ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 8 ገጽ 11
  • ህዝቢ እስራኤል ናብ ከነኣን ኣተዉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህዝቢ እስራኤል ናብ ከነኣን ኣተዉ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ረሃብ ‘ብግብሪ ጸደቐት’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ትሓብኦም
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ዘይልሙድ መምርሒ ሰዓበ
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 8 ገጽ 11
እያሱ ዅናት ይእውጅ፡ ካህናት ድማ መለኸት ይነፍሑ

ክፋል 8

ህዝቢ እስራኤል ናብ ከነኣን ኣተዉ

ህዝቢ እስራኤል ብእያሱ ተመሪሖም ንከነኣን ወረርዋ። የሆዋ ብመሳፍንቲ ገይሩ ንህዝቡ ኻብ ጭቈና ኣድሓኖም

እስራኤል ናብ ከነኣን ቅድሚ ምእታዉ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ እታ ምድሪ ንዘርኢ ኣብርሃም ክትከውን ምዃና፡ የሆዋ ተመባጺዑ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ እስራኤላውያን ብእያሱ እናተመርሑ፡ ንምድሪ ተስፋ ወረስዋ።

ኣምላኽ ንከነኣናውያን፡ ጥፍኣት ከም ዚግብኦም ፈሪድዎም ነይሩ እዩ። ነታ ምድሪ ብብዕሉግ ጾታዊ ተግባራቶምን ብምፍሳስ ደምን መሊኦምዋ ነበሩ። ስለዚ፡ እተን እስራኤላውያን ዝሰዓርወን ከተማታት ከነኣን፡ ምሉእ ብምሉእ ኺጠፍኣ ነበረን።

ናብታ ምድሪ ቕድሚ ምእታዎም ግን፡ እያሱ ኽልተ ሰለይቲ ለኣኸ፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ከተማ ያሪኮ፡ ኣብ እንዳ ረሃብ እትበሃል ሰበይቲ ኣተዉ። ንሳ ነቶም ሰለይቲ ናብ ቤታ ተቐበለቶም፡ እስራኤላውያን ምዃኖም እናፈለጠት እውን ኣዕቈበቶም። ረሃብ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገበሮ ምድሓን ስለ ዝሰምዐት፡ ኣብ ኣምላኽ እስራኤላውያን እምነት ነበራ። ነቶም ሰለይቲ ኸኣ፡ ንዓኣን ንቤተሰባን ኪንሕፍዋ ኣምሓለቶም።

ጸኒሖም እስራኤላውያን ናብ ከነኣን ምስ ኣተዉ፡ ናብ ያሪኮ መጹ። የሆዋ ድማ ብተኣምራዊ መገዲ ንመካበብያ ያሪኮ ኣፍረሶ። ሰራዊት እያሱ ተጓይዮም ናብታ ኸተማ ኣተዉ፡ ንረሃብን ቤተሰባን ግን ነሓፍዎም። ቀጺሉ፡ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝወሰደ ቕልጡፍ ወፈራ፡ እያሱ ንመብዛሕትኡ ኽፋል ምድሪ ተስፋ ተቘጻጸረ። ድሕሪኡ፡ እታ ምድሪ ናብ ነገዳት እስራኤል ተመቓቐለት።

ካርታ ምድሪ ከነኣን[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ካርታ]

እያሱ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ንነዊሕ እዋን ዝፈጸሞ ኣገልግሎት፡ ነቶም ህዝቢ ኣከቦም። ነቲ የሆዋ ንኣቦታቶም ዝገበረሎም ነገራት ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ተላበዎም። እያሱን ብጾቱን ምስ ሞቱ ግን፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ ሓዲጎም፡ ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኣገልገሉ። ን300 ዓመት ዚኣክል፡ ንሕግታት የሆዋ ሰጥ ኢሎም ኣይተኣዘዙን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ የሆዋ ብኸም ፍልስጥኤማውያን ዝኣመሰሉ ጸላእቶም ኪጭቈኑ ፈቐደ። ኰይኑ ግን፡ እስራኤላውያን ካብ የሆዋ ረድኤት ደልዮም ኣብ ዚምህለሉሉ እዋን፡ ንኼድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንሰኣሎም። እቶም መሳፍንቲ፡ ብድምር 12 እዮም።

እቲ ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ተገሊጹ ዘሎ ዘመነ መሳፍንቲ፡ ካብ ዖትኒኤል ጀሚሩ፡ ኣብቲ ብኣካላዊ ብርታዐኡ መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ሲምሶን እዩ ኣብቂዑ። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ተመዝጊቡ ዘሎ መሳጢ ዛንታ፡ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ተደጋጊሙ ጐሊሑ ይርከብ። እዚ ድማ፡ ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ናብ በረኸት ኪመርሕ ከሎ፡ እዙዝ ዘይምዃን ግን ናብ መዓት ከም ዚመርሕ እዩ።

—ኣብ እያሱ፣ መሳፍንቲ፣ ዘሌዋውያን 18:24, 25 እተመስረተ።

  • የሆዋ ንረሃብን ንቤተሰባን ዝነሓፎም ስለምንታይ እዩ፧

  • እስራኤላውያን ድሕሪ ሞት እያሱ እንታይ ገበሩ፧

  • ኣብ መጽሓፍ መሳፍንቲ እንታይ መሰረታዊ ሓቂ እዩ ጐሊሑ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ