መዓስ ከም ዘንብብዎን ብኸመይ ከም እተጠቐሙን
ንግሆ
ክልቲኦም ሰራሕተኛታት ዝኾኑ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን: ካብ ቤቶም ቅድሚ ምውጻኦም ነቲ ግዜ ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከንብብሉ ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ዓሰርተ ደቒቕ ኣቐዲሞም ክትንስኡ ወሰኑ። እቲ ዘንብብዎ ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጽኦም ጥዑይ ዕላል ክገብሩ መገዲ ሂቡዎም ኢዩ።
ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ሓደ ሽማግለ ኣብ ገዝኡ ናይ ስድራቤት ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክገብር ነቲ ንቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተባሂሉ እተሰርዔ መደብ ኢዩ ዝጥቀም። መብዛሕትኡ ግዜ ንግሆ: ንዕለታዊ ጥቕሲ ምስ ተመያየጥሉ ድሕሪኡ ገለ ክፍሊ የንብቡ። እቶም ውሉዳት ካብቲ ክንበብ እተመደበ ክፍሊ በብተራ የንብቡ እሞ: ድሕርዚ ካብቲ እተነበበ ሕቶታት ክሓቱ ይዕደሙ።
ኣብ ጃፓን እትርከብ ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ካብ 1985 ኣትሒዛ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ተንብባ። መደባ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሰዓት 5:00 ቅ.ቀ. ካብ 20 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ምንባብ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ዝረኸበቶ ጥቕምታት ከምዚ ትብል:- “እምነተይ ደልዲላ ኢያ። ሕማመይ ክርስዕን ኣብቲ ናይ ገነት ተስፋ ከቕልብን ሓጊዙኒ ኢዩ።”
ሓንቲ ዘይኣማኒ በዓል ቤት ዘለዋ ግናኸ ን30 ዓመታት ፓይነር ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ሰዓት ሓሙሽተ ትትንስእ። መደባ ካብ ጽሑፋት እብራይስጢ ኣርባዕተ ገጻት ዝኸውን: ሓደ ምዕራፍ ካብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፍ: ሓንቲ ጥቕሲ ከኣ ካብ መጽሓፍ ምሳሌ ምንባብ ኢዩ። ካብ 1959 ኣትሒዛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ኣንቢባቶ ኢያ። “ከም ውጽኢት ናይ ንባበይ ብየሆዋ ከም ዝፍቀር ይስምዓኒ . . . ምትብባዕ: ምጽንናዕ: ከምኡውን መኣረምታ ረኺበ ኢየ” ትብል። ወሲኻ:- “መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ልክዕ የሆዋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ የተባብዓኒ ከም ዘሎ ኢዩ ዝስምዓኒ” በለት።
ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተኣገደሉ ዓዲ ሓቂ እተማህረት ሓንቲ ሓብቲ ንእምነታ ዝጻረር በዓል ቤት ኣለዋ። ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ መንጐ ሰዓት 6:00ን 7:00 ቅ.ቀ. ዘሎ ግዜ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ትኽእል ኢያ። እዚ ውሽጣዊ ሓይሊ ሂቡዋ ኢዩ። ንባባ ብኸመይ ከም ዝተንከፋ ዘንጸባርቕ ሓሳባት ክትህብ ከላ ከምዚ ትብል:- “ዕላማታት የሆዋ ከም ዘይተርፍ ብምፍላጥ: ግድላትን ጸገማትን እውን እንተሎ: ንየሆዋን የሱስን ከነፍቅርን ተሓጕስና ክንነብርን ንማሃር ኢና።”
ሓንቲ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተኻፈለት ሓብቲ ብመሰረት እቲ ኣብኡ እተዋህባ ምኽሪ: ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ልምዲ ክትገብሮ ወሰነት። ኣብ መጀመርታ: ኣብ ሰዓት 5:00ን 6:00ን ቅ.ቀ. ዘሎ ግዜ ክትገብሮ ትኽእል ነበረት። ምልዋጥ ናይ ስራሕ ምስ መጸ ድማ ኣብ ሰዓት 9:00ን 10:00 ድ.ቀ. ዘሎ ግዜ ቀየረቶ። ካልእ ኣጸጋሚ ኩነታት ክለዓል ከሎ ከኣ “ከከም ኵነታቱ ነቲ መደበይ ምትዕርራይ ቀጸልኩ” ትብል።
ድሕሪ ቀትሪ
ናይቲ ኣብ ብራዚል ዘሎ ስድራ ቤትኤል ኣባላት ዝኾና ክልተ ብስጋ ኣሓት ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድሕሪ ምሳሕ ን20 ደቓይቕ ዝኸውን ብሓንሳብ ኰይነን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ ልምዲ ኣለወን። ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ዳርጋ ን25 ግዜ ኣንቢበናኣ ኢየን፣ ይኹን እምበር ከምዚ ኢለን ጸሓፋ:- “ኵሉ ግዜ ሓድሽ ነገር ንረክብ ኢና: ስለዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ተደጋጋሚ ኰይኑ ኣይፈልጥን።”
ኣብ ጃፓን እትርከብ ሓንቲ ዘይተመርዓወት ሓብቲ: ሽሕኳ ከም ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና እንተዓበየት: ንቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቓ ኣይትፈልጦምን ኢያ ነይራ፣ ፓይነር ምስ ኰነት: ስርዓታዊት ኰይና መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ወሰነት። ሕጂ ነቲ ናይ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ንባባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ንሕክምና ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ከላ ተንብቦ። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ገዛ ደጋፊ ዝኾነ ሓሳብ ንምርካብ ምርምር ትገብር። ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን: ብመሰረት እቲ ተጻሒፉ ዘሎ መስርዕ ገይራ መጻሕፍቲ ብምምራጽ: ተወሳኺ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ትገብር።
ድሮ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ንሰለስተ ግዜ ዘንበበ 13 ዓመት ዝዕድሚኡ ኮተቴ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛ ምስ ተመልሰ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓንቲ ምዕራፍ የንብብ። ሓሳቡ ክገልጽ ከሎ እዚ “ንየሆዋ ዝያዳ ፍቕሪ ክስምዓኒ” ሓጊዙኒ’ዩ ይብል።
ሓደ ከም ሰራሕተኛ: ሽማግለ: በዓል ቤት: ኣቦ: መጠን መደቡ ኣዝዩ ትሑዝ ዝኾነ ምስክር: ብባቡር ገይሩ ንስራሕ ክኸይድ ከሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካሴታት ይሰምዕ። ድሕሪዚ ናብ ቤት ምስ ተመልሰ ናይቲ ዝሰምዖ ብሕታዊ ንባብ ይገብር።
ኣብ ፈረንሳይ እትነብር ሓንቲ ፓይነር: ኣብ ርእሲ እቲ ብሕታዊ ንባባ: መግቢ ከተዳሉ: መኪና ክትዝውር: ኣሸጋሪ እዋናት ከተሕልፍ ከላ: ወይ እውን ደስ ክብላ ኸሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ካሴታት ትሰምዕ።
ኣብ ጃፓን ሓደ 21 ዓመት ዝዕድሜኡ ፓይነር: ኣዲኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገለ መንፈሳዊ ነገር ከንብብ ብተደጋጋሚ ትዛረቦ ከም ዝነበረት ይዝክር: ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ከሎ ኣትሒዙ: ኵሉ ሳዕ ኣብ ፍሉጥ ግዜ እኳ እንተዘይኰነ ንመጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ የንብብ ኣሎ። እታ ነታ መዓልቲ እቲኣ ዝመረጻ ክፍሊ ምስ ኣንበበ: ነቶም ቀንዲ ጥቅስታት ደጊሙ የንብቦም: ድሕርዚ ከኣ ነቲ ዘንበቦ ብኣእምሮኡ ንኽደግሞ ቕሩብ ደቓይቕ ይወስድ።
ሓንቲ ፓይነር ዝኾነት ካልእ ምስክር ከኣ: ኣብዚ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ዳርጋ ዓሰርተ ግዜ ዝኸውን ኣንበበታ። በዓል ቤታ ዘይኣማኒ ስለ ዝኾነ: ንባባ ድሕሪ ቐትሪ ክትገብሮ መደበት።
ምሸት
ኣብ ጃፓን ሓደ ሽማግለን ፓይነርን ዝኾነ ሓው ኣብዚ ዝሓለፈ ሾመንተ ዓመታት ቅድሚ ምድቃሱ ነፍሲ ወከፍ ምሸት መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ነበረ። ንሱ ከምዚ ይብል:- “የሆዋ ከመይ ገይሩ ከም ዝሓስብ: ብዛዕባ ነገራት ከመይ ከም ዝስምዖ: ንኩነታት ብኸመይ ከም ዝሕዞም ዝገልጹ ቅዱሳት ጽሑፋት ብፍላይ እፈትዎም ኢየ። ነዞም ቅዱሳት ጽሑፋት እዚኣቶም ብምስትንታን: ኣተሓሳስባ የሆዋ ናተይ ክገብሮን ንክርስትያናት ኣሕዋተይን ኣሓተይን: ከምኡውን ንኣባላት ስድራቤተይ ክድግፍ ተሓጊዘ ኢየ።”
ኣብ ፈረንሳይ ዝነብር ሓደ ሽማግለ ካብ 1979 ኣትሒዙ ንመጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ንሓደ ሰዓት የንብብ ኣሎ። ንምንጽጻር ክኾኑ ኢሉ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ትርጕማት ኣብ ቅድሚኡ ይገብር። ተጠንቂቑ ምንባቡ “ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንዘጋጥሞ ኩነታት ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ” ንኸስተውዕል ከም ዝሓገዞ ይዛረብ። እዚ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምኽሪ ክህብ ከሎ ዝያዳ ኣስላጢ ንክኸውን እውን ኣኽኢልዎ ኢዩ።
ኣብ ናይጀርያ ዘሎ ሓደ ሓው ኣብዚ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ነቲ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ–መዓልቲ ምምርማር ዘሎ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ጥቕስታት ኣብታ እትስዕብ ንግሆ ንኽመያየጠሉ ምሸት ናይ ምንባብ ልምዲ ነበሮ። ምስ እዚ ኸኣ ነታ እታ ጥቕሲ ተወሲዳትላ ዘላ ምዕራፍ ብምልእታ የንብባ። ምስ ተመርዓወ እውን ምስ ሰበይቱ ኾይኑ ብምንባብን ምምይያጥን ነዚ ልምዲ እዚ ቀጺልዎ ኢዩ።
ሓንቲ ወለዳ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኮተቴ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ቅድሚ ምድቃሳ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ዓሰርተ ደቒቕ ዝኸውን ግዜ ናይ ምንባብ ልምዲ ነበራ። እዘን ደቓይቕ እዚኣተን ንዓኣ ኣዝየን ክቡራት ኢየን ነይረን: ቅድሚ ምንባባን ድሕሪኡን ከኣ ትጽሊ። ሸቶኣ ነቲ የሆዋ ብነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ዘጽሓፎ መልእኽቲ ንምፍላጥ ኢዩ።
ኣብ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ዘሎ ሓደ እተመርዓወ ሓው: ኣብዚ ዝሓለፈ ሾመንተ ዓመታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ከም ዘንበባ ይዛረብ። ቅድሚ ምድቃሱ ካብ 20 ክሳዕ 30 ደቓይቕ የንብብ። ኣዝዩ ደኺሙ ከሎ እውን ከይተረፈ: እንተደኣ ዘየንቢቡ ክድቅስ ኣይክእልን ኢዩ። ተንሲኡ ነቲ መንፈሳዊ ድልየት እቲ ከማልእ ኣለዎ።