ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 9 ገጽ 12
  • እስራኤላውያን፡ ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እስራኤላውያን፡ ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቲ ውግእ ናይ የሆዋ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ዳዊትን ሳኦልን
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 9 ገጽ 12
ዳዊት ወንጭፍ ሒዙ የጥቅዕ፡ ሰራዊት ሳኦል ድማ ይርእዩ

ክፋል 9

እስራኤላውያን፡ ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ

እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ሳኦል፡ ዘይእዙዝ ኰነ። ኣብ ክንዳኡ፡ ዳዊት ነገሰ፣ ኣምላኽ ከኣ ምስኡ ናይ ዘለኣለም ኪዳን መንግስቲ ኣተወ

ዘመነ ሲምሶን ምስ ኣብቅዐ፡ ሳሙኤል ኣብ እስራኤል ነብይን ፈራድን ኰይኑ ኣገልገለ። እስራኤላውያን ከም ካልኦት ኣህዛብ፡ ሰብኣዊ ንጉስ ኪገዝኦም ከም ዚደልዩ ደጋጊሞም ነገርዎ። እዚ ሕቶኦም እዚ ንየሆዋ እኳ እንተ ኣጕሃዮ፡ ንሳሙኤል ግን ዝደለይዎ ኺገብረሎም መምርሒ ሃቦ። ኣምላኽ ንሓደ ሳኦል ዝስሙ ትሑት ሰብኣይ፡ ንጉስ ኪኸውን ሓረዮ። ጸኒሑ ግን፡ ንጉስ ሳኦል ዕቡይን ዘይእዙዝን ኰነ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ የሆዋ ንሳኦል ንጉስ ከይከውን ነጸጎ፣ ንሳሙኤል ከኣ ዳዊት ንዚበሃል መንእሰይ ኪሸሞ ኣዘዞ። እንተዀነ ግን፡ ዳዊት ቅድሚ ምንጋሱ፡ ብዙሕ ዓመታት ጸኒሑ እዩ።

ዳዊት ምናልባት ኣብ ዓሰርተታት ዕድሚኡ ኸሎ፡ ኣባላት ሰራዊት ሳኦል ኰይኖም ንዜገልግሉ ኣሕዋቱ ኺበጽሖም ከደ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሎም ኣባላት እቲ ሰራዊት ንሓደ ጐልያድ ዚበሃል ንዓታቶም ኰነ ንኣምላኾም ዚጻረፍ ዝነበረ ገዚፍ ተዋጋኢ ፈርህዎ። ዳዊት በዚ ተቘጢዑ፡ ነቲ ገዚፍ ተዋጋኢ ኺገጥመሉ ፍቓደኛ ኰነ። ወንጭፍን ሒደት ኣእማንን ሒዙ፡ ናብቲ ዳርጋ 3 ሜተር ዝቝመቱ መጋጥምቱ ቐረበ። ጐልያድ ንዳዊት ኣስተናዓቖ፣ ዳዊት ከኣ ብስም የሆዋ ኣምላኽ ይቃለስ ብምህላዉ፡ ካብኡ ንላዕሊ ኸም እተዓጥቀ መልሲ ሃቦ። ድሕርዚ፡ ንጐልያድ ብሓንቲ እምኒ ወቒዑ ኣውደቖ፡ ብገዛእ ሰይፉ ገይሩ ድማ ርእሱ ቘረጾ። ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ስለ ዝፈርሁ፡ ሃደሙ።

ኣብ ፈለማ፡ ሳኦል ብትብዓት ዳዊት ተደነቐ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ሸሞ። ጸኒሑ ግን፡ በቲ ዳዊት ዝረኸቦ ዓወታት ኣመና ቐንአ። ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድምን ንሓያሎ ዓመታት እናተሃድነ ኺነብርን ተገደደ። ኰይኑ ግን፡ ንጉስ ሳኦል ብየሆዋ ኣምላኽ ከም እተሸመ ዳዊት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኪቐትሎ ዚህቅን ዝነበረ ንጉስ እሙን ነበረ። ኣብ መወዳእታ፡ ሳኦል ኣብ ውግእ ሞተ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ከምቲ የሆዋ እተመባጽዖ፡ ዳዊት ንጉስ ኰነ።

ዳዊት ንጉስ ምስ ኰነ፡ ንየሆዋ ቤተ መቕደስ ኪሃንጸሉ ደለየ። የሆዋ ግን ንዳዊት፡ ሓደ ኻብ ዘርኡ ኸም ዚሃንጸሉ ነገሮ። እቲ ዝሃነጸሉ ሰብ ከኣ፡ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ምስ ዳዊት ዜሐጕስ ኪዳን ብምእታው፡ ዓስቡ ሂብዎ እዩ፣ እቲ ኺዳን ድማ ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት፡ ፍልይ ዝበለ ስርወ-ንግስነት ከም ዚመጽእ ዚገልጽ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ኤድን መብጽዓ እተኣተወሉ መድሓኒ ወይ ዘርኢ ኻብኡ ኺመጽእ ምዃኑ ተነግሮ። ንሱ ድማ መሲሕ፡ ማለት ብኣምላኽ እተሸመ “ቅቡእ” ኪኸውን ነበሮ። እቲ መሲሕ፡ ገዛኢ እታ ንዘለኣለም እትጸንዕ መንግስቲ ኸም ዚኸውን፡ የሆዋ ተመባጽዐ።

ዳዊት ነዚ ኻብ ዘለዎ ዓብዪ ምስጋና እተላዕለ፡ ንህንጸት እታ ቤተ መቕደስ ዜድሊ ብዙሕ ናውትን ወርቅን ብሩርን ኣከበ። ብመንፈስ ተደሪኹ እውን ሓያሎ መዝሙር ዘመረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ” በለ።—2 ሳሙኤል 23:2።

—ኣብ 1 ሳሙኤል፣ 2 ሳሙኤል፣ 1 ዜና መዋእል፣ ኢሳይያስ 9:7፣ ማቴዎስ 21:9፣ ሉቃስ 1:32፣ ዮሃንስ 7:42 እተመስረተ።

  • የሆዋ ንንጉስ ሳኦል ብዳዊት ዝተክኦ ስለምንታይ እዩ፧

  • ዳዊት ንጉስ ቅድሚ ምዃኑ እውን ከይተረፈ እንታይ ባህርያት እዩ ኣርእዩ፧

  • እቲ ኻብ መስመር ወለዶ ዳዊት ዚመጽእ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ወይ መድሓኒ መን እዩ፧

“ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ።”​—2 ሳሙኤል 7:13

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ