ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 55 ገጽ 134-ገጽ 135 ሕ.ጽ. 10
  • ቃላት የሱስ ንብዙሓት ኣሰምበዶም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃላት የሱስ ንብዙሓት ኣሰምበዶም
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ ካብ ምስዓብ ኣቋረጹ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንዘለኣለም ክትነብር ትኽእል ኢኻ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • የሱስ—“እንጌራ ህይወት”
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 55 ገጽ 134-ገጽ 135 ሕ.ጽ. 10
የሱስ ምስ 12 ሃዋርያቱ ይዛራረብ፣ ይሁዳ ተጠራጢሩ ናብ ካልእ ይጥምት፡ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ እናጕረምረሙ ይኸዱ

ምዕራፍ 55

ቃላት የሱስ ንብዙሓት ኣሰምበዶም

ዮሃንስ 6:48-71

  • ስጋኡ ምብላዕ፡ ደሙ እውን ምስታይ

  • ብዙሓት ተዓንቀፉ፡ ካብ ምስዓቡ እውን ንድሕሪት ተመልሱ

የሱስ ኣብታ ኣብ ቅፍርናሆም እትርከብ ምኵራብ፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ሓቂ እንጌራ ምዃኑ መሃረ። እዚ ዝርርብ እዚ መቐጸልታ እቲ ምስቶም ካብ ምብራቓዊ ሸነኽ ባሕሪ ገሊላ እተመልሱ፡ ካብቲ እንጌራን ዓሳን ድማ ዝበልዑ ህዝቢ እተዛረቦ እዩ።

የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በሊዖም እዮም፣ ግናኸ ሞይቶም እዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፣ እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ” በሎም።—ዮሃንስ 6:48-51።

ኣብ ፋስጋ 30 ድ.ክ.፡ የሱስ ንኒቆዲሞስ፡ ኣምላኽ ንወዱ መድሓኒ ኪኸውን ክሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ከም ዘፍቅራ ነጊርዎ ነይሩ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ፡ የሱስ በቲ ንሱ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ብምእማን፡ ስጋኡ ኺበልዑ ኸም ዜድሊ ኣጕልሐ። ናይ ዘለኣለም ህይወት በዚ ኸምዚ እዩ ዚርከብ።

እቶም ሰባት ግና በቲ የሱስ ዝበሎ ኣይተሰማምዑን። “እዝስ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይኽእል፧” ድማ በሉ። (ዮሃንስ 6:52) የሱስ ነዚ ብምሳልያዊ ደኣ እምበር፡ ቃል ብቓሉ ማለቱ ዘይምዃኑ ኼረድኦም ደለየ። ቀጺሉ ዝብሎ ኸኣ፡ እንታይ ማለቱ ምዃኑ እዩ ዚሕብር።

“ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበሊዕኩም፡ ደሙ እውን እንተ ዘይሰቲኹም፡ ብርእስኹም ህይወት የብልኩምን። ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ . . . ስጋይሲ ናይ ሓቂ ምግቢ እዩ፡ ደመይ ከኣ ናይ ሓቂ መስተ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ፡ ደመይ እውን ዚሰቲ ምሳይ ሓድነት ይህልዎ።”—ዮሃንስ 6:53-56።

እዚ ነቶም ኣይሁድ ሰማዕቱ ኽሳዕ ክንደይ ዜስገድግድ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሱስ ቃል ብቓሉ ስጋኡ ኺበልዑ ወይ ሕጊ ኣምላኽ ጥሒሶም ደም ኪሰትዩ ኸም እተዛረቦም መሲልዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍጥረት 9:4፣ ዘሌዋውያን 17:10, 11) የሱስ ግና ቃል ብቓሉ ስጋ ኺበልዑ ወይ ደም ኪሰትዩ ኣይኰነን ዚዛረቦም ነይሩ። የግዳስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ዚደልዩ ዘበሉ፡ ኣብቲ ፍጹም ሰብኣዊ ስጋኡ ብምሃብን ደሙ ብምፍሳስን ዚገብሮ መስዋእቲ ኺኣምኑ ኸም ዘለዎም እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ እውን ነቲ ትምህርቱ ኣይተረድእዎን። ስለዚ፡ “እዚ ዘረባ እዝስ ዜሰምብድ እዩ፣ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧” በሉ።—ዮሃንስ 6:60።

የሱስ ገለ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ የጕረምርሙ ኸም ዝነበሩ ምስ ፈለጠ፡ “እዚዶ ይዕንቅፈኩም እዩ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ እንታይ ምበልኩም፧ . . . እዘን እተዛረብኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን፡ ህይወት እውን እየን። ገለ ኻባኻትኩም ግና ዘይኣምኑ ኣለዉ” በሎም። ብሰንኪ እዚ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓዲጎምዎ ኸዱ፡ ደጊም እውን ኣይሰዓብዎን።—ዮሃንስ 6:61-64።

ስለዚ፡ የሱስ ነቶም 12 ሃዋርያቱ፡ “ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም፧” በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና” ኢሉ መለሰሉ። (ዮሃንስ 6:67-69) ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝሃቦ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይተረድኦም፡ ከመይ ዝበለ መግለጺ ተኣማንነት ኰን እዮም ዘርኣዩ!

የሱስ በቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ ምላሽ ባህ እኳ እንተ በሎ፡ “ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹም ደይኰንኩን ሓርየኩም፧ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ሓማዪ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 6:70) ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሕማቕ ኣካይዳ ይጅምር ከም ዘሎ ኣስተብሂሉሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ ጴጥሮስን ካልኦት ሃዋርያትን ንዕኡ ኻብ ምስዓብን ኣብቲ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ኻብ ምክፋልን ንድሕሪት ከም ዘይምለሱ ምፍላጡ፡ ብርግጽ ዕግበት ከም ዚስምዖ ገይሩ እዩ።

  • የሱስ ስጋኡ ንሰባት ዚህቦም ብኸመይ እዩ፧ ሰብ፡ ‘ስጋ የሱስ ኪበልዕ’ ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧

  • ሰባት በቲ የሱስ ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን ዝበሎ ዝሰምበዱ ስለምንታይ እዮም፧ ንሱ ግና እንታይ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ፧

  • ብዙሓት ንየሱስ ምስዓብ ምስ ገደፍዎ፡ ጴጥሮስ እንታይ እዩ ዝበለ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ