ዕዉራት እንታይ ተስፋ ኣለዎም?
ጆን ሚልተን ዋላኳ ፈጺሙ ዕዉር እንተነበረ ነተን ዝጠፍአት ገነትን ዝተመልስት ገነትን ዝብላ ግጥምታቱ ጸሓፈን። ሄለን ኬለር እውን ዕውርትን ጸማምን እኳ እንተነበረት ካብቲ ንስንኩላት ንምሕጋዝ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኣይተኸልከለትን። እወ: ብዙሓት ሰባት ንዑረቶም ይዋጽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ዝርእያ ኣዒንቲ እንተ ዝህልዎስ ክሳዕ ክንደይ ዘገርም ምኾነ! ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ዝያዳ እትሰማማዕ: እተፍቅሮ ሰብ ወይ ዓርክኻ ዕዉር ወይ እናገደደ ዝኸይድ ናይ ዓይኒ ሽግር ምስ ዝህልዎ ኢዩ።
ሓቂ ኢዩ ኣብ ገለ ሃገራት ናይ ተሃድሶ ፕሮግራማት ጸገም ናይ ምርኣይ ንዘለዎም ሰባት ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ዝጠቕሞም ጥበባት ይምህርዎም ኢዮም። ብዙሕ ካብቲ ዘድልዮም ነገራት ንኽገብሩ: ዕዉራት ብብረይል ከምኡውን ንምምራሕ ብዝተማህሩ ኣኽላባት ይሕገዙ ኢዮም። ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ንዑረት ከም ኣዝዩ ዘፍርሕ ስንክልና ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ሓደ ጸሓፊ ከምዚ ኢሉ የረጋግጽ:- “ዕዉር ምዃን ማለት ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ክፍሊ ናይዛ ትርአ ዓለምና ክትረኽቦ ዘይምኽኣል ማለት ኢዩ።” ብዙሓት ዕዉራት ሰባት ከኣ ኣብ ካልኦት ኢዮም ዝጽግዑ።
እሞ ዑረትሲ ክሳዕ ክንድዚ ዓብላልነትዶ ኣለዎ ኢዩ? ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ብዛዕባ ትራኮማ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ? እዚ ናይ ትሽዓተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ዑረት ዘስዕብ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ዘ ኒው ኤንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “እዚ ሕማም እዚ ተላጋቢ ኢዩ: ከምኡውን ኣብ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎን ጽሬት ዝጐደሎን ከባቢታት ኢዩ ብቕልጡፍ ዝበዝሕ። ሕጽረት ማይን እቶም ኣብ ውጽኣት ወድሰብ ዝዓልቡ በእላፋት ዝቑጸሩ ጽንጽያን ነዚ ሕማም እዚ ንምስፍሕፋሕ ይሕግዙ ኢዮም። ብገለ ገለ መገድታት ትራኮማ ካብ ናይ ሕክምና ሽግር ብዝያዳ ናይ ማሕራዊ ናብራ ሽግር ኢዩ: ናይ ኣነባብራ ደረጃ እንተ ዝመሓየሽ: ተጻቢብካ ምንባር እንተ ዝውሕድ: ጽንጽያ ከም ዝጐድሉ እንተ ዝግበር: ውሕስነት ናይ እኹል ምንጭታት ማይ እንተ ዝህሉ: ሕማም ትራኮማ ብቕልጡፍ ክጐድል ምኽኣለ ነይሩ።” ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ከኣ ብኦንኮሰርቺያሲስ ዝተባህለ ናይ ዓይኒ ሕማም ይሳቐዩ ኣለዉ። ብዛዕባ ዚሮፍታልሚያኸ እንታይ ይበሃል? እቲ ስሙ ከቢድ እኳ እንተኾነ ሓደ ልሙድ ምኽንያት ዑረት ኢዩ። ሕማም ሽኮር: ሕማም ጐረሮ: ንፍዮ: ፍሮማይ ከምኡውን ብጾታ ዝመሓላለፉ ሕማማት ናብ ዑረት ክመርሑ ይኽእሉ ኢዮም።
እናዓበና ምስ እንኸይድ ከኣ ከም ማኩላ ሉተያ ዝተባህለ ክፍሊ ዓይንና ይደክም: ግላውኮማ ዝብሃል ሕማምን ከምኡ ኸኣ ሓበላ ዓይኒ ዝኣመሰሉ ዓይንና እናደኸመ ከም ዝኸይድ ይገብርዎ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ሓበላ ዓይኒ ገና ንብዙሓት ምኽንያት ናይ ዑረት ይኾኖም ኣሎ: እዚ ኸኣ ብመጥባሕቲ ብቐሊሉ ክሓዊ እናኸኣለ ኸሎ ብምዃኑ ዝያዳ ዘሕዝን ይገበሮ።”
ዋላኳ ብናይ ዓይኒ ሕክምና ብዙሕ ሓደሽቲ ምህዞታት እንተ ተገብሩ: ዑረት ንኽጠፍእ ግና ነዊሕ ግዜ ዝተረፎ ኢዩ ዝመስል። እዛ ተጠቒሳ ዝጸንሐት ኤንሳይክሎፐድያ ከምዚ ትብል:- “ዑረት ንምክልኻል ይኹን ሕክምናውን መጥባሕታውን ምፍዋስ ንምግባር ዝርአ ምዕባለታት ነቲ ንኽሕከም ክእለት ዘለዎ ህዝቢ ጥራይ ኢዩ ዝጠቕሞ። ዝበዝሐ ክፍሊ ናይ ህዝቢ ዓለም ኣመጋግብኡን ንጽህንኡን እንተ ዘይተመሓይሹ: ክትከላኸሎ እትኽእል ዑረት ሕጂ ከምዚ ዘለዎ ዓብላሊ ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ።
ጸረ–ነፍሳት መድሃኒትን መጥባሕትን ኣንጻር ዑረት ንምቅላስ ጠቐምቲ እኳ እንተኾኑ: ተስፋ ናይ ፍጹም ምፍዋስ ግን ምስ ሓደ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር ዝተፈጸመ ነገር ዝተተሓሓዘ ኢዩ።
ዕዉራት ምሕዋይ ኣብ ግዜ የሱስ
ዕድሚኡ ካብ 30 ሕልፍ ዝበለ ሰብኣይ ብሓደ መገዲ ሓመድ ክኸይድ ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ይሓልፍ ከም ዘሎ ብምስምዖም ኣብቲ መገዲ ዝነበሩ ክልተ ዕዉራት ከምዚ ኢሎም ይጭርሑ:- “ምሓረና” እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት እኳ ስቕ ከብልዎም እንተ ደለዩ: እቶም ዕዉራት ዓው ኢሎም “ምሓረና” እናበሉ ጨርሑ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ብሕያውነት ከምዚ ኢሉ ይሓቶም:- “እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም” ንሳቶም ከኣ ብምህንጣይ “ኣዒንትና ክኽፈታ” በልዎ። እቲ ዝገርም እቲ ሰብኣይ ኣዒንቶም ይትንክፎም እሞ ብኡብኡ ኸኣ ኣዒንቶም ይርእያ ነበራ! — ማቴዎስ 20:29–34
እዞም ዕዉራት ዝነበሩ ሰባትሲ ምስ ሓወዩ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ ዝነበረ! ጌና ሎሚ ዑረት ልሙድ ኢዩ ዘሎ። እዚ ሓደ ኣጋጣሚ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ ግን ከነስተብህለሉ የድልየና? ምኽንያቱ የሱስ ብዓል ናዝሬት ኢዩ ብሕያውነት ነዞም ዕዉራት ሰባት ኣዒንቶም ዝኸፈተሎም። የሱስ ኣብ ርእሲ እቲ ‘ንድኻታት ከበስር ምቕብኡስ’ ‘ንዕዉራት ምርኣይ ክህብውን ተላኢኹ’ ኢዩ። — ሉቃስ 4:18
እቶም ሰባት ብሓይሊ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝተገብረ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ርእዮም ተገሪሞም ኢዮም። ከምዚ ነንብብ:- “እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ: ቈራያት ኪሓውዩ: ሓንካሳት ኪኸዱ: ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ: ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።” (ማቴዎስ 15:31) ገለ ዋጋ ከየኽፈለን ከይተፈኽነነን ናይ ገዛእ ርእሱ ክብሪ ከይደለየን የሱስ ኣብ ከምዚ ዝበሉ ምሕዋያት ናይ የሆዋ ፍቕርን ምሕረትን ኣጕልሐ። ይኹን እምበር የሱስ ነቶም ብመንፈሳዊ መገዲ ዕዉራትን ድኹማትን ከምኡውን ነቶም ከም “ሓላዊ ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ይድንግጸሎም ነይሩ ኢዩ። — ማቴዎስ 9:36
ከምዚ ዝበለ ዛንታ ኣገዳሲ እኳ እንተ ኾነ: ሎሚኸ እሞ? ትብል ትኸውን። ሎሚ ከምቲ የሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ገይሩ ዘሕዊ ሰብ ስለ ዘየለ: እዞም ከምዚ ዝበሉ ምሕዋያት ንዓና ትርጕም ኣለዎምዶ? ንዕዉራት ገለ ተስፋ ኣለዎምዶ? ነዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ በጃኹም ኣንብብዋ።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ዝበዝሐ ክፍሊ ናይ ህዝቢ ዓለም ኣመጋግብኡን ንጽህንኡን እንተ ዘይተመሓይሹ: ክትከላኸሎ እትኽእል ዑረት ሕጂ ከምዚ ዘለዎ ዓብላሊ ኮይኑ ክቕጽል ኢዩ።” — ዘ ኒው ኤንሰይክሎፐድያ ብሪታኒካ