ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/8 ገጽ 25-30
  • “ንኹሎም ኣህዛብ” ምስክርነት ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንኹሎም ኣህዛብ” ምስክርነት ምብጻሕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈስ የሆዋን እቲ ብስራትን
  • ንመንፈሳዊ ነገር ምንቃሕ
  • ብስራት ንምብጻሕ ዝሕግዝ ዕዉት ኣገባብ
  • ክርስትያናዊ ጠባይውን ይምስክር ኢዩ
  • እቲ ክፍሊ ባርያ እቲ ብቑዕ ዝኾነ መሳርሒ ይቕርብ
  • ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና
  • ማሕበር የሆዋ ንኣገልግሎትካ ትድግፎ ኢያ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንሓቂ ኸም ዝረኸብካያ ኣሚንካ ዲኻ፧ ስለምንታይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ቅድም እቲ ብስራት ክስበኽ ናይ ግድን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/8 ገጽ 25-30

“ንኹሎም ኣህዛብ” ምስክርነት ምብጻሕ

“እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። ” — ማቴዎስ 24:14

1. እተን ኣብ ማቴዎስ 24:14 ተመዝጊበን ዘለዋ ቃለት የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣገሪመናኦም ክኾና ዝኽእላ ስለምንታይ እየን?

እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ቃላት የሱስ ነቶም ኣይሁዳውያን ደቀ መዛሙርቲ ኣየ ክንደይ ኰን ኣገሪመናኦም ይኾና! ዝተቐደሱ ኣይሁድ ናብቶም “ርኹሳት” ኣህዛብ: ክኸዱ ዝብል ሓሳብ ንገዛእ ርእሱ ንሓደ ኣይሁዳዊ: ጋሻ ነገር አረ ኣጸያፊ ኢዩ ነይሩ።a ወይ ጋዶ ሓደ ሕልና ዘለዎ ኣይሁዳዊ እሞ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ቤት ኣህዛብ ክኣቱ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮኡ ክመጾ! እቶም ኣይሁድ ደቀ መዛሙርቲ እቲኦም ብዛዕባ የሱስ ብዛዕባ ፍቕሩን ተልእኾኡን ክመሃርዎ ዝነበሮም ገና ብዙሕ ተሪፍዎም ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ የሆዋውን ኣድልዎ ከም ዘይብሉ ገና ብዙሕ ክመሃሩ ነበሮም። — ግብሪ ሃዋርያት 10:28, 34, 35, 45

2. (ሀ) እቲ ናይቶም መሰኻኽር ምስክርነት ዕቤቱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ነይሩ? (ለ) እንታይ ሰለስት ረቋሒ እየን ነቶም መሰኻኽር ምዕብልና ከርእዩ ዝሓገዛኦም?

2 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ኣብ ኵለን ሃገራት: ኣብዛ ዘመናዊት እስራኤልውን ከይተረፈ: ሰቢኾሞ ኢዮም። ሕጂውን ካብ ቀደም ብዝበለጸ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ይእውጅዎ ኣለዉ። ኣብዚ ናይ 1994 ከኣ ልዕሊ ኣርባዕተን ፈረቓን ሚልዮን መሰኻኽር ኣብ 230 ኣቢለን ዝኾና ሃገራት ይሰብኩ ኣለዉ። ነዚ ድማ ኣብ ምልእቲ ዓለም: ጽልኢ እናኣጋጠሞም ድምብርጽ ከይበሎም ይሰብክዎ ኣለዉ: መብዛሕትኡ እዚ ጽልኢ እዚ ድማ ንትምህርትን ድራኼን ናይቶም መሰኻኽር ብዘይምፍላጥ ዝግበር ኢዩ። ከምቲ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝተባህለ ብዛዕብኦምውን ከምኡ ክበሃል ይከኣል ኢዩ:- “ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ ንፈልጥ ኢና።” (ግብሪ ሃዋርያት 28:22) እሞ እዚ ዕዉት ኣገልግሎቶም ደኣ ካብ ምንታይ ኢዩ ክንብሎ ኢና? ንምዕብልንኦም ኣስተዋጽኦ ዝገብራ እንተወሓደ ሰለስተ ረቋሕቲ ኣለዋ: ንሳተን ድማ: ንመሪሕነት መንፈስ የሆዋ ምስዓብ: ነቲ ተግባራዊ ዝኾነ ኣገባባት ናይ ክርስቶስ ምቕዳሕ: ከምኡውን ስሉጥ ርክብ ንምግባር እቲ ብቑዕ መሳርሒታት ምዝውታር እየን።

መንፈስ የሆዋን እቲ ብስራትን

3. ብዛዕባቲ ዛጊት ረኺብናዮ ዘሎና ዓወት ክንምካሕ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና?

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እቲ ረኺቦሞ ዘለዉ ዓወት ብምኽንያት እቲ ዝኾነ ይኹን ክህልዎም ዝኽእል ፍሉይ ክእለት ከም ዝመጸ ገይሮምዶ ይምክሑ ኢዮም? ኣይፋሎምን: ከመይሲ ናይ የሱስ ቃላት ኣባታቶምውን ይውዕል ኢዩ:- “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ኹሉ ምስ ገበርኩም: ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና: እቲ ኽንገብሮ ዚግብኣና ኢና ዝገበርና በሉ።” ከም ህይወቶም ዝወፈዩ ክርስትያናት መጠን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕታዊ ኵነታቶም ብዘየገድስ ንኣምላኽ ከገልግሉ ብፍታዉ ሓላፍነት ወሲዶም ኢዮም። እዚ ድማ ንገሊኦምሲ ከም ሚስዮናውያን ኮይኖም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ምቕራብ: ወይ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን ኣብቲ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ዝሕተመሉ ትካላትን ብወለንታ ከም ዝዓዩ ገይረዎም ኢዩ። ንኻልኦት ከኣ እዚ ከምዚ ዝበለ ከርስትያናዊ ፍቓደኛነት ኣብ ምህናጽ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ክዓዩ: ከም ፓይነር ኣገልገልቲ ኾይኖም ናይ ምሉእ ግዜ ስብከት ከቕርቡ ወይ ከም ናይ ከፊል ግዜ ኣስፋሕቲ ኮይኖም ኣብተን ኣብ ዞባኦም ዘለዋ ጉባኤታት ምስባኽ ዝሓቶም ኢዩ። ካባና በቲ “ኽንገብሮ ዝግብኣና” ማለት በቲ ግቡእና ክጅሃር መሰል ዘለዎ ዋላ ሓደ እኳ የልቦን። — ሉቃስ 17:10፣ 1 ቈረንቶስ 9:16

4. እቲ ንክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዝተገብረ ዓለምለኻዊ ምጽራር ብኸመይ ኢዩ ክሽነፍ ዝተኻእለ?

4 ዝኾነ ይኹን ረኺብናዮ ዘሎና ዓወት: ኣብ መንፈስ የሆዋ ወይ መስለጢ ሐይሉ ዝተመክሐ ኢዩ። ከምቲ ብመዓልታት ነቢ ዘካርያስ ዝተባህለ ሎሚውን ከምኡ ክበሃል ብቑዕ ኢዩ:- “እዚ እቲ ንዘሩባቤል ዝኸውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ: ብመንፈሰይ እምበር: ብኽእለትን ብሓይልን ኣይኰነን ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።” ስለዚ ኸኣ ንዕዮ ስብከት ናይቶም መሰኻኽር ዝተገብረ ምጽራር ብመሪሕነት የሆዋን ዑቕብኡን እምበር ብሰብኣዊ ጻዕሪ ኣይተሳዕረን። — ዘካርያስ 4:6

5. የሆዋ እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክዝርጋሕ: እንታይ ግደ ነይርዎ?

5 ብዛዕባ እቶም ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝቕበልዎ ድማ የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ነብያትውን: ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ኪኾኑ እዮም: ዚብል ጸሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዔን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። . . . እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተዘይኰይኑ: ናባይ ኪመጽእ ዝኽእል የልቦን።” (ዮሃንስ 6:45, 65) የሆዋ ኣልባብን ሓሳባትን ይፈልጥ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ነቶም ገና ዘይፈልጥዎ ዘለዉ እውን ንፍቕሩ ክምልሽሉ ዝኽእሉ ምዃኖም ይፈልጦም ኢዩ። ከምኡውን ነዚ ፍሉይ ዝኾነ ኣገልግሎት እዚ ንምምራሕ መላእኽቱ ይጥቀም ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ዮሃንስ ኣብቲ ራእይ ናይ መላእኽቲ ተሳትፎ ስለ ዝረኣየ ከምዚ ዝስዕብ ዝጸሓፈ:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንኹሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።” — ራእይ 14:6

ንመንፈሳዊ ነገር ምንቃሕ

6. ሓደ ሰብ ነቲ ብስራት ክቕበሎ እንታይ መሰረታዊ ኣረኣእያ ኢዩ ዝሓትት?

6 የሆዋ ንሓደ ሰብ ነቲ ብስራት ንኽቕበሎ ኣጋጣሚ ዝህበሉ ካልእ ረቋሒ ኸኣ ከምቲ የሱስ ገሊጽዎ ዘሎ ኢዩ:- “ብመንፈስ ድኻታት [ንመንፈሳዊ ድልየቶም ንምምላእ ንቑሓት ዝኾኑ ትሓዓ] መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ብጹኣን እዮም።” (ማቴዎስ 5:3) ሓደ ኣብኡ ኸሎ ዝዓገበ: ወይ ከኣ ንሓቂ ዘይደሊ ሰብ መንፈሳዊ ድልየት ንምምላእ ንቑሕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንሱ ወይ ንሳ ብዛዕባ ስጋዊ ነገራት ጥራይ እዩ ዝሓስብ። እቲ ነቲ ዘሎ ሐደጋ ከየስተብሃልካ ምዕጋብ: ሓጹር ወይ ከልካሊ ይኸውን። ስለዚ እቶም ብዙሓት ካብ ቤት ናብ ቤት ክንክይድ ከሎና እንረኽቦም ሰባት ነቲ መልእኽቲ እንተነጸግዎ: ከምዚ ዝመሰለ ግብረ መልሲ ንኸርእዩ ዝድርኾም ምኽንያታት ኣብ ግምት ከነእትዎ የድሊ።

7. ስለምንታይ ኢዮም ብዙሓት ንሓቂ ዘይቅበልዋ?

7 ብዙሓት ነታ ብውርሻ ዝተረከብዋ ሃይማኖት ብህልኽ ስለ ዝሰዓብዋ ክመያየጡ ድማ ስለ ዘይደልዩ: ምስማዕ ይኣብዩ። ገሊኣቶም ድማ ናብ ሓንቲ ምስቲ ባህርያቶም እትወሃሃድ ሃይማኖት ገጾም ይስሓቡ: ገሊኦም ተኣምራታዊ ወይ ምስጢራዊት ሃይማኖት ይደልዩ: ገሊኦም ብስምዒት ዝማረኹ ኣለዉ: ገና ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ናይታ ቤተ ክርስትያኖም ማሕበራዊ ንጥፈታት ክዋስኡ: ተቐባልነት ዘለዎም ሰባት ኰይኖም ክርከቡ ኢዩ ዝያዳ ዘገድሶም። ሎሚ ብዙሓት ሰባት: ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ዘይቃዶ ኣነባብራ መሪጾም ኣለዉ። ምናልባሽ ዘይሞራላዊ ወይ ብዕሉግ ናብራ ስለ ዘሕልፉ ክኾኑ ኣለዎም “ኣየድልየንን ኢዩ” ዝብል መልሲ ዝህቡ። ገና ገሊኣቶም ምሁራት ወይ ሊቃውንቲ ኢና ባሃልቲ ኸኣ ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዘይክእል መጽሓፍ ኢዩ ኢሎም ይነጽግዎ። — 1 ቈረንቶስ 6:9–11፣ 2 ቈረንቶስ 4:3, 4

8. ሰባት ምስማዕ እንተኣበዩና ቅንእና ክንኪ ዘይግብኦ ስለምንታይ ኢዩ? (ዮሃንስ 15:18–20)

8 ዝበዝሑ ሰባት ስለ ዝነጸጉና እምነትናን እቲ ኣብቲ ህይወት ዘድሕን ኣገልግሎት ዘሎና ቅንእን ክንኪዶ ይግባእ? ካብቲ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ዝጸሓፈሎም ቃላት ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና:- “ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንትኽኑ ግዲ እንታይ እዩ? እቲ ዘይእሙናት ምኳኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ ኢዩ? ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ ብቓላትካ ክትጸድቕ: ምስ ዚፍረደካውን ክትረትዕ ኢኻ: ዚብል ጽሑፍ ደኣ: ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ።” — ሮሜ 3:3, 4

9, 10. ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ምጽራር ከም ዝተሸነፈ እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ?

9 ካብተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ብዙሓት ኣብነታት ክኾና ዝኸእላ ሃገራት ምትብባዕ ንረክብ ኢና። እዘን ሃገራት እዚአን ሓደ ግዜ ፈጺመን ዘይቅረባ ዝመስላ ዝነበራ ሕጂ ግን ብኣንጻሩ ሓንጐፋይ ኢለን ዝቕበልኦ ኮይነን ኣለዋ። የሆዋን መላእኽቱን ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክርከቡ ከም ዝኽእሉ ይፈልጡ ነይሮም። ይኹን እምበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብወገኖም ክጸንዑን ኣብቲ ኣገልግሎቶም ድማ ክጽመሙን ዝሓቶም ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት ኣብተን 50 ዓመታት ይገብር ሃይማኖት ካቶሊክ ከም ሓደ ዘይስገር ዕንቅፋት መሲሉ ዝረኣየለን ዝነበረ ሃገራት ከም ብዓል ኣርጀንቲና: ብራዚል: ኮሎምቢያ: ኣየርላንድ: ኢጣልያ: መክሲኮ: ፖርቱጋልን ስፐይንን እሞ ንመልከት። ብ1943 እቶም መሰኻኽር ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ነይሮም: ኣብ ምሉእ ዓለም 126, 000 ጥራይ ክኾኑ ከለዉ ካብዚኦም 72, 000 ከኣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ነበሩ። እቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘጋጥሞም ዝነበረ ድንቍርናን ቅርሕንትን: ከም ሓደ ብሕጡብ ዝተነድቀ ዘይፈርስ ቀጽሪ ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ምስናይዚ ግን ሎሚ ገለ ካብቲ ኣዝዩ ዕዉት ናይ ስብከት ፍረ ክርከብ ክኢሉ ዘሎ ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ኢዩ። ብዙሓት ቀደም ኮሙኒስት ዝነበራ ሃገራትውን ልክዕ ከምኡ ዝበለ ፍረ የርእያ ኣለዋ። ብ1993 ኣብቲ ኣብ ዩክረይን ኣብ ከተማ ኬቭ ዝተገብረ ዓቢ ኣኼባ 7, 402 ተጠመቕቲ ምንባሮም ናይዚ መረጋገጺ ኢዩ።

10 እዞም መሰኻኽር ንጐረባብቶም እቲ ብስራት ምእንቲ ከብጽሑሎም እንታይ ኣገባባት ኢዮም ተጠቒሞም? ከምቲ ገለ ሰባት ዝብልዎ ኣመንቲ መታን ክረኸቡ ስጋዊ መተባብዒታት ድዮም ተጠቒሞም? ከምቲ ካልኦት ዝብልዎኸ ነቶም ድኻታትን ዘይተማሀሩን ጥራይ ድዮም ዝበጽሕዎም?

ብስራት ንምብጻሕ ዝሕግዝ ዕዉት ኣገባብ

11. የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ እንታይ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ? (ዮሃንስ 4:6–26 ርአ)

11 የሱስን ደቀ መዛሙርቱን: ድሮ እዚ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ኣብነት ኣቐዲሞም ኣቊሞሞ ኢዮም። የሱስ ሃብታማት ድኻታት ከይበለ ንሰባት ኣብ ኣባይቶም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኣብ ገምገም ቀላያት ኣብ ኣኽራናት አረ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ከይተረፈ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። — ማቴዎስ 5:1, 2፣ 8:14፣ ማርቆስ 1:16፣ ሉቃስ 4:15

12, 13. (ሀ) ከመይ ገይሩ ኢዩ ጳውሎስ ንክርስትያናት ኣብነት ዝገደፈሎም? (ለ) ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ከመይ ኢሎም ኢዮም ናይ ጳውሎስ ኣብነት ዝሰዓቡ?

12 ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣገልግሎት ዝምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ብቑዕ ኢዩ ነይሩ:- “ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረ ኹሉ ግዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከም ዝነበርኩ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም: . . . ንጐይታ ኸመይ ገይረ ከም ዘገልገልክዎ . . . ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ኾነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።” — ግብሪ ሃዋርያት 20:18–20

13 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ሃዋርያዊ ኣብነት ብምስዓብ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኾም ኣብ ምልእቲ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። ኣብ ክንዲ ኣብ ሓደ ክቡር ዝዋግኡን: ዕምቆት ዘይብሉን ዝተገለለን ናይ ቲቪ ስብከት ዘተኩሩ: መሰኻኽር ናብ ሰባት ከይዶም ሃብታምን ድኻን ከይበሉ ገጽ ንገጽ ኢዮም ዝራኸብዎም። ብዛዕባ ኣምላኽን ቃሉን ክዛረቡ ኢዮም ዝደልዩ።b ሓደ ሓደ ነገራት ብናጻ እናዓደሉ ኣመንቲ ብምልዋጥ ናይ ስርናይ ክርስትያናት ክገብሩ ኢሎም ኣይፍትኑን ኢዮም። ነቶም ምኽንያት ክርድኡ ዝደልዩ: እታ ንግድል ደቅሰብ እትፈትሕ: እታ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵነታት ኣብ ዝበለጸ እትልውጦ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝኾነት ኢዮም ዝሕብርዎም። — ኢሳይያስ 65:17, 21–25፣ 2 ጴጥሮስ 3:13፣ ራእይ 21:1–4

14. (ሀ) ከመይ ኢሎም ኢዮም ብዙሓት ሚስዮናውያንን ፓይነራትን ጽኑዕ መሰረት ከምብሩ ዝኸኣሉ? (ለ) ካብ ተመኩሮ ናይቶም ኣብ ጃፓን ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢና እንመሃር?

14 እቲ ዕዮ ብዝከኣል መጠን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ምእንቲ ክበጽሕ ሚስዮናውያንን ፓይነራትን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከም መደያይቦ ወይ መተሓዃኹሮ ኰይኖም ዓዮም ኢዮም። ንሳቶም መሰረት ኣንቢሮም: ብድሕሪኡ እቶም ደቂ ዓዲ ዝኾኑ መሰኻኽር ነቲ መሪሕነት ወሲዶሞ። ስለዚ ኸኣ እቲ ዕዮ ስብከት ክቕጽልን ጽቡቕ ክመሓደርን ብዙሕ ዝቑጽሮም ወጻእተኛታት መሰኻኽር ኣየድለዮን። ሓደ ካብቲ ጐሊሑ ዝርአ ኣብነት ናይ ጃፓን ኢዩ። ብ1949 ኣብቲ ሃገር ዝበዝሑ ደቂ ኣውስትራልያን ደቂ ብሪታንያን ሚስዮናውያን ኢዮም ናብኡ ከይዶም: ነቲ ቋንቋ ኣጽኒዖም: ናብርኦም ምስቲ ድሕሪ ኲናት ዝነበረ ናይ ቅድም ባህሊ ዝኾነ ኵነታት ኣወሃሂዶም: ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኩ ተበገሱ። ብግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም: እቶም መሰኻኽር ኣብ ጃፓን ተኣጊዶምን ተሰጒጐምን ኢዮም። ስለዚ እቶም ሚስዮናውያን ኣብኡ ክበጽሑ ኸለዉ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጃፓናውያን መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ረኺቦም። ይኹን እምበር ሎሚ ግን ኣብ ልዕሊ 3, 000 ዝኣኽላ ጉባኤታት ልዕሊ 187, 000 በጺሖም ኣለዉ። ኣብቲ ፈለማ: ምስጢር ናይ ዓወቶም እንታይ ኢዩ ነይሩ? ሓደ ኣብቲ ሃገር ልዕሊ 25 ዓመታት ዘገልገለ ሚስዮናዊ ከምዚ በለ:- “እቲ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝነበረ ምስቶም ህዝቢ ክትዛረብ ምኽኣል ኢዩ። ቋንቋኦም ብምፍላጥ ኵነታቶም ክንርድኦ: ኣነባብርኦም ከነስተውዕሎን ክንፈትዎን ክኢልና። ነቶም ጃፓናውያን ከም እነፍቅሮም ከነርእዮም ነይሩና። ክርስትያናዊ ክብርና ብምሕላው ከይተለማመጥና: ክፍሊ ናይቲ ሕብረተሰብ ክንከውን ብትሕትና ንፍትን ኔርና።

ክርስትያናዊ ጠባይውን ይምስክር ኢዩ

15. እቶም መሰኻኽር ከመይ ኢሎም ኢዮም ክርስትያናዊ ጠባይ ዘርኣዩ?

15 ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ጥራይ ኣይኮኑን ዝመለሽሉ። ክርስትና ኣብ ተግባር ክዓዪውን ርእዮም ኢዮም። ኣብቲ ኣዝዩ ፈታኒ ኵነታት ከም እኒ ናይ ሓድሕድ ውግእ: ቀቢላዊ ግጭት: ዓሌታዊ ጽልእን ዝኣመሰለ ከይተረፈ ናይቶም መሰኻኽር ፍቕርን: ስምምዕን ሕብረትን ተዓዚቦሞ ኢዮም። እቶም መሰኻኽር ኣብ ኵሉ ግጭታት ንጹር ዝኾነ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ዓቂቦም ኢዮም። ነቲ “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ዝብል ናይ የሱስ ቃላት ፈጺሞሞ ኢዮም። — ዮሃንስ 13:34, 35

16. ተግባራዊ ዝኾነ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ከም ዘድሊ እንታይ ተመኵሮ ኢዩ ዘብርሆ?

16 ሓደ ብዕድመ ዝሸምገለ ሰብኣይ ናብ ሓደ ናይቲ ከባቢኡ ጋዜጣ ብዛዕባ ናይስ ጋይ ዝተባህሉ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፍቕሪ ጎረቤት ኣጸቢቑ ተራእዩ ኣሎ። ንሱ ኣብቲ ጽሑፉ: እዞም ጐረባብቱ እዚኦም በዓልቲ ቤቱ ክትመውት ከላ ሕያውነት ከም ዘርኣይዎ ገለጸ። “ካብታ ዝሞተትላ ዕለት ጀሚሮም . . . ሓለፍ ዝበሉ ኢዮም ነይሮም” ኢሉ ጸሓፈ። “ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሮም ከም ውላዶም ገይሮም ኢዮም ዝኣልዩኒ ዘለዉ። . . . ኵሉ ዓይነት ዋኒን እናገበሩ ኸኣ ንግድል ናይ ወዲ 74 ዓመት ጥሮተኛ ንምፍታሕ ይሕግዙ ኣለዉ። ነዚ ኹሉ ብዝያዳ ዘስተንክር ዝገብሮ ኸኣ ንሳቶም ጸለምቲ ኣነ ኸኣ ጻዕዳ ምዃነይ ኢዩ። ንሳቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም: ኣነ ኸኣ ዘቋረጽኩ ካቶሊክ ኢየ” በለ።

17. ከመይ ዝበለ መገዲ ኢና ከነርሕቕ ዘሎና?

17 ብብዙሕ መገድታት: ብመዓልታዊ ጠባይና ከይተረፈ ክንምስክር ከም እንኽእል ካብዚ ተመኩሮ እዚ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። አረ: ጠባይና ከምቲ ናይ ክርስቶስ እንተዘይኮይኑስ: ኣገልግሎትና ፍረ ዘይብሉን ከምቲ ናይ ፈሪሳውያን ናይ ግብዝና ጽድቂ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። ከምቶም የሱስ “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን: ግናኸ: ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ” ኢሉ ዝገለጾም ክንከውን ኣይንደልን ኢና። — ማቴዎስ 22:37–39፣ 23:3

እቲ ክፍሊ ባርያ እቲ ብቑዕ ዝኾነ መሳርሒ ይቕርብ

18. ከመይ ኢሉ ኢዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንምሕጋዝ ዘዕጥቐና?

18 ነቲ ብስራት ኣብ ኵሎም ህዝብታት ንምስባኹ ካልእ ኣገዳሲ ረቋሒ ኮይኑ ዝተረኽበ ድማ: ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብቐሊሉ ክርከብ ምኽኣሉ ኢዩ። ዳርጋ ንነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ሓታቲ ከዕግብ ዝኸእል መጻሕፍቲ: ብሮሽራት: ትራክትን መጽሔታትን ኣሎና። ኣስላማይ: ሂንዱ: ቡድሂስት: ታኦይስት ወይ ኣይሁዳዊ: እንተደኣ ረኺብና ነታ ወድ ሰብ ኣብ ምድላይ ኣምላኽ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክንጥቀም ንኽእል ኢና: ወይ ከኣ በብዓይነቱ ትራክትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ተጠቒምና ዝርርብ ምናልባሽውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምር ንኽእል ኢና። ሓደ ብኢቮሉሽን ወይ ፍልቀት ዝኣምን ሰብ ብዛዕባ ፍጥረት እንተሓቲቱና ነታ ህይወት ከመይ ኢላ ኢያ መጺኣ? ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት? እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ሓደ መንእሰይ “ዕላማ ናይ ህይወት እንታይ ኢዩ?” ኢሉ ምስ ዝሓተና ድማ: ኣብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታትን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ክንሕብሮ ንኽእል ኢና። ሓደ ሰብ ብኸም እኒ ጭንቀት: ድኻም: ምግሳስ: ፍትሕ ዝኣመሰለ ናይ ብሕቲ ግድላት ኣዝዩ ዝተተንከፈ እንተኾይኑ ድማ: ነዚ ጉዳያት እዚ ተግባራዊ ፍታሕ ንምሃብ ተባሂሉ ዝተዳለወ መጽሔታት ኣሎና። ብሓቂ እቲ የሱስ ዝተዛረበሉ እሙን ክፍሊ ባርያ ግዲኡ ወይ ዕማሙ ብምፍጻም “ምግቦም በብግዜኡ” ይህቦም ኣሎ። — ማቴዎስ 24:45–47

19, 20. እቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ ኣልባንያ ፍጥነት ረኺቡ ዘሎ?

19 እንተኾነ ግን: ንኹለን ሃገራት ንምብጻሕ እዚ ጽሑፋት እዚ ብብዙሕ ቋንቋታት ክዳሎ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኽበ። መጽሓፍ ቅዱስን ጥቕሳዊ ጽሑፋትን ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣብ ልዕሊ 200 ቋንቋታት ክትርጐም ዝኸኣለ? ሕጽር ዝበለ ኣብነት ናይ ኣልባንያ እንተወሲድና እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ብዙሕ ጸገማትኳ እንተኣጋጠሞ: ብዘይ ናይ ዘመናዊ ጰንጠቆስጤ ናይ ቋንቋታት ተኣምራታዊ ምዝራብ ነቲ ብስራት ከደንፍዖ ክኢሉ ኢዩ። — ግብሪ ሃዋርያት 2:1–11

20 ቅድሚ ሒደት ዓመታት: ኣልባንያ ከም ሓንቲ ንሳ ጥራይ ናይ ብሓቂ እምነት ኣምላኽ ዘይብላ ኮሙኒስት ሃገር ኢያ እትቑጸር ነይራ። እቲ ናሽናል ጂኦግራፊክ ዝተባህለ መጽሔት ብ1980 ከምዚ በለ:- “ኣልባንያ ብ1967 ‘ኣብ ዓለም እታ ቀዳመይቲ ንኣምላኽ ዘይትኣምን መንግስቲ’ ኢላ ብምጽውዓ ሃይማኖት ትቃወሞ ወይ ትኽልክል ኢያ። . . . ናይ ኣልባንያ ሓድሽ ወለዶ ኣምላኽ የለን ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ።” ሕጂ ግን ኮሙኒዝም ወዲቑ ስለ ዝኾነ: እቶም ብመንፈሳዊ ነገራት ዝግደሱ ኣልባንያውያን ነቲ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝስበኽ ስብከት ይቕበልዎ ኣለዉ። ብ1992 ኣብ ቲራነ ፍልጠት ናይ ጣልያንን እንግሊዝኛን ዘለዎም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ትርጕም ጋንታ ኣቖሙ። ካብ ካልእ ሃገራት ዝመጹ ክኢላታት ኣሕዋት በተን ብቐሊሉ ክትስከመን እትኽእል ኮምፕዩተራት ከመይ ጌርካ ብፊደላት ቋንቋ ኣልባንያ ከም እትጽሕፍ መሃርዎም። ትራክትን መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ብምትርጓም ድማ ተበገሱ። ተመኵሮ እናቕሰሙ ብዝኸዱ ኸኣ ካልእ ጠቓሚ ዝኾነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይትርጕሙ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብዛ ኣዝያ ንእሽቶ ሃገር (ብዝሒ ህዝቢ 3, 262, 000) 200 ንጡፋት መሰኻኽር ኣለዉ: 1984 ዝኾኑ ድማ ኣብቲ ዝኽሪ በዓል ናይ 1994 ተኻፊሎም።

ኵላትና ሓላፍነት ኣሎና

21. ኣብ ከመይ ዝበለ እዋን ኢና ንነብር ዘሎና?

21 ኵነታት ዓለም ኣብ መደምደምትኡ ኣቢሉ ኢዩ ዝበጽሕ ዘሎ። ግብረ ገበንን ዓመጻን ኣብቲ ናይ ሓድሕድ ውግኣት ዝግበር ማሕረድን ምግሳስን: እቲ ኣብ ኵሉ ሰፊኑ ዘሎ ጉድለት ግብረገብነትን እቲ ኣፍርይዎ ዘሎ ብጾታዊ መገዲ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ሕጋዊ ስልጣን ዘይምኽባርን ኣብ ኵሉ በዚሑ ብምህላዉ: ዓለም ስርዓተ–ኣልቦነት ዝነገሳን ክትግዛእ ዘይትኽእልን ኰይና ኣላ። ዘሎናዮ መዋእል ልክዕ ነቲ ኣብ ዘፍጥረት ተገሊጹ ዘሎ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ግዜ ዝመሳሰል ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝኾነን ረኣየ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግበሩ ተጣዕሰ: ብልቡ ድማ ጐሀየ።” — ዘፍጥረት 6:5, 6፣ ማቴዎስ 24:37–39

22. ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እንታይ ክርስትያናዊ ሓላፍነት ኢዩ ዘለዎም?

22 ልክዕ ከምቲ ብመዓልቲ ኖህ: የሆዋ ሕጂውን ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። እንተኾነ ግን ብፍትሑን ብፍቕሩን ተደሪኹ መጀመርያ ነቲ ብስራትን ነቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትን ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ክስበኽ ይደልዮ ኢዩ። (ማርቆስ 13:10) በዚ ምኽንያት እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ሰላም ኣምላኽ ክረኽቡ ዝበቕዑ ክረኽቡዎምን ነቲ ናይ ሰላም መገድታቱ ክምህርዎምን ሓላፍነት ኣለዎም። ድሕሪ ቑሩብ ግዜ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ እቲ ናይ ስብከት ተግባር ብዓወት ክዛዘም ኢዩ። “ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” — ማቴዎስ 10:12, 13፣ 24:14፣ 28:19, 20

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ ኣህዛብ ዝሰፍሐ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ 2ይ ጥራዝ ናይታ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ዝተዳለወት ኣብ ገጽ 472–4 “ኣህዛብ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ርአ።

b ተግባራዊ ርእይቶታት ብዛዕባ ከርስትያናዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ኣብታ ናይ 15 ነሓሰ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 15 “ከመይ ጌርካ ብቑዓት ኣገልገልቲ ከም ዝኽወን” ከምኡውን ኣብ ገጽ 21 “ብቑዕ ኣገልግሎት: ዝያዳ ደቀ መዛሙርቲ የፍሪ” ዝብል ኣርእስቲ ተመልከት።

ትዝክርዎዶ?

◻ ዘመናውያን መሰኻኽር: ኣብ ኣገልግሎቶም እንታይ ዓወት ኢዮም ዝረኸቡ?

◻ ስለምንታይ ኢዮም ብዙሓት ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽቲ ዝነጽግዎ?

◻ እቶም መሰኻኽር: እንታይ ሃዋርያዊ ኣገባብ ስብከት ኢዮም ዘዘውትሩ?

◻ ዕዉት ኣገልግሎት ንምፍጻም እንታይ መሳርሒታት ኣሎና?

◻ ኵላትና ምስ ማርቆስ 13:10 ብምስምማዕ እንታይ ክንገብር ይግብኣና?

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ሃገር ብ1943 ንጡፋት ዝነበሩ መሰኻኽር ብ1993

ኣርጀንቲና 374 102,043

ብራዚል 430 366,297

ቺለ 72 44,668

ኮሎምቢያ ?? 60,854

ፈረንሳ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ጸብጻብ የለን 122,254

ኣየርላንድ 150? 4,224

ኢጣልያ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ጸብጻብ የለን 201,440

ሜክሲኮ 1,565 380,201

ፔሩ ጸብጻብ ንጥፈት የለን 45,363

ፊሊፒንስ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ጸብጻብ የለን 116,576

ፖላንድ ካልኣይ ውግእ ዓለም: ጸብጻብ የለን 113,551

ፖርቹጋል ጸብጻብ ንጥፈት የለን 41,842

ስፐይን ጸብጻብ ንጥፈት የለን 97,595

ዩራጓይ 22 9,144

ቨንዝወላ ጸብጻብ ንጥፈት የለን 64,081

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከም እስጳኛን ዝኣመሰላ ብዙሓት ካቶሊካውያን ሃገራት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኵለን ሃገራት ዓለም ንጡፋት ኮይኖም ይዓዩ ኣለዉ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ