ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 1 ገጽ 10-ገጽ 11 ሕ.ጽ. 8
  • ካብ ኣምላኽ ክልተ መልእኽቲ መጸ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ኣምላኽ ክልተ መልእኽቲ መጸ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ሰማይ ዝመጸ መልእኽትታት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ኤልሳቤጥ ወለደት
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ”
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • መገዲ ዜዳሉ ተወልደ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 1 ገጽ 10-ገጽ 11 ሕ.ጽ. 8
ገብርኤል ንዘካርያስ ይርኣዮ፣ ኤልሳቤጥ ጠነሰት

ምዕራፍ 1

ካብ ኣምላኽ ክልተ መልእኽቲ መጸ

ሉቃስ 1:5-33

  • ገብርኤል መልኣኽ ብዛዕባ ልደት ዮሃንስ መጥምቕ ተነበየ

  • ገብርኤል ንማርያም ብዛዕባ ልደት የሱስ ነገራ

ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ መልእኽቲ ጌርና ኽንወስዶ ንኽእል ኢና። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንትምህርትና ኢሉ ዝሃበና እዩ። ሕጂ ግና ብዛዕባ እቲ ልዕሊ 2,000 ዓመት ይገብር ዝመጸ ኽልተ ፍሉይ መልእኽቲ እስከ ንርአ። ገብርኤል ዝስሙ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዚቐውም’ መልኣኽ እዩ ኣምጺእዎ። (ሉቃስ 1:19) ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ እቲ መልኣኽ ነዚ ኣገዳሲ መልእኽትታት እዚ ዘብጽሖ፧

እቲ ግዜ፡ 3 ቅ.ክ. እዩ ነይሩ። እሞኸ ገብርኤል ነቲ ቐዳማይ መልእኽቱ ናበይ እዩ ዘብጽሖ፧ ካብ የሩሳሌም ብዙሕ ከይረሓቐ ኣብ ዚርከብ ኵርባታት ይሁዳ፡ ሓደ ዘካርያስ ዝስሙ ካህን የሆዋ ይነብር ነበረ። ንሱን ሰበይቱን ብዕድመ ዝደፍኡ ነበሩ፣ ውሉድ ከኣ ኣይነበሮምን። ዘካርያስ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኬገልግል ግዲኡ በጽሐ። ብሃንደበት ከኣ ገብርኤል ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ዕጣን ደው ኢሉ ተራእዮ።

ዘካርያስ ኣዝዩ ፈርሀ። ገብርኤል ግና፡ “ዘካርያስ፡ ምህለላኻ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ፣ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ከኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ እውን ዮሃንስ ክትብሎ ኢኻ” ብምባል ንፍርሁ ኣወገደሉ። ገብርኤል ቀጺሉ፡ ዮሃንስ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ኪኸውን” ምዃኑን “ንየሆዋ ብቑዕ ህዝቢ . . . ኼዳልወሉ” ምዃኑን ገለጸ።—ሉቃስ 1:13-17።

ዘካርያስ ብኣእዳዉ የመልክት

ዘካርያስ ግና ኪኣምን ኣይከኣለን። ስለምንታይ፧ ዕድሚኡን ዕድመ ኤልሳቤጥን ደፊኡ ስለ ዝነበረ እዩ። ስለዚ፡ ገብርኤል “ቃለይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ዚዀነላ መዓልቲ፡ ዓባስ ክትከውን፡ ምዝራብ እውን ክትስእን ኢኻ” በሎ።—ሉቃስ 1:20።

እዚ ኪኸውን ከሎ፡ እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ዘካርያስ ኣብ ውሽጢ እንታይ ኰይኑ ኸም ዝደንጐየ ኺሓስቡ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ወጸ፡ ብኣእዳዉ ምልክት ኪገብር እምበር፡ ኪዛረብ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ከሎ፡ ራእይ ከም ዝረኣየ ተገንዘቡ።

ዘካርያስ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚገብሮ ኣገልግሎቱ ምስ ወድአ፡ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኤልሳቤጥ ጠነሰት! ልደት እቲ ሕጻን እናተጸበየት ድማ፡ ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቤታ ተሓብአት።

ገብርኤል ንማርያም ይርኣያ

ድሕሪኡ፡ ገብርኤል ከም ብሓድሽ ተራእየ። ንመን እዩ እተራእየ፧ ንሓንቲ ኻብ የሩሳሌም ብሰሜን ኣብ ዞባ ገሊላ ኣብ ከተማ ናዝሬት እትነብር ማርያም እትብሃል ዘይተመርዓወት ጓል እዩ ተራእይዋ። እንታይከ እዩ ዝበላ፧ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኺብኪ ኢኺ” በላ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “እንሆ ድማ፡ ክትጠንሲ፡ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትብልዮ ኢኺ። ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ እቲ ልዑል እውን ኪብሃል እዩ፣ . . . ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ኪነግስ እዩ፣ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብላን” በላ።—ሉቃስ 1:30-33።

ገብርኤል ነዚ ኽልተ መልእኽቲ እዚ ምብጻሕ፡ ፍሉይ መሰል ገይሩ ርእይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዮሃንስን የሱስን ብዝያዳ እናኣንበብና ምስ ከድና፡ እዚ ኽልተ መልእኽቲ እዚ ስለምንታይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኺንጽረልና እዩ።

  • መን እዩ ኻብ ሰማይ ክልተ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘምጽአ፧

  • እቲ ኽልተ መልእኽቲ ናብ መን እዩ እተላእከ፧

  • እቲ ኻብ ሰማይ ዝመጸ መልእኽትታት ንምእማኑ ኣዝዩ ዜሸግር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ