“ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከምኡውን እቲ “ዓቢ ጭፍራ”
“ድሕርዚ ድማ . . . ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ] . . . ርኤኹ።” —ራእይ 7:9
1-3. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ክቡር ሰማያዊ ዓስቢ ኢዩ ዘለዎም? (ለ) ሰይጣን ነታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ክርስትያናዊት ማሕበር ከጥፍኣ ዝፍትን ዝነበረ ከመይ ገይሩ ኢዩ? (ሐ) እንታይ ብ1919 እተፈጸመ ነገር ኢዩ ሰይጣን ነታ ክርስትያናዊት ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ከባላሽዋ ዝገበሮ ጻዕሪ ከም ዝፈሸለ ዘርኢ?
እቲ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. እተገብረ ምምስራት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኣብ ምፍጻም ዕላማታት ኣምላኽ ዓቢ ስጉምቲ ኢዩ ነይሩ። (ገላትያ 6:16) እቶም ቅቡኣት ኣባላቱ ድማ ዘይሞቱ መንፈሳውያን ፍጡራት ክዀኑን ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ምስ ክርስቶስ ክገዝኡን ተስፋ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 15:50, 53, 54) ከምዚ ዝበለ ሓላፍነት ብምሓዝ ድማ ኣብ ምቕዳስ ስም የሆዋን ኣብ ምጭፍላቕ ርእሲ ናይቲ ዝዓበየ ተጻራሪ ሰይጣን ድያብሎስን መሪሕ ግደ ክህልዎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15፣ ሮሜ 16:20) ሰይጣን ስደት ብምምጻእን ከባለሽዋ ብምፍታንን ነዛ ሓዳስ ማሕበር እዚኣ ከጥፍኣ ኢሉ ብዘለዎ ኵሉ ሓይሉ እንተ ዓየየስ: ዘገርም ኣይኰነን!—2 ጢሞቴዎስ 2:18፣ ይሁዳ 4፣ ራእይ 2:10
2 እቶም ሃዋርያት ብህይወት ከለዉ: ሰይጣን ክዕወት ኣይከኣለን። እንተዀነ ግና: ብድሕሪ ሞት ናይቶም ሃዋርያት ክሕደት ብዘይ ዓጋቲ ከስፋሕፍሕ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ድማ: ብዓይኒ ሰብ ክርአ ክሳዕ ዝኽእል: እታ የሱስ ዝመስረታ ጽፍፍቲ ናይ ክርስትያን ማሕበር: በቲ ሰይጣን ዘምጽኦ ሎሚ ህዝበ ክርስትያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ሃይማኖታዊ ክሕደት እተበላሸወት መሰለት። (2 ተሰሎንቄ 2:3-8) ይኹን እምበር: እቲ ናይ ሓቂ ክርሰትናስ ቀጺሉ ኢዩ።—ማቴዎስ 28:20
3 የሱስ: ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምሳሌ: እቶም ሓቀኛታት ክርስትያናት ንእተወሰነ ግዜ ምስቲ “ክርዳድ” ወይ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ሓቢሮም ክዓብዩ ምዃኖም ነጊሩ ነበረ። እዚ ድማ ተፈጺሙ ኢዩ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና እቶም “ደቂ መንግስቲ” ካብቲ “ክርዳድ” ክፍለዩ ምዃኖም እውን ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 13:36-43) እዚውን ሓቂ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ብ1919 እቶም ሓቀኛታት ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ ባቢሎናዊ ምርኮ ወጹ። ብመለኮታዊ መንገዲ ድማ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ምዃኖም ተፈልጡ: ነቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ድማ ብትብዓት ተታሓሓዝዎ። (ማቴዎስ 24:14, 45-47 ትሓዓ፣ ራእይ 18:4) መብዛሕትኦም ካብ ኣህዛብ እኳ እንተ ነበሩ: ናይ ኣብርሃም እምነት ስለ ዝነበረቶም ብሓቂ “ዘርኢ ኣብርሃም” ኢዮም ነይሮም። ኣባላት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ድማ ኢዮም።—ገላትያ 3:7, 26-29
እቲ “ዓቢ ጭፍራ”
4. ኣየኖት ጒጅለ ክርስትያናት ኢዮም ብፍላይ ብ1930ታት እተፈልጡ?
4 ኣብ ፈለማ: እቶም ነቲ ስብከት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝመለስሉ: ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ተረፍ ናይቶም 144, 000 ብምዃን መንፈሳውያን እስራኤል ኰኑ። (ራእይ 12:17) ይኹን እምበር: ብፍላይ ኣብ 1930ታት ካልእ ጒጅለ ተራእዩ። እዚኣቶም ድማ እቶም ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ዝሃቦ ምሳሌ ዘለዉ “ካልኦት ኣባጊዕ” ምዃኖም ተፈልጡ። (ዮሃንስ 10:16) ንሳቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ዘለዎም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኢዮም ነይሮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መንፈሳውያን ውሉዳት ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኢዮም። (ኢሳይያስ 59:21፣ 66:22፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 4:15, 16 ኣነጻጽሮ።) ንማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከም እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ይቕበልዎ: ልክዕ ከምቶም ቅቡኣት ኣሕዋቶም ድማ ኣብ የሆዋ ዓሚቚ ፍቕሪ ኣለዎም: ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ እምነት ኣለዎም: ንኣምላኽ ከመስግኑ ቅንኢ ኣለዎም: ከምኡውን ምእንቲ ጽድቂ ክሳቐዩ ፍቓደኝነት ኣለዎም።
5. ብዛዕባ ቦታ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብቐጻሊ ዝሐሸ ምርዳእ እተረኽበ?
5 ኣብ መጀመርታ: ቦታ ናይዞም ካልኦት ኣባጊዕ ኣዝዩ ብሩህ ኣይነበረን: ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና ቦታኦም ንጹር ኰነ። ብ1932 እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ኣገልግሎት ክሳተፉ ምእንቲ ከነቓቕሕዎም ተተባብዑ—እዚ ኸኣ ብዙሓት ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ድሮ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኢዩ። ብ1934 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብማይ ክጥመቑ ተተባብዑ። ብ1935 ከምቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 7 ዘሎ እቲ “ዓቢ ጭፍራ” ምዃኖም ተፈልጡ። ብ1938 ኣብ ዝኽሪ ሞት የሱስ ከም ተዓዘብቲ ኰይኖም ክካፈሉ ተዓደሙ። ብ1950 ካብኦም ብሱላት ሰብኡት “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ዝዀኑ “መሳፍንቲ” ከም ዝዀኑ ተፈልጠ። (መዝሙር 45:16፣ ኢሳይያስ 32:1, 2) ብ1953 ምድራዊት ማሕበር ኣምላኽ—ኣብቲ ግዜ እቲ ዝዓበየ ክፋላ ዓቢ ጭፍራ ዝነበረ—ሕምብርቲ ናይቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ክህሉ ዘለዎ ምድራዊ ማሕበረሰብ ምዃና ምርዳእ ተረኽበ። ብ1985 ብመሰረት በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከም ኣዕሩኽ ኣምላኽ መጠን ጻድቃን ከም እተባህሉ: ካብ ኣርማጌዶን ክድሕኑ ድማ ተስፋ ከም ዘለዎም ተፈልጠ።
6. ሎሚ ዘሎ ተዛማዲ ቦታ ናይቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን እንታይ ኢዩ: ናብ ከመይ ዝበለ ሕቶታትከ ይመርሕ?
6 ሕጂ: ኣብዚ መጨረሽታ እዋን ናይዘን “ዳሕሮት መዓልትታት”: ዝበዝሑ ካብቶም 144, 000 ሞይቶም ሰማያዊ ዓስቦም ድማ ተቐቢሎም ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ ራእይ 6:9-11፣ 14:13) ነቲ ዝሰፍሐ ስብከት ናይቲ ብስራት ድማ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት ኢዮም ዝፍጽምዎ ዘለዉ: ከምዚ ብምግባር ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ክሕግዙ ከም መሰል ኢዮም ዝቘጽርዎ። (ማቴዎስ 25:40) ይኹን እምበር: እዞም ቅቡኣት እዚኣቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብእኡ ኣቢሉ መንፈሳዊ መግቢ ዝቐርብ ዘሎ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ኢዮም። ኵሎም እቶም ቅቡኣት ሰማያዊ ዓስቦም ምስ ተቐበሉ ኵነታት ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከመይ ክኸውን ኢዩ? ሽዑኸ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዝኸውን እንታይ ምድላዋት ክግበር ኢዩ? ብዛዕባ እታ ጥንታዊት እስራኤል ሕጽር ዝበለ ምርምር ምግባር ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንምምላሽ ክሕግዘና ኢዩ።
ጽላሎታዊ ናይ “መንግስቲ ኻህናት”
7, 8. ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ጥንታውያን እስራኤል ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኪዳን: መንግስቲ ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ዝነበሩ?
7 የሆዋ ንእስራኤል ከም ፍሉይ ህዝቡ ገይሩ ምስ ሓረዮም “ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም: ኪዳነይውን እንተ ሐሎኹም: ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ: ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ምስኦም ኪዳን ኣተወ። (ዘጸኣት 19:5, 6) እስራኤል: ብመሰረት እቲ ሕጊ ኪዳን: ናይ የሆዋ ፍሉይ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም። እንተዀነ ግና: እቲ ንመንግስቲ ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ምዃን ዝምልከት መብጽዓ ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም ዘለዎ?
8 እስራኤላውያን እሙናት ክዀኑ ከለዉ: ንልዕልነት የሆዋ ኣፈልጦ ይህብሉ: ከም ንጉሶም ገይሮም ድማ ይቕበልዎ ነበሩ። (ኢሳይያስ 33:22) ስለዚ መንግስቲ ኢዮም ነይሮም። ጸኒሑ ከም እተገልጸ ግና: እቲ መብጽዓ ብዛዕባ እታ “መንግስቲ” ካብኡ ንላዕሊ እውን ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ: ሕጊ የሆዋ ክእዘዙ ከለዉ ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት እተፈልዩ ጽፉፋት ነበሩ። ቅዱስ ህዝቢ ኢዮም ነይሮም። (ዘዳግም 7:5, 6) ናይ መንግስቲ ኻህናት ድዮምከ ነይሮም? ልክዕ ኢዩ: ኣብ እስራኤል ነገድ ሌዊ ንናይ ቤት መቕደስ ኣገልግሎት እተመደበ ኢዩ ነይሩ: ኣብ ውሽጢ ነገድ ሌዊ ከኣ ናይ ሌዋውያን ክህነት ነበረ። ሕጊ ሙሴ ክጽንበል ከሎ ድማ: እቶም ተባዕትዮ ሌዋውያን ኣብ ክንዲ እቶም በዅራት ናይቶም ካብ ነገድ ሌዊ ዘይኰኑ ስድራቤታት ተወስዱ።a (ዘጽኣት 22:29፣ ዘሁልቊ 3:11-16, 40-51) ስለዚ: ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ናይ እስራኤል ኣብቲ ናይ ቤት መቕደስ ኣገልግሎት ተወኪሉ ነይሩ ማለት ኢዩ። እዚ ናይ ምውካል ኣገባብ እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ ክህነት ዝቐረበ ይገብሮ። ኣብ ቅድሚ እቶም ካልኦት ህዝብታት ድማ ንየሆዋ ዝውክሉ ኢዮም ነይሮም። ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከምልኽ ዝደሊ ዝዀነ መጻእተኛ ድማ ምስ እስራኤላውያን ብምሕባር ከምኡ ክገብር ነበሮ።—2 ዜና መዋእል 6:32, 33፣ ኢሳይያስ 60:10
9. የሆዋ ነታ ብሰሜን ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል ‘ከም ካህን ኰይና ከይተገልግሎ’ ዝነጸጋ ስለምንታይ ኢዩ?
9 ድሕሪ ሞት ሰሎሞን: ህዝቢ ኣምላኽ ተኸፍሉ: ብሰሜን ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ንጉስ የሮብዓም: እቲ ብደቡብ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሮብዓም ኰነ። እታ ማእከል ናይ ጽሩይ ኣምልኾ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ስለ ዝነበረት: የሮብዓም ኣብቲ ናቱ ግዝኣት ናይ ምራኹት ምስልታት ብምግባር ዘይሕጋዊ ኣምልኾ ኣቘመ። ቐጺሉ ድማ “ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ: ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ: ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ።” (1 ነገስት 12:31) ንጉስ ኣካኣብ ነታ ወጻእተኛ ዝነበረት ሰበይቱ ኢዛቤል ኣምልኾ በዓል ከተቕውም ምስ ፈቐደላ እቲ ብሰሜን ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኣዝዩ ጠሓለ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ዓለወኛ መንግስቲ ፍርዲ ኣወጀ። ብነብዪ ሆሴእ ገይሩ “ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝአቤኻ: ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽአብየካ እየ” በለ። (ሆሴእ 4:6) ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ ኣሶራውያን ነታ ብሰሜን ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል ኣጥፍእዋ።
10. እታ ብደቡብ ዝነበረት መንግስቲ ይሁዳ እምንቲ ክትከውን ከላ ከመይ ኢላ ኢያ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት እትውክሎ ዝነበረት?
10 እቲ ብደቡብ ዝነበረ ህዝቢ ይሁዳኸ? ኣብ ግዜ ህዝቅያስ: የሆዋ ብነብዩ ኢሳይያስ ገይሩ “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: . . . እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንቱ እዩ” በሎም። (ኢሳይያስ 43:10, 21፣ 44:21) እታ ብደቡብ ዝነበረት መንግስቲ እምንቲ ክትከውን ከላ: ክብሪ የሆዋ ንኻልኦት ህዝብታት ንምእዋጅን ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ኣብታ ቤት መቕደሱ መጺኦም ከምልኽዎ ከምኡውን በቲ ሕጋዊ ዝዀነ ናይ ሌዋውያን ክህነት ድማ ምእንቲ ኽግልገሉ ንክትስሕቦም ሰሪሓ ኢያ።
ኣብ እስራኤል ዝነበሩ መጻእተኛታት
11, 12. ምስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ንየሆዋ ከገልግልዎ ዝመጹ ገለ መጻእተኛታት ስመ።
11 ነቶም ነዚ ሃገራዊ ምስክርነት እዚ ዝመለስሉ ወጻእተኛታት ዝምልከት ኣብቲ ብሙሴ—ሰበይቱ ጺጶራ ሚድያናዊት ዝነበረት—ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ምድላዋት ተገይሩ ነይሩ ኢዩ። እስራኤላውያን ዘይኰኑ ‘ብዙሓት ሕውስዋስ ህዝቢ’ ምስ እስራኤላውያን ንግብጺ ገዲፎም ወጹ: እቲ ሕጊ ክወሃብ ከሎውን ኣብኡ ነይሮም ኢዮም። (ዘጸኣት 2:16-22፣ 12:38፣ ዘሁልቊ 11:4) ረሃብን ቤተሰባን ካብ ጥፍኣት ያሪኮ ደሓኑ: ጸኒሖም ድማ ኣብቲ ናይ ኣይሁድ ማሕበር እትዋት ኰኑ። (እያሱ 6:23-25) ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ: ጊብዖናውያን ምስ እስራኤል ናይ ሰላም ውዕል ገበሩ: ነቲ ማሕደር ዝምልከት ዕዮታት ክዓዩ ድማ ተመደቡ።—እያሱ 9:3-27፣ ከምኡውን 1 ነገስት 8:41-43፣ ኣስቴር 8:17 ርአ።
12 ኣብ መወዳእታ ኸኣ መጻእተኛታት ልዕል ዝበለ ሓላፍነት ሓዙ። ልክዕ ከም ጼለቅ እቲ ዓሞናዊ: ኡርያ ሔታዊ: ሰብኣይ ባትሴባውን ካብ መንጐ እቶም ናይ ዳዊት “ጀጋኑ” ኢዩ ነይሩ። (1 ዜና መዋእል 11:26, 39, 41፣ 2 ሳሙኤል 11:3, 4) ዔብድ-ሜሌክ እቲ ኢትዮጵያዊ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ የገልግል ስለ ዝነበረ ናብቲ ንጉስ ክኣቱ ዝያዳ ዕድል ነይርዎ ኢዩ። (ኤርምያስ 38:7-9) እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ድማ እቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ነቲኒም ነቶም ካህናት ክሕግዙ ዝያዳ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኢዩ። (እዝራ 7:24) እዞም ብዙሓት እሙናት መጻእተኛታት ወይ ኣጋይሽ ተቐማጦ: ጽላሎት ናይዞም ሎሚ ዘለዉ ዓቢ ጭፍራ ገይርካ ስለ ዝርኣዩ ኩነታቶም የገድስና ኢዩ።
13, 14. (ሀ) ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝነበሩ ጵሮሴሊት መሰላትን ሓላፍነታትን እንታይ ኢዩ ነይሩ? (ለ) እስራኤላውያን ነቶም እሙናት ጵሮሴሊት ብኸመይ ኢዮም ክርእይዎም ዝነበሮም?
13 እዞም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ውፉያት ኣምለኽቲ የሆዋ ዝነበሩ ሰባት: ምስ እስራኤላውያን ብምዃን ካብ ካልኦት ህዝብታት እተፈልዩ: ጵሮሴሊት ኢዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 24:22) ንሳቶም ልክዕ ከምቶም እስራኤላውያን መስዋእቲ ዘቕርቡ: ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዝረሓቑ: ከምኡውን ካብ ደም እተሓለዉ ኢዮም ነይሮም። (ዘሌዋውያን 17:10-14፣ 20:2) እታ ናይ ሰሎሞን ቤተ መቕደስ ክትስራሕ ከላ ሓጊዞም ኢዮም: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣሳን ንጉስ ህዝቅያስን ኰይኖም ሓቀኛ ኣምልኾ ኣብ ምምላስ ሓቢሮም ኢዮም። (1 ዜና መዋእል 22:2፣ 2 ዜና መዋእል 15:8-14፣ 30:25) ጴጥሮስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. እታ ቀዳመይቲ መፍትሕ ክጥቀመላ ከሎ “ኣይሁድን [ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ] ጵሮሴሊትን” ኢዮም ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ዝሰምዕዎ። ገለ ካብቶም በታ መዓልቲ እቲኣ እተጠምቁ ሰለሰተ ሽሕ ሰባት ድማ ጵሮሴሊት ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:10, 41) ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ጴጥሮስ ነታ ናይ መወዳእታ መፍትሕ ኣብ ቆርኔሌዎስን ስድራቤቱን ቅድሚ ምጥቃሙ: ፊልጶስ ነቲ ኢትዮጵያዊ ጵሮሴሊት ኣጥመቖ። (ማቴዎስ 16:19፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:26-40፣ 10:30-48) ብዘይጥርጥር እምበኣር: ጵሮሴሊት ከም ኣህዛብ ኣይቍጸሩን ኢዮም ነይሮም።
14 እንተዀነ ግና: ኣብቲ ሃገር ቦታ ናይቶም ጵሮሴሊት ከምቲ ናይቶም ደቂ እቲ ሃገር ዝዀኑ እስራኤላውያን ኣይነበረን። ጵሮሴሊት ከም ካህናት ኰይኖም ኣየገልገሉን: በዅራቶም ድማ ኣብቲ ናይ ሌዋውያን ክህነት ኣይተወከሉን።b ከምኡውን ኣብ እስራኤል ናይ መሬት ውርሻ ኣይነበሮምን። ገና ግን እስራኤላውያን ነዞም እሙናት ጵሮሴሊት ክሓልዩሎምን ከም ኣሕዋቶም ክርእይዎምን ተኣዚዞም ነበሩ።—ዘሌዋውያን 19:33, 34
እቲ መንፈሳዊ ህዝቢ
15. እቶም ብትውልዲ እስራኤላውያን ዝዀኑ ነቲ መሲህ ምስ ነጸግዎ እንታይ ወረዶም?
15 እቲ ሕጊ: እስራኤላውያን ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ተፈልዮም ጽሩያት ምእንቲ ክዀኑ ኢዩ እተዳለወ። እንተዀነ ግና ንኻልእ ዕላማውን የገልግል ነይሩ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ: ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።” (ገላትያ 3:24) ዘሐዝን ግን: ዝበዝሑ እስራኤላውያ በቲ ሕጊ ኣቢሎም ናብ ክርስቶስ ክበጽሑ ኣይከኣሉን። (ማቴዎስ 23:15፣ ዮሃንስ 1:11) ስለዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ህዝቢ እቲ ነጺጉ: እቲ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከም ዝውለድ ገበረ። ብተወሳኺ ድማ ነቲ ዕድመ ናብቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ብምዝርጋሕ ምሉኣት ዜጋታት ናይቲ ሓድሽ እስራኤል ከም ዝዀኑ ገበረ። (ገላትያ 3:28፣ 6:16) ኣብዚ ሓድሽ ህዝቢ እዚ ድማ ኢዩ እቲ ኣብ ዘጸኣት 19:5, 6 ዘሎ ንንጉሳዊ ክህነት ዝምልከት ናይ የሆዋ መብጽዓ ዘገርምን ናይ መጨረሽታ ፍጻሜኡን ዝረክብ። ብኸመይ?
16, 17. ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት “ነገስታት” ዝዀኑ? “ኻህናት” ዝዀኑኸ?
16 ጴጥሮስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ቅቡኣት ክርስትያናት ነቲ ኣብ ዘጸኣት 19:6 ዘሎ ጠቒሱ “ንስኻትኩም . . . ሕሩይ ወለዶ: ናይ መንግስቲ ኽህነት: ቅዱስ ህዝቢ: ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:9) እዚ እንታይ ማለት ኢዩ? ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ነገስታት ድዮም? ኣይኰኑን: ንግስነቶም ገና ንመጻኢ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:8) እንተዀነ ግና: ንመጻኢ ንንግስነታዊ መሰላት እተሓርዩ ብምዃኖም: “ነገስታት” ኢዮም። ሕጂውን ከይተረፈ: ኣብ ትሕቲ እቲ በቲ ዝዓበየ ልዑል የሆዋ ኣምላኽ: እተመዘዘ ንጉስ የሱስ: ዘለዉ ህዝቢ ኢዮም። ጳውሎስ “[የሆዋ] ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና: ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና” ኢሉ ጸሓፈ።—ቈሎሴ 1:13
17 ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ካህናት ድዮም? ብገለ መገዲ እወ: ካህናት ኢዮም። ብማሕበር ደረጃ: ኣሉ ዘይበሃሎ ክህነታዊ ዕዮ ኢዮም ዝፍጽሙ ዘለዉ። ጴጥሮስ “ንስኻትኩምውን . . . ንቕዱስ ኽህነት ዚኸውን መንፈሳዊ ቤት ተሀነጹ” ክብል ከሎ ነዚ ገሊጽዎ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:5፣ 1 ቈሮንቶስ 3:16) ሎሚ: እቶም ተረፍ ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብሓባር እቲ ኣብ ምዝርጋሕ መንፈሳዊ መግቢ ከም መትረብ ኰይኑ ዝዓዪ ዘሎ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኢዮም። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ ) ልክዕ ከምቲ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ: ሎሚውን ዝዀነ ንየሆዋ ከምልኽ ዝደሊ ሰብ ምስቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብምሕባር ክገብሮ ኣለዎ።
18. ከም ካህናት መጠን: እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም?
18 ብተወሳኺ ድማ: ቅቡኣት ክርስትያናት እቲ ኣብ ማእከል ህዝብታት ዕብየት የሆዋ ናይ ምምስካር መሰል ካብ እስራኤል ወሲዶምዎ ኢዮም። እቲ ሓሳባት ከም ዝገልጾ: ጴጥሮስ ነቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከም ናይ መንግስቲ ክህነት ገይሩ ክጠቕሶም ከሎ: ኣብ ሓሳቡ ናይ ምምስካር ዕዮ ነይርዎ ኢዩ። ብርግጽ: ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ ነቲ ኣብ ዘጸኣት 19:6 ዘሎ ናይ የሆዋ መብጽዓ: ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 43:21 የሆዋ ንእስራኤል እተዛረቦ ቃል ብምሕዋስ “ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸወዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ . . . ናይ መንግስቲ ኽህነት: . . . ኢኹም” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 2:9) ጳውሎስውን ምስ እዚ ብምስምማዕ: ንምእዋጅ ደግነት የሆዋ ኣምላኽ ከም ናይ ቤት መቕደስ መስዋእቲ ገይሩ ተዛሪቡሉ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “እምብርኣስ ብእኡ [የሱስ] ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ።”—እብራውያን 13:15
ሰማያዊ ፍጻሜ
19. እቲ: እስራኤል ናይ መንግስቲ ካህናት ክዀኑ ኢዮም ዝብል መብጽዓ: ናይ መጨረሽታን ዝዓበየን ፍጻሜኡ እንታይ ኢዩ?
19 ይኹን እምበር: ዘጸኣት 19:5, 6 ኣብ መወዳእታ ዝዓበየ ዘሐጒስ ፍጻሜ ኣለዋ። ኣብ መጽሓፍ ራእይ: ሃዋርያ ዮሃንስ እቶም ሰማያውያን ፍጡራት ነዚ ቅዱስ ጽሑፍ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል “ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ: ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም: ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ ኢዮም” እናበሉ ነቲ ዝተንስአ የሱስ ከመስግኑ ከለዉ ሰሚዕዎም ኢዩ። (ራእይ 5:9, 10) ዝለዓለ ፍጻሜ ናይዚ መንግስቲ ክህነት እዚ: እታ የሱስ ክንጽልየላ ዝማሃረና ናይ ግዝኣት ስልጣን ዝዀነት ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ። (ሉቃስ 11:2) ኵሎም እቶም ክሳዕ መወዳእታ እተጸመሙ 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብቲ ምድላው ናይታ መንግስቲ ግደ ክህልዎም ኢዩ። (ራእይ 20:4, 6) ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ፍጻሜ ናይቲ ነዊሕ ይገብር ብሙሴ ኣቢሉ እተገብረ መብጽዓ ኰን ኢዩ!
20. እንታይ ሕቶ ኢዩ ገና ክምለስ ዘለዎ?
20 እዚ ዅሉስ ምስቲ ዅሎም እቶም ቅቡኣት እቲ ዘገርም ውርሻኦም ምስ ተቐበሉ ክህሉ ዘለዎ ኵነታት ናይቶም ዓቢ ጭፍራን መጻኢኦምን እንታይ ርክብ ኣለዎ? እዚ ኣብዛ ናይ መወዳእታ ዓንቀጽ ናይዚ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ክበርህ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ናይ እስራኤላውያን ናይ ክህነት ኣገልግሎት ክጽንበል ከሎ: በዅራት ተባዕትዮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሌዋውያን ዘይኰኑ ነገዳትን ናይ ነገድ ሌዊን ተቘጽሩ። እቶም በዅራት ድማ ካብ ሌዋውያን ተባዕትዮ ብ273 ዛየዱ። ስለዚ ድማ የሆዋ: ከም በጃ ናይቲ ዝያዳ ዝኸውን ካብ ነፍሲ ወከፍ እቶም 273 ሓሓሙሽተ ሲቃል ክኽፈል ኣዘዘ።
b እቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ብዙሓት ሕውስዋስ ህዝቢ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ሕጊ ሙሴ ክጽንበል ከሎ ነይሮም ኢዮም: እንተዀነ ግና: እቶም ሌዋውያን ኣብ ክንዲ ቦኽራት እስራኤል ክውሰዱ ከለዉ ናታቶም በዅራት ኣብዚ እቱዋት ኣይነበሩን። (ቍጽሪ 8 ርአ።) ስለዚ ኸኣ: ሌዋውያን ኣብ ክንዲ እቶም በዅራት ናይቶም እስራኤላውያን ዘይኰኑ ኣይተወስዱን።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ?
◻ ብዛዕባ ቦታ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብቐጻሊ ዝሓሸ ምርዳእ እተረኽበ?
◻ ስለምንታይ ኢዩ የሆዋ ነታ ብሰሜን ዝነበረት መንግስቲ እስራኤል ከም ካህን ኰይና ከይተገልግሎ ዝነጸጋ?
◻ ይሁዳ እምንቲ ክትከውን ከላ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብ እንታይ ቦታ ነበራ?
◻ ኣብ እስራኤል ቦታ ናይቶም እሙናት ጵሮሴሊት እንታይ ኢዩ ነይሩ?
◻ ማሕበር ናይቶም ቅቡኣት ከመይ ኢላ ኢያ ከም መንግስቲ ካህናት ኰይና እተገልግል?
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
ከም ናይ መንግስቲ ክህነት መጠን: ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ምድሪ ክብሪ የሆዋ ይእውጁ
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ናይ መጨረሽታ ፍጻሜ ናይ ዘጸኣት 19:6 እታ መንግስቲ ኢያ