ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/11 ገጽ 11-16
  • ብለውሃት እትደናገጹ ኩኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብለውሃት እትደናገጹ ኩኑ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደ መዘና ዘይብሉ ናይ ድንጋጸ ዕዮ
  • ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ሰብነት
  • ቅንኢ: ናይ ድንጋጸ ዕንቅፋት
  • ካልእ ናይ ድንጋጽ ዕንቅፋታት
  • ንሕሙማት ምድንጋጽ
  • ነቶም ድኹማት ምድንጋጽ
  • ርሕሩሕ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • “ርሕራሐ ኣምላኽና”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ንርሕራሐ የሆዋ ቕድሓዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • የሆዋ ብድንጋጽ ኢዩ ዝመርሕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/11 ገጽ 11-16

ብለውሃት እትደናገጹ ኩኑ

“ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት . . . ልበሱ።” ​—⁠ቈሎሴ 3:​12 ትሓዓ

1. ሎሚ ድንጋጸ ኣዝዩ ኣድላዪ ኮይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ?

ኣብ ታሪኽ ንብዙሓት ሰባት ከም ሎሚ ገይሩ ድንጋጽ ዝመልኦ ደገፍ ኣድልይዎም ኣይፈልጥን። ኣብዚ ሎሚ ሕማም: ጥሜት: ስራሕ ምስኣን: ዓመጽ: ውግእ: ስርዓት ኣልቦነትን ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታትን ዝርከበሉ ዘሎ ግዜ: ሚልዮናት ሰባት ሓገዝ የድልዮም ኢዩ። ካብዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሽግር ግን ኣሎ: ንሱ ድማ ወዲ ሰብ ብመንፈሳዊ መገዲ ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ኵነታት ይነብር ምህላዉ ኢዩ። እቲ ግዜኡ ሓጺር ምዃኑ ዝፈልጥ ሰይጣን: ‘ንብዘላ ዓለም የስሕታ ኢዩ ዘሎ።’ (ራእይ 12:​9, 12) ስለዚ እምበኣር: ብፍላይ እቶም ካብታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኢያ ዘላ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነቶም ብመዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ ዝጠፍኡ: ዝኾነ ይኹን ናይ ትንሳኤ ተስፋ ኣይህቦምን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:​31-33, 41, 46፣ 2 ተሰሎንቄ 1:​6-9

2. የሆዋ ነቶም እኩያት ካብ ምጥፋእ ድሕር ዝብል ስለምንታይ ኢዩ?

2 ይኹን እምበር ክሳዕ እዛ ናይ መወዳእታ ሰዓት እዚኣ የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ዘየማስዉን ረሲኣንን: ብዘይምቁራጽ ትዕግስትን ድንጋጸን የርእዮም ኣሎ። (ማቴዎስ 5:45፣ ሉቃስ 6:​35, 36) እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከኣ ምስቲ ነቶም ዘይእሙናት ህዝቢ እስራኤል ክወርዶም ዝነበሮ ቅጽዓት ከም ዝደናጐ ዝገበሮ ምኽንያት ይሰማማዕ ኢዩ። “ኣነ ህያው እየ: ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር: ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን ኢዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል: ስለምንታይከ እትሞቱ? ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ: ተመለሱ: በሎም።”​—⁠ህዝቅኤል 33:⁠11

3. ነቶም ህዝቡ ዘይኮኑ ድንጋጽ ብዛዕባ ምርኣይ እንታይ ኣብነት ናይ የሆዋ ኢዩ ዘሎና: ካብዚኸ እንታይ ንመሃር?

3 የሆዋ ነቶም እኩያት ሰብ ነነዌ እውን ድንጋጹ ዘርጊሑሎም ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኽወርዶም ኣንጠልጢሉ ዝነበረ ጥፍኣት ንኸጠንቅቖም ኢሉ ንነብዪ ዮናስ ለኣኾ። ንስብከት ዮናስ ብኣወንታዊ መገዲ ምላሽ ብምሃብ ተነስሑ። እዚ ድማ ንየሆዋ ነቲ ደንጋጺ ኣምላኽ ነታ ከተማ ኣብቲ ግዜ እቲ ንኸየጥፍኣ ድሕር ኣበሎ። (ዮናስ 3:10፣ 4:11) ኣምላኽ ነቶም ናይ ትንሳኤ ተስፋ ክህልዎም ዝኽእል ዝነበረ ሰብ ነነዌ ካብ ደንገጸሎም: ክንደይ ግዳ ነዞም ሎሚ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ዝጽበዮም ዘሎ ሰባት ኣብዚሑ ክድንግጸሎም ዘይግባእ!​—⁠ሉቃስ 11:⁠32

ሓደ መዘና ዘይብሉ ናይ ድንጋጸ ዕዮ

4. የሆዋ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ድንጋጹ ዝገልጽ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ?

4 ምስቲ ደንጋጺ ባህርያቱ ብምስምማዕ: የሆዋ ንመሰኻኽሩ: ‘ብስራት መንግስቲ’ ሒዞም ንጐረባብቶም ከየባተኹ ክበጽሕዎም ኣዚዝዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ሰባት ነዚ ህይወት ዘድሕን ዕዮ ብሞሳ ክቕበልዎ ኸለዉ: የሆዋ ድማ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ መሊኦም ምእንቲ ክርድእዎ ኣልባቦም ይኸፍተሎም። (ማቴዎስ 11:25፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14) ሓቀኛታት ክርስትያናት ለዋህ ድንጋጸ ብምርኣይ ንኣምላኾም ይመስልዎ ኣለዉ: እዚ ኸኣ ንተገደስቲ ሰባት ብምብጻሕን ብዝተኻእለ መጠን ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ ብምሕጋዝን የርእይዎ። በዚ ኸምዚ ድማ: ኣብ 1993 ልዕሊ ኣርባዕተን ፈረቓን ሚልዮን ዝኾኑ መሰኻኽር የሆዋ ኣብ 231 ሃገራት: ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽን ምስ ጐረባብቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን: ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም። እዞም ሓደስቲ ተገደስቲ ድማ ብግዲኦም: ህይወቶም ንየሆዋ ናይ ምውፋይን ኣብ ደረጃ ናይቶም እተጠመቑ መሳኻኽር ናይ ምብጻሕን ኣጋጣሚ ኣለዎም። በዚ ኸምዚ ድማ ንሳቶምውን: ነቶም ኣብዛ ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ዘሎ ናይ ሰይጣን ዓለም ኣብ መጻወድያ ኣትዮም ዘለዉ ብሕጂ ክመጽኡ ትጽቢት ዝግበረሎም ንምሕጋዝ ኣብቲ መዘና ዘይብሉ ናይ ድንጋጽ ዕዮ ይሳተፉ።​—⁠ማቴዎስ 28:​19, 20፣ ዮሃንስ 14:⁠12

5. መለኮታዊ ድንጋጽ ኣብ ደረቱ ምስ በጽሐ: ነታ ብጌጋ ንኣምላኽ እውክል ኢየ እትብል ሃይማኖት እንታይ ከጋጥማ ኢዩ?

5 የሆዋ ብዝቐልጠፈ ግዜ ከም “ተዋጋኢ” ኰይኑ ክዓዪ ኢዩ። (ዘጸኣት 15:⁠3) ንስሙን ንህዝቡን ብዘለዎ ድንጋጽ ተላዒሉ: ንረሲእነት ጸራሪጉ: ጽድቃዊት ሓደስ ዓለም ክሃንጽ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:​13) ቍጥዓ ኣምላኽ ብመጀመርታ ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝበ ክርስትያን ቤተ ክርስትያናት ኢዩ ዝወርድ። ኣምላኽ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ናይ ገዛእ ርእሱ ቤት መቕደስ እኳ ካብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ካብ ዘየናግፋ: ነዘን ብጌጋ ወኪለናኦ ዘለዋ ሃይማኖታውያን ማሕበራትውን ኣይንሕፈንን ኢዩ። ኣምላኽ ንህዝበ ክርስትያንን ንኹሉ ኣገባብ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ንኸጥፍእዎ: ንኣባላት ናይ ሕቡራት መንግስታት: ኣብ ልቦም ከሕድረሎም ኢዩ። (ራእይ 17:​16, 17) “ስለዚ” ይብል የሆዋ: “ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ: ኣነ ኣይክርሕርሕን: መገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ።”​—⁠ህዝቅኤል 9:⁠5, 10

6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር በየኖት መገድታት ኢዮም: ድንጋጽ ከርእዩ ዝድረኹ?

6 ግዜ ክሳዕ ዘሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኣምላኽ ብቕንኣት እናሰበኹ ንጐረባብቶም ድንጋጸ ምርኣዮም ክቕጽሉ ኢዮም። ኣብቲ ዝከኣለሉ ግዜ ድማ: ብባህርያዊ መገዲ: ነቶም ዝተሸገሩ ሰባት ስጋዊ ደገፍ ይገብሩሎም ኢዮም። ይኹን እምበር በዚ መገዲ እዚ: እቲ ቀዳማይ ሓላፍነቶም ንድልየት ናይቶም ዝቐረቡ ኣባላት ስድራቤቶምን ናይቶም ኣብ እምነቶም ዝሓብርዎምን ምሕላይ ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠10፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:​4, 8) እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክንዲ እቶም ብዝተፈላለዩ ሓደጋታት ኣብ ስቓይ ዝወደቑ ኣመንቲ ብጾቶም ዝገበርዎ ብዙሕ ናይ ድሕነት ተልእኾታት: ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ናይ ድንጋጽ ኢዩ። ክርስትያናት ለውሃትን ድንጋጸን ንምርኣይ ጸገማት ክሳዕ ዝወርድ ኣይጽበዩን ኢዮም። ምስቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘሎ ላዕልን ታሕትን ክጋጠሙ ከለዉ ቀልጢፎም ኢዩም ነዚ ባህሪ እዚ ዘንጸባርቑ።

ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ ሰብነት

7. (ሀ) ኣብ ቈሎሴ 3:​8-13 ድንጋጸ ምስ ሓዲሽ ሰብነት ተኣሳሲራ ዘላ ብኸመይ ኢያ? (ለ) ለዋህ ምፍታው ንክርስትያናት እንታይ ንምግባር ኢዩ ቀሊል ዝገብረሎም?

7 ሓቂ ኢዩ: እቲ ሓጥእ ስጋናን እቲ ሕማቕ ጽልዋ ናይ ሰይጣን ዓለምን: ብለውሃት እንድንግጽ ከይንኸውን ዕንቅፋት ኢዮም ዝኾኑና። ስለ ዝኾነ ኸኣ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸረፊ: ዜሕፍር ዘረባውን” ከነርሕቕ ዝላበወና። ኣብ ክንድኡስ: ንምስሊ ኣምላኽ ዝመስል ‘ሓድሽ ሰብነት ክንለብስ’ ኢና ተመኺርና ዘሎና። ቅድም ቀዳድም: “ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመት: ምጻር” ክንለብስ ኢና ተኣዚዝ ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ቀጺሉ ነዚ ባህርያት እዚ ከነንጸባርቐሉ እንኽእል ተግባራዊ መገዲ ይሕብረና። “ንሓድሕኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ የሆዋ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።” ‘ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ’ ኣብ ኣሕዋትና እንተድኣ ኣማዕቢልና: ይቕረ ንምባል ኣዝዩ ቀሊል ክኾነልና ኢዩ።​—⁠ቈሎሴ 3:​8-13 ትሓዓ

8. ናይ ይቕረ ምባል መንፈስ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ?

8 በቲ ሓደ ወገን ድማ: ብድንጋጸ ተላዒልና ይቕረ ካብ ምባል ንሰንፍ እንተደኣ ኰይንና ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽና ዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘውድቖ። እዚ ብጽንዕ ዝበለ መገዲ: ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ጐይታኡ “ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ” ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተዎ ዘይምሕር ባርያ ገሊጽዎ ዘሎ ምሳሌ: ተራእዩ ኣሎ። እቲ ባርያ ነቲ ምሕረት ዝለመኖ ብጻዩ ባርያ ብዘስካሕክሕ መገዲ ድንጋጽ ስለ ዘየርኣየ: እዚ መቕጻዕቲ እዚ ይግብኦ ኢዩ። የሱስ ነቲ ምሳሌ ከምዚ ብምባል ደምደሞ:- “ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተዘይበለኩምሉ: እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም ኢዩ።”​—⁠ማቴዎስ 18:⁠34, 35

9. ለዋህ ድንጋጸ ምስቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ሓድሽ ሰብነት ብኸመይ ኢዩ ዝተሓሓዝ?

9 ብለውሃት እንድንግጽ ምዃን ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ናይ ፍቕሪ ኢዩ። ፍቕሪ ድማ ናይ ሓቀኛ ክርስትና መለለዪ ምልክት ኢያ። (ዮሃንስ 13:35) ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሰብነት ዝህቦ መግለጺ በዚ ዝስዕብ ይድምድሞ:- “ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉውን [ፍቕሪ: ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ትሓዓ ] እያ እሞ ልበስዋ።”​—⁠ቈሎሴ 3:⁠14

ቅንኢ: ናይ ድንጋጸ ዕንቅፋት

10. (ሀ) ቅንኢ ኣብ ኣልባብና ሱር ከም ዝሰድድ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ? (ለ) ካብ ቅንኢ እንታይ ሕማቕ ፍረታት ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል?

10 ብምኽንያት እቲ ሓጥእ ሰብኣዊ ባህርያትና: ናይ ቅንኢ ስምዒታት ብቐሊሉ ኣብ ኣልባብና ሱር ክሰድድ ይኽእል ኢዩ። ሓደ ሓው ወይ ሓንቲ ሓብቲ በቲ ንዓና ዘይብልና ባህርያዊ ክእለታት ወይ ስጋዊ ረብሓታት እተባረኸ ይኸውን። ወይ ድማ ሓደ ሰብ ምናልባት ፍሉይ መንፈሳዊ በረኸታትን መሰላትን ተቐቢሉ ይኸውን። በዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንቐንእ እንተድኣ ኰይንና: ለዋህ ድንጋጸዶ ከነርእዮም ንኽእል ኢና? ምናልባት ኣይንኽእልን። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ቅንኢ ዝመልኦ ስምዒታትና ምናልባት ቀስ እናበለ ነቐፌታዊ ኣዘራርባን ሕያውነታዊ ብዘይኮነ ተግባራትን ይግለጽ ይኸውን: ከመይሲ የሱስ ብዛዕባ ሰባት: “ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ” ኢዩ ዝበለ። (ሉቃስ 6:45) ካልኦትውን ምስ እዚ ነቐፌታ እዚ ይሓብሩ ይኾኑ። በዚ ከምዚ ድማ ናይ ሓንቲ ስድራቤት ወይ ናይ ሓንቲ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽ ሰላም ክዝረግ ይኽእል።

11. እቶም ዓሰርተ ኣሕዋት ዮሴፍ: ንድንጋጽ ኣብ ኣልባቦም ስፍራ ዘይገደፉሉ ስለምንታይ ኢዮም: እንታይከ ኣፍረየሎም?

11 እቲ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ስድራቤት እተፈጸመ ነገር ንመርምሮ። ኣቦኡ ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ እቶም ዓሰርተ ዓበይቲ ደቂ ያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ሓዎም ዮሴፍ ቀንኡሉ። ፍረ ናይዚ ድማ ‘ብሰላም ክዛረብዎ ኣይከኣሉን።’ ድሕርዚ: ዮሴፍ ስምረት የሆዋ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ መለኮታዊ ሕልምታት ብምሕላም ተባረኸ። እዚ ድማ ንኣሕዋቱ ‘ንኽጸልእዎ ተወሳኺ ምኽንያት ኮኖም።’ ቅንኢ ካብ ኣልባቦም ስለ ዘይመሓውዎ: ድንጋጸ ከርእዩ ኣይከኣሉን: እዚ ድማ ናብ ከቢድ ሓጢኣት መርሖም።​—⁠ዘፍጥረት 37:​4, 5, 11

12, 13. ናይ ቅንኢ ስምዒታት ኣብ ኣልባብና እንተድኣ ኣትዩ እንታይ ኢና ክንገብር ዝግብኣና?

12 ብጭከና ድማ ንዮሴፍ: ናብ ባርነት ሸጥዎ። ኣበሳኦም ንኽሽፍኑ ብምፍታን ድማ: ንኣቦኦም: ዮሴፍ ብኣራዊት ኢዩ ተቐቲሉ ኢሎም ኣታለልዎ። ዓመታት ጸኒሑ ግን ብጥሜት ዝኣክል ናብ ግብጺ ከይዶም መግቢ ክዕደጉ ምስ ተገደዱ ሓጢኣቶም ተቐልዐ። እቲ ዮሴፍ ምዃኑ ዘየለለይዎ ናይ መግቢ ኣመሓዳሪ: ከም ሰለይቲ ገይሩ ብምኽሳስ ንቢንያም ነቲ ንእሽቶ ሓዎም እንተዘየምጺኦምዎ ሓገዙ ክደለዩ ከም ዘይብሎም ነገሮም። ኣብዚ ግዜያት እዚ ብንያም ብኣቦኦም ፍትዊ ስለዝነበረ: ያእቆብ ክሰዶ ከም ዘይደሊ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።

13 ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው ኢሎም ከለዉ እምበኣር: ሕልናኦም ከምዚ ንኽብሉ ደረኾም:- “ብሓቂ ኣብ ሓውና [ዮሴፍ] በደልና: እቲ [ክንድንግጸሉ ትሓዓ ] ኪልምነና ኸሎ: ጸበባ ነፍሱ እናርኤና ኣይሰማዕናዮን: ብሰርዚ እዚ መከራዚ በጽሓና።” (ዘፍጥረት 42:21) በቲ ደንጋጺ: ግናኸ ጽኑዕ ተግባራቱ ገይሩ: ዮሴፍ ኣሕዋቱ ብሓቂ ክሳዕ ክንደይ ከም እተነስሑ ንኸረጋግጹ ሓገዞም። ድሕርዚ መንነቱ ገለጸሎም: ብኸምኡ ድማ ሓደገሎም። ናይ ስድራ ቤት ሕብረት ድማ እንደገና ተመልሰ። (ዘፍጥረት 45:​4-8) ከም ክርስትያናት መጠን ካብዚ ሓደ ትምህርቲ ክንመሃር ይግብኣና። ነቲ ሕማቕ ሳዕቤናት ናይ ቅንኢ ብምፍላጥ: ነቲ ናይ ቅንኢ ስምዒታት በቲ ‘ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ’ ንኽንትክኦ ክሕግዘና ናብ የሆዋ ክንጽሊ ይግብኣና።

ካልእ ናይ ድንጋጽ ዕንቅፋታት

14. ብዘየድሊ ንዓመጻ ምቅላዕ ወጊድ ክንብሎ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና?

14 ካልእ ደንገጽቲ ንኸይንኸውን ዝዓግተና ከኣ ንገዛእ ርእስና ብዘየድሊ ንዓመጽ ምስ እነቃልዓ ኢዩ። ዓመጽ ዘንጸባርቕ ስፖርትን መዘናግዒታትን ነቲ ውዕዉዕ ስምዒትካ ዘለዓዕለልካ ጭከና ኢዩ ዘተባብዕ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣረማውያን ኣብ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ኣሬናስ ዝግበር ዝነበረ ናይ ቃልሲ ወድድርን ካልእ ኣገባብ ስቓይ ወዲ ሰብን ኣዘውቲሮም ይርእዩ ነበሩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምዝንጋዕ ብመሰረት ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ዝበሎ: “ነቲ ንወዲ ሰብ ካብ እንስሳ ዝፈልዮ ናይ ድንጋጽ ስምዒታት ኣጥፊእዎ ኢዩ።” ኣብዛ ናይ ሎሚ ዘመናዊት ዓለም ዘሎ መብዛሕትኡ መዘናግዒታት ተመሳሳሊ ሳዕቤን ኢዩ ዘለዎ። እዞም ብለውሃት ዝድንግጹ ንምዃን ዝጽዕሩ ክርስትያናት: ኣብ ንባብን ፊልምን ናይ ቲቪ መደባትን ክመርጹ ኸለዉ ኣጸቢቖም ጥንቁቓት ክኾኑ ኣለዎም። ነተን ‘ንፈታው [ዓመጻ ትሓዓ ] [የሆዋ] ይጸልኦ’ ዝብላ ኣብ መዝሙር 11:​5 ዘለዋ ቃላት ብምስትውዓል ኢዮም ዘቕልቡለን።

15. (ሀ) ሓደ ሰብ ብኸመይ ኢዩ ከቢድ ናይ ድንጋጽ ጉድለት ከርኢ ዝኽእል? (ለ) ሓቀኛታት ክርስትያናት ንድልየት ናይ ኣመንቲ ብጾቶምን ጐረባብቶምን ብኸመይ ኢዮም ክምልሽሉ ዘለዎም?

15 ሓደ ፈታው ርእሱ ዝኾነ ሰብውን ድንጋጽ ይጐድሎ ኢዩ። ከምቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ገሊጽዎ ዘሎ እዚ ከቢድ ነገር ኢዩ:- “ግናኸ ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረአዮስ ድንጋጹ ዚዐጸወሉ: ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር[?]” (1 ዮሃንስ 3:17) ኣብቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ብጻይነት ዘርኣየ ሳምራዊ ዝገለጾ ምሳሌ እቲ ርእሱ ዘጽድቕ ዝነበረ ካህንን እቲ ሌዋውን ከምዚ ዝኣመሰለ ድንጋጽ ምጕዳል ኣርእዮም ኢዮም። እዚኣቶም ነቲ ክፉእ ኵነታት ናይቲ ዳርጋ ምዉት ኮይኑ ዝነበረ ኣይሁዳዊ ሓዎም ምስ ረኣዩ: ናብቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ መገዲ ሰገሩ እሞ መገዶም ቀጸሉ። (ሉቃስ 10:​31, 32) ብኣንጻሩ ግን ደንገጽቲ ክርስትያናት ነቲ ስጋውን መንፈሳውን ድልየት ናይ ኣሕዋቶም ቀልጢፎም ኢዮም ምላሽ ዝህብሉ። ከምቲ ኣብ ናይ የሱስ ምሳሌ ተገሊጹ ዘሎ ሳምራዊ ብምምሳል: ብዛዕባ ናይ ጓኖት ሽግር እውን ይግደሱ ኢዮም። እምበኣርከስ ግዜኦምን ጉልበቶምን ጥሪቶምን ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንምስፍሕፋሕ ብፍታው ኢዮም ዝህቡ። በዚ መገዲ እዚ ገይሮም ንድሕነት ሚልዮናት የበርክቱ ኢዮም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16

ንሕሙማት ምድንጋጽ

16. ብናይ ሕማም ጉዳያት ዝመጸ እንታይ ዓቕሚ ኢዩ ዘሎና?

16 ሕማም ነዚ ዘይፍጹም መዋቲ ወዲ ሰብ: ብምርጭኡ ዝበጽሖ ዕጫ ኢዩ። ክርስትያናት እውን እተፈልዩ ኣይኮኑን: መብዛሕትኦም ከኣ ናይ ሕክምና ክእለት የብሎምን: ከምቶም ካብ ክርስቶስን ካብ ሃዋርያቱን ብእተቐበልዎ ሓይሊ ገይሮም ትእምርቲ ዝገብሩ ዝነበሩ ገለ ቀዳሞት ክርስትያናት እውን ትእምርቲ ኣይገብሩን ኢዮም። ሃዋርያት ክርስቶስን እቶም ምስኦም ጠቢቖም ዝነበሩ ብጾቶምን ምስ ሞቱ ግና እቲ ተኣምራታዊ ሓይልታት ሓሊፉ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቶም ብኣካላዊ ሕማምን ብናይ ኣእምሮ ምዝንባልን ምህትፍታፍን ዝሳቐዩ ንምሕጋዝ ዘሎና ከእለት ውሱን ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:​13, 18፣ 1 ቈረንቶስ 13:⁠8

17. ካብቲ ኣብ ሕማምን ጓህን ወዲቑ ዝነበረ እዮብ ዝበጽሖ ኩነታት እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል?

17 መብዛሕትኡ ግዜ ሕማም እንተልዩ መንፈስ ጭንቀት ይመጽእ ኢዩ። ንኣብነት እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ እዮብ ብምኽንያት እቲ ሰይጣን ዘውረደሉ ከቢድ ሕማምን መዓትን ኣዝዩ ኢዩ ተጨኒቑ ነይሩ። (እዮብ 1:​18, 19፣ 2:7፣ 3:​3, 11-13) ብለዋህ ድንጋጽ ዝሕዝዎን ‘ዘጸናንዕዎን’ ኣዕሩኽ የድልይዎ ነበሩ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣብ ክንድኡ ግን እቶም ሰለስተ መጸናናዕቲ ዝበሃሉ ክበጽሕዎ መጹ እሞ: ሃንደራእ ኢሎም ከኣ ግጉይ መደምደምታታት ሃቡ። እቲ ዝወረዶ መዓት ብምኽንያት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣበሳታት ኢዩ ብምባል ድማ ነቲ ናይ እዮብ ጭንቀት ኣጋደድዎ። ክርስትያናት ግን ብለውሃት ዝደናገጹ ብምዃን ኣመንቲ ብጾቶም ኣብ ሕማም ወይ መንፈስ ጭንቀት ምስ ዝወድቁ ከምዚ ዝኣመሰለ ጌጋ ካብ ምፍጻም ይቑጠቡ ኢዮም። ሓድ ሓደ ግዜ እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ዘድልዮም ቀንዲ ነገር: ካብቶም ብድንጋጸ ዝሰምዑን ምስትውዓል ዘርእዩን ከምኡውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ፍቕራዊ ምኽሪ ዝህቡ ሽማግለታት ወይ ካልኦት ብሱላት ኣሕዋት ሓጺር ሕያውነታዊ ምብጻሕ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 12:15፣ ያእቆብ 1:⁠19

ነቶም ድኹማት ምድንጋጽ

18, 19. (ሀ) ሽማግለታት ነቶም ድኹማት ወይ በደለኛታት ብኸመይ ክሕዝዎም ይግባእ? (ለ) ዋላ እኳ ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ከተቕውም ኣድላዪ እንተኾነ ሽማግለታት ነቶም ኣበሰኛታት ብለዋህ ድንጋጸ ክሕዝዎም ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

18 ብፍላይ ሽማግለታት ብለውሃት ዝድንግጹ ክኾኑ ይግብኦም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:​29, 35) መጽሓፍ ቅዱስ “ንሕና ብርቱዓት ዝኾንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር: . . . ይግብኣና እዩ” ኢሉ ይእዝዝ። (ሮሜ 15:⁠1) ዘይፍጹማት ስለ ዝኾንና ኵላትና ጌጋታት ንፍጽም ኢና። (ያእቆብ 3:⁠2) ምስ ሓደ “ከይፈለጠ ግጉይ ስጉምትታት ዝወሰደ ሰብ” ኣብ እትገብሮ ርክብ ለውሃት ተደላይት ኢያ። (ገላትያ 6:⁠1) ሸማግለታት ከምቶም ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ብዘይምስትውዓል ዘዘውትርዎ ርእሶም ዘጽድቑ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ክመስሉ ፈጺሞም ኣይደልዩን ኢዮም።

19 ኣብ ክንድኡስ: ሽማግለታት ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብለዋሃት ናይ ምድንጋጽ ኣብነታት ኢዮም ዝስዕቡ። እቲ ቀንዲ ዕዮኦም ነባጊዕ ኣምላኽ ምምጋብን ምብርታዕን ምሕዳስን ኢዩ። (ኢሳይያስ 32:​1, 2) ንነገራት ኣብ ክንዲ ብብዝሒ ሕግታት ገይሮም ክቆጻጸርዎ ዝፍትኑ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ ሰናይ መምርሒታት ኢዮም ዝውከሱ። ስለዚ እምበኣር ዕዮ ናይ ሽማግለታት ንምህናጽን ንኣልባብ ናይ ኣሕዋቶም ድማ: ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ ሰናይ ባህርያት: ሓጎስን ሞሳን ከም ዝመልእ ንምግባር ክኸውን ይግብኦ። ሓደ ኣማኒ ብጻይ ንእስ ዝበለ ጌጋታት ምስ ዝፍጽም: ሓደ ሽማግለ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ኮይኑ ኣይግስጾን ኢዩ። ምዝራቡ ኣድላዪ ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ: እቲ ሽማግለ ብለዋህ ስምዒት ናይ ድንጋጸ ተደሪኹ ነቲ ሰብ ፈልዩ: ካልኦት ከይሰምዕዎ ኣብ በይኑ የዘራርቦ። (ምስ ማቴዎስ 18:15 ኣነጻጸሮ።) ሓደ ሰብ ንኽቃዶ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ሽማግለ ኣቀራርባኡ ዕጉስን ሓጋዝን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ሰብ እዚ ካብ ጉባኤ ምእንቲ ክሰጎ ኢሉ ምኽንያታት ከናድየሉ ፈጺሙ ኣይደልን ኢዩ። ናይ ፍርዲ ኮሚቴ ንኽትቀውም ኣድላዪ ኮይኑ እኳ እንተተረኽበ: ሽማግለታት ምስቲ ኣብ ከቢድ ኣበሳ ዝወደቐ ሰብ ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ለዋህ ድንጋጸ ኢዮም ዘርእዩ። እቲ ሕያውነቶም ከኣ ነቲ ሰብ ናብ ነስሓ ንኽበጽሕ ክሕግዞ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:​24-26

20. ስምዒታዊ መግለጺ ናይ ድንጋጽ ዘይግቡእ ዝኸውን መዓስ ኢዩ: ስለምንታይከ?

20 ይኹን እምበር ኣገልጋሊ ኣምላኽ ድንጋጸ ከርኢ ዘይክእለሉ እዋናት ኣሎ። (ምስ ዘዳግም 13:​6–9 ኣነጻጽሮ።) ንሓደ ክርስትያን: ምስቲ እተወገደ ናይ መሕርሮ ዓርኩ ወይ ዘመዱ ‘ዝገብሮ ሕብረት ፈጺሙ ንኸቋርጽ’ ፈታኒ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ሓደ ሰብ ናይ ድንጋጽ ስምዒታት ከርኢ የብሉን። (1 ቈረንቶስ 5:​11-13) ከምዚ ዝበለ ጽንዓት ምርኣይ ነቲ ኣብ ጌጋ ወዲቑ ዘሎ ንኽናሳሕ ከበራትዖ ይኽእል ኢዩ። ብተወሳኺ ምስ ኣንጻር ጾታ ኣብ ዝገብርዎ ርክባትውን ክርስትያናት ናብ ጾታዊ ብዕልግና ክመርሕ ዝኽእል ዘይግቡእ ድንጋጽ ወጊድ ክብልዎ ይግባእ።

21. ኣበየናይ ካልእ ኩነታትከ ኢና ለዋህ ድንጋጸ ከነርኢ ዘሎና: ረብሓታቱኸ እንታይ ኢዩ?

21 ንኹሉ እቲ ድንጋጽ ምርኣይ ዘድልዮ ኵነታት ከም እኒ ንዝሸምገሉ: ንዝሓዘኑ: ነቶም ካብ ዘይኣመንቲ ብጾቶም ስደት ዘሕልፉ ዘለዉ ንኽንዛረበሉ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ እኹል ቦታ የብልናን። ነቶም ጻዕረኛታት ሸማግለታትውን ብግዴና ለዋህ ድንጋጸ ከነርእዮም ይግብኣና። (1 ጢሞቴዎስ 5:17) ኣኽብርዎምን ደግፍዎምን። (እብራውያን 13:​7, 17) ሃዋርያ ጴጥሮስ “ኩላትኩም . . . [ብለውሃት ትሓዓ] እትደናገጹ . . . ኩኑ” ኢሉ ይጽሕፍ። (1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ኣብ ኩሉ እቲ ዘድልየሉ ኵነታት በዚ ኣገባብ እዚ ብምምልላስና: ኣብታ ጉባኤ ሓጐስን ሰላምን ንኽህሉ ነተባብዕ: ከምኡውን ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ናብ ሓቂ ከም ዝመጹ ንገብሮም። ልዕሊ ኹሉ ድማ በዚ ኸምዚ ገይርና ነቲ ብለውሃት ዝድንግጽ ኣቦና የሆዋ ነኽብሮ።

ናይ ድግማ ሕቶታት

◻ የሆዋ ንሓጥእ ወዲ ሰብ ድንጋጹ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ?

◻ ብለውሃት እትድንግጽ ምዃን ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ?

◻ ብለውሃት እንድንግጽ ከይንኸውን ዝገብሩና ገለ ዕንቅፋታት እንታይ ኢዮም?

◻ ነቶም ሕሙማትን መንፈስ ጭንቀት ዘለዎምን ብኸመይ ኢና ክንሕዞም ዘሎና?

◻ ብፍላይ ብለውሃት ዝድንግጹ ክኾኑ ዘለዎም መን ኢዮም: ስለምንታይከ?

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

ድንጋጸ ዘይብሎም ፈሪሳውያን

እታ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ሰንበት ንህዝቢ ኣምላኽ መንፈሳውን ስጋውን በረኸታት እተምጽኣሎም ክትከውን ነበራ። ይኹን እምበር: እቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት: ነታ ናይ ኣምላኽ መዓልቲ ሰንበት ዘሕስር ብዙሕ ሕግታት ገበሩ: እዚ ድማ ነቶም ህዝቢ ተጽዕኖ ኮኖም። ንኣብነት: ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ምስ ዘጓንፎ ወይ ድማ ብሕማም ምስ ዝሳቐ: ህይወቱ ኣብ ሓደጋ እንተዘይወዲቓ ብመዓልቲ ሰንበት ሓገዝ ክረክብ ኣይክእልን ነበረ።

ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ሕጊ ሰንበት ዝሃቦ መግለጺ ኣዝዩ ጽኑዕ ኢዩ ነይሩ:- “ብመዓልቲ ሰንበት ሓደ እኳ ነቶም ሓዘንተኛታት ኣየጸናንዖምን ኢዩ: ንሕሙማትውን ኣይበጽሖምን ኢዩ።” ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት እዚ ምብጻሕ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክግበር እኳ እንተኣፍቀዱ “ንብዓት ክልኩል ኢዩ” ዝብል ግን ኣቖሙ።

በዚ ኸምዚ የሱስ ነቶም ኣይሁዳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ካብቲ ሕጊ ዝድለ ቀንዲ ነገራት: ከም እኒ:- ፍትሒ: ፍቕሪ: ምሕረት ሸለል ዝብሉ ብምዃኖም ብቕንዕና ኮኒንዎም ኢዩ። ነቶም ፈሪሳውያን “ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ:” ምባሉ ኣየገርምን ኢዩ።​—⁠ማርቆስ 7:⁠8, 13፣ ማቴዎስ 23:23፣ ሉቃስ 11:⁠42

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 231 ሃገራት ነዚ መዘና ዘይብሉ ናይ ድንጋጽ ዕዮ ኣብ ናይ ሰባት ቤት ኣብ ጐደናታትን ኣብ ቤት ማእሰርቲውን ከይተረፈ ይፍጽምዎ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ከም ኣብ ቲቪ ዝኣመሰለ ነገራት: ንዓመጻ ምቅላዕ ነቲ ለዋህ ድንጋጸ የድክሞ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ