ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 91 ገጽ 214-ገጽ 215 ሕ.ጽ. 4
  • ኣልኣዛር ተንስአ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣልኣዛር ተንስአ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣልኣዛር ክትንስእ ከሎ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • እቲ ንየሱስ ዝፈረዶ ሊቀ ኻህናት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • የሱስ ቅድም ናብ ሃና፡ ደሓር ናብ ቀያፋ ተወስደ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 91 ገጽ 214-ገጽ 215 ሕ.ጽ. 4
ማርታን ማርያምን፡ የሱስ ንኣልኣዛር ሓወን ኬተንስኦ ኸሎ ይርእያ

ምዕራፍ 91

ኣልኣዛር ተንስአ

ዮሃንስ 11:38-54

  • ትንሳኤ ኣልኣዛር

  • ኣባላት እቲ ዋዕላ ንየሱስ ኪቀትልዎ ሓሰቡ

የሱስ ምስ ማርታን ማርያምን ኣብ ጥቓ ቢታንያ ምስ ተራኸበ፡ ናብ መቓብር ኣልኣዛር ከዱ። እቲ መቓብር ከኣ ብእምኒ እተዓጽወ በዓቲ ነበረ። የሱስ ድማ፡ “ነዚ እምኒ ኣልግስዎ” በሎም። ማርታ ኸኣ፡ የሱስ እንታይ ኪገብር ከም ዝሓሰበ ስለ ዘይተረድኣ፡ “ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ጨንዩ ኪኸውን ኣለዎ” ብምባል ዘተሓሳሰባ ነገር ገለጸት። የሱስ ግና፡ “እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምረኣኺዶ ኣይበልኩኽን፧” በላ።—ዮሃንስ 11:39, 40።

ሽዑ፡ ነቲ እምኒ ኣልገስዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፡ “ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ። እዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኺኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓንስ፡ ፈሊጠ ኣለኹ” ኢሉ ጸለየ። እቶም ዚዕዘብዎ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ኺገብሮ ኢሉ ዝነበረ ተግባር በቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸቦ ሓይሊ ኸም ዚገብሮ ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሉ እዩ ብግህዶ ዝጸለየ። ድሕርዚ፡ “ኣልኣዛር፡ ንዓ ውጻእ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ኣልኣዛር ከኣ ኣእጋሩን ኣእዳዉን ብመግነዝ ተገኒዙ፡ ገጹ እውን ብጨርቂ ተጠቕሊሉ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም።—ዮሃንስ 11:41-44።

ንማርታን ንማርያምን ኬጸናንዑ ዝመጹ ብዙሓት ኣይሁድ ነዚ ተኣምር እዚ ርእዮም ብየሱስ ኣመኑ። ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ኻህናትን ከኣ ነቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝዀነ ዋዕላ ኣከቡ። ሓደ ኻብቶም ኣባላት እቲ ዋዕላ፡ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ነበረ። ገሊኣቶም ድማ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ብዙሕ ትእምርትታት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ ከምዚ እንተ ሓዲግናዮ፡ ኵላቶም ብእኡ ኺኣምኑ እዮም፣ ሮማውያን መጺኦም ድማ ቦታናን ህዝብናን ኪወስዱ እዮም” በሉ። (ዮሃንስ 11:47, 48) እዞም ሰባት እዚኦም፡ የሱስ “ብዙሕ ትእምርትታት ይገብር” ምህላዉ ብዓይኖም ዚረኣዩ መሰኻኽር እኳ እንተ ረኸቡ፡ በቲ ኣምላኽ ብእኡ ዚገብሮ ዝነበረ ነገር ኣይተሓጐሱን። ብቐዳምነት ቦታኦምን ስልጣኖምን እዩ ኣተሓሳሲብዎም።

ኣይሁድ ንፈሪሳውያን ብዛዕባ ትንሳኤ ኣልኣዛር ይነግርዎም

ኣልኣዛር ካብ ምዉታት ምትንሳኡ፡ ነቶም ብትንሳኤ ዘይኣምኑ ሰዱቃውያን ብርቱዕ ስዕረት እዩ ነይሩ። እቲ ሰዱቃዊ ዝነበረ ቀያፋ ድማ፡ “ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ብዘሎ ህዝቢ ኻብ ዚጠፍእሲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዚጠቕመኩም ኣይትሓስቡን ኢኹም” ኢሉ ተዛረበ።—ዮሃንስ 11:49, 50፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:17፣ 23:8።

ቀያፋ እተዋህቦ ሓላፍነት ቅዱስ ብምንባሩ፡ ከምኡ ኸም ዚብል ዝገበሮ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ “እዝስ ካብ ርእሱ ኣይኰነን ኢልዎ።” ቀያፋ ኸምኡ ኺብል ከሎ፡ የሱስ ንስልጣንን ንጽልዋን መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ እናኣዳኸሞ ኻብ ዚኸይድ፡ እንተ ተቐትለ ይሓይሽ ማለቱ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ቀያፋ እተነበዮ ትንቢት፡ የሱስ ብሞቱ ንኣይሁድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽ” እውን በጃ ኸም ዚኸውን ዚሕብር እዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 11:51, 52።

ቀያፋ ኣብቲ ዋዕላ ጽልዋ ብምሕዳሩ፡ ንየሱስ ኪቐትሉ ውዲት ኣለሙ። እቲ ኣባል እቲ ዋዕላን ብዛዕባ የሱስ ዚግደስን ዝነበረ ኒቆዲሞስ፡ ብዛዕባ እዚ ውዲት እዚ ንየሱስ ነጊርዎ ደዀን ይኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ብኡብኡ ኻብ ከባቢ የሩሳሌም ረሓቐ፣ በዚ ኸምዚ እውን ቅድሚ እታ ኣምላኽ ዝመደባ ግዜ ኸይመውት ኣምለጠ።

  • እቶም ትንሳኤ ኣልኣዛር ዝረኣዩ ሰባት እንታይ ገበሩ፧

  • ኣባላት እቲ ዋዕላ እኩያት ምንባሮም ዘቃልዐ እንታይ እዩ፧

  • ቀያፋ ኻልእ ሓሲቡ እኳ እንተ ተዛረበ፡ ኣምላኽ ግና እንታይ ከም ዚንበ እዩ ዝገበሮ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ