ኣባላት ናይታ ባባ ከም ሽማግለ ኰይኑ ዘገልግለላ ጉባኤ ካንፊልድ: ኦሃዮ: ድማ ኰንና። ወለደይ ልክዕ ከምቲ ነቶም ኣብታ ኣብ ካምፓላ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ዘፍቅርዎም ዝነበሩ ገይሮም ነቶም ኣሕዋት ኣፍቀርዎም።
ፈቃር ክርስትያናዊ ኣተዓባብያ
ብ1971 ዳቪድ ሓወይ ተወልደ። እናዓበና ክንከይድ ከሎና: ኣብ ሓደ ፍቕርን ሙቐትን ዝመልኦ ቤት ኢና ንዕንገል ነይርና። እዚ ካብቲ ወለድና ኣብ ንሓድሕዶም ዘስተማቕርዎ ዝነበሩ ፍቕራዊ ርክብ ዝነቐለ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
ናእሽቱ ከሎና: ኣብ እዋን ድቃስ ኵሉ ግዜ ባባ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ የንብበልና: ይጽልየልና: ብድሕሪኡ ማማ ከይፈለጠት ብወርቃዊ መሸፈኒ እተጠቕለለ ቾኮላታ ይህበና። ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ብዘየገድስ ከም ስድራቤት ኴንና ኵሉ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ብሓባር ነጽንዕ ነበርና። ኣብ ናይ ስድራቤት ዕረፍቲ ከሎና: ሓደ ግዜ ኣብ ጸግዒ ጎቦ ካልእ ግዜ ድማ ነቲ ውቅያኖስ እናኣማዕደና መጽናዕትና ገበርና። ባባ መብዛሕትኡ ግዜ እቶም እዋናት እቲኣቶም ገለ ካብቶም ዘሐጕስዎ ተዘክሮታት ምዃኖም ይዛረብ። እቶም ካብቲ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ከምጽኦ ዝኽእል ሓጐስ እተጠልዩ ሰባት ከም ዘደንግጽዎ ኸኣ ተዛረበ።
ንየሆዋ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ: ባባ ብኣብነት ኢዩ ዝምህር። ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ሓድሽ ሕታም ኣብ ዝመጸሉ ወይ ድማ ካልእ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ኣብ እተቐበልናሉ እዋን: ባባ ነቲ ትሕዝቶ ብሃንቀውታ የንብቦ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣፍኲስካ ክርአ ዘይኰነስ: ከም ክቡር መዝገብ ገይርካ ብኽብሪ ክተሓዝ ከም ዘለዎ ካብኡ ኢና ተማሂርና። ሓደ ካብቲ ክቡር ጥሪትና ናይ ባባ መወከሲ ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ካብቲ መጽናዕትታቱ እተጠራቐመ መዘኻኸሪታት ዝመልአ ኢዩ። ሕጂ ነቲ ኣብ ሕድጋት ዝጸሓፎ ሓሳባቱ ከነንብብ ከሎና: ገና ክምህረናን ክመኽረናን ከሎ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና።
ክሳዕ መወዳእታ እሙን
ኣብ 16 ግንቦት 1991: ባባ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ከሎ ሕማም ልቢ ሓዞ። ሰሙናት ጸኒሑ: ዕዉት ዝመስል ክፉት ናይ ልቢ መጥባሕቲ ገበረ። ይኹን እምበር: ድሕሪ እታ መጥባሕቲ ዝገበረላ ቀጺላ ዝነበረት ለይቲ: ካብ ሆስፒታል ስልኪ ተደወለልና። ባባ ይደሚ ነበረ: ሓካይም ከኣ ኣዝዮም ተሸገሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነቲ መድመይቲ ደው ንምባል ክልተ ግዜ ንመጥባሕቲ ተወስደ: ይኹን እምበር ዕዉት ኣይነበረን። ናይ ባባ ደም ኣይረግአን።
ኣብታ እትቕጽል መዓልቲ: ናይ ባባ ኵነታት እናኸፍአ ስለ ዝኸደ: እቶም ሓካይም ንባባ ደም ክመሓላለፈሉ ምእንቲ ከፍቅዱ ጸቕጢ ክገብሩሎም ኢሎም: መጀመርያ ነደይ ብድሕሪኡ ድማ ንንእሽቶ ሓወይ ፍልይ ኣቢሎም ወሰድዎም። እንተዀነ ግን: ባባ ነቶም ሓካይም ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ደም ከም ዘይቅበል ተዛሪብዎም ነይሩ ኢዩ። ደም ንኽኣቢ ዝገበሮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ገሊጽሎም ኢዩ: ደም ዘይሕውስ ኣማራጺታት ከም ዝወስድ ግን ተዛሪብዎም ነበረ።—ዘሌዋውያን 17:13, 14፣ ግብር ሃዋርያት 15:28, 29
ብወገን እቶም ኣባላት ናይቲ ሕክምናዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ሕቡእ ጽልኢ: ኣብቲ ኣይሲዩ (ኣሃዱ ጽዑቕ ክንክን) ውጡር ሃዋህው ፈጠረ። እዚ ምስቲ እናገደደ ዝኸይድ ዝነበረ ኵነታት ባባ ተደሚሩ: ሓድሓደ ግዜ ካብቲ ክንጸሮ እንኽእል ንላዕሊ ይመስል ነበረ። ንየሆዋ ሓገዝ ክህበና ለመንናዮ: ከምኡውን ነቲ እተቐበልናዮ ተግባራዊ ርእይቶታት ክንዓየሉ ፈተንና። ስለዚ ኣብቲ ኣይሲዩ ክንበጽሕ ከሎና: ኵሉ ግዜ ብግቡእ ንኽደን: ነቲ ሕክምናዊ ቤት ጽሕፈት ከኣ ነኽብሮ ነበርና። ቁም ነገር ዘለዎ ሕቶታት ብምሕታት ብዛዕባ ኵነታት ባባ ንጡፍ ተገዳስነት ነርኢ ነበርና: ከምኡውን ንባባ ንምክንኻን ግደ ንዝነበሮ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይቲ ቤት ጽሕፈት ኣመስጊንናዮ ኢና።
ጻዕርታትና በቲ ሕክምናዊ ቤት ጽሕፈት ቆላሕታ ከይተገብረሉ ኣይሓለፈን። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት እቲ ውጡር ዝነበረ ሃዋህው ናብ ዕርክነታዊ ሃዋህው ተለወጠ። እተን ንባባ ዝከናኸና ዝነበራ ኣለይቲ ሕሙማት ከይተባህላ ከለዋ እውን እንተዀነ ነቲ ምዕባሌኡ ይከታተላ ነበራ። ሓደ ምሳና ጠገለ ዘይነበሮ ሓኪም እውን ንማማ እንታይ ትገብር ከም ዘላ ክሳዕ ኣብ ምሕታት ለዚቡ ኢዩ። ጉባኤናን ኣዝማድናን እውን ብፍቕሪ ተደሪኾም ደጊፎምና ኢዮም። መግብን ብዙሕ መጸናንዒ ካርድታትን ሰዲዶምልና: ከምኡውን ኣብ ክንዳና ጸልዮም ኢዮም።
ዘሕዝን ግን: ባባ እዚ ዅሉ ክንክን ኣይጠቐሞን። ድሕሪ እታ ናይ ፈለማ መጥባሕቲ ዓሰርተ መዓልትታት ጸኒሑ ሞተ። ንባባ ኣዕሚቝና ሓዚንናሉ ኢና። ሓድሓደ ግዜ ሰብ ብሞት ክፍለየካ ኸሎ እቲ ስምዒት ዓብላሊ ኢዩ። እቲ ዘሐጕስ ግን: ኣምላኽና ‘ነንመዓልቲ ጾርና ክጸውር’ ምዃኑ ተመባጺዑልና ኢዩ: ከምኡውን ካብ ቅድም ብዝበለጸ ኣብኡ ክንውከል ተማሂርና ኢና።—መዝሙር 68:19
ንሕናውን እንተዀነ ኵልና ንባባ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ብምርኣይ ዝርከብ ሓጐስ ምእንቲ ክህልወና ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ክንቅጽል ቈሪጽና ኢና።—ማርቆስ 5:41, 42፣ ዮሃንስ 5:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]
ፍራንክ ስሚዝ ምስ ኣዲኡ ፊሊስ ኣብ ኬፕ ታውን
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]
ባባን ማማን ኣብ ግዜ መርዓኦም
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኢንቴቤ እተፈጸመ ጥምቀት: እቶም ኣሕዋት ናይ ሓደ ኣፍሪቃዊ በዓል ስልጣን መሓንበሲ ቦታ ተኻረዩ
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
በቲ ልሙድ ዝዀነ ኣገባብ ሰላም ምባል
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ባባን ማማን ቀቅድሚ ሞት ባባ