ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/3 ገጽ 9-13
  • ጽቡቕን ሕማቕን ፍረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽቡቕን ሕማቕን ፍረ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ራእያዊ ጽቡቕ በለስ
  • ራእያዊ ሕማቕ በለስ
  • ኣብ ግዜና ዘሎ ምሽሙሽ ምሳልያዊ በለስ
  • ንኣና ዝኸውን ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ
  • ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ‘ንየሆዋ ዚፈልጥ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱ ክቕመጥ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣሞጽ ኣራይ ዳዕሮ ድዩ ነይሩ ወይስ ቀርጣፍ ዳዕሮ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/3 ገጽ 9-13

ጽቡቕን ሕማቕን ፍረ

“እንሆ: እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ. ] በለስ ዝመልአ ክልተ መሶብ . . . ኣርኣየኒ። እታ ሓንቲ መሶብ: ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስ: ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ: እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብልዑ ዘይክኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ። ” — ኤርምያስ 24:1, 2።

1. የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ከመይ ገይሩ ኢዩ ለውሃቱ ዘርኣዮም? ንሳቶም ግን ከመይ ገይሮም መለሽሉ?

እታ ዓመት ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረት ዓመት ኢያ። እቲ ግቡእ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ህዝባን ቅድሚ ምውራዱ ልክዕ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲሙ ኢዩ። ኤርምያስ ዛጊት ን30 ዓመታት ዝኣክል ኣበርቲዑ ክሰብኽ ኢዩ ጸኒሑ ነይሩ። እቲ ኵነታት ከመይ ከም ዝነበረ እዝራ ኣብ 2 ዜና መዋእል 36:15 ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ:- “ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ: እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ።” እዚ ኹሉ ዝተገብረ ጻዕሪኸ እንታይ ኣፍረየ? ዘሕዝን ኢዩ ከመይሲ እዝራ ቀጺሉ ኣብ ቍጽሪ 16 ኣዘንትዩዎ ኣሎ:- “ግናኸ ቑጥዓ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ናብ ልዕሊ ህዝቡ ክሳዕ ዚድይብ: ፈውሲውን ክሳዕ ዚስኣን: ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም: ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዓቕዎ: ነቶም ነብያትውን ኣዋረድዎም።”

2, 3. እቲ የሆዋ ንኤርምያስ ዘርኣዮ ዘደንቕ ትርኢት ግለጾ።

2 እዚ ማለት ግን ህዝቢ ይሁዳስ ፈጺሞም ክጽረጉ ነይርዎም ማለት ድዩ? ናይዚ መልሲ ንምርካብ: ኣብታ ብስም ኤርምያስ ተመዝጊባ ዘላ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 24 ተመዝጊቡ ዘሎ ንኤርምያስ ዝተዋህቦ ኣገዳሲ ራእይ ንመልከት። ኣምላኽ ኣብዚ ራእይ እዚ ኣብ መንጐ እቶም ናይ ኪዳን ህዝቢ ዝተራእዩ ምዕባሌታት ንምምልካት በለስ ዝመልኣ ክልተ መሶብ ተጠቒሙ ኣሎ። እዚኣቶም ብኽልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፍረ: ብጽቡቕን ሕማቕን ተመሲሎም ኣለዉ።

3 ኤርምያስ ምዕራፍ 24 ቍጽሪ 1 ከምኡውን ቍጽሪ 2 ነቲ ናይ ኣምላኽ ነብዪ ዝረኣዮ ራእይ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ናቡከድናጾር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያስ: ወዲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ: ምስ መሳፍንቲ ይሁዳን ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጻውንን ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ኣግዐዞም: እንሆ: እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ: ከምቲ ፍልም ዝበሰለ በለስ: ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ነበራ። እታ ሓንቲ መሶብ ድማ ምብላዑ ዘይክኣል ኣዝዩ ሕማቕ በለስ ነበራ።”

ራእያዊ ጽቡቕ በለስ

4. እቲ ራእይ ናይቲ በለስ ነቶም እሙናት እስራኤላውያን እንታይ ዘጸናንዕ መልእኽቲ ኢዩ ዝሓዘሎም?

4 የሆዋ ንኤርምያስ ብዛዕባ እቲ ዝረኣዮ ነገር ድሕሪ ምሕታቱ: ቀጺሉ ካብ ቍጽሪ 5 ክሳዕ 7 ከምዚ በለ:- “ኣነ ነቶም ካብ እዚ ስፍራ እዚ ናብ ሃገር ከለዳውያን ዝሰደድክዎም ምሩኻት ይሁዳ: ከምቲ ጽቡቕ በለስ ገይረ: ባህ ኢሉኒ ኽጥምቶም እየ። ባህ ኢሉኒ ኣዒንተይ ናባታቶም ከብለን እየ: ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክመልሶም እየ። ክሃንጾም እየ እሞ ኣይከፍርሶምን: ክተኽሎም እየ እሞ ኣይክምንቍሶምን እየ። እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ምዃነይ ኪፈልጡንስ: ልቢ ኽህቦም እየ: ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ: ንሳቶም ህዝበይ ኪኾኑ እዮም: ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።”

5, 6. (ሀ) ከመይ ኢሎም ኢዮም ገለ እስራኤላውያን ‘ባህ ብዘብል መገዲ’ ወይ ‘ብጽቡቕ መገዲ’ ናብ ከለዳውያን ዝተላእኩ? (ለ) የሆዋ ነቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ እሙናት እስራኤላውያን ‘ባህ ኢሉዎ ኣዒንቱ ናብኦም ዝገበረ’ ከመይ ኢሉ ኢዩ?

5 ስለዚ ካብቲ የሆዋ ኣብዚ ተዛሪብዎ ዘሎ ክንርድኦ ከም እንኽእል: ዝሓሸ መዓልታት ገና ክመጽእ ነይርዎ: ህዝቢ ይሁዳውን ፈጺሞም ኣይክጽረጉን ኢዮም ማለት ኢዩ። እዚ ጽቡቕ በለስ ዝመልአ መሶብ ግን እንታይ ትርጉም ዘለዎ ኢዩ?

6 ኢኮንያ ወይ ከኣ ዮያኪን ንየሩሳሌም ብፍታው ኣብ ኢድ ንጉስ ናቡከደናጾር ከም እትማረኽ ቅድሚ ምግባሩ: ልክዕ ንሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ዝኣክል ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነጊሱ ነይሩ ኢዩ። ካብቶም ምስኡ ተማሪኾም ዝኸዱ: ዳንኤልን እቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱ: ሃናንያ: ሚሻኤልን ኣዛርያን ህዝቅኤልን ይርከብዎም ነበሩ። ህይወት ናይዞም ምሩኻት እዚኣቶም ብንጉስ ናቡከደናጾር ዑቕባ ረኺባ ነበረት። ስለዚ እቲ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ምኻዶም: የሆዋ ባህ ኢሉዎ ኣብኡ ሰዲዱዎም ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ከምኡውን የሆዋ “ባህ ኢሉዎ ኣዒንቱ ናባታቶም ከብለን” ኢሉ ከም ዘተስፈወኸ ኣስተብሂልካዮዶ? እዚኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ፍጻሜኡ ዝረኸበ? ድሕሪ 80 ዓመታት ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. የሆዋ ንንጉስ ቂሮስ ነቶም ተረፍ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክምለሱ ኣዋጅ ከውጽእ ምስ ደረኾ እዚ ነገርዚ ፍጻሜኡ ረኺቡ ኢዩ። እዞም እሙናት ኣይሁድ ንኸተማ የሩሳሌም እንደገና ሃነጽዋ: ንኣምልኾ ናይ የሆዋ ኣምላኾም ዝኸውን ድማ ሓድሽ ቤተ መቕደስ ሃነጹ: ብምሉእ ልቦም ድማ ናብኡ ተመልሱ። ስለዚ በዚ ኹሉ እዞም ምሩኻት እዚኣቶምን እቶም ዘርኦምን: ከምቲ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ናይ ፈለማ ኢዮም ነይሮም።

7. የሆዋ ኣብዞም ዘመናውያን ክፍሊ ኤርምያስ ኣዒንቱ “ባህ ኢሉዎ” ዝጠመተ መኣስን ብኸመይን ኢዩ?

7 ኣብቲ ቀዳማይ ዓንቀጽ: እቲ ናይ ኤርምያስ ትንቢታዊ ቃላት ነዚ መበል 20 ክፍለ ዘበንና ትርጉም ከም ዘለዎ ተማሂርና ከም ዝነበርና ትዝክሮ ኢኻ። ምዕራፍ 24 እውን ካብዚ ዝተፈልየት ኣይኮነትን። ብዙሓት ካብቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ በዚ ይኹን በቲ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ናይ ዓባይ ባቢሎን ወደቑ። እተን ዝሕልዋኦም ዝነበራ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ‘ባህ ኢልወን ናባታቶም የብላ ነበራ።’ ስለዚ በቲ ዝዓበየ ቂሮስ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ: የሆዋ ንሓይሊ ዓባይ ባቢሎን ሰቢሩ: ቀስ ኢሉ ድማ ኣብ መንፈሳዊት ገነት ኣምጸኦም። እዞም መንፈሳውያን እስራኤላውያን ድማ ገጾም ናብኡ ብምግባር ብምሉእ ልቦም ናብ የሆዋ ተመልሱ። ብድሕርዚ: ብ1931 ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ተሓጒሶም ተቐበልዎ። ብሓቂ ኸኣ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኣዝዩ ጽቡቕ በለስ ዝመልአ መሶብ ኮይኖም ክበሃል ይከኣል ኢዩ።

8. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ከም ናይ በለስ ዝመሰለ ጣዕሚ ዘለዎ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዘርግሕዎ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም?

8 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ዕላማ ናይቲ የሆዋ ካብ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ከውጽኦም ከሎ ዘርኣዮም ጸጋ ወይ ዘይበቕዕዎ ሕያውነት ኣይሰሓትዎን። ነቲ ከም ናይ በለስ ዝኣመሰለ መቐረት ዘለዎ ብስራት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንርእሶም ጥራይ ሒዞሞ ስቕ ኣይበሉን። ኣብ ክንድኡስ ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 “እዚ ወንጌል [ብስራት ት.ሓ.ዓ.] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ክስበኽ እዩ” ዝብል ቃላት ናይ የሱስ ብምስምማዕ ናብ ኵሎ ኢዮም ኣዊጆሞ። ፍሪኡኸ እንታይ ኰነ? ልዕሊ 4, 400, 000 ዝኣኽሉ መንፈሳውያን እስራኤል ዘይኮኑ ኣባጊዕ መሰል ካብ ዓበይ ባቢሎን ተላቒቖም ኣለዉ።

ራእያዊ ሕማቕ በለስ

9. ኣብቲ ናይ ኤርምያስ ራእይ እቶም ብሕማቕ በለስ ተመሲሎም ዘለዉ መን ኢዮም?

9 ግን እቲ ኣብ ናይ ኤርምያስ ራእይ ዘሎ ሕማቕ በለስ ዝመልአ መሶብከ ደኣ እንታይ ኢዩ ትርጉሙ? ኤርምያስ ሕጂ ኣቓልቦኡ ኣብቲ ኣብ ኤርምያስ ምዕራፍ 24 ካብ ቍጽሪ 8 ክሳዕ 10 ዘሎ ቃላት የሆዋ ገጹ ኢዩ ዝገብር:- “ኣነ ንጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳን ንመሳፍንቱን ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝተረፉ ኣብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ዚነብሩ ዘለዉ ትርፊ የሩሳሌምን: ከምቲ ሕማቕ ኪብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኰይኑ ዝሓመቐ በለስ ከምኡ ኽገብሮም እየ: ይብል እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.]። ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ኵሉ ስፍራታት ከኣ ንጸርፍን ንመመሰልን ንመላገጽን ንመርገምን ኪኾኑ: ኣብ ኵሉ መንግስታት ምድሪ ንመከራን ንስቓይን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ካብታ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ዝሀብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዚጠፍኡ: ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ክሰደሎም እየ።

10. የሆዋ ንጼድቅያስ ከም “ሕማቕ በለስ” ዝቖጸሮ ስለምንታይ ኢዩ?

10 ስለዚ ጼድቅያስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ብሓቂ ሕማቕ በለስ ኰይኑ ኢዩ ተረኺቡ። ነቲ ብስም የሆዋ ምሒሉዎ ዝነበረ ናይ ተኣማንነት ማሕላ ብምጥሓሱ ኣንጻር ናቡከደናጾር ዓልዩ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ የሆዋ ብኤርምያስ ገይሩ ዘርጊሑሉ ዝነበረ ድንጋጽውን ፈጺሙ ነጺጉዎ ኢዩ: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ንኤርምያስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎ ኢዩ። ናይቲ ንጉስ እቲ ኣረኣእያ: እዝራ ኣብ 2 ዜና መዋእል 36:12 ብኸምዚ ዝስዕብ ኣጠቓሊልዎ ኣሎ:- “ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ: ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር [የሆዋ ት.ሓ.ዓ.] እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሓተን።” ጼድቅያስን እቶም ኣብ የሩሳሌም ተሪፎም ዝነበሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ከም ሓደ ሕማቕ ምሽሙሽ በለስ ዝመልአ መሶብ ኢዮም ኰይኖም ነይሮም!

ኣብ ግዜና ዘሎ ምሽሙሽ ምሳልያዊ በለስ

11, 12. ሎሚኸ እቶም ከም ሕማቕ በለስ ዝፍለጡ እንታዎት ኢዮም? እንታይከ ኢዩ ዝወርዶም?

11 እስኪ ሕጂ ኸኣ ናብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ገጽካ ተመልከት። ሕማቕ በለስ ዝመልአ ምሳልያዊ መሶብ ክትረክብ ትኽእልዶ ይመስለካ? እስኪ ነዚ ዘሎናዮ ግዜ ምስቲ ናይ ኤርምያስ ግዜ እናነጻጸርና ነቲ ጭብጥታት ንመርምሮ። ኣብዚ መበል 20 ዘበንና የሆዋ ነቲ ክፍሊ ኤርምያስ ማለት ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ኣብቲ ዓቢ ጸበባ ዝፍጸም ቍጥዕኡ ብዘይምቍራጽ ንህዝብታት ከጠንቅቑ ተጠቒሙሎም ኢዩ። ንኹሎም ዓሌታት ንስሙ ዝበቅዕ ክብሪ ክህብዎ: ብመንፈስን ብሓቅን ከምልኽዎ: ነቲ ነጊሱ ዘሎ ወዱ ክርስቶስ የሱስ ድማ ከም ንምድሪ ዝገዝእ በዓል መሰል ገይሮም ኣፍልጦ ክህብዎ ክምዕዶም ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ምላሽከ እንታይ ነበረ? ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኤርምያስ ኢዩ ነይሩ። እቶም ህዝብታት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ሕማቕ ምግባር ይቕጽሉ ኣለዉ።

12 ነዚ ናይ ዕልወት ኣረኣእያ ዝስዕብዎ ዘለዉኸ መን ኰን ይኾኑ? መንከ ኢዮም ነዞም ኤርምያስ መሰል ልኡኻት ኣምላኽ ብዘይምቍራጽ እናኣባጨዉ ነቲ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘቕርብዎ ዕዮ ዝጠራጠርዎ ዘለዉ? መንከ ኢዮም ንቓል ኣምላኽ ዝንዕቅዎ ዘለዉ? መንከ ኢዮም ሎሚ እዚ ኹሉ ስደት ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ክወርድ ብታሕቲ ታሕቲ ዘሳውሩ ዘለው? እቲ መልሲ ንኹሉ ብሩህ ኢዩ: ህዝበ ክርስትያን ኢዮም ብሕልፊ ኸኣ ቤተ ክህነት! ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ እስኪ ነቲ ኵሉ ናይ ህዝበ ክርስትያን ምሸሙሽ ሕማቕ ፍረ ተመልከቶ! እወ: ሎሚውን ብርግጽ ኣብ ምድሪ ምሳልያዊ ሕማቕ በለስ ዝመልአ መሶብ ኣሎ! አረ የሆዋስ “ብምሕማቑ ኺብላዕ ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝዩ ሕማቕ እዩ” ኢሉ ኢዩ ገሊጽዎ ዘሎ። እቲ የሆዋ ብኣፍ ኤርምያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቃላት ክሳዕ እዚ ዘሎናዮ ግዜ መቓልሕ ይመልስ ኣሎ:- ‘ክጠፍኡ እዮም!’ ኣብ ልዕሊ ህዝበ ክርስትያን ዝወርድ ቍጥዓ የሆዋ ፈውሲ ኣይክረክብን ኢዩ።

ንኣና ዝኸውን ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ

13. ብመሰረት እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:11 ዘሎ ቃላት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ: ነቲ ራእይ ናይተን በለስ ዝመልኣ ክልተ መሶብ ብኸመይ ክንርእዮ ይግብኣና?

13 ንትርጉም ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኤርምያስ ክንምርምሮ ኸሎና: እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:11 ዘሎ ቃላት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣእዛንና ይድውል ኢዩ:- “እዚ ኹሉ መለበሚ ኪኸውን እዩ ዝበጽሖም: ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ኪኾነና እዩ እተጻሕፈ።” ንሕናኸ ነቲ በዚ ናይዘን በለስ ዝመልኣ ክልተ መሶብ ተዋሂቡ ዘሎ ራእይ ዘመልክቶ መጠንቀቕታ ኣብ ልብናዶ ኣእቲናዮ ኣሎና? እዚ ክንዘራረበሉ ዝጸናሕና ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ቀንዲ ነገራት ንዓና ናይ መጠንቀቕታ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ ነይሩ።

14. እስራኤል ነቲ ለውሃት ዝመልኦ ሓልዮት የሆዋ ብኸመይ መለሰትሉ?

14 ኣብ መወዳእታ ኸኣ እስኪ ነቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 7:10 ዘሎ የሆዋ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እስራኤል ዝተዛረቦ ቃላት ንዘክሮ:- “ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ . . . ኣብታ ቦታኡ ኽተኽሎ እየ።” የሆዋ ንህዝቡ: ንእስራኤል ብብዙሕ መገድታት ብለውሃት ይሓልየሎም ነበረ። እስራኤላውያን ኣብ ህይወቶም ጽቡቕ ፍረ ክፈርዩ ብዙሕ ምኽንያታት ነበሮም። እታ ሓንቲ ክገብርዋ ዝግብኦም ዝነበረ ግን ነቲ ናይ የሆዋ መለኰታዊ ትምህርቲ ጽን ኢልካ ምስማዕን ትእዛዛቱ ምሕላውን ኢዩ። ይኹን እምበር ካብኣቶም ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ነዚ ዝፈጸምዎ። መብዛሕትኦም ኣዝዮም ተረርትን ነቓጻትን ብምንባሮም ሕማቕን ዝመሽመሸን ፍረ ኢዮም ኣፍርዮም።

15. ሎሚ እቶም መንፈሳውያን እሰራኤልን እቶም ኣባጊዕ መሰል ብጾቶምን ነቲ ናይ የሆዋ ለውሃት ብኸመይ ክምልስሉ ጸኒሖም?

15 እሞ ብዛዕባ እዚ ግዜናኸ እንታይ ክበሃል ኢዩ? የሆዋ ነቶም ተረፍ መንፈሳውያን እስራኤልን ነቶም ኣባጊዕ መሰል ብጾቶምን ብዙሕ ድንጋጽ ኣርእይዎም ኢዩ። ካብቲ ብ1919 ብመንፈስ ሓራ ዝወጹሉ ግዜ ጀሚሩ ኣዒንቱ ብዘይምቍራጽ ናባታቶም ኣቢለን እየን ዝጥምታ ዘለዋ። ከምቲ ብኢሳይያስ ተነጊሩ ዝነበረ: ካብቲ ዝዓበየ መምህር ናይዚ ኣድማስ ካብ የሆዋ ኣምላኽ በብመዓልቱ መለኰታዊ ትምህርቲ ይረኽቡ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 54:13) እዚ በቲ ፍቑር ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዝምራሕ ዘሎ መለኰታዊ ትምህርቲ ኣብ መንጐኦም ማእለያ ዘይብሉ ሰላም ኣፍርዩሎም ኣሎ: ከምኡውን ምስ የሆዋ ዝጠበቐ ዝምድና ከም ዘጥርዩ ገይርዎም ኣሎ። እዚ ኸኣ ብወገኑ ኹላትና ንየሆዋ ክንፈልጦን ክንሰምዖን ኣብ ህይወትና ድማ ንየሆዋ ክብሪ ዘምጽኣሉ ጽቡቕ ፍረ ክንፈሪ ዝሕግዘና ኣየ ኸመይ ዝመሰለ ዘደንቕ መንፈሳዊ ኵነታት ኰን ኢዩ!

16. ነፍሲ ወከፍና: ካብቲ ራእይ ናይተን በለስ ዝመልኣ ክልተ መሶብ እንታይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል?

16 ይኹን እምበር: እዚ ኹሉ ጸጋ ኣምላኽ እናሃለወ ኸሎ: ገሊኦም ከምቶም ብዙሓት ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ ዝነበሩ ዝገበርዎ ገና ዓለወኛታትን ተረርቲ ልብን ብምዃን ኣብ ህይወቶም ሕማቕ ምሽሙሽ ፍረ ዝፈርዩ ኣለዉ። ኣየ እዝስ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! ካባናውን ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ነዚ በተን በለስ ዝመልኣ ክልተ መሶብን እቲ ጽቡቕን ሕማቕን ፍሪአንን ብንጹር ተገሊጹ ዘሎ መጠንቀቕታ ዘየቕልብ ኣይሃልወና። እቲ ግቡእ ፍርዲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ከሓዲት ህዝበ ክርስትያን እናተቓላጠፈ ኸሎ: ንሕና ድማ ነቲ ማዕዳ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ እነቕልበሉ ይግበረና:- ‘ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ኹሉ: ፍረ እናፈሬኹም ንየሆዋ ባህ ከተብሉ ንኡኡ ብቑዓት ኴንኩም ተመላለሱ።’ — ቈሎሴ 1:10።

ድግማ ናይ “ጽቡቕን ሕማቕን ፍረ” ከምኡውን ካብታ “የሆዋ ምስ ህዝብታት ዘለዎ ነገር” እትብል ካብ ዓንቀጻት 1–4

◻ እታ ጽቡቕ ፍረ ዝመልአት መሶብ እንታይ እያ እተመልክት?

◻ እታ ሕማቕ በለስ ዝመልአት ራእያዊት መሶብ ከመይ ኢላ ኢያ ዝተጋህደት?

◻ እቲ ናይ ኤርምያስ መልእኽቲ ንዓና እንታይ ናይ መጠንቀቕታ ትምህርቲ ዝሓዘ ኢዩ?

◻ ብዛዕባ ዓመት ናይ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ጐሊሑ ዝርአ ነገር እንታይ ኢዩ? ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. ኸ?

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ህዝቢ ኣምላኽ ከም ጽቡቕ በለስ ኰይኖም ምቍር ፍረ ናይ መንግስቲ ኣምላከ ኣውጺኦም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ህዝበ ክርስትያን ከም ሕማቕ በለስ ዝመልአ መሶብ ኰይና ኣላ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ